እንታይ ዓይነት ህያብ ንክርስቶስ ነቅርበሉ፧ወርቂ’ዶ፧ ዕጣን’ዶ ወይስ ከርበ፧

ኣዳም ብዝፈጾም በደል ካብ ገነት ኤዶም ምስ ተሰጎገ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን እግዚአብሔር ኣምላኽን ጋግ ተፈጥረ። ኣዳም  ትእዛዝ ብምጥሓሱ ዝጥረዮ ልሕሉሕ ርክብ ብምዉላድ ክርስቶስ  ኣብ ቤተሌሔም ናብ ናቡር ተመልሰ። ምዉላድ ክርስቶስ ኣብ ቤተሌሔም ደቂቀ ሔዋን ምስ  ፈጣሪኣም ከም ዝዕረቁ ገበሮም ፡ እቲ ዘነበረ ርክብ ምስ ኣምላኾም  ዳግማይ ትንሣኤ ክተክል ክኢሉ። ብልደት ዳግማዊ  ኣዳም  ተስፋ ቀዳማዊ ኣዳም መፈጸምታ ረኸበ። ናይ ባርነትን ኵነኔን ዘመን ኣብቅዐ፡ ሓይሊ ሞት ተሰወረ ። ዝዓበረ ሰላም ሰብሐ፡ፍርሒ ካብ ምድሪ ንዘልዓለም ርሒቁ ተኣልየ፡ ሓጎስ ከም ብርሃን መልአ፡  ደነ ጸልማት ግመ  ተቀንጠጠ ፡ዝሓዘነ ልብና ብሰላም ተደበሰ ፡ ብስራታዊ ንጋሪት ቃል ኣብ ዓለም ተነፍሐ።

  ኣብ በዓል ልደት ካብ ዝዝውተሩ  ቅዱስ መንፈሳዊ ልምድታት ሓደ  ህያብ(gift)  ምሃብ እዩ። እዚ መበገሲኡ ካብ ሰብኣ ሰገል( ሰብ ጥበብ) ማዃኑ ርዱእ ነገር እዩ( ማቴ2:1-12)። ሰብኣ ሰገል ደኺምና ጸሚእና ከይበሉ ካብ ርሑቅ ምብራቅ ዓዲ ነቂሎም ነቲ ዝዉለድ ንጉስ ሰማይን ምድርን ወርቂ፡ዕጣን፡ ከርበ ኣማሃ ሃብዎ። ሎሚ’ውን ንሕና ካብ ቤትና  ናብ ቤተ እግዚአብሔር ኣምላኽ  ክንመጽእ ከለና  ኣብ ጉዕዞና ብዝጋጥሙና መንፈሳዊ ማሕንቆ ከይተዓንቀፍና ፡ ብካኾብ ርትዕትን ሓዋርያዊትን እምነት ቅዱሳን ኣቦታትና ተመሪሕና እዘን ሰለ ሠለስተ(ወርቂ፡ከርበ፡ዕጣን)  ህያባት ነበርክት።

ወርቂ

gold

ሰብኣ ሰገል ነቲ ወርቂ ንስኻ ንጉሥ ሰማይን ምድርን ኢኻ እናበሉ ናቶም ንግስነት ተራፊ፡ ሓላፊ ምዃኑ ተገንዚቦም ወርቂ ኣምሃ ንክርስቶስ ጐይታ ኣቕረብሉ።ወርቂ እቲ ዝኸበረ ናይ ዓለም ንብረት ኢዩ። ንጹህ ሰለዝኾነ ብማይ ምስ ዝሕጸብ ኣይምርትን ምስ ካልእ ባእታ ተሓዊሱዉን ዘለዎ ባህርያዊ ትሕዝቶ ኣይቅይርን። ናይ ሓንቲ ሃገር ዑቁር ሃብቲ ብትውንኖ መጠን ወርቂ ይግመት። ብፍላይ ብዙኅ ገንዘብ ዘለዎም ሰባት ንብረቶም ናብ ወርቂ ቀይሮም ሃብቶም ብመልክዕ ወርቂ ክዕቅቡ ይመርጹ።

 ወርቂ ናይ ልብና ምሳሌ እዩ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ምስ ንግስግስ ንጽሃ ልቦና  ካብ ቤትና ተዓጢቅና ኣብ ልብና ዘሎ ድበት ኣሊና ብጽዕድዉ መንፈስ ነፍስና ነወቅብ ። ምዕቀኒ መንፈሳዊ ሕይወትና ልቦናዊ ንጽህናና  ምዃኑ ክንዝንግዕ የብልናን። ብጽሩይ ልቢ ናብ ቤቱ ምስ ንመጽእ ልክዕ ከምቶም ሰብኣ ሰገል ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክርእይዎ  ዝበቅዑ እሞ ልቦም ብሓጎስ ዘተመልአ ንሕናዉን ምስ ፈጣሪና ንራኸብ ልብና ድማ  ታሓጓስን ደስታን ይጎስዕ። ዝጥረናዮ ምድራዊ ስልጣን ኮነ ሃብቲ ጠፋኢ ከም ዝኾነ መሚና ነቲ ኴኖ ምዕዶ  ዘሎ ጽድቂ ነስተብህል ።  ልብና ሓጺብና  ኣብ ቤተልሔም(ቤተ ክርስቲያን) ምስ ንርከብ ንክርስቶስ ምራኣይ ንስለም። ጽሩይ ልቢ እንተዘይ ሰነቅና ግና ልክዕ ከም ሄሮዶስ፡ ክርስቶስ ኣምላኽ ኣብ ከብዲ ዓዱ ተወሊዱ ክንሱ፡  ልቡ ጥቅኡ ንዘሎ መድኃን ዓለም  ከይርኢ ዝተደፍነ፡ ንሕና ድማ ዋላእ’ኳ ንክርስቶስ ክንርኢ ናብ ቤቱ እንተ ፈጠና ልብና ሰለ ዘይጸረየ ናይ ልብና ድሌትን ብህግን ክንሓቁፍ ኣይንኽእል። ከም እስራኤል ዝስጋ  መንገዲ ኣርብዓ መዓልቲ ብኣርብዓ ዓመት ክንበጽሖ ክቡር ግዜና ኣብ ኮለል ንዕርቦ።

ዕጣን
etan

 ሰብኣ ጥበብ እቲ ዕጣን ንስኻ ኣምላኽ ኢኻ ኢሎም ህያብ ኣቅረብሉ። ዕጣን ምኡዝ ሽታ ዘለዉ ከይኑ ምስ ተኸኸ ናብ ላዕሊ ገጹ ይድይብ።  ሎሚ’ውን ንሕና ናይ ዕጣን ሕብሪ ኣምሳል ዝኾነ ፡ ጸሎት ካብ ቤትና ተሐንጊጥና  ናብ ልዑል ፈጣሪና ምዑዝ መስዋዕቲ ከነቅርብ ይድለ ኣሎ። ኣብ ቀጽሪ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ምስ በጻሕና  ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኽ እንታይ  ዓይነት ጸሎት ከቅርብ እየ መዝሙር  ዳዊት፡ ወይስ   ወዳሴ ማርያም ፡ ወይስ ሰዓታት፡ወይስ ሰኔ ጎልጎታ ፡ወይስ  ጸሎት ሸዉዓተ ሰዓታት  ....ወዘተ እናበልና ምስ ነብስና ንዛረብ ። ንመንፈሳዊ ሕይወትና  ንድሕሪት ዝጎትት ዘሎ ምዕንቀፊ መርሚርና ፡ ጸረ ሰናይ ኣቡኣ ለሓሶት  ድያብሎስ መንደረጋሕ ኣብ ምስንዛር ሰለ ዘየቋርጽ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽና ብጥቡዕ ልቢ ንጸጋዕ። ድኽመትና ኣስተማቂርና ብፍርሕን ራዕድን ክንቀረብ ፡  ንጹህ መስዋዕትና ሒዝና ክንመጽእ እግዚአብሔር ኣምላኽ ወትሩ ካባና ዝጽበዮ ነገር ምዃኑ ክንዝክር ኣለና።

 ኵሉ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝቐርብ መስዋዕቲ ቅብሉ ከም ዘይኮነ ንፈልጦ ሓቂ እዩ ። ኣቤልን ቃኤል ኣብ  ቅድሚ ፈጣሪኦም ምስዋዕቲ ምስ ኣቅረቡ እግዚአብሔር ነቲ ንጹህ መስዋዕቲ ኣቤል ጥራይ ተቀበሎ። ነቢየ ኤልያስን እቶም ኣብ ባዕዲ ኣምላኾን ዝኽተሉ ዘነበሩ መራሕትን  መስዋዕቲ ምስ ኣቅረቡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ናይ ኤልያስ መስዋዕቲ ኣዕረገ(1ይ ነገ18፡22-40)። ስለዚ  ንሕናዉን ናብ ቤተ እግዚአብሔር ነዳልዎ መስዋዕቲ መስጋና ከመይ ዘበለ እዩ ፡እንታይ ዓይነይ ጸሎት ሒዝና ክንመጽእ ከም ዘለና ካብ ዝሓለፉ ቅዱሳን ኣቦታትና ንመሃር። በዘልማድ ጸሎት ከይተሰከምና በዘይ ዕላማ ፡ ነቲ  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግብር መንፈሳዊ መደባት ጥራይ ተኻታቲልና  ከም  ደግፈቲ ናይ ሓደ ጋንታ በቲ ዓይንና ዝርኣዮ ፡ እዝንና ዝሰምዖ ቃላ ኣምላኽ  ዓጊባና  ናብ መንበሪ ገዛና ክንምልስ ኣይግድን!!። እዋይ ዘነብረ መዝሙር ክጥዕም፡ እዋይ ዘነበረ በዓል ክጽብቅ እናበለና ብስሚዒት ታህና ኣዉጺና ናይ ስሚዒትና ጉዙኣት ኮይና ፡ ነቲ ዝተዓዘብናዮ መንፈሳዊ መደባት ብስእሊ ወይ ብቪድዮ ቀዲሕና ኣብ ብዝተፈላለዩ  መራኸቢ ብዙሃን ዘርጊሕና(  facebook ፡ Viber twitter  whats’up)  ናእዳ ምድላብ ብስለት ዝሓጸሮ፡ መንፈሳዊ ድኻም ዝጾረ  ጉዕዞ ምዃኑ ንረዳእ። እዚ ዓይነት ሕይወት ምስ  ሰዓብትን ተኻታተልትን  ስኔማታት፡ ከነመሳስሎ ንኽእል። ኣፍቀርቲ ሲነማ  ነቲ ዝርኣይዎ  ፊልም ብኣድናቆት ምስ ጥቓኦም ኮፍ ዘብሉ  ሰባት በቲ ዝርኣይዎ ፊልምታት ይዕልሉን ይዝትዩን ፡ እሞ በቲ ዘረኣይዎ ፊልም ዕግበት ዝስመዖም ንሕናዉን በቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝካየድ መንፈሳዊ መደባት ተሳሒብና ነቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝግበር መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኣብ ምድናቅ መስ ንስለፍ  ካብናቶም ሕይወት ዝፈለ ኣይንሕዝን ዘለና። ክርስትና ሕይወት ትሳተፈሉ መድርኽ እምበር ኣብ መንበር ወይ ደዉ ኢልካ ትዕዞቦ ጉዕዞ ኣይኮነን።

ከርበ
kerbe

ሰብኣ ሰገል ክርስቶስ  ምእንቲ ኣበሳና ከም ዝምውት ክሕብሩ ከርበ ከም ህያብ  ሃብዎ።ከረበ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ግዜ ግንዘት ንጥቀምሉ። ከርበ በተዋሳኺ ንዘተቀደደ ስርማ ፡ ዕትሮ ኣብ ምልሓም ንጥቀመሉ ቀመም እዩ ። እዚ ዝምህረና  ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ንዝተቀደደ ዕዳ ደብዳቤና ሓንሳብ ንሓዋሩን ከም ዝደምሰሶ። ምድራዊ ዓለም መጻንሒ  ክራይ ድንኳን ከም ምዃና መጠን ዓይኒ ዘይርኣያ እዝኒ ዘይሰመዓ ሰማያዊት ቤት እግዚአብሔር ዘዳለዋ ሰፍራ ኣብ ጸጽባሕ ክናፍቃ ንስጋዊ ሕይወትና ብመንፈሳዊ ሕይወት ንቅተሎ ። ሰለዚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ክንመጽእ ከለና ሰጋዊ ሓሳብና ገቲእና ንሰጋዊ ባህግና ርሲዕና ምሉእ ሓሳብትና ናብ ሰማይ ንጠምት። ንዝተወስነ ሰዓታት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ንቆሙሉ ግዜ በዘዓባ ስራሕና ፡ ወለድና ፡ደቅና  ኮታስ  መዓልታዊ  ንግብሮ ንጥፈታት ቀቢርና ፡ ኣንጻር ስጋዊ ደሊትና ሰሚርና ኣብ ሰማያዊ ሓሳብ ክንጓልብ፡ ሕልናና ናብ ሰማይ ክነደይቦ ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ ክንዘራረብ ይግብእ።

       ኣብ ቤተ ክርስቲያን መጺኻ ቁሊሕ ምሊሕ ምባል፡ ተሌፎን ተደዊሉኒ ኢልካ ኣብ ግዜ ጸሎት ናብ ደገ ምዉጻእ ወይ ምስ ጥቓኻ ዝርከብ ሰብ ምዕላል ኣካልካ  እምበር ልብኻ ኣብ ተመስጦ ሰለ ዘየለ ህላዊኻ  ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትርጉም የብሉን። ምልስ ኢላና ናብ ቅዱሳን ኣቦታትና ምስ  ንጥምት ልዕሊ ኣእምሮና ዝኾነ  ክትኣምና ዝጸግም መንፈሳዊ ገድሊ ከም ዝሕለፉ ንመሃር። ኣቡነ ተክለ ሃይማኖት ንሸውዓት ዓመት ከየባተኹ ምስ ፈጣሪኦም ተራኺቦም ።  መዓልታዊ መንፈሳዊ ናብራ  ቅዱሳን ኣቦታትና ተመልኪትና፡ ርዝነት መንፈሳዊ ክብደትና ምስ  ንመዝን፡ ማዕረ ክንደይ ከም ዝፎኾስና ብቐሊሉ ይበርሃልና። ሰለዚ ካብ ገዛና ናብ ቤቱ ክንለዓል ከለና ስንቅና መሊእና ስጋዊ ድሌታትና ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከይእተና፡ ህንጡይነት መድራዊ ስሚዒትና  ጸንጺልና  ናብታ ተምሳል ቀራንዮ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን  ንሰጉም።ብነዋሕትን ብኣድከምትን ጉዕዞታት ኣይንረበሽ ፡ሰለምንታይ እንተ በልና ኣብዛ ሰዓት እዚኣ ኣብ ገዳማት ኮይኖም ምእቲ  ጽድቂ ኣብ ጸሎት ተጊሆም ዘለዉ ቅዱሳት ከንደይ ኣድከምትን ኣሰልቸዉትን ፈተናታት ሰለ ዝሰገሩ እዮም።ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ኣብዛ ምድሪ ብቃላት ክትገልጾም ዘይትኽእል  ጸዋተ ወመከራ ክቅበል ኵሎ ናብ እምባ ደይቡ ኣብ ጸሎት ኣብ ዝቆመሉ ሰዓት ንሓዋርያት ክሳብ መዓስ ኢኹም ትድቅሱ፡ ናብዚ እምባ ከትጽልዩ ኢኹም ዝመጻኹም ካብ ድቃስኩም  ተባራበሩ ኢሉ ገሲጽዎም እዩ(ማቴ26፡40)። ንሕናዉን ኣብ ቤተ እግዚአብሔር መጺና ብመንፈስ ከይንድቅስ፡ ናይ ደዉል ቃጭል  እናዘየመ ትንስኡ ለጸሎት ብምባል  ድያቆን የዘኻኽረና ኣሎ።ጉዕዞና ናብ ኤዮርሳሌም  መንፈሳዊ ትርጉም  ክለብስ ካብቲ ኣብ ቅራንዮ ዝቅዳሕ ደምን ሥጋን  ኣፍና  ክነምዑግ ንዳለውዎ።ዝተኻላለፈ መንፈሳዊ ጉዕዞና  ጸጊና ፡ ዘተጨርሐ ኳና እምነትና ኣፍሪስና ንስጋዊ ባህግታትና ኾሊፍና ኣብ ሥጋዊ ናብራና  በረኸት ክንከሰብ ናብ ቤቱ ክንግስግስ ንዓለማዊ ፈትወትና  ብከረበ ክንገንዞ ኣምላኽ ብጸግኡ ይደግፈና።

 

ከምቲ ኣቀዲምና መላሊስና  ዝጠቀስናዮ  ካብ ቤትና ክንብገስ ከለና ንጽህና፡ጸሎት፡ ስጋዊ ብህግና ቀቲልና ናብ ቤተ ክርስቲያን  ምስ ንመጽእ ከም ሰብአ ሰገል ክርስቶስ ምርኣይ ክንበቅዕ ኢና ። ካብዞም ሰለሠተ ሓደ ነገር ምስ ነጉድል ግና እግዚአብሔር  ኣምላክ ምሳና  ከሎ ዋላ ክንረኽቦ እንተ ደለና ወይከ!! ፈጺማና ኣይንረኽቦን። ከምቲ ኣብ ዘመነ ምዉላድ ክርስቶስ ዘነበሩ ፈላጣት ፡ ክርስቶስ ኣብ ኤፍራታ ከም ዝዉለድ ዝፈልጡ ግና ክርይዋ ዘይበቁዑ ሎሚውን ፈልጠትና  በዘዓባ ክርስቶስ እንተ መሊኡ ፈሰሰ  ንክርስቶስ ክንረኽቦ ኢልና ምሕሳብ ነቋርጽ ። ንክርስቶስ ምርኣይ ዘበቅዑ እንስሳታትን  ጓሶትን እዮም እሞ ንሕናውን  ነብስና ከም ጓሶትን እንስሳታትን ተሚና  ብትሕትና  ንክርስቶስ ክንደልዮ ብኮኾብ እምነትና ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ንመራሕ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር 

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣከ-ዘመካነ ገነት 

Comments are closed.