እንሆ ገብርኤል ብሰብ ኣምሳል ቀሊጢፉ ነፊሩ መጸ። ዳኒ. 9፣21።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እግዚአብሔር ንምምስጋን ስሙ ንምቅዳስ ካብ ዝተፈጥሩ ሥነ ፍጥረታት ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብ ዝተፈጥሩ ኣብ መበል  ሻዱሻይ መዓልቲ ዝተፈጥሩ ሰብኣዊ ፍጥረት ኮይኖም። እዚኦም ከኣ ንምቅዳስን ርስቱ ንምውራስን ዝተፈጥሩ ፍጡራት እዮም።

ካልኦት ፍጥረታት ከኣ ንኣንክሮ ንተዘክሮ ተፈጢሮም። ቅዱሳን መላእኽቲ ድማ ንእግዚአብሔር ንምምስጋን ከይተወሰኑ፣ ንሰባት ይራዳእዎ ።እዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ሰብ ጸገማት ከይበጽሕን እንተበጽሐ ከኣ ንምንጋፍ ብኣማላድነቶምን ተራዳእነቶም ብዝገብርዎ ተልእኾ እዩ።

ከምዝፍለጥ መላእኽቲ  ፍጥረቶም ብኢድ ዘይድህሰሱ እሳታውያን ፣ ብዓይኒ ዘይረኣዩ ረቐቅቲ እንተኾኑ፣ ሥርሖም ግና ዝፍለጥን ዝርዳእን ብኢድ ዝጭበጥን ብዓይኒ ዝረአ ግዙፍ እዩ። እሶም ብዝፈልጥዎ ምሥጢር ሰባት ንምርዳእ ብዝፍጽምዎ ተልእኾ እሳተ ሕይወት ዝኾነ ክንፎም ዘርጊሖም እንዳነፈሩ ከምዝበጽሑ ብዝተፈላለየ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ተገሊጹ ክንበብ ንረኽቦ።

ነዚ ንምግላጽ ቅዱሳን መጽሓፍቲ መላእኽቲ ናብ ዝተሸገሩ ሰባት ነበልባላዊ ኣኽናፎም ዘርጊሖም እንዳነፈሩ ከምዝመጽኡ ነብየ ዳኒኤል ክገልጽ ከሎ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላኹ ክልምንን ጸሎት  ክጽልይ ከሎ  “ ብጸሎት ገና ክዛረብ ከለኹ ገብርኤል እዚ ቕድም ብራእይ ርእየዮ ዝነበርኩ ሰብኣይ ቀሊጢፉ ነፊሩ ኣጋ ጊዜ መሥዋእቲ ተንከየኒ። ” ዳኒ. 9፣20-21። ይብል።

መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ካብ መልኣኽቲ ከተማ ተንሢኡ ነብዩ ዳኒኤል ናብ ዘለዎ እንዳነፈረ ዝመጸ ዝመጻሉ ምኽንያቱ እንታዩ እዩ እንተ ኢልና። ነብዩ ዳኒኤል  ትጉኅ ጸሎት ዘየቃርጽ፣ ኣብ ዝጠዓሞን ዘይጠዓሞን ስመ እግዚአብሔር ከይጸውዐ ዘይውዕል ዝነብረ ነብይ እዩ። ነብዩ ዳኒኤል ኣብ ከምዚ እዋኑ ጾም እንዳጾመ ጸሎት እንዳጸለየ ገጹ ኣብ ቅድሚ እግዚ አብሔር ኣቕኒዑ ምሕረትን ይቕሬታን እንዳለመነ ከሎ ፣ ቅዱስ ገብር ኤል ካብ ኣምላኹ እግዚአብሔር ተላኢኹ፣ መልሲ ናይ ጸሎቱ ንምሃብ እንዳነፈረ መጸ።

ቅዱስ ገብርኤል ንዝጽውዕዎ ሰባት ፈጢኑ ዝበጽሕ፣ ንዝጽማሕጸንዎ እብ እዋኑ ዝራዳእ ምዃኑ ስለእንፈልጥ፣   ብስም ቅዱስ ገብርኤል ኣምላኽ ንጽሊ። ብኣማላድነት ቅዱስ ገብርኤል ንምሕጸን።

ቅዱስ ገብርኤል እንዳነፈረው መጺኡ ንምንታይ መጺኡ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብለና። “መሃረኒ ተዛረበኒ በለውን፣ ዳኒኤሌየ ኣነ ምስትውዓል ክምህረካ ኢለ ሕጂ መጻእኩ። ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ንስኻ ኣዚኻ ፍትው ኢኻ እሞ፣ ክነግረካ ኢለ መጻእኩ እምበኣርሲ ነዚ ቓል እዚ ኣቕልበሉ፣ ነዚ ራእይውን ኣስተውዕሎ።  ” ዳኒ. 9፣22-23።

እግዚአብሔር ናይ ዳኒኤል ጸሎት ሰሚዑ። ነዚ ከኣ እዩ ቅዱስ ገብርኤል ዝሰደደሉ። ቅዱስ ገብርኤል ንነብዩ ዳኒኤል ኣብ ጊዜ ምርኮ ባቢሎን ተራዳኢኡ መልኣኽ እዩ ዝነበረ።

“ ገና ክዛረብ ከለኹ ”፣ ይብለና እዚ ማለት ነብዩ ዳኒኤል ብልቡን ብኣንደበቱን ይጽሊ ነበረ። ናይ ከናፍር መሥዋእቲ ምቕራብ ካብ ቅዱስ ዳዊት ተማሂሩ እዩ። ቅዱስ እግዚአብሔር ነብዩ ዳኒኤል መልሲ ዝሃቦ ገና ጸሎቱ ከይፈጸመ እዩ። ንጽኃ ልቡንኡ ርእዩ፣ ቀሊጡፉ መሊሲሉ። እግዚአብሔር ዝደሊ ስቡር ልቢ እዩ። መጀመርያ እግዚ አብሔር ንዓና ይርኢ ዳሕራይ ንመሥዋእትና። “ እግዚ አብሔ ድማ ናብ ኣቤልን ናብ መሥዋእቱን ባህ ኢልዎ ረኣየ። ” ዘፍ  ፣4፣4። መጀመርታ ልቢ ኣቤል ርእዩ ዳሕራይ ከኣ ናብ መሥዋእቱ።  እግዚአብሔር  ገና እቲ ክንብሎ  ዝሓሰብና ከይበልናዩ ይፈልጦ።

መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል “  ብመጀመርታ ምህለላኻ ቃል ወጸት። ” ዳኒ. 9፣23። ብምባል ዝገለጾ ነዚ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ  ንነብዩ ዳኒኤል ናይ ጸሎቱ መልሲ ዝሃቦ ገና ከይጀመረ ከሎ እዩ።

ቅዱስ እግዚአብሔር ንቅዱስ ገብርኤል ቀሊጡፉ ናብ ዳኒኤል ሰዲድዎ። ክብል ከሎ ነቲ ካብ ልቢ ዝጽለ ጸሎቱ መልሱ ከኣ ፈጣን ቅልጡፍ ንምርዳእ እዩ። ካልእ ነብዩ ዳኒኤል ምስ ቅዱሳን መላእኽቲ ዝነብሮ ቅሩብ ዝምድና የረድኣና። ቅዱስ መል ኣኽ በሰብኣይ ኣምሳል እዩ ተገሊጽሉ።

ቅዱስ መልኣኽ ንዳኒኤል ዝተገልጸሉ ኣብ ኣጋ ግዜ መሥዋእቲ እዩ ዝነበረ። እዚ ማለት ከባቢ ናይ ምሽተ ሠርክ እዩ ። ኣብቲ እዋን ኣብ ባቢሎን ምሥዋእቲ ሃልዩ ኮይኑ ኣይኮነን። ብኢዮርሳሌም ምዝራቡ እዩ። ምኽያንቱ ኣብ ባቢሎን ከሎ መሥዋእተ ሠርክ ኣይረስዖን። ከም ናይ ኣቦታቱ ኣሰረ ፍኖቶም ተኸቲሉ የቕርብ ኔሩ፣ ነብዩ ዳኒኤል ኣብ ባቢሎም 69 ዓመት እዩ ተቀሚጡ።

ንዓና ሎሚ ስደት ክንደይ መንፈሳዊ ነገራት ዘረሰዓና ኣሎ። ገለ ብሽለልትነት ፣ ብስኑፍ ምኽንያት፣ ጽባሕ ጹባሕ ፍረ ጽድቂ ዘይርከበና ፣ ኣንፈትና ዝጠፍኣና፣ ደው ዝበልና ዝመሰለና፣ ግና ሓደ እግርና ኣብ ጉድጓድ ዝኣተና፣ መስትያት ንነፍስና ዝዀነ ቃለ እግዚአብሔር ብብዙሕ መገዲ ኣብ ዝተዘር ኣሉ እዋን ፍረኡ ምሕፋስ ዝሰኣና፣ ናይ ከንፈር ኣመስገንቲ፣ ንከንቱ ውዳሴ ነቃምት ሰባት እዩ ዝገብረና ዘሎ። ስለዚ ካብ ነብዩ ዳኒኤል ንመሃር። ምእመናን።

ኣብ ኢዮርሳሌም መሥዋእቲ ሠርክ ዋላ እንተተቋረጸ፣ ነብዩ ዳኒኤል ግና ናይ መሥዋእቲ ሠርክ ሰዓት ሓሲቡ ጸሎቱ ካብ ምግባር ኣየቋረጸን። እሱ ናብ ቤተ መቕደስ ክኸይድ እንተዘይከኣለ ቤተ መቕደስ ግና ኣብ ውሽጡ ኔራ።

ነብዩ ዳኒኤል  ጸሎቱ ዝጀመረ ንግሆ ኔሩ ቅዱስ ገብርኤል ዝተገልጸሉ ከኣ ኣብ ሠርክ ተገሊጽሉ። ስለዚ ኣብቲ እርግና ዘመኑ ስጋብ ሠርክ ይጸውም ከምዝነበረ  የረደኣና ። ነዚ እዩ ከኣ እግዚአብሔር ምሕረቱ ዝለኣኸሉ።

በዚ መሠረት ናብ እግዚኣብሔር ብቀጥታ ዝበጽሕ ጸሎት ክህሉ ከሎ ብእኡ ኣንጻር ከኣ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከይበጽሐ  ከኣ  ተበቲኑ ዝተርፍ ኣሎ። እዚ ከኣ ዳኒኤልን ንዕኡ ዝመስሉ ብዝተሰበረ ልቦና ናብ እግዚአብሔር ስለ ዝቐርቡ እግዚአብሔር ጸሎቶም ከም ምዕዝ ዕጣን ደስ ኢልዎ ይቕበሎም፣ ዝጽልዩ ሰብ’ውን ካብ ዝኾነ ሓደጋ ዘድሕኖ ፍቱን መድኃኒት ኮይኑ ይሕግዞ። ብኣንጻሩ ከኣ መንታ ልቢ ሒዙ ጸሎቱ ዘብጽ ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ጸሎቱ ኣይበጽሕን። ክፍኣት ዘመንጩው ልቢ ዝርከብ ናይ ክፍኣት ወናኒን ምንጭን ዝኾነ ዲያብሎስ እዩ እምበር ፣ ካብቲ ሕይወት ዝህብ ካብ እግዚአብሔር ኣይኮነን።

ኩሉ ግዜ ዝጽልይ ሰብ ጸሎቱ ዋልታ ኮይኑ ስለዝሕልዎ ፣ ክሕልውዎን ከጸናንዕዎን ካብ እግዚአብሔር ቅዱሳን መላእኽቲ ይለኣኽሉ። ቅዱሳን መላእኽቲ’ውን ምስ ተኣዘዙ ቀልጢፎም ይመጽዎ። ብንጹሕ ልቦና ኮይኑ ዝጽውዖም ተራዳኢነቶን ትስፋ ንዝገብር ሰብ ኩሉ ቀልጢፎም ከይደንጎዩ ይመጽዎ።

መዓልታዊ ጸሎት ዝገብር ሰብ ወዝቢ ሓድጋ ወይ ክፋእ ነገር ፈተና ኣይገጥሞን እዩ፣ እንተኣጋጠሞ ዋላ እካ ወዲቁ ኣይተርፍን እዩ ቀሊጢፉ ይትንሥእ፣ ንዝበጽሖ ፈተና ብመንፈሳዊ ኃይሊ ይስዕሮ። ነዚ’ውን እዩ ዘረጋግጸልና ቅዱስ ገብርኤል  ቀሊጢፉ እንዳነፈረ ብምምጻእ ንዳኒኤል ዝተራድኦ።

ነብዩ ዳኒኤል ዝተፈላለየ ፈተናታት በጺሕዎ ኔሩ እዩ። ኮይኑ ግና  እዚ ዝበጽሖ ፈተና ናብ ከውድቆ ኣይከኣለን። ንዝመጽዎ ኩሉ ብኃይሊ እግዚአብሔር ሲዒርዎም እዩ። ሓደ እዋን ኣብ ጉድጋድ ኣናብስቲ ኣብ ዝተደርበየሉ እዋን እቶም ኣናብስቲ ከም ኣራዊት ዘቤት ኮይኖም ዋላ ሓንቲ ከይገብርዎ ምስኡ ኮይኖም ንዖኦኡ መሲሎም ኣብ ጥቓኡ ኮፍ ኢሎም እዮም።  እዚ ከኣ ባዕሉ ዳኒኤል ኣብ መጽሓፉ ዝነግረና እዩ።ንጉሥ ዳርዮስ ንዳኒኤል ኣዝዩ ይፈትዎ ስለ ዝነበረ፣  ይኹን እምበር ብጣኦት ኣምልኾ ሕጎም መሠረት ናብ  ጉድጋስ ኣናብስት ምስ ደርብዮዎ። ናይ ዳኒኤል ደገነት ይፈልጥ ስለ ዝነበረ በል እቲ እተምልኾ ኣምላኽ ካብ ኣፍ ኣናብስት የድሕንካ ኢሉ ካብ ብዙሕ ኣዘን ዝተላዕለ እኽለ ማይ ከይለኸፈ ሓዲሩ። ምስ ወግሐ ንጉሥ ዳርዮስ ኣብቲ ጉድጋድ ኣፍ ኣናብስቲ ቀሪቡ ዳኒኤል ኣምላኽካ ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ኣድኂንካዶ ᎒ ምስ በሎ “   ዎ ንጉሥ ንዘልዓለም ህያው ኩን ፣ ዎ ንጉሥ ኣብ ቅድሚኡ ንጹሕ ኰይነ ተረኺበ እየ፣ ኣብ ቅድሜኻ ኸኣ ኣይበደልኩን እሞ፣ ኣምላኸይ መልኣኸይ ሊኡኹ፣ ኣፍ ኣናብስት ዓጸወ። ከቶውን ኣይጎድእኑን። ” ዳኒ.6፣21፣22። ኢሉ መሊስሉ።

ናይ እግዚአብሔር ሰብ ነብዩ ዳኒኤል ኣብ ልዕሊ ኣራዊት ሥልጣን ረኸበ። ብጸሎት ናይ ኣናብስቲ ኣፍ ዓጸወ።

ነብዩ ዳኒኤል መንፈሳዊ ፣ ፍሉይ ናይ ቅድስና ሕይወት ዝነብር ዝነብረ ሰብ እዩ። ነዚ ከኣ ቅዱስ ገብር ኤል ተራዲእዎ። “ ይትዐየን መል አከ እግዚአብሔር ዐውዶሙ፣ ለእለ ይፈርህዎ ወያድኅኖሙ። መልኣኽ እግዚአብሔር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፣ የናግፎም ከ እዩ። ”  መዝ.33 (34)-7፣

ብተወሳኺ ሠለስቱ ደቂቅ ፣ ኣናንያ ኣዛርያ ሚሳኤል ካብ ውሽጢ ነበልባላዊ እሳት ዘድኃኖም ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝቆውም ፈጢኑ ዝበጽሕ ቅዱስ ገብርኤል እዩ። ነዚኦም ሠለስተ መንእሰያት ቅዱስ ገብርኤል ካብ ነበላባላዊ ሓዊ ከምዘድኃኖም ናብከነደጾር ምስ ፈለጠ፣ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ መካንንቲ “ ሽዑ ንጉሥ ናቡካድንጻር ሰንበደ ተቐላቲፉውን ተንሥኤ፣ ነማኸርቱ ድማ እቶም ኣሲርና ናብ ሓዊ ዝደርቤናዮምሲ ሰለስተ ሰባት’ዶ ኣይኰኑን ኢሉ በሎም። ንሳቶም ከኣ ንንጉሥ ርግጽ እዩ ዎ ንጉሥ ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ከኣ እንሆ ኣነ ኣርባዕተ ፍቱሓት ሰባት ገለ እኳ ከይተጎድኡ ኣብ ማእከል ሓዊ ኽመላለሱ እርኢ ኣለኹ። ትርኢት እቲ ራብዓዮም ድማ ወዲ ኣምላኽ ይመስል ኢሉውን መለሰ።” ዳኒ.3፣24-25።። እቲ ራብዓይ ዝተባህለ ዘጽኃኖም ቅዱስ ገብርኤል እዩ።

“ ኦ ገብርኤል መልአከ አድኅኖ ፍንው። አድኅነኒ ዘአድኃንኰሙ በአክናፊከ ምንትው። አመ ውስተ እሳት ተወደዩ ሠለስቱ ዕደው።”  መልክአ ገብርኤል

ቅዱስ ያሬድ ከኣ  “ አጥፍኡ ኃይለ እሳት በትዕግሥቶሙ። ይብጽሐነ ወትረ ጸሎቶም። ዕቶነ እሳት ኢያወአዮሙ። መዓተ ንጉሥ ኢያደንገጾሙ። ሰማዕት በገድሎም። ኃየሉ ወጸንዑ እምቅድመ ቆሙ። አናንያ ወአዛርያ ወሚሳኤል በእምነቶሙ። ሰማያተ ዓርገ ጸሎቶሙ፣ መዓተ ንጉሥ ኢያደንግፆሙ። ” ድጓ ዘታኅሳስ።

ንዳኒኤል ካብ ኣፍ ኣናብስቲ ፣ ንሠለስቱ ደቂቅ ካብ እቶን ሓዊ፣ ብነበልባላዊ ክንፈ ጸጋ መጺኡ ዘድኃኖም፣  ናይ እግዚአብሔር መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ምዃኑ ከምተረድኣና ። ንሕና’ውን ብሃይማኖትና ጸኒዕና ብኣማላድነቱ ተኣማሚንና ብጸሎት ተጊህና እንድሕር ተረኺብና፣ ንዕዖም ዝተዋህበ ጸጋ ረዲኤት ይወሃበና ፣ እግዚአብሔር ብቃሉ ዝተኣመነ እዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከተ ቅዱስ ገብርኤልል ይክፍለና ። ወላዲት ኣምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታት ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብረዴአቶም ኣይፈለዩና። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ዘሚካኤል

Comments are closed.