እናረኣይዎ ዐረገ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!

 እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደመና ተቐበለቶ። ግ.ሓዋ. 1:9 ።

ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን መበል 40 መዓልቲ ዘላ ሓሙስ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ብምዝካር እትኽበር በዓል ኢያ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኃይሊ ሞት ስዒሩ ድሕሪ ምትንሥኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ን40 መዓልቲ ጸኒሑ። ኣብ መበል 40 መዓልቱ ከኣ ናብ ሰማያት ዓሪጉ። ዕርገት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዝምልከት ቅዱስ ዳዊት “ኣምላኽ ብእልልታ፣ እግዚአብሔር ብደሃይ መለኸት ደየበ። መዝ 47:5” ክብል ተነብዩ ነይሩ። መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ኣብ ምድሪ ክገብሮ ዘለዎ ኩሉ ምስ ፈጸመ ናብቲ ናይ ቀደም ክብሩ ናብ ናይ ቀደም ቦታኡ ዓሪጉ።

ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ግብሪ ሓዋርያት እናረኣይዎ ዐረገ፡ ካብ ኣዒንቶም ከኣ ደበና ተቐበለቶ። ንሱ ኺዐርግ ከሎ፡ ንሳቶም ከኣ ናብ ሰማይ ገጾም ኪጥምቱ ኸለዉ፡ እንሆ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኽልተ ሰብኡት ኣብ ጥቓኦም ደው ኢሎም ነበሩ እሞ፡ ኣቱም ሰብ ገሊላ፡ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ዘሎኹም፧ እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡ በልዎም። ግ.ሓዋ 1:9-11። ይብለና።  

ገለ ሰብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዕርገት ካብ ሓዋርያት ከምዝተፈልየ ዝመስሎም ኣይሰኣኑን ኢዮም። እዚ ግን ናይቶም ነገረ እግዚአብሔር ዘይፈልጡ ኣተሓሳስባ ኢዩ። እምበር ኣምላኽናስ ከምቲ ክሳብ መወዳእታ ዓለም ምሳኹም እየ ዝበሎ ካብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያኑ ኣይተፈልየን። እኳ ደኣ መርኣያ ናይዚ ቅዱስ ማርቆስ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ “ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ። ጐይታ ምሳታቶም ይገብር፡ ነቲ ቓልውን ብዚስዕብ ተኣምራት የጽንዖ ነበረ።” ማር.16:20።

ዕርገት ክንብል ከለና እንዝክሮ ካልእ ምጽኣት ጐይታ’ውን ኢዩ። እቶም ክልተ መላእኽቲ’ውን ነዚ ኢዮም ዘበሰሩ። “እዚ ኻባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዐረገ ኢየሱስ፡ ከምቲ ናብ ሰማይ ኪዐርግ ከሎ ዝርኤኹምዎ ኸምኡ ገይሩ ኸኣ ኪመጽእ እዩ፡” ብተዋህዶ ከምዝዓረገ ብተዋህዶ ክምለስ ኢዩ። ምምላሱ ግን ንፍርዲ፡ ነዛ ዓለም ንምሕላፍ፡ ንጻድቃን ናይ ዘለዓለም ዕረፍቲ ክኅብ፡ ንሓጥኣን ድማ ናብ ናይ ዘለዓለም ኩነኔ ክሰድድ፥ ብክበበ ትስብእት ብግርማ መለኮት፥ ብቅዱሳን መላእክት ብድምጺ መለከት ተዓጂቡ ክምለስ ኢዩ።  

ስለዚ ኣሕዋተይ! ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምምላሱ ናይ ግድን ኢዩ! ምምላሱ ግድን ካብ ኮነ እንታይ ዝዓይነቶም ሰባት ኰንና ክንጸንሕ ከምዝግባኣና ንሕይወትና ብመስትያትነት ናይ ቅዱስ ቃሉ ክርእያን ክንምርምራን ይግባእ። ከመይ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ “ምጽኣት ጐይታ ቀረባ ኢዩ።” ቀረባ ካብ ኮነ ንሕና ኣብ ቤቱ ተተኺልና ዕዮ ጐይታ እናዓየና ኣብነት ናይቲ እሙን ኣገልጋሊ ብምኽታል ንጽሓ ነፍስ ምስ ንጽሓ ልቦና ሒዝና ክንጸንሕ ሃየ ንትጋህ። 

ነዚ ከኣ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ድኻምና ደጊፉ በረከቱን ረደኤቱን የብዝሓልና። ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና። 

በዓል ሓጎስን ፍስሓን ይግበረልና!

 

                                                                    ወስብሓት ለእግዚአብሔር

                                                                      ወለወላዲቱ ድንግል

                                                                      ወለመስቀሉ ክቡር። 

 

Comments are closed.