እታ ዓለም ብከባባ : ምስ ፈጣሪኣ ተተፋኒና

እዛ ዓለም ብከባባ፣ ብገፋሓ ፣መዓስ ኣኺላ ጸቢባ። እቲ ሰማይ ሓዛሊ ደመና ምስ ጠሊ፣ እታ ምድሪ ኣፍራይት ኩሉ ተኽሊ ምስ ወይኒ።ሰማይን ምድርን መዓስ ንኣመሎም ይዋሱኡ ኮይኖም ፣ ምስ ፈጣሪኦ እንተ ዘይተቃድዮም። ክልቲኦም ሓለፍቲ ድሕሪ ምጽኣት ዘይነበርቲ። ኣይክሰሱ፣ ኣይሕረሱ፣ ኣይኩለሉ፣ ንዘልኣለም ኣይጽገቡ።
ንዓለም ዝፈጠራ ብከባባ፣ ብኹሉ ዘወቀባ ዘልመዓ ብጽገረዳ ፣ማያት ከፋፊሉ ደመና ሰሪዑ፣ ብፍጡራት ዘማዕረጋ። ብርሃን ንበይኑ ከይጽምዎ ሰዓታት ሰሪዑ ምስ ጸላም ሓቢሮም ተቃሪኖም ክዓዮ ዝገበረ። ንፋሳት ናብ ኩሉ መኣዝናት ክሸቡ ፣ ማዕበላት ኣብ መሕደሪኦም ክጋላበጡ። ንኹሉ ከም ኩሉ ፣ ክእለቱ ፈሊጡ ዝዓየላ ዓለም ዝፈጠረ ዘይተመስገነ፣ ኮር ተገልበጥ ፣ ብእዶም ዝተፈጠሩ ክምስገኑስ እንታይ እዩ ምስጢሩ። ከባብ ዓለም ዝፈጠረ እግዚአብሔር ስሙ ዘየገነነ’ዶ ዓለም ከባብ እያ ዝበለ ክርስቶፎር ኮሎምቦስ ምተወደሰ። ኣየ እዛ ዓለም ኣብ ሓጎሳ ነጸላ ዝግልብጠላ ኣብ ሓዛና ዝድብለላ እንዳ ኣላ ትሾሞ ማዕርግ ኣጎዝጊዛ። ነዓኣ እንዶ መሓሻ ዝሕሻ ከም ዝሕሻ ምስትብሃላ እንተ ትኽእለሉ ተቀቢልካ ምምስጋን።

እታ ዓለም ብከባባ ምስ ፈጣሪኣ ተተፋኒና። ትኽእሎ ይመስላ ንደሓር ትወጾ ንጣዕሳ ሰጊዳ። ፍቅሪ ፈጣሪኣ ነጺጋ ንጓና ምስ ረሓወት ኣፍደግኣ፣ መዓስ ጥዕምዋ መዓስ’ከ ተጣዒሳ። እንዳ ሰሓቀት ትበኪ ኩሉ ተሓዋዊስዋ። ኣብ ሕማቅ ክትወድቅ ተማርር፣ ትረግም ፣ ብሰንኪ እዚ እኩይ እዩ ትብል ተመሊሳ ምስኡ ከም ዘይትመክር። መና ክዘንባ ምሕረት ፈጣሪኣ ብቅልጽመይ እላ ትዕንድር ዳንኪራ ናይ ጓይላ ተኺላ። ኣየ እዛ ዓለም ከባብ ዘይትፈልጥ ንሓዋሩ ዝምእምኣ። እቲ እኩይ ከም ደስ ዝበሎ ይዕንድረላ። ተመን ብለመምታ መርዚ ነደፉ እንዳ ቀተለ፣ እግሪ እንተ ዝህልዎ ግና እንታይ ምደገመ። እዚ ጸላኢ ሠናይ ንሱ ገዛኢ ኩሉ እንተ ዝኸዉንስ እንታይ ምሕረት ምተረክበ።

እቲ ዝገርመ ዓለም ፱ ዘይትመልእ ዓሰርተ እንዳ በልና ግርም ትምህርቲ ካብኣ ወሲድና። ብቴክናሎጂ ኣማዕሪግና ሰማይ ዝበጽሕ ድልድል ናይ ኃጥያት ሰሪዕና ፣ ኣማስዩ ብዘይ ሓዊ ጓሂ ንንደፍ ኣሎና። ግዜና ኣኺሉ ካብ ዓለም ምስ ተፈለና። ብዋይዋይታ ቁዘማ ምስ ተቐበርና። ድሕሪ ሞት ዕረፍቲ ሥጋና ፣ እታ ዝረገጽናያ መሬት ብፍሉሖ ኣዚራ ስጋና ካብ ዓጽምና ንክትፎልዮ ዕድመ ምስ ተዋህባ። ሸዑ ኣብ ዓለም ዝተርፍ ስምናን ታሪክናን፣ ይዕቀበልና ፣ይዝከረልና እሱ እኳ ዝኩራት እንተ ኰይና። እዛ ዓለም ብዓባያ ዕድሚኣ ብዙሕ ምስ ስሑዉ ልባ፣ ትፈልጥ ግና ከመይ ኣቢላ ንደቂ ፈጣሪኣ፣ ተዕብዶም ልቦም ኣጥፊኣ። መን እዩ ክቐብራ ክእዉየላ ኣብቲ ምጽኣታ። ልቢ ፈጣሪኣ ምስ ኣጉሃየት እንዳ ሻዕ እንዳተዋህባ ሕድገት። ሰብ እንተ ዝሓስብ ዝሕሾ ፣ ኣነ እንተ ዝሓስብ ዝሕሸኒ፣ ንስኩም እንተ ትሓስቡ ዝሕሸኩም ፣ ሽዑ ምበዝሐ እንዶ ሥራሕ ለባማት ጎሊሑ። ሞት ንሞት ዝቀብሮ ሲኢኑ፣ ኃጥያት መእወየ ዝወርሶ ዘወራርሶ ሲኢኑ። ስም ኣምላኽና መድኃኒ ዓለም ምገነነ ኣብዛ ዓለም ኣብ ኩሉ ሰፊኑ።

ልዋም ሰሎሞን
10/10/2019

Comments are closed.