እታ ብርሃን ዝተሓረማ ገዛ

እታ ብርሃን ዝተሓረማ ገዛ

ኣብ ግዜ ሕፃንነተይ  ለይቲ ሓሊፋ ብርሃን ፀሐይ ክርእየ  ከለኹ ኣዝዩ ባህታ ይፈጥረለይ ነበር።  ጸላም ዝወረሶ ለይቲ ነቶም ዘፍርሑ ፍጥረታት ኢሉ ዝተሓዝአ ገይረ’የ ዝቀርጾ ዝነበረኩ። ይገርም እዩ ምስ ደቀስኩ ዝሓልሞውን ኣብ ጸላም ኣዝዩ ዘፍርሕ ሕንጉጉ ከጋየየኒ፡ኣነ  ካቡኡ ከሃድም ብዘለኒ ናህሪ ክጎይይ ሃንደበት ካብ ሕልመይ ምስ ተበራበርኩ ጩራ ናይ ጸሓይ ምስ ረኣኩ አንቋዕ ሕልሚ ኮነ ይብል። ብዚ ምኽንያት ኮይኮነ ኣይተርፈን ምስ ፀሐይ  መግለጺ ዘይብሉ ፍቅሪ ዝነበረኒ።

እንዓበኹ ምስ ከድኩ ግና ኣተሓሳስባይ ክቅየር ጀመረ።  ካብ ሽዑ  ግዜ  ከምዚ ክብል ጀመርኩ “ለካ ለይቲ ነዓና ንደቂ ሰባት ካብቲ ጽቡቅን ሕማቅን ክንዓዮ ዝወዓልና ንዕረፍትና ሰዓት ዝተዋህበና ምስጋና ዘድልዮ ናይ ሰላም ግዜ እዩ”  ዝብል  እምነት ኣሕደርኩ። እዚ ክብል ከለኩ ግና ነታ ብግዜ ቁልዑነተይ ዝድንቃን ዘፍቅራን ዝነበርኩ ፀሐይ  ዝነበረና ምሕዝነት ኣይተቃረጸን። ታሽዓይ ክፍሊ ምስ ወዳእኩ ፣ ኣርሴማ መሓዛይ ሓደ ሓሳብ ኣንቀለት። ኣብዚ ናይ ክረምቲ ዕረፍትና ንምንታይ ኣብ እንዳ ሳዕሪ ናይ ኣምሮ ጸገም ዘለዎም ሰባት ዝዕቀብሉ ሆስፒታል ብወለንታና ሓገዝና ዘይነበርክት ክትብል ሓተተትኒ። ኣነ እዉን ኣብ ሓሳባ ሰመርኩ። ሓቂ ክዛረብ ኣብ መጀመርያ ሓደ ሰሙን ኣብቲ ቦታ ዝጸንሑና ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም  ሰባት ገሊኦም ኣዝዮም የፍርሑኒ ነበሩ ። ደሓር ግና ምስ ኵሎም ስጡም ምሕዝነት ብምምስራት  ጥቡቅ ዕርክነት ፈጠረኩ።

ኣብቲ ዓቢ ሕንፃ ኣብ ማእከል ነናእሽቱ ገዛ ኣሎ። ሓንቲ ካብኣተን ተኸፊታ ርእያ ኣይፈልጥን እየ። ነታ ኣቡኡ ትሰርሕ ጓል ኣብዛ ገዛ መን ትቅመጥ ኢለ  ምስ ሓተትኩዋ፣ ሓንቲ ኣዝያ ጸልማት ትፈቱ ምስ ብርሃን ጽልእ ዘለዋ ከም ትነበር ኣትንበሃትለይ። ሙሉእ መዓልቲ ገርሙኒ ኣርሚምኒ ወዓለ። ሓደ መዓልቲ ናብቲ ዝነበረቶ ገዛ ክኣቱ ፍቃድ ድሕሪ ምሕታት ነታ ኣብ ዕጹዉ ገዛ እትነበር ናይ ኣእምሮ ጽግምቲ ክርእይ በቃዕኩ። ገና ማዕጾ ምስ ከፈትናዮ ከምዚ ሰብ ዘሃረማ ክትእዊ  ጀመረት። ውሽጠይ እካ ብፍርሓት  ተዋሒጠ እንተነበርኩ ነገር ግን ፍርሓት ክስዕረኒ ኣሕሊፈ ኣይሃብኩዎን።

ሰላም ኣነ ልዋም ይበሃል በልኩዋ ቀስ ብቀስ ናብኣ እንናቀረብኩ። በተን ጽቡቃት ፍሩያት ኣዒንታ ብምጥማት ፣ ኣቃልቡኣ ናብቲ ኣብ ኢደይ ኣስረያ ዝነበርኩ ብሩራዊ ሕብሪ ዘለዋ ሰዓት ተኸለት። መን ሽምኪ ክብል ተወከስዋ᎒ ንሳ ግና ኣብታ ሰዓተይ ጥራይ ኮነ ኣቃልቦኣ። ሰዓተይ ካብ ኢደይ ብምዉጻእ ፣ ስማ እንተ ነግራትኒ ከም ዘወፍየላ ምስ ሓበርኩዋ ፍሽኽ ብምባል ኣስቴር በለትኒ። ዋው ጥዕምቲ ሽም ብምባል ከምታ ቃል ዘኣተኽዋ ሰዓተይ ሃብኩዋ። ንጽህንኣ ንውሽጠይ በልዖ።ነታ ሰዓት ኣብ ጸጋማይ ኢዳ ድሕሪ ምእሳረይ ፡ አዋይ ከተጸብቀለይ መዓት ምሽ በለትኒ። ኣነ እውን ክምስ እንዳበልኩ ናይ በሓቂ እንበር ከተጸብቀልኪ በልኩዋ።

ኣይጸናሕናን በቲ ዝተበስዕ መንፊት ዝኾነ ዚንጎ ጩራ ፀሓይ ናብ እግራ ምስ ሓለፈ። ኡይ ብምባል ከምዚ እግራ ገመድ ዘሓንኮላ ደርገፍገፍ በለት። ብዘለኒ ሓይሊ ኣትሪረ ብምሕቋፍ ፣ ኣጆኺ ወለሓንቲ ኣይትኾንን ኢኺ ብምባል ከረጋግኣ  ፈተንኩ። ንብዓታ ኣንቢዕኒ፣ ጣዕሚ ናይ ብርሃን ኣብኣ ብዘይምስራጹ ብልበይ ሓዘንኩላ። ኣሚናትኒ ካብቲ ናይ በርሃን ግርማ ዝከላኸለላ ሰለ ዝመስለ ፡ ካብቲ ዝዕግርግራ ዝንበረ ውሽጣዊ ተርባጽ ብምዉጻእ ኣዕሚቃ ኣስተንፈሰት ተጸጊዓ ልሑኽ በለትኒ።

ንምንታይ እባ ብርሃን ትጸልኢ በልኩዋ᎒ ድሕሪ ቁሩብ ካልኢታት ስቅ ምባል ”ደምን ስጋን ዝለበሱ ሰባት ናይ ቀትሪ ኣራዊት ምሕቢኢ ስለ ዝኮነ” በለትኒ።ክምስ እንዳበለኩ ብኸመይ ደኣ በልክዋ᎒ ነቲ ወላ ብለይቲ ኮነ ለይቲ ክፍጽምዋ ዘሓሰቡ ብብርሃን ተሓጊዞም እዮም ዘዓይዎ በለት። ርኢኺ በለት ኣብ ስምዒት ብእታዉ ፣ ንሓደ ገዛ ክሰርቁ ምስ ዘሓስቡ ብቀትሪ እዮም ዘጽንዕዎ ድሕሪ ምባላ ጥዕና ዘይብሉ ሰሓቅ ሰሓቀት። ንገዛ ዝከደሉ ግዜ ስለ ዘኣከለ ኣብ ቀጻሊ ክንዕልል እና ብምባል ኣብ ግንባራ ስዒመ ዝተፋነኩዋ።

ምሉእ ለይቲ ብዛዕባ ኣስቴር ከሓሰብ ሓደርኩ። ንጽባሕቱ ናብ ኣባት ነብሰይ ኣምራሕኩ እሞ ብዛዕባ ኣስቴር እውን ኣዋጋዕኩዎም። ደስ ዝብል ምኽሪ ሃቡኒ ። ጣዕሚ ብርሃን ንኽትርኢ ንስኪ እኪ ትሕግዝያ። ማኪና ባትሪ እንድሕር ወዲኣ ፣ በትሪ ዝመለኣት ማኪና ጌርካ ኢኻ ተተስኣ እሞ ንስኪ ብርሃን ኮንኪ ተረከቢ ክብሉ ተስፋ ከይኮረጽኩ ክረድኣ ምኽሮም ሃቡኒ። ኣነ እውን ቃል ኣተኹ ምስ ነብሰይ። ኣብ ዝኽድኩዎ ግዜ ማዕረ ክንደይ ብርሃን ጽቡቅ ምኻኑ እንዳ ኣእመንኩ ድሕሪ ምቅጻል፣ ከም ኣመለይ ናብ ቀጽሪ አቲ ቦታ ምስ ኣተኹ ካብ ሩሑቅ ንኣስቴር ረኣኽዋ እሞ ምእማን ሰኣንኩ። ብጉያ ሓቂፈ ሰዓምኩዋ። ከምሹዑ ግዜ ኣብ ሕወተይ ተሓጊሰ ኣይፈልጥን ። ኣስቴር ብርሃን ካብ ጸላማት ከም ዝበልጽ ተረዲኣ ነቲ ዝፍርሓ ዝነበረ ብርሃን ፈተወቶ፡ ደድሕሪ ብርሃን ከተጽልል ንበርሃን ከተናዲ ስርሓይ ኢላ ተተሓዘቶ።

ነኣባት ነብሰይ አቲ ዝኮነ ነገር ምስ ነገርኩዎም ኣዝዮም ተሓጎሱ። ተመስገን ብምባል እውን ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ኣመስገኑ። ዛጓለይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝጠፍኡ ደቁ ናብኡ ክምለሱ ከለዉ ካብዚ ተሓጊስና ዘለና ንላዕሊ እዩ ባህ ዘብሎ በሉኒ። ሓጎስ ኣብ ሰማይን ምድርን ይትከል። መልአኽቲ ኣብ ሰማይ ቅዱሳን ኣብ ምድሪ ይሕጎሱ። ሰይጣን እቲ ጸላኢ በርሃን ዝኾነ ግና ይጉህይ ብምባል ከምዚ ዝስዕብ እናበሉ መዓዱኒ።

ብርሃን መን ምዃኑ ኣጸቢቑ ዝፈለጠን፤ ብብርሃን ምምልላስ ዘለዎ ጸጋን ሕይወትን ዝጠዓመን ዘስተማቐረን ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ  ብዛዕባ ብርሃን ከምዚ ይብለና። ወልደ እግዚአብሔር ወሃቤ ሕይወት ምዃኑ ድኅሪ ምግላጹ፡ እግዚአብሔር ብርሃን ከም ምዃኑ ንሕና’ውን ነዚ ብርሃን ክንስዕቦ፤ ካብ ጸልማት ወጺእና ሰናይ ግብሪ ክሕልወና ከምዝግባእ ይምዕደና። “እግዚኣብሔር ብርሃን ምዃኑን ኣብኡ ኸኣ ሓንቲ እኳ ጸልማት ከም ዜብሉን፡ እታ ኻብኡ ዝሰማዕናያ ንኣኻትኩምውን እንነግራ ዘሎና መልእኽቲ እዚኣ እያ። ምስኡ ኅብረት ኣሎና፡ ኢልናስ ኣብ ጸልማት እንተ ተመላለስና፡ ንሕሱ፡ ሓዊውን ኣይንገብርን ኢና ዘሎና። ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት ኣሎና፡ ደም ኢየሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኲሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።” (ቀዳማይ ዮሐ ፩፥፭-፯/1፥5-7 ቀዳማይ ዮሐ ፪፥፰-፱/2፥8-9)።

እምበኣርከስ ብርሃን ንዝኾነን፡ ንኵሉ ዓለም ንዘብርህን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንስዕብ እንተደኣ ኮይንና ብሃይማኖት ጸኒዕና፡ ፍቓዱ ምፍጻም ይግባእና ማለት እዩ። ንሱ ብርሃን ወሃቢ ብርሃን እዩ እሞ ነቲ ዝዓደለና ብርሃን ከነጸልምቶ ዘይኮነ ኣድሚቕና ከነብርሆ ይደሊ። ኣብ ብርሃን ብምምልላስናን፤ ፍቓዱ ብምፍጻምናን እዩ ድማ ናቱ ደቀ መዛሙርት ምዃንና እንፍለጥ። እንተዘይኮይኑ እቶም ብርሃኑ ከነብርህ ትጽቢት ተገይሩልና ዝኣመንናን ዝተጠመቕናን፡ ብጸልማት ተዋሒጥና እንተደኣ ተረኺብናሲ ናይ መን ክንብሃል ኢና፧! “ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ። መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ዅሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም። ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ። (ማቴ ፭፥፲፬-፲፮/5፥14-16)።

ሰለዚ እቶም ኣብ ብርሃን ንነብር ሰባት ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለው ኣሕዋትና ናብ ብርሃን ንምርሓዮም እምበር ነቶም ኣብ ጸላምት ዘለው ኣሕዋትና እናነቀፍና  በዘዓባ እቲ ኣብ ጸልማት ዘሎ ሕይወት እናተዋዘና ነቶም ኣብ ጸልማት ዘለዉ ኣሓዋትና ኣይንንቀፍ። ኣብ በርሃን ከለና ጸላም ኣይንናፍቅ፡ ብርሃና ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብርሃ፡ በርሃና ብሽፋን ጸላም ናብራ ኣይንኸውሎ።

ሰብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

10-13-2018

ልዋም ሰሎሞን

 

Comments are closed.