“እምግብጽ ጸዋዕክዎ ለወልድየ ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ” (ሆሴ 11፡1)

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን!

 ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም፤ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ኣብ ምድሪ ግብጺ ንሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርኅን ወይ ነርብዓን ክልተን ኣዋርሕ ምስ ገበሩ፣ መልኣኽ እግዚአብሔር ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎም “ሄሮድስ ምስ ሞተ፤ ‘እንሆ ኣብ ግብጺ መልኣኽ እግዚኣብሔር ንዮሴፍ ብሕልሚ ተራእዮ እቶም ሕይወት እዚ ሕፃን ዝደልዩ ሞይቶም ኢዮም'ሞ ተንሥእ፡ ነዚ ሕፃንን ነዲኡን ኂዝካ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ’፤ በሎ ንሱ ድማ ተንሢኡ ነቲ ሕፃንን ነዲኡን ኂዙ ናብ ምድሪ እስራኤል መጸ” (ማቴ 2፡19-21)። ንምንታይ ግና ክርስቶስ ተሰደ ኣብዚ ብዙኅ ኣብነታት ክንርኢ ንኽእል፤ ካብቲ ብዙኅ ብውሑድ ክንርኢ፤ ወልደ ዕጓለ እመሕያው ክርስቶስ ዝተሰደ ምሳልያትን ትንቢታትን ክፍጽም።

  1. ምሳልያት ዝኾኑ

 * ኣቦና ኣብርሃም ብሰንኪ ጥሜት ናብ ግብጺ ተሰደ። (ዘፍ 12፡1-10)።

* እስራኤላውያን ብባርነት ኣብ ግብጺ ን430 ዘመናት ከምዝጸንሑ (ዘፀ 12፡40)፤ ቀዳሞት ኣቦታት ናብ ግብጺ ዝተሰድሉ ምሳሌ ከምዝነበረ ከርኢ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ናብ ስደት ወረደ ኣማናዊ ንምግባር።

  1. ትንቢት ንምፍጻም

* ‘እንሆ እግዚአብሔር ኣብ ቅልጡፍ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ’ ኢሳ 19፡1

* ‘ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ’ (ሆሴ11፥1) ዝብል ትንቢት ክፍጽም።

  1. ብስሙ ንዝኣመኑ ስደቶም ክባርኽ

 ስደት ቅዱሳን ሰማዕታት ሓዋርያት ጻድቃን ክባርኽ ኣምላኽና ተሰደ። ንስደትና ክባርኽ ተሰደ፤ ነዚ ክገልጹ ኣባ ጽጌ ብርሃን [ገብረ ማርያም] ኣብ መበል 14ተው ክፍለ ዘመን ዝነበሩ ‘ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን፡ ኢየሱስ ግፉዕ ምስካየ ግፉዐን … ፤ ዝተሰደድካ ኢየሱስ ተስፋ ስደተኛታት፤ ዝተገፋዕኻ ኢየሱስ ንግፉዓት ’ ኣብ ሰቆቃወ ድንግል ድርሰቶም ገሊጾሞ ይርከቡ።

 ኣብዚ ስደት እዛ ርኅርኅተ ሕሊና ድንግል ማርያም ናይ ቀትሪ ፀሓይን ሃሩርን፡ ናይ ለይቲ ቍርን ኣስሓይታን ዝናምን፡ እሾክን ተኮርባን ብዙኅ ስቃያት እናወረዳ፡ በቲ ሠራዊት ሄሮድስ እናኣሳደድዋ፤ በዚ ደቂ ሰባት እናገፍዕዋን እናጸረፍዋን በቲ ሸፋቱ እናከተርዋ ብዙኅ ብቓላት ዘይግለጽ መከራ ረኺባ። ብጥሜትን ጽምእን ንሠለስተ ዓመትን መንፍቕን ጸኒሓ፤ ደኃር ብ6 ኅዳር ናብዛ ብርኽቲ ደብረ ቍስቋም በጺሓ ኣዕሪፋ ኢያ። ኣብዚ ስደት ዝጸንሓትሉ ጊዜ ብምድሪ ግብጺ ኣቢላ ብኪደተ እግራ ብዙኃት ቦታታት እናባረኸት ብሃገርና ኤርትራ ኣቢላ ከም በዓል ደብረ ሲና፡ ጸሎት ባእታ፡ ሃገረ ናግራን፡ ዓይላ ማርያም፡ ደብረ ቍስቋም ድባርዋ፡ ---- ወዘተ በጺሓ ናብ ሃገረ ኢትዮጵያ ጌራ መሊሳ ናብ ደብረ ቍስቋም ብመሪሕነት መልኣኽ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ኣብዚ ደብሪ ብሰላም በጺሓ ኡፍ ኢላ ዘዕረፈትላ ገዳም እያ።

‘ተማኅጸንኩ በዘባንኪ ዘአግመረ ርስነ መለኮታዌ እሙነ፡ ሐውጽኒ ድንግል ወናዝዝኒ ፍጡነ፡ በእንተ ንግደትኪ ደብረ ቍስቋም እንዘ ትፀውሪ ሕፃነ፡ ኃዘነ ዘፈተነ የአምር ኃዘነ’።

  ጠቢቡ ሰለሞን ንስደታ ኣማዕድዩ ርኢዩ ንምምላሳ ክገልጽ ከሎ “እዛ ፈታዊኣ ተመርኩሳ ካብ በረኻ እትድይብ ዘላስ መን ኢያ” በለ (መኃ 8፡5)። ብስደት ደኪማ፡ እዚ ዘይበሃል መከራ ረኪብዋ ዘሎ መን ኢያ እናበለ ይሓትት። ኣብቲ ሰቆቃወ ድንግል ብዙኅ ብዛዕባ ስደታን መከርኣን ገሊጾም ኣብ መወዳእታ ገጹ ከምዚ ኢሎማ ነቲ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ ዝበሎ መደምደምታ ክገብሩሉ እንከለው "እስከ መዓዜኑ እግዝእትየ ውስተ ደብረ ነኪር ትሄልዊ፡ ሀገረኪ ናሁ ገሊላ እተዊ፡ ለወልድኪ ሕፃን ዘስሙ ናዝራዊ፡ ለክብረ ቅዱሳን በከመ ይቤ ዖዝያን ዜናዊ፡ እምግብጽ ይጼውዖ አቡሁ ራማዊ።ክሳዕ መዓስ እግዝእትየ ኣብ መሬት ባዕዲ ክትህልዊ፡ ሃገርኪ ገሊላ ኢዩ እተዊ፡ ንወድኺ ሕፃን ናዝራዊ ኢዩ ዝስሙ፡ ንኽብሪ ቅዱሳን ከም ዝበለ ኦዝያን፡ ራማዊ (ሰማያዊ) ዝኾነ ኣቡኡ ካብ ግብጺ ጸውዖ።" ብምባል ደምዲሞሞ።

  ናዝራዊ ዘበሎ ምኽንያት፤

እቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ነብይ ኃዲሩ ‘ወደይ  ከም ናዝራዊ ኪስመ ኢዩ' ኢሉ ዝተናገሮ ትንቢት ምእንቲ ኪፍጸም ናብ ናዝሬት ዓዲ መጺኡ ተቐመጠ።

  • ናዝራዊ ማለት ንእግዚአብሔር ዝተፈልየ ማለት ኢዩ። [ዘኁ. 6:1-20]
  • 'ወደይ ከም ናዝራዊ ከም ሳምሶን ኪበሃል ኢዩ' ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ኪፍጸም ኣብ ናዝሬት ተቐመጠ።

ክርስቶስ ንሳምሶን ብምንታይ ይመስሎ እንተ በልና፤

  • ሳምሶን ብዝተናዕቀት መንከስ ኣድጊ ንጸላእቱ ኣጥፊኡ ኢዩ።[ መሳ. 15:15-16] ክርስቶስ ድማ ኣይሁድ ኣጋንንቲ ብዝነዓቕዎ ሞቱ ንሞት ኣጥፊኡ ኢዩ።
  • ሳምሶን ብሕይወቱ ከሎ ካብ ዘጥፍኦም ጸላእቱ፡ ብሞቱ ዘጥፍኦም ጸላእቱ ይበዝኁ። [መጽሓፈ መሳፍንቲ 16:30]
  • ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ቅድሚ ስቕለቱ ካብ ዘጥፍኦም ኣጋንንቲ፡ ብስቕለቱን ብሞቱን ዘጥፍኦም ኣጋንንቲ ይበዝኁ። [ቆላ. 2:14-15]

  • ናዝሬት ማለት ፍልይቲ ማለት ኢዩ።
  • ወደይ ፍሉይ ናዝራዊ ምእንቲ ኪበሃል ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ናዝሬት ተቐመጠ። [ዳን. 9:24-25]
  • ናዝሬት ማለት ጽጌ ማለት ኢዩ።

 ወደይ ጽጌያዊ ምእንቲ ኪበሃል ናብ ናዝሬት መጺኡ ተቐመጠ። ‘እነሆ ሠርፀ መንግሥት ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ቦታኡ ኪጭንፍር መቕደስ እግዚአብሔር ድማ ኪሓንፅ ኢዩ’ ተባሂሉ ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ብነብይ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ክፍጸም ኢዩ። [ዘካርያስ 6:12]፣ ከመይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኂናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንገዛእ ርእሱ ከም ጕንዲ ንምእመናን ድማ ከም ጨናፍር ጌሩ ስለ ዝመሃረ ኢዩ። [ኢሳ. 11:1፤ ዮሓ. 15:5] [ምንጪ፡ 'ትርጓሜ አርባዕቱ ወንጌል' ግዝእን ትግርኛን ምዕ. 2 ገጽ 37፡ ብመጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእን መር. ተወልደመድኅን መንግሥቱን]

  ቀጺሉ ድማ "ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ፡ ነቢራ በግብጽ ፵ወ፪ አውርኅ፡ ይሰግዳ ላቲ አዋልደ ጢሮስ በአምኀ፡ እምይእዜሰ ነገፍኩ ለሃ፡ ለእምየ በእትወታ ረኪብየ ፍሥሐ” ቢሉ ዛዘመ።

 ኣብዚ ስደት እዚ ገለ ሰባት ክጾሙ ንርኢ ኢና፤ እዚ ጾም ከምቲ ናይ ኣዋጅ ጾም ዅሉ ሰብ ክጾሞ ኣይግደድን ኢዩ እንተኾነ ግና በረኸት ረድኤት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንምቕባል፤ ካብ ስደታ በረኸት ንምጒንጻፍ ክንጸውም ንኽእል ኢና። ‘እዚ ጾም መን ስለ ዝጾሞ ኢዩ ዝጽወምⵗ’ ምስ እንብል ድማ ኣባ ጽጌ ብርሃን [ወይ ኣባ ገብረ ማርያም] ንሰቆቃወ ድንግል ዝደረሱ ኣቦ ኣብዚ ጊዜ'ዚ ይጾምዎ ስለዝነበሩ ካብዚ ብምብጋስ ናይ ሠናይ ፍቓድ ጾም ክንጾሞ ንኽእል ኢና።

ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ነዚ ኻብ 26 መስከረም - 6 ኅዳር ዝዝከር ስደት፡ ሰንበተ ሰንበት ማኅለየ ሰሎሞን፡ ማኅሌተ ጽጌ ብምቋም ብዓቢይ ክብሪ እናዘከረት ተብዕሎ ኣላ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ድርሳናት ስለ እዚ መሪር ስደት ንብዓት ካብ ኣዕይንቶም እናኣዛረዩ፡ ቈርበት ፍሒቖም ቀለም በጽቢጾም ኣብ ብራናታት ጽሒፎም ንማኅሌትን ንጸሎትን ዝኸውን ድርሳናት ገዲፎሙልና እዮም።

ኣብ ፍጻሜ ስደት ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወልዳ ብዕለት 6 ኅዳር ዚንበብ መጽሓፈ ስንክሳር፡ ነዚ ዕፁብ ስደት ብኸም’ዚ ኣገባብ ብግጥሚ ሰኒድዎ ይርከብ፦ “አመ በጽሐኒ ምንዳቤ ወዐገተኒ ትካዝ፡ በአምሳለ ዐቢይ ውኂዝ፡ እትፌሣሕ አነ በብሂል ከመዝ፡ ሀሎ አምለኪየ ወረድኤተ ተስፋየ በዝ፡ ዘንብረተ ሥጋየ ወነፍስየ በእዴሁ እኁዝ። / “ሽግር ምስ በጽሓኒ ኃዘን’ውን ምስ ዓገተኒ ብኣምሳል ዓቢይ ውሕጅ፥ ንብረት ሥጋይን ነፍሰይን ኣብ ኢዱ ትኁዝ ዝኾነ አምለከይ ተስፋ ረድኤተይ ኣሎ ምሳይ እናበልኩ እሕጐስ።”

ሰላም ለአእጋሪከ ኀበ ደብረ ቊስቋም እለ ጌሣ፡ ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ ጐይየከ እምደወለ ምሕሳ፡ አመ በጽሐ ህየ እንዘ ይነሥእ ኀይለ አንበሳ፡ እንተ ሠመርከ በኅድአት ለነፍሱ ታፍልሳ፡ ሰላም ሰላም ወልደ ዮሴፍ ዮሳ።”

 ትርጕም፡

ነተን ናብ ደብረ ቊስቋም ዝኸዳ ኣእጋርካ ሰላም እብለን፣ ሕፃነ ማርያም ክርስቶስ ካብ ከባቢ ምህሳ ኣብ ዝኸድካሉ፡ ኃይሊ ኣንበሳ ተዋሂብዎ ኣብኡ ምስ በጽሐ ነፍሱ ብኅድኣት ከተዕርፋ ፍቓድካ ኮነ፡ ሰላም ሰላም ወዲ ዮሴፍ ዮሳ።”

ዮሴፍ ወዲ ዮሳ ሓደ ኻብ’ቶም ብዙኃት ኣብ’ዚ ታሪኽ ዚጥቀሱ እዩ። ‘ሄሮድስ ሠራዊቱ ልኢኹ ይመጸኩም ኣሎ እሞ ቐልጢፉ ህደሙ’ ኢሉ ንቕድስት ድንግል ማርያም ቀሪቡ ስለ ዘሰንበዳ፡ ብፍቓድ ጐይታ ኣብ’ቲ ነዚ ፍጻሜ ዝነገረሎም ቦታ ብኅድኣት ነፍሱ ኻብ ሥጋኡ ብምፍላይ ኣዕረፎ።

  "ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ፡ ወላህው ፍሡሐን ተዘኪረክሙ ብዝኅ ሠናይታ፡ ማርያም ተዓዩል ከመ ዖፍ ውስተ አድባረ ግብጽ ባሕቲታ፡ ተአወዩ በኃጢኦታ ሀገረ አቡሃ ኤፍራታ፡ ወደመ ሕፃናት ይውኅዝ በኵሉ ፍኖታ።" (ሰቆቃወ ድንግል)

ብሕጽር ዝበለ ምምላሳን ምእታዋን እዚ ይመስል፡ ጸሎታን ሃብተ ረድኤታን ምስ ዅላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ኣሜን።

  6 ኅዳር መጽሓፈ ስንክሳርና ካብ ዝዘከሮ ፡

* ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ምስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ደብረ ቍስቋም ዝኣተውሉ [ዘዕረፉሉ]

* ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳሳት ቅዱስ ፊሊክስ ዘዕረፈሉ ዕለት

* ናይ 172 ሰማዕታት መዘከርትኦም ኢዩ።

 ወርኃዊ ክብረ በዓል፤

  ድማ ነብይ ኢሳይያስ፡ ቅዱስ ዲዮናስዮስ፡ ቅድስት ማርያም ግብጻዊት ኢዩ፤ ጸሎቶምን ሃብተ ረድኤቶምን ምስ ዅላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ኣሜን።

 ምንጪ፤

  1. መጽሓፈ ስንክሳር
  2. 'ትርጓሜ አርባዕቱ ወንጌል' ግዝእን ትግርኛን፡ ብመጋቤ ምሥጢር መብራህቱ መባእን መር. ተወልደመድኅን መንግሥቱን

 ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

9 ኅዳር 2011 ዓመተ ምሕረት

14 ኅዳር 2018 ፈረንጂ

ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ።

Comments are closed.