“እምነ ጽዮን” - ኣዴና ጽዮን

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

 

ነዚ ቃል ዘውሰአን ረቂቕ ዝኾነ ትንቢታዊ ቃሉ ዘመኃላለፈን እግዚአብሔር ከም ልበይ ረኸብኩ ዝበሎ ቅዱስ ዳዊት እዩ። ንሱ ኣብ መዝሙሩ “እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ፤ ወብእሲ ተወልደ በውስቴታ፤ ወውእቱ ልዑል ሣረራ” (ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል። ኣብ ውሽጣውን ሰብ ተወልደ፤ እቲ ልዑል’ውን ባዕሉ ኼጽንዓ እዩ) መዝ ፹፮፥፭ (87፥5) ብምባል ብዘይናወጽ ቃለ እግዚአብሔር ነጊሩናን ብትንቢቱ ኣመሥጢሩልናን እዩ።

 

 

ታቦተ ጽዮን

ታቦት ማለት መኅደሪ እግዚአብሔር፤ መግለጺ ክብሪ እግዚአብሔር ማለት እዩ። ኣብ ውሽጡ ድማ ጽላት እግዚአብሔር ዝቕመጦ እዩ። ጽላት ማለት ሕገ እግዚአብሔር ዝተጻሕፈሉ ቅዱስ ሰሌዳ እዩ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ፈትዩ ፈቒዱ ንሊቀ ነቢያት ሙሴ ነዚ ቅዱስ ሕጊ ክህቦ ከሎ ቃል ኪዳን ብምእታው እዩ፤ እዚ ከኣ ሰባት ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ክፍጽምዎን ክሕልዉዎን ናይ ዝግብኦም ሕግታት ስለዝተጻሕፎ እዩ። ስለዚ ድማ ናይ ቃል ኪዳኑ ታቦት ንብሎ። በዚ ሕጊ እዚ ድማ ደቂ ሰባት ንፍቓድ እግዚአብሔር ብልቦናኦምን ትውፊትን ጥራይ ተመሪሖም የገልግልዎ ይእዝዝዎን ካብ ዝነበሩሉ ሕገ ልቦና ናብ ጽሑፋዊ ሕገ ኦሪት ተሰጋጊሮም። ኃዳሪ ብማኅደር ምጽዋዕ ልማድ መጻሕፍቲ ስለዝኾነ ድማ ንጽላት በቲ መኅደሪኡ ታቦት ኢልና ክንጽውዖ ንርከብ።

ታቦት ብፍቓድ እግዚአብሔር ብሊቀ ነቢያት ሙሴ ኣቢላ ንደቂ ሰባት ድኅሪ ምውሃባ፤ እስራኤላውያን ምስ እግዚአብሔር ክራኸቡላን፤ መሥዋዕቲ ከቕርቡላ፤ ምስ እግዚአብሔር ክዕረቑላ፤ በረኸትን ረድኤትን ክቕበሉላ፤ ኃይልን ተራዳእነትን እግዚአብሔር ድማ ክግለጸላ ጸኒሓ እያ።

ሊቀ ነቢያት ሙሴ ድማ ነዛ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ኣብታ ደብተራ ኦሪት (መራኸቢት ድንኳን) ኣብ ዝሰመያ ፍልይትን ካብ ኃጢኣት ሕዝቢ ኣብ ዝረሓቐትን ስፍራ ኣንበራ። እግዚአብሔር ድማ ኣብኣ ሓዲሩ ነታ ስፍራ ብኽብሪ ይመልኣን ይግለጸላን፡ ብናይ ክብሪ ደመና ድማ የጐልብባ ነበረ። እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ንኣኣ ዝኸውን ጽኑዕ ሥርዓት ብምግባር፤ ሙሴን እቲ ሕዝቢን ክፍጽምዎን ከኽብርዎን ኣዚዝዎም ነበረ። ኣብ ታሪኽ እሥራኤል ዘሥጋ ድማ ማእከል ሥርዓተ አምልኮቶም ነበረት። ታቦተ ሕጉ ማኅደር እግዚአብሔር ከም ምዃና ብዝነበራ ክብርን፡ ብእትፍጽሞ ዝነበረት ድንቂ ተኣምራትን ፍሉይን ልዑል ክብሪን ተዋሂብዋ ነበረ።

ጽዮን ክንብል ከሎና ድማ እምባ፡ መጸግዒ፡ ከውሊ ዝብል ቀጥታዊ ትርጉም ዝህብ እዩ። ጽዮን ነታ ቅድስት ከተማ ኢየሩሳሌም ካብ ዘቑሙ እምባታት ሓንቲ እያ። ንጉሥ ዳዊት ክሳብ ዘልቅቖም ድማ ኢያቡሳውያን ጽንዕቲ ዕርዲ ሓኒጾሙላ ነበሩ። ቅዱስ ዳዊት ኣብ ኬብሮን ንሸውዓተ ዓመት ድኅሪ ምንጋሡን ኣብ መላእ እስራኤል ድማ ንሠላሳን ሠለስተን ዓመት ቅድሚ ምንጋሡን ነዚኣ እምባ እዚኣ ተቖጻጺሩ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጠ። በዚ ድማ እግዚአብሔር ምስኡ ከምዝኾነን፤ ኣብ ልዕሊ ሕዝቡ ድማ ልዕል ከምዘበሎን ተረድአ። መናድቓ ሓኒጹ ዕርዱ ኣደልዲሉ ዝተቐመጠላ እምባ ድማ ነበረት።

ጽዮን ዝብል ቃል ኣብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኣብ ብዙኅ ቦታ ብፍላይ በቶም “ከመዝ ይቤ እግዚአብሔር” እግዚአብሔር ከምዚ ይብል ኣሎ ኢሎም ኣፍ እግዚአብሔር ኮይኖም ብዘገልገሉ ነቢያት ተደጋጊሙ ተጠቒሱ እዩ። ኮይኑ ግና ትርጉሙን ምሥጢሩን ከምቲ ዝንገረሉ ዓውደ ትንቢትን፡ ዝስብከሉ መዋዕለ ትምህርትን ይፈላለ እዩ። ብሓጺሩ ግና ደብረ ጽዮን እግዚአብሔር ኣምላኽ ብረድኤት ዝግለጸሉ፤ በረኸቱ ዝህበሉ፤ ለውሃቱ ዘርእየሉን ገጸ ምሕረቱ ዝመልሰሉን፤ ማልዶን ምስጋናን ዝቕበለሉ፤ መሥዋዕቲ ዝዓርገሉ፤ ሰብን እግዚአብሔርን ዝራኸቡሉን ዝዕረቑሉን ስፍራ እዩ ነይሩ።

ስለዚ እዩ ድማ ልዑሉ ቃል ነቢይ ኢሳይያስ ኣብ ትንቢቱ ንክብሪ እግዚአብሔር ብስሙ ኣብ ዝተጸውዐ ኣብ ደብረ ጽዮን ገጸ በረኸት ከምዝቕርበሉ ተዛሪቡ ዝነበረ። በዚ ከይተወሰነውን ጐይታ ሠራዊት እግዚአብሔር ኣብ ከረን ጽዮንን ኢየሩሳሌምን ከምዝነገሥን ብዓበይቲ (ሊቃውንቲ) ከምዝኸብርን ከምዝምሰገንን ተዛሪቡ ነይሩ። ቅዱስ ዳዊት’ውን በረኸታ ንኽሳተፍ፤ ኣኽቢሩ ንኽሕዛ ከኣ ንታቦተ ሕጉ ብዓቢይ ክብርን ምስጋናን ናብታ ቅድስት ከተማ ዳዊት ጽዮን - ኢየሩሳሌም ኣምጽኣ።

ስለዚ ነዚ ተዛማዲ ትርጉም ዘለዎ ቅዱስ ታቦት፤ ታቦተ ጽዮን እናበልና ንጽውዖ። ነቢይ ኢሳይያስ’ውን “ሕግ ይወጽእ እምጽዮን፡ ወቃለ እግዚአብሔር እምኢየሩሳሌም” (ሕጊ ካብ ጽዮን ቃለ እግዚአብሔር’ውን ካብ ኢየሩሳሌም) ዝበሎ ነዚ ኣበሃህላ’ዚ ዘብርህ እዩ። ኣብ ዘመነ ብሉይ ታቦተ ሕጉ ካብ ጽዮን ቃሉ ድማ ካብ ኢየሩሳሌም ይወጽእ ከምዝነበረ፤ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ሠራዔ ሕግ ክርስቶስ ካብታ አማናዊት ታቦተ ጽዮን፤ ኣማናዊት ኢየሩሳሌም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ እዩ።

እምበኣርከስ ዕላማ እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ናይ ቃል ኪዳኑ ታቦት ታሪኽን ክብርን ንምግላጽ ዘይኮነስ፡ ብዛዕባ እታ ብኽብርቲ ኣደ መሲሉ ቅዱስ ዳዊት እተዛረበላ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስታ ታቦተ ጽዮን ብምዝማድ ብውሑድ መጠን ምርኣይ እዩ። ቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊውን ኣብ ውዳሴ ማርያም ድርሰቱ “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር” ዝብሎ’ውን ነዚ ምሳሌያዊ ምስጢር ዘረድእ ስለዝኾነ እዩ።

 

 

አማናዊት ታቦተ ጽዮን - ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

ብሉይ ትንቢት፡ ምሳሌ፡ ተስፋ፤ ሓዲስ ድማ ፍጻሜ ምዃኑ ቅዱስ መጽሓፍ ብንጹር ቀለማት የረድኣና እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ “ሕግን ነቢያትን ክፍጽም እምበር ክሥዕር ኣይመጻእኩን” ብምባል ብግልጺ ነገረና። ኣፉ ብምሳሌ ከምዝከፍት ትንቢት ከም ዝተነግረሉ ድማ ንኵሉ ምሳሌኡን ፍጻሜኡን ኣረድኣና። ሓዋርያት’ውን ነቲ ኣብ ብሉይ ዘሎ ታሪኻት መሊሶም ምሳሌኡ እናጠቐሱ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ዘለዎ ትርጓሜ ኣመሥጢሮም መሃሩና። ሊቃውንትና ድማ ነዚ ኣሰር ሰዓብዎ።

እምበኣርከስ ጽዮን ተባሂላ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝተነግረላ ሓንሳብ ብቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ሓንሳብ ድማ ብመንግሥተ ሰማያት፡ ሓንሳብ ድማ ብኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እናተመሰለት ክትግለጽን ክትምሥጠርን ትነብር ኣላ። ብኻልእ’ውን ኣብ ዘመነ ብሉይ ተምሳል እሥራኤል ዘሥጋ፡ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ብምእመናን ኮይና ትግለጸሉ እዋን ኣሎ። ንሎሚ ግና ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ሞንጎ እታ ናይ ቃል ኪዳን ታቦት ዝኾነት ታቦተ ጽዮንን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ንዘሎ ዓሚቕ ዝኾነ ምሥጢራዊ ዝምድናን ምትእስሳርን ብውሑዱ ቃላት ፈሊና ክንጠቕስ ኢና።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ጽዮን” ተባሂላ ትጽዋዕ። ምኽንያቱ ከኣ ጽዮን እምባ መጸግዒ ከም ምዃኑ ኣዴና’ውን ጸወነ ሥጋ ጸወነ ነፍስ፤ ጸወነ ኃጥአን ጸወነ ጻድቃን ስለዝኾነት እዩ። ብሓቂ ድማ ንዝኣምን ንሳ ናይ ሥጋን ነፍስን፤ ናይ ኃጥኣንን ጻድቃንን እምባ መጽግዒት እያ።

 

 

ጽዮን ኣዴና - ቅዱሳን ዝመሠረታ ጓል ዳዊት

ቅዱስ ዳዊት ብዛዕባ እዛ ኣማናዊት ጽዮን እዚኣ ክዛረብ ከሎ ኣቐዲሙ መሠረታ ዓበይትን ቅዱሳንን አበው ምዃኖም እዩ ነጊሩና። መዝ ፹፮፥፩ (87፥1)። ካብ ኣዳም ጀሚሮም ከም እኒ አብርሃም ይስሓቅ ያዕቆብ … ዳዊት ኵሎም አበው ወነቢያት ኣቦታታ ናይ እግዚአብሔር ሰባት ቅዱሳን እዮም። ኣብቲ ዘመነ ጸልማት ዝኾነ ዘመነ ፍዳን ኵነኔን ሕግን ፍቓድን እግዚአብሔር ብምፍጻም ነቲ ዝተዋህበ ተስፋ ድኅነት ብዓቢይ ሓንቀውታ ዝጽበዩን ዝልምኑን፤ ሱባኤ እናቖጸሩ ትንቢት እናተዛረቡ ምሳሌታት እናመሰሉ ዝጸንሑ እዮም። ብርሃነ ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ንኣኣቶምን ብምዝካር እዩ “ኣምላኽ ብዙኅ ሳዕን ብብዙኅ መገድን ቀደም ነቦታትና ብነብያት ገይሩ ተዛረቦም” ክብል በብዘመኑ እግዚአብሔር ንዝገለጸሎም ኅብረ ነገርን ኅብረ ትንቢትን መእተዊ መጽሓፈ ዕብራውያን ዝገበሮ። ዕብ ፩፥፩/1፥1

ቅዱስ ዳዊት፡ መሠረት ኣዴና ጽዮን ካብቶም ቅዱሳን ምዃኑ ድኅሪ ምጥቃስ፡ ልዑል እግዚአብሔር ንኣኣ ብዝምልከት ካብ ኵሉ ማኅደራት ንላዕሊ ንደጌታት ጽዮን ከምዘፍቀረ፤ ንኣኣ ከምዝኃረየ ኣብ ትንቢታዊ መዝሙሩ ኣስፊሑ ገሊጹ እዩ። እዚ ትንቢት ከኣ መጋቤ ሐዲስ ቅዱስ ገብርኤል ንእመ ብርሃን ወላዲተ አምላክ ነቲ ካብ ኣዳም ጀሚሮም ደቂ ሰባት ክውለድን ከድኅኖምን ተስፋ ንዝገብርዎ ኣምላኽ ከም እትወልድ ኣብ ዘበሰረሉ እዋን ዝጠቐሶ እዩ። “ንሱ ዓብዪ ኪኸውን፡ ወዲ ልዑልውን ኪብሃል እዩ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ ዝፋን ኣቦኡ ዳዊት ኪህቦ እዩ። ንሱ ኣብ ቤት ያእቆብ ንዘለዓለም ኪነግሥ እዩ፡ መንግሥቱ ኸኣ መወዳእታ የብላን።” ብምባል እዩ ንኣዴና ነጊርዋ። እዚ ቃል እዚ ረቂቕ ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝገልጽን፤ ካብ እግዝእትነ ማርያም ዝውለድ መድኃኒት ክርስቶስ አምላክ ወልደ አምላክ፡ ብተዋሕዶ አምላኽ ፍጹም ሰብ፡ ሰብ ድማ ፍጹም ኣምላኽ ከምዝኸውን ዝነግርን፡ ከምቲ ኣብ ትንቢት ዝተነግረ ካብ ወገን ዳዊት ካብ እትውለድ ድንግል ፍጻሜ ከምዝረኸበ ኣነጺሩ ዘረድእ እዩ። ንሳ እቲ ምልኣት ጊዜ ምስ ኮነን ትንቢት ምስ ተፈጸመን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ “ካብ ሕጂ ኵሎም ወለዶ ብፅዕቲ ክብሉኒ እዮም” ከምዝበለቶ፤ ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ ፍጻሜ እዚ ኣቐዲሙ ብምርኣዩ፡ ምሥጢራዊ ትንቢት እናዘመረ ድኅሪ ምጽናሕ ‘ኣዴና ጽዮን’ ክብል ዝጸውዓን ኵሉ ሰብ ድማ ከምኡ ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ’ ብምባል ከምዝጽውዓን ትንቢት ተዛረበ። ምኽንያቱ ኣብ ዝገለጸሉ ድማ ትሕት ኢሉ፡ ሰማያዊ ኣምላኽ ብተዋሕዶ ካብኣ ሰብ ስለዝኸውን ካብኣ “ሰብ ተወልደ” ብምባል ወልደ እጓለ እምሕያው ክርስቶስ ካብኣ ከምዝውለድ መብርሂ ትንቢቱ ተዛረበ። ክንደይ ደስ ዘብል ቃልን ምሥጢርን እዩ። ነዚ ምሥጢር’ዚ ንኣቦታትና ዝገለጸ እግዚአብሔር ምስጋና ይኹኖ። ቅዱስ ጳውሎስ’ውን ትንቢት ጠቒሱ መድኃኒት ክርስቶስ ካብ ጽዮን ከም ዝርከብ ጠቒሱ ኣሎ። “ከምቲ ጽሑፍ፡ መድኃኒት ኻብ ጽዮን ኪመጽእ እዩ፡ ካብ ያእቆብ ከኣ ረሲኣን ኬርሕቕ እዩ፡ ሓጢኣቶም ምስ ኣርሐቕኩ፡ ኪዳነይ ምሳታቶም እዚ ኪኸውን እዩ፡ ዚብሎ፡ ብዘሎ እሥራአል ኪድኅን እዩ” ድማ ይብል። ሮሜ ፲፩፥፳፮-፳፯/11፥26-27።

 

 

እቲ ዝውለድ ኣምላኽ ትስብእታዊ ልደቱ ካብ አብራኽ ዳዊት ተኸፊላ ካብ ዝወጸት ቅድስት ድንግል ስለዝኾነን፡ ንዳዊት ኣቦኣ ነዚ ተስፋ ብመንበር መሲሉ ኣጽኒዑሉ ስለዝነበረን ድማ ቅዱስ ገብርኤል ከብስራ ከሎ “ዝፋን ዳዊት ኣቦኡ ክህቦ እዩ” ብምባል ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህበ ተስፋ ትንቢት ካብኣ ብዝውለድ ኣምላኽ ከምዝፍጸም ብትሕትና ነጊርዋ። ስለዚ እዩ ድማ ወንጌላዊ ቅዱስ ማቴዎስ ወለዶ ጐይታ ክጽብጽብ ከሎ “ወልደ ዳዊት ወልደ አብርሃም” ኢሉ ዝጀመረ። ስለዚ እዩ ድማ ብዙኃን ክልምንዎ ከለዉ “ጐይታይ ወዲ ዳዊት” ኢሎም ዝጸውዕዎ ዝነበሩ። ስለዚ እዩ ድማ ህጻናት ከይተረፉ ከመስግንዎ ከለዉ “ሆሣዕና ለወልደ ዳዊት” ዝበሉ። ባዕሉ’ውን ነቶም መንነቱ ዝተጠራጠሩ ኣይሁድ “ብዛዕባ ክርስቶስ እንታይ ይመስለኩም? ወዲ መንከ እዩ” ክብል ምስሓተቶም፤ ፈላጣት መጻሕፍቲ ስለዝነበሩ “ወዲ ዳዊት” ዝበልዎ ነዚ ትንቢት ኣጸቢቖም ዝርድኡ ብምንባሮም እዩ። ንሱ ክርስቶስ ወልደ ዳዊት ክበሃል ዝኸኣለ ግና “ወልደ አብ በመለኮቱ፤ ወልደ ማርያም በትስብእቱ” ከምዝብል ብሥጋ ጓል ዳዊት ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ሥጋን ነፍስን ተዋሒዱ ፍጹም ሰብ ስለዝኾነ እዩ።

ኅርይቲ ጽዮን - አርያም

 

ሰብ ኣዴና ጽዮን ከምዝብል ትንቢት እተዛረበ ቅዱስ ዳዊት ደጊሙ’ውን “እስመ ኀረያ እግዚአብሔር ለጽዮን፤ ወአብደራ ከመ ትኩኖ ማኅደሮ፤ ዛቲ ይእቲ ምእራፍየ ለዓለም፤ ዝየ አኀድር እስመ ኀረየክዋ” (እግዚአብሔር ንጽዮን ኃርይዋ እዩ እሞ፤ መኅደሪኡ ክትከውን በሃጋ፤ እዚኣ  ንሓዋሩ መዕረፊተይ እያ፤ መሪጸያ እያ እሞ ኣብዚኣ ክኃድር) ኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ መኅደሪኡ ክትከውን ንዝመረጻን ኣብ ማኅፀና ተወሲኑ ንዝሓደረላን ኣዴና ቅድስት ድንግል ዝተዘርበ ትንቢት እዩ። እዚ ኸኣ ንሱ ዘለዓለማዊ ኣምላኽ ከም ምዃኑ ንሳ ድማ ንዘለዓለም ወላዲተ አምላክ ተባሂላ ከምእትጽዋዕ ዘመልክት እዩ። ብካልእ ትንቢቱ’ውን “ደብረ ጽዮን ዘአፍቀረ፤ ሐነፀ መቅደሶ በአርያም፤ ወሣረረ ውስተ ምድር ዘለዓለም” (ነታ ዘፍቀራ ኸረን ጽዮን ግና ሐረያ። ንመቕደሱ ኸምታ አርያም ሓነፀ፡ ንዘለዓለም ኣብ ምድሪ ሠረታ) ብምባል ደጊሙ ብዛዕባ ናይ ኣዴና ጽዮንነት ኣመሥጢሩ ተነቢዩ ነበረ። ጽርሐ አርያም ማለት ካብ ሾብዓተ ሰማያት ሓደ ኮይኑ ኪሩቤል ዝሽከምዎ (ብረድኤት እግዚአብሔር) ሱራፌል ዝዓጥንዎ ናይ እግዚአብሔር ዙፋን ዝርከበሉ እዩ። እዚ ዙፋን ከኣ ብሾብዓተ ናይ እሳት መንጦላዕት (መጋረጃታት) ዝተሸፈነ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ቅዱስ ያሬድ ንኣዴና ቅድስት ድንግል ኣብ ዝወደሰሉ ኣብ ናይ ኣንቀጸ ብርሃን ድርሰቱ “ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ጽርሐ ማርያም፤ ንስኺ ኣብ ምድሪ አርያም ኮንኪ” ብምባል መሲሉ ዘመስገና። ቅዱስ ዳዊት’ውን ነዚ አርያም ኢሉ ዝጠቐሶ ትንቢት ንኣዴና ምዃኑ ነስተውዕል።

 

ጽዮን - ዘለዓለማዊት ድንግል

 

ዘለአለማዊ ድንግልናኣ ኣብ ዝገለጸሉ ትንቢት’ውን ደጊሙ ከምዚ ይብል። “ትሴብሖ ኢየሩሳሌም ለእግዚአብሔር፥ወሰብሒዮ ለአምላክኪ ጸዮን፥ እስመ አጽንዐ መናግሥተ ኆኃትኪ” (ኦ ኢየሩሳሌም ንእግዚአብሔር ኣመስግኒ፤ ኦ ጽዮን ንኣምላኽኪ ወድሲ፤ መሃርሃር መዓጹኺ ኣጽኒዑ)። እዚ ቃል ድማ እቲ ዘለዓለማዊ ድንግልናኣ ምስ ዝመስከረ ነቢይ ሕዝቅኤል ዝሰማማዕ ትንቢት እዩ (ሕዝ ፵፬፥፩-፪/44፥1-2)። ኣዴና’ውን “ነፍሰይ ንእግዚአብሔር ተዕብዮ፡ መንፈሰይ ከኣ ብኣምላኽ፡ በቲ መድኃንየይ፡ ባህ ይብሎ” ብምባል ትንቢት ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ምላሽ ሂባትሉ እያ። ናይ ነቢያት ናይ መንፈስ ምዝርራብን ፍጻሜ ትንቢቱን ክንደይ ዘደንቕ እዩ።

 

ታቦተ ጽዮን - ማኅደር እግዚአብሔር

ታቦት መኅደሪ እግዚአብሔር ከም ምዃኑ፤ ኣዴና’ውን መኅደሪት እግዚአብሔር እያ። እግዚአብሔር ኣብ ታቦተ ጽዮን ኮይኑ ክብሩ ክገልጽ፤ ዓበይቲ ተኣምራቱ ከርእይ ከሎ ኣብ ልዕሊ ታቦት ብረድኤት ሓዲሩ እዩ። ኣብታ ኣማናዊት ታቦት ግና እግዚአብሔር ወልድ ብፍሉይ ኣካሉ ብቃልነቱ ከዊን ፍጹም ተዋሒዱ እዩ። ስለዚ ድማ ወላዲተ ቃል፤ ወላዲተ አምላክ ኢልና ንጽውዓ።

ታቦት ጽዮን ናይ ቃለ እግዚአብሔር መኅደሪ ከም ምዃና፤ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ንአካላዊ ቃል ንእግዚአብሔር ወልድ መኅደሪ ኮነቶ። ናይ ድርሰት ጸጋ ዝተዋህቦ ናይ መንፈስ ቅዱስ በገና ተባሂሉ ዝፍለጥ ቅዱስ ኤፍሬም ነዚ ከረድእ ከሎ “ኮንኪ ታቦቶ ለፈጣሬ ሰማያት ወምድር ፆርኪዮ በከርስኪ ተስዓተ አውርኃ አንቲ ማእምንት ለዘኢያገምርዎ ሰማያት ወምድር” ኢሉ ነይሩ። ትርጉሙ ኸኣ ኦ ድንግል ማርያም ሰማይን ምድርን ንዝፈጠረ ኣምላኽ ንእኡ መኅደሪኡ ኮይንኪ፤ ትሽዓተ ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማኅፀንኪ ጾርክዮ። ኦ ድንግል ሰማይን ምድርን ንዘይውስንዎ ኣምላኽ ንምውሳን ዝተኣመንኪ ንስኺ ኢኺ ዝብል እዩ።

“ታቦት በወርቅ ልቡጥ እምኵለሄ ዘግቡር እምዕፅ ዘኢይነቅዝ” ካብ ዘይምሽምሽ ዕንፀይቲ ዝተጸርበ ብውሽጢ ብአፍአ (ደገ) ብወርቂ ዝተሸለመት ኢሉ ቅዱስ ኤፍሬም ዝገለጻ ንኣዴና ቅድስት ድንግል እዩ። እዚኸኣ ስለ ፍጹም ንጽሕናኣ እዩ፤ ንሳ ብሥጋ ብነፍስ ብልቦና ብኵሉ ንጽሕትን ቅድስትን እያ። ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን “አልብኪ ነውር ወኢምንትኒ ላዕሌኪ” (ነውር የብልክን፤ ሕፍቲ’ውን የብልክን) እናበለ ዘመስገና እያ። ምኽንያቱ ነውሪ ኃጢኣት ዘይቀረባ ናይ ቅድስና ባህርይኣ ከይረስሐ ብንጽሕናኣ ጸኒዓ ዝነበረት ንጽሕት ብድንግልና ሥርጉት ብቅድስና ክብርት ብልዕልና ንሳ ንጽሕተ ንጹሓን እያ።

ታቦተ ጽዮን ብዝኸበረን ናይ ንጽሕና ምሳሌ ብዝኾነን ጽሩይ ወርቂ ከምዝተሸለመት፤ ኣዴና’ውን ብንጽሐ ሥጋ ብንጽሐ ነፍስ ከምኡውን ብንጽሐ ልቦና ዝተሠርገወትን ዘጌጸትን ምዃና ዘርእይ እዩ። እታ ታቦተ ሕጉ ኣብ ዝተቀደሰት መቅደሱ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ትቕመጥ ከምዝነበረት፤ ኣዴና’ውን ቅድስተ ቅዱሳን ብውሽጣን ብደጊኣን ንጽሕቲ ቅድስቲ እያ።

 

ቅድስት ድንግል ማርያም - ኣዴና ጽዮን

ደብረ ጽዮንን ታቦተ ጽዮንን ምሳሌኣ ዝኾኑ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቦኣ ቅዱስ ዳዊት ከምዝትነበየላ ንኣኣ ዝፈቱን ዘኽብርን ኣዴና ጽዮን እናበለ ክጽውዓ ክነብር እዩ። ንኣኣ ዘኽብር ንርእሱ ይኸብር። ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ድማ ይውሰኸሉ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ’ውን ኣብ ክንዳና ኮይኑ ንኣዴና ንኽቕበለልና ንቅዱስ ዮሐንስ እዩ መሪጽዎ። እቲ ኅሩይ ሐዋርያውን ንኣደ ኣምላኽ ዝተረከበሉ ስፍራ ንድኅነተ ዓለም ኣብ ዝመረጾ ቀራንዮ ኣብ መልዕልተ መስቀል ከሎ እዩ። ኣዴና ምእንቲ ክንብላን እቲ ትንቢት ፍጻሜ ክርከብን ድማ በቲ ሕይወት ዝህብ ቃሉ  “እንሀት ኣዴኻ” ከኣ በሎ። ዮሐ ፲፱፥፳፭።

“ዕግትዋ ለጽዮን” (ንጽዮን ክበብዋ) ኢሉ እቲ ቅዱስ ነቢይ ነቲ ሕግን ቃላትን እግዚአብሔር እተጻሕፈላ ናይ እሥራኤል እምባን መጽግዒን ንዝነበረት ታቦተ ጽዮን ሌዋውያን ካህናት ከቢቦም ውዳሴ የቕርቡላን ምስ ኣምላኽ ይራኸቡላን ከምዝነበረ፤ ሎሚውን ካህናትን ምእመናን ካብ ርሑቕን ቀረባን ተኣኪቦም ነታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ብማኅሌት ብዝማሬ ብቅኔ ብቅዳሴ ብውዳሴ የኽብርዋ ኣለዉ። እቶም ንኣኣ ዘመስገኑን ዝኸበቡን እሥራኤል ዘሥጋ ካብ እግዚአብሔር በረኸትን ጸጋን ከምዝረኸቡ፤ ሎሚ ድማ ምሳሌኦም ወሲዶም ብናይ ሓዲስ ክብሪ ንኣዴና ዘኽብሩ ኵሎም ዝለዓለ ክብሪን ጸጋን ምሳታፎም እሙን ነገር እዩ። ስለዚ ድማ ደቃ ዝኾንና ኵልና፡ እምባ መጽግዒት (ጽዮን) ምዃና እንኣምን ኵልና፡ ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዝነግረና “ኣዴና ጽዮን” ኢልና ንዘምረላን ንወድሳን።

 

 

በረኸት ኣዴና ጽዮን ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን።

 

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር።

 

 

መወከሲ ጥቕስታት፦ ዘጸ ፳፭፥፩-፳፪/25፥1-22 ዘጸ ፴፪/32 ዘጸ ፴፬፥፩-፳፱/34፥1-29 ዘጸ ፵፥፳-፴፰/40፥20-38 ኢያ ፫፥፩-፲፯/3፥1-27፤ኢያ ፬፥፩-፳፬/4፥1-24 ኢያ ፮፥፩-፳፩/6፥1-21 ኢያ ፯፥፮-፱/7፥6-9 ኢያ ፲፭፥፷፫/15፥63 መሳ፲፱፥፲/19፥10 ቀዳማይ ሳሙ ፭፥፩-፲፪/5፥1-12 ቀዳማይ ሳሙ ፮፥፩-፳፩/6፥1-21 ካልኣይ ሳሙ ፬፥፬/4፥4 ካልኣይ ሳሙ፭፥፩፥፲፪/5፥1-12 ካልኣይ ሳሙ ፮፥፲፪-፲፬/6፥12-14 ቀዳማይ ነገ ፰፥፩/8፥1 ካልኣይ ዜና ፫፥፩/3፥1 መዝ፸፯፥፷፰/77፥68 መዝ ፩፻፴፪፥፲፫/132፥13 መዝ ፩፻፵፯፥፲፫/147፥13 መኃ ፬፥፯/4፥7 ኢሳ ፮፥፩/6፥1 ኢሳ፲፰፥፯/18፥7 ኢሳ ፳፬፥፳፫/24፥23 ሕዝ ፩፥፭-፲፰/1፥5-18 ሕዝ ፵፬፥፩-፪። ሉቃ ፩፥፳፮-፸፰/1፥26-78 ማቴ ፳፪፥፵፪/22፥42 ራእ ፬፥፮-፱/4፥6-9።

 

 

ምንጪ ጽሑፍ፣ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.