እምነት ንስሓ ፈሪኃ እግዚአብሔር ፍቕሪ

                                               በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ብመንገዲ ማር ይስሓቅ ዘሶርያዊ፥ መበል 46 ስብከቱ

እምነት ኣፍ ደገ ሚሥጥራት እያ። ከምቲ ናይ ኣካላትና ኣዕንቲ ንዝርምሰሱ ነገራት ዘርእየና ከምኡ ድማ እምነት ነቲ ሕብኡ ሃብቲ ብኣንክሮ ዝጥምታ ኣዕንቲ ርድኢት ትህበና። ከምቲ ኣቦታት ዝብልዎ፥ ከምቲ ክልተ ናይ ኣካላት ኣዕንቲ ዘለና ከምኡ ድማ ክልተ ናይ ነፍሲ ኣዕንቲ ኣሎና። ንመለኰታዊ ራእይ ብዝመልከት ግን ሓደ ዓይነት ሥራሕ የብሎምን። በቲ ሓደ ኣብ ባሕርያዊ ነገራት ተሠዊሩ ዘሎ ሕቡእ ክብሪ ኣምላኽ ንርኢ። እዚ ክብሃል ከሎ፥ ኃይሉ፥ ጥበቡ፥ ካብቲ ንረብሓና ኢሉ ዘርእዮም ረዲአት ክንርድኦ እንኽእል ዘልዓለማዊ መጋብነቱ ንምልከት። በዚ ዓይኒ እዚ እውን ሰማያዊ ሥርዓት ኣብ ኣገልገልቲ ኣኃዋትና ንርኢ። በቲ ካልእ ዓይኒ ድማ ቅዱስ ባህሪ ኣምላኽ ንርኢ። እግዚአብሔር ምሥጢራቱ ከርእየና ኣብ ዝደለየሉ፥ ናይ እምነት ባሕሪ ኣብ እእሙሮና ኣግፊሑ ይኸፍቶ፡

ንስሓ ንደቂ ሰባት ዝተዋሕበ ጸጋ ድሕሪ ጸጋ እዩ። ንስሓ ካልኣይ ውልድነት ስለዝዀነ። እዚ ድማ ብጥምቀት ትግሃት ክንቅበል ከለና በመንገዲ ንስሓ ድማ ከም በረኸት ተቀብልናያ። ንስሓ ነቶም ዝደልይዋ እትኽፈተሎም ናይ ምሕረት ኣፍደገ እያ። በዚ ኣፍደገ ናብ ምሕረት ኣምላኽ ንኣቱ። ካብዚ ኣፍደገ እዚ ወጻኢ ምሕረት ኣይትርከብን እያ። “ኩሎም ስለ ዝኃጥኡ” መንፈሳዊ ጽሑፍ ከምዝብሎ “ በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ድኅነት ብኸምኡ፡ ብጸግኡ ይጸድቁ።” ንስሓ ብእምነትን ፊሪኃ እግዚአብሔርን ኣብ ልቢ ዝወለድ ካልኣይ ጸጋ እዩ። ፈሪኃ እግዚአብሔር ሠናይ ኩሉ ዝርከበላ ገነት ክሳብ እንበጽሕ እትመርሓና ተንካባካቢት በትሪ እያ። ኣብኡ ምስበጻሕና ግና ገዲፋትና ትምለስ።

ገነት ኩሉ በረኸት እነስተማቅረላ ፍቕሪ ኣምላኽ እያ። ኣብኣ ቅዱስ ጳውሎስ ፍሉይ መግቢ ተመገበ። ካብ ኦም ሕይወት ምስ ቀመሰ ከምዚ ክበል ጨርሐ፡ “ዓይኒ ዘይረኣየቶ፡ እዚኒ ዘይሰምዓቶ፡ ልቢ ሰብ ዘይሓለኖ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳልይሎም ኣሎ።” ኣዳም ብምኽሪ ሰይጣንምስ ወደቀ ካብዛ ኦም ሕይወት ተከልኪሉ እዩ።

ኦም ሕይወት ፍቕሪ ኣምላኸ እያ፡ ኣዳም ካብኣ ምስ ተሰደደ ሓጎስ ዝብሃል ኣይርኣየን። ኣብ ናይ ተኾርባ ምድሪ ድማ ብጻዕርን፡ ድኻምንነበረ ። ሽሕ እኳ መንገዶም ናይ ቅድስና እንተገበሩ ካብ ፍቕሪ ኣምላኸ ክምገቡ ኣይካኣሉን። ብኣንጻሩ ከምቲ ኣዳም ዝተኣዘዞ እንጌራ ብራሃጾም በልዑ። ክሳብ ፍቕሪ ንረኽባ፡ ጻዕራና ኣብዛ ምድሪ ተኾርባ እዩ። ኣብ ማእከል ተኾርባ ንዘርእን፡ ንዓጽድን ወላ ዘርእና ናይ ጽድቂ ዘርኢ ይኹን። ኩሉ ግዜ ብእሾኽ ተኾርባ ንውጋእ። ብገዛእ ርእስና ዝለዓለ ጽድቂ እውን እንተ ገበርና ገና ብርሃጽና ኢና እንነብር።

ነገር ግና ፍቕሪ ረኺብናያ ኢና። ብዘይ ጻዕርን፡ ድኻምን ኃያላት ዝገብረና ሰማያዊ ሕብስቲ ተኻፈልቲ ኢና። እዚ ሰማያዊ ሕብስቲ ካብ ሰማያት ዝመጸ ንዓለም ሕይወት ዝሃበ ክርስቶስ እዩ። እዚ ናይ መላእኽቲ መግቢ እዩ።
እቲ ንፍቕሪ ዝረኸባ ሰብ ንክርስቶስ ይበልዖን ይሰትዮን፡ ብእኡ ድማ ሕያው ይኸውን። “ነዚ እንጌራ እዚ ዝበልዕ” ኢየሱስ ክርስቶስ በለ፡ “ ንዘልዓለም ክነብር እዩ።”ነዚ እንጌራ እዚ ማለት ክርስቶስ ዝበልዕ ሰብ ብፁዕ እዩ። ፍቅሪ ዝበልዕ ክርስቶስ ይበልዕ፡ ልዕሊ ኩሉ ዝኾነ ኣምላኸ፡ ቅዱስ ዮሓንስ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ” ኢሉ ከምዝመስከረ።

ስለዚ ኣብ ኣምላኽ ዝነብር ሰብ፣ ሕይወት ካብ ኣምላኽ ይእክብ። ገና ኣብዛ ዓለም ከሎ ናይ ትንሣኤ ኣየር የስተንፍስ። ኣብዚ ኣየር እዚ ጻድቃናት ብትንሣኤ ይድሰቱ። ፍቕሪ መንግሥቲ እያ ከምቲ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እኳ ንደቀመዛሙርቱ ብምሥጢር ኣብ መግሥተይ ክትበልዑ ኢኹም ዝበሎም። “ኣብታ መንግሥተይ ክትበልዑን ክትሰትዩን” ክብለና ከሎ፣ ካብ ፍቕሪ ሓሊፉ ካልእ እንታይ ክኸውን ይኽእል፤ ካብ መግብን መስተን ንፍቕሪ ንሰብ ክትምግቦ እኽልቲ እያ።

“ልቢ ወዲ ሰብ ዘሕጉስ” ወይኒ እዩ። ነዚ ወይኒ’ዚ ዝሰቲ ዝተባረኸ እዩ። ህልኸኛታት ክብዚ ወይኒ ሰትዮም ተቀዲሶም፡ ኃጥኣተኛታት ካብዚ ወይኒ ሰትዮም መዕንቀፊ መንገዲ ረሲዖሞ፡ ሰኽራማት ነዚ ወይኒ እዚ ሰትዮም መጽወምቲ ኾይኖም፡ ሃብታማት ነዚ ወይኒ ሰትዮም ንድኽነት ብሂጎሞ፡ ድኻታት ነዚ ወይኒ እዚ ሰትዮም ብተስፋ ሃብታማት ኮይኖም። ሕሙማት ነዚ ወይኒ እዚ ሰትዮም በርቲዖም። ዓያሹ እዚ ወይኒ እዚ ሰትዮም ለባማት ጌርዎም።

ከምቲ ውቅያኖስ ብዘይ መርከብ ዘይሕለፍ ከምኡ ድማ ብዘይ ፈሪኃ እግዚአብሔር ናብ ፍቕሪ ኣይንበጽሕን ኢና። እዚ ኣብ መንጎናን ኣብ መንጎ እታ ኣብ ኣእምሮና ዘላ ገነትን ተዘርጊሑ ዘሎ ጨናዊ ባሕሪ ክንሰግሮ እንኽእል ፍርሒ ብዝኣልያ ናይ ንስሓ ጃልባ እዩ። ካብዛ ናይ ዓለም ባሕሪ ናብ እግዚአብሔር እንስገረላ፡ እንተሳፍፍ ናይ ንስሓ መርከብፈሪኃ እግዚአብሔር እንተ ዘይመሪሓ፡ ኣብዚ ጨናዊ ብሕሪ ምጥሓልና እዩ። ንስሓ መርከብ እዩ፡ ፈሪኃ እግዚኣብሔር መራሒ መርከብ እዩ፡ ፍቕሪ ድማ መሎኮታዊ ወደብ እዩ።

ስለዚ ፍርሒ ኣብ ንስሓ መርከብ የቀምጠና፡ ኣብ ልዕሊ እዚ ክፉኡ ሕይወትና ድማ ናብ መሎኵታዊ ወደብ፡ ጀሉቡ ድማ ናብ ፍቕሪ፡ የብጽሓና። ኩሉ ጭንቀት፡ ከቢድ ሽኸም፡ ጻዕሪ ብንስሓ ይሕለፍ። ፍቅሪ ምስረኸብናያ፡ ንኣምላኽ ንረኽቦ። ጉዕዞና ይወዳእ። ኪኖ እዛ ዓለም እዚኣ ዘሎ ሰለማዊ ደሴት ሓሊፍናመልሕቅና ደሪብና የዕርፍ። ናብቲ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ዘለውዎ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ሕይወተ ንስሓ ፈሊጥና ብፍቕሩ ክንበር ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና። ክብርን ምስጋና ዕብየትን ንዕኡ ይኹን። ንዕኡ ብምፍራሕ ንኽብሩን ፍቕሩን ብቁዓት ክንከውን ይግበረና። ኣሜን።

 

ወስብሓት ለእግዚ አብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለወስቀሉ ክቡር።

ክፍለኢየሱስ

Comments are closed.