ኣገዳሲ ሥሉሳዊ ጉባኤ ተኻይዱ!

ዕለት 28 ግንቦት 2011 ዓ.ም. (05/07/2019) ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ኣባላት ሥምረት ገዳማትን ጉባኤ ሊቃውንትን ዝተረኽቡሉ ሥሉሳዊ ጉባኤ ኣብ ኣዳራሽ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ ተኻይዱ። እዚ ጉባኤ’ዚ ከም መቐጸልታ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ 19 ግንቦት 2011 ዓ.ም (26/07/2019) ኣብ ሞንጎ ቅዱስ ሲኖዶስን ሥምረት ገዳማትን ዝተኻየደ ጉባኤ ኮይኑ፣ ብቀንዱ ኣብ ህልዊ ኩነታት ቤተክርስቲያንን ክግበር ብዛዕባ ዘለዎም መደባትን ዘተኮረ ዓበይቲ ጉዳያት ዝተሳለጠሉ እዩ ነይሩ። ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣጀንዳታቱ ከኣ ድኅሪ ዕረፍቲ ራብዓይ ፓትርያርክ ብዘይ ኣቦ ብዛዕባ ዝጸንሐ መንበር ቅዱስ ፓትርያርክ ዝምልከት እዩ ነይሩ።

ጉባኤ ብጸሎት ድኅሪ ምኽፋቱን ብሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ደቡብ ዓዲ ቀይሕ ብፁዕ አቡነ ቄርሎስ ቡራኬን ሓጺር ቃል መኽፈቲ ድኅሪ ምስምዑን፣ ኣብ ጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ዝምልከት ብጽሑፋዊ ሰነዳትን ብተንቀሳቓሲ ሥዕልታትን (ቪዲዮታትን) ዝተሰነየ፣ መርትዖታት ዝቀረበሉ መግለጺ ቅዱስ ሲኖዶስ ንጉባኤተኛታት ብዝርዝር ቀሪቡ። ጉባኤተኛታት ብክፉት መንፈስን ቅንዓት ሃይማኖትን ተደሪኾም ከኣ ኣብቲ ዝተዋህበ መግለጺ ዘለዎም ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም። ብመሠረት ሕገ ቤተ ክርስቲያን መንበር ብዘይ ሹመኛ ክሳብ ሕጂ ምጽንሑ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምግላጽ ከኣ፣ መናፍቓን ነዚ ሓጓፍ ብምምዝማዝ ኣብ ሕዝበ ክርስቲያን ፈጢሮሞ ዘለዉ ምድንጋራት ቀሊል ብዘይምዃኑ፣ ኣብ ገጊዜኡ ሓበሬታ ምሃብን ጓስጓስ ምግባርን ኣገዳሲ ምንባሩ ብኣጽንዖት ኣስሚሮሙሉ።

ጉባኤተኛታት ብቀጻልን ብዝቐልጠፈን ክግበሩ ብዛዕባ ዘለዎም ነገራት ኣስፊሖምን ኣዕሚቖምን ድኅሪ ምዝታይ፣ ቅድምን ልዕልን ኵሉ ብመንጽር ዕቅበተ ሃይማኖት ከምኡ’ውን ብመንጽር ሕግን ቀኖናን ቤተክርስቲያን ክፍጸሙ ብዛዕባ ዝግብኦም ጉዳያት ንምስላጥ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘለዎ ሓባራዊ መግለጺ ብምውጻእ ምሉእ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ እዚ ጉባኤ’ዚ ብሥምረትን ሓድነትን ተዛዚሙ።

ንሳቶም ከኣ ሕዝቢ ብጉዳይ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣብ ዝለዓሉ ጉዳያት ሓቀኛ ኣፍልጦ ክህልዎ ምእንቲ፣ ካብ ጠንቂ እቲ ፍልልይ ኣትሒዙ ክሳብ ሎሚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ቅዱስ ሲኖዶስ ዓቂብዎም ዝጸንሑ ጉዳያትን ንሕዝቢ ክግለጽ፣ ብጉዳይ መንበር ዝምልከት ከኣ ቅዱስ ሲኖዶስ ምስ ወከልቲ ሥምረት ገዳማትን ጉባኤ ሊቃውንትን ዘትዩ ዝሓጸረ ጊዜ መዕለቢ ክገብረሉ ተሰማሚዑ።

ሥሉሳዊ ጉባኤ ኣካል ሓፈሻዊ መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስቲያን ኮይኑ፣ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ፣ ሥምረት ገዳማት ኤርትራን፣ ጉባኤ ሊቃውንትን ዘጠቓለለ፣ ኣብ ዓበይትን እዋናዊ ጉዳያት ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ምኽሪ ዝገብር፣ ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ላዕለዎት ጉባኤታት ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ይፍለጥ።

ምንጪ፥ ልሳን ተዋሕዶ

Comments are closed.