ኣንጢላርዮስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኣንጢላርዮስ ንድኻ ዘይፈቱ፣ ንጽጉም ንሽጉር ዘይሓዝን ዘይርህርህ፣ ንዝጠመየ ዘይዕንግል በቃቕ ሃብታም ሰብ እዩ ኔሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ነዳያን (ለማኖ) ተኣኪቦም ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሎም እንዳለመኑ ከለዉ ንኣንጢላርዮስ ኽሓልፍ ከሎ ረኣይዎ፣ << እዚ ጨካን ሰብኣይ ከኣ ሃብታም ክነሱ ንድኻ ዘይርህርህ >> ብምባል ብሕማቅ የልዕልዎ ነበሩ። ሓደ ካባታቶም ከኣ << ናብዚ ጨካን ትብሎዎ ከይደ በሊዐ ክመጽእ ይኽእል እየ።>> በሎም ንሳቶም ከኣ እንካúን ከብለዓካን ከስትየካን ዋላ ሓንቲ ኣብ ጥቁኡ ኣየቅርበካን እዩ። ኢሎም መለስሉ።

 እሱ ከኣ በቲ ዝበሎ መሰረት ናብ ቤት ኣንጢላርዮስ ከደ። ኣጋጣሚ ኣንጢላርዮስ መኣዲ ክበልዕ እንዳተዳለወ ከሎ ኣርከቦ። ስመ እግዚአብሔርን ስመ ድንግል ማርያምን ቅዱሳኑን እንዳጸውዐ ቁራስ ክህቦ ለመኖ። ኣንጢላርዮስ ከኣ ብጣዕሚ ሓሪቁ ኣብ መኣደይ ዝርብሸኒ ብምባል በቲ ሒዝዎ ዝነብረ ሕብስቲ (ባኒ) ጌሩ ደርብዩ ርእሱ ሃረሞ’ሞ ደም ወጸ፣ እቲ ድኻ ለማናይ ግና ናይቲ ደም ምውጽኡ ከይዓጀቦ ጠምዮዎ ስለ ዝነብረ  ነታ ባኒ ኣልዒሊ በልዓ። ንእሽተይ ከኣ ንምስክር ብምትራፍ ናብ ኣዕርክቱ ሒዝዋ ተመልስ።

ኣንጢላርዮስ ለይቲ ኣብ ድቃሱ ራእይ ረኣየ። እቲ ዝረኣዮ ራእይውን ከምዚ ነበረ። << ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልያ መልኣኽቲ ጽልመት ከኣ እንዳጋፍዑ ክወስድዋ ከለዉ ረኣየ፣ መልኣኽቲ ብርሃን'ውን  ብድሕሪኦም መጺኦም ኣርከብዎም። መልኣኽቲ ጽልመት ንመልኣኽቲ ብርሃን << ንስኻትኩም ኣብዛ ነፍሲ እዚኣ እንታይ ኣለኩም ንምንታይ ትስዕቡና >> ኢሎሞም። መልኣኽቲ ብርሃንውን እዚኣ ነፍሲ እካú ትማሊ ነቲ ዝጠመየ ድኻ ለማናይ አዐንጊላ እያ። >> ክብሉ መሊሶምሎም። እሶም ከኣ ሃሪምዎ እዩ  እምበር መዓስ ሂብዎ ኢሎም ክከራኸሩ ጀመሩ። በሉ ሓቐኛ ፍርዲ ክህበና እቲ ድኻ ለማናይ ንጸውዓዮ እቲ ዘጋነፎ ኩሉ ነገራት ይንገረና በሉ ብርሃናውያን መልኣኽቲ ። እሱ ኸኣ ምስ ተሓተተ << እሱ ከኣ ገና መጺኡ ን ኣጢላርዮስ ምስ ረኣዮ፣ እዚ ድኣ ትማሊ ዘዐንገለኒ ሃብታም ሰብኣይ እንድዩ፣ እንታይ ድኣ ኣብዚ ኣምጺእኹሞ ኢልዎም? ንሳቶም ከኣ ትማሊ ሃሪምካ ዲዩ ኣዔንጊሉካ ኢሎም ምስ ሓተትዎ፣ ንሱ ከኣ << ካብ ጥምየተይ ኣዕንጊሉኒ፣  ኣነ ከምዝተዓንገልኩ እየ ዝፈልጥ እምበር  ከም ዝሃረመኒ ኣይፍለጠንን እየ፣ ብምባል መስከረ።>>  መልኣኽተ ብርሃን'ውን ንነፍሱ ካብ መልኣክተ ብርሃን ተቀቢሎማ ናብ መካነ ቅዱሳን ወሲዶማ ።

 ንጽባሒታ << ኣብዛ ዓለም ብዘይ ምፍላጥ ዝመጽወትኩዎ ክንድ'ዚ ዝኣክል ካብ ዘርብሕን ዝጠቅምን ። ፈሊጥካን ፈቲኻን ትህቦሞ ከመይ ድኣ ይጠቅም ይኸውን።>> ዘለዎ ኩሉ ሃብቲ ገንዘብ ኮነ ንብረት ንድኻታት ብምሃብ። ንኽምንን ናብ ገዳም ክኸይድ ተበገሰ። ካብ ኩሉ ቦታ'ውን ንድኻታት ይህብ ኣሎ ዝብል ሰሚዖም ብዙሓት ለማኖ መጺኦም። ጠሚኦም፣ ጸሚኦም ስለዝነበሩ ራህርሂሎ ተጨኒቁ፣ ዝነብሮ ኩሉ ከኣ ንድኻታት ሂቡ ወዲእዎ  እዩ። ሓንቲ ዝነበረቶ ከምዚ በሎም<< ገንዘብ የብለይን ኮይኑ ግና ንዓይ ሽይጥኩም ብትረኽብዎ ገንዘብ ተጠቀሙ ኢልዎም።>>  ሽግሮም ካብ መጠን ንላዕሊ ስለ ዝነበረ ብሰላሳ ዲናር (30) ሸይጦም ተኸፋፊሎሞ።

 ዮሴፍ ናብ ግብጺ ክሽየጥ ከሎ ብምሕረቱን ለውሃቱን ዘይተፈለዮ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ንኣንጢላርዮስ'ውን ኣብ ዝኸዶ ኩሉ ኣይተፍለዮን። ኣብቲ ዝተሸጦ ቦታ ብጉስነት እንዳገልገለ ከሎ ነቲ ደረቅ ቦታ ብምሕረት እግዚአብሔር ኣለምሊሙ ሰዓሪ ብምቡቃል፣ ካብ ከውሒ ማይ ብምፍፍልፋል ነቶም ጥሪት ይምግቦም ነበረ። ነቲ ኃይለ እግዚአብሔር ዝመልአ ድንቂ ተኣምራት ዝረኣዩ ኩሎም የድንቅዎ ነበሩ። ናይ ጻድቃን ክብሪ ምግላጽ ልማዱ ዝኾነ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ዓባስ ዝነብረ ሰብ ብትንፋስ ኣንጢላርዮስ ድኅነተ ሥጋ ክረክብ ጌርዎ። በዚ ከኣ ናይ ቅዱስ ኣንጢላርዮስ ክብሪ ስለዝተገልጸ ካብቲ ከባቢ ሪሒቁ ከደ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብዝሃቦ ጸጋ ምኹራዕ፣ ከንቱ ውዳሴ ምድላይ ፣ኣኽቡሩኒ ኣልዑሉኒ ፣ ኣብ ጽቡቅ ኣቅሙጡኒ ምባል ናይ እግዚአብሔር ሰባት መለለይ ወይ ጠባይ ስለዘይኮነ። እቲ ልዕል ክብል ዝደሊ ባዕሉ ነፍሱ ትሕት የብል ዝብል ኃይለ ቃል የረጋግጸልና እዩ።

ንረኣዩለይ ስምካ ንኽጽዋዕ ፣ ብሥጋዊ ፍቃድ ዘይኮን ብመንፈሳዊ ተበጊስካ ዝፍጸም ምጽዋት ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ክብሪ የብጽሓካ። ሓደ ሰባት ምጽዋት ክምጽውቱ ከለዉ፣ ንቅድስቲ ቤተክርስቲያን ክሕግዙ ከለዉ ስሞም ኣብ ኣብ ኩሉ ኩርንዓት ዓለም ዘልዉ ምእመናን ክንገረሎም ዝደልዩ ኣለዉ። ዋላ ምስ ሞቱውን ዝቅበሩሉ ቦታ ዝተፈለየ ክኸውን ይደልዩ እዚ ግና ሥጋውን ከንቱ ውዳሴን እዩ። ማቴ.6-2 ።

ኣምላከ ቅዱሳን በረከት ናይ ቅዱስ ኣንጢላርዮስ  ይኽፍለና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

አዘክሪ ድንግል

 

Comments are closed.