ኣቲ ምልእቲ ጸጋ

እቲ መልኣኽ ናብኣ ኣትዩ፥ ኣቲ ምልእቲ ጸጋ፡ እግዚኣብሄር ምሳኺ እዩ እሞ፡ ባህ ይበልኪ፡ ካብ ኣንስቲ ብርኽቲ ኢኺ፡ በላ።

ጸጋ (ካሪስ) ካብ ዝብል ናይ ግሪክ ቃል ዝተተርጎመ ኮይኑ ሠለስተ ናይ ዕብራይጥ ቃላት ዝሓቁፍ ኢዩ። ንሳቶም ከኣ ሞጎስ፡ ፍቕሪ፡ ምሕረት ዝብሉ ኢዮም። ጸጋ ካብ እግዚኣብሔር ዝወሃብ ነጻ ህያብ ኢዩ። ብተወሳኺ ጸጋ ዝብል ቃል  ካልእ ብዙሕናይ ትርጉም አፈታትሓ አለዎ። ጸጋ ማለት ትርጉሙ በረኸት፡ ህያብ፡ ውህበት፡ ጨው፡ ሃብቲ፡ ክብሪ፡ ቅድስና፡ ልዕልና ማለትኢዩ። ቅዱስ ገብርኤል ናብ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ናብቲ ዝነበረቶ  አትዩ፡ አቲ ምልእቲ ጸጋ ብምባል ኢዩሰላምታኡ አቅሪቡላ። ምሉእ ዝብል ቃል መስፈሪ ወይ መዓቀኒ ናይ ትሕዝቶ ኮይኑ፡ ሓደ ነገር እንድሕሪ ምሉእ ተባሂሎ ጎደሎአለዎ ወይ ጎደሎ ኢዩ አይበሃልን። አብሳሬ ትስብእት ቅዱስ ገብርኤል እምበአር ንወላዲተ አምላክ ምልእቲ ጸጋ ዝበላ ንድንግልማርያም ዝተዋህበ በረኸት፡ ንድንግል ማርያም ዝተዋህበ ቅድስና፡ ንድንግል ማርያም ዘለዋ ልዕልና፡ ንድንግል ማርያምዝተዋህባ ክብሪ አብ ግምት ብምእታው ኢዩ። እግዚአብሔር ምንጪ ጸጋታትን ወሃቢ ጸጋታትን ኢዩ። ንሱ እቲ ጸጋዊ ጸጋታትካብታ ካብ ኩለን አንስቲ ዝተባረኸት፥ ጸግኡ አምሊኡ ዝዓደላ ክውለድ መሪጹ። ቅዱስ ዮሓንስ ወንጌላዊ "እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ።ዮሐ 1:14ይብል። ናይ ጎይታ ጸጋን ሓቂን መሊእዎ ዝበሎ ናቱ ናይ ባህሪኡ ኢዩ።ናይ ወልዲተ አምላክ ግን ካብ ወዳ ካብ አምላኻ ዝተቀበለቶ ኢዩ።

መድሓኒ ኣለም ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣቦ ጥበቡ ምዃኑ መጻሕፍቲ ይምስክሩልና ኢዮም። ሃዋርያ'ውን ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብ ክርስቶስ ተሰዊሩ ከምዘሎ ይምህረና። ቆሎ 2፡3። ስለዚ ወላዲተ ኣምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ እግዚኣብሔር ናይ ምስጢር መዝገብ ኢያ፡ ወላዲት ጥበብ፡ ምንጪ ፍልጠት ኢያ። ነቲ ናይ ባህሪ ባዓል ጸጋ ኣምላኽ ብምውላዳ ወልዲተ ኣምላክ ምልእተ ጸጋ ምባላ ምስ ሕርየታ ዝሳነ ግቡእ ሞጎስ ኢዩ። ከመይ ካብ ኣምላኽ ምውላድ ዝዓቢ ጸጋ ስለዘየለ፡ አምበር ምልእተ ጸጋ! ጸጋ ወላዲተ ኣምላክ መስፈሪ የብሉን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር። ኣሜን።

ላእከማርያም

Comments are closed.