ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ብሩክ ናይ የካቲት ወርኂ መዓልቱ ዓሠርተ ሓደ ሰዓት እዩ፡ ካብዚ ንደኃር እንዳወሰከ ይኸይድ ለይቱ ድማ ዓሰርተ ሰለስተ ሰዓት እዩ።

ብየካቲት ሓደ (፩፡1) መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፡

  • ዝኸበሩ ቅዱሳን ሚእትን ኃምሳን (150) ኤጲስቆጶሳት ኣብ ቍስጥንጥንያ ከተማ ብዓብይ ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ዘመን መንግሥቲ ዝተጋብእዎ ጉባኤ እዩ፡
  • ተፍጻሜ ሰማዕት ቅዱስ ጴጥሮስ ቤተክርስትያን ዝከበረትሉ ዕለት እዩ፡
  • ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ዘዕረፉሉ ዕለት እዩ፡

* ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ

  • ልደታ ማርያም
  • ቅዱስ እዮብ
  • ቅዱስ ራጉኤል
  • ነብይ ኤልያስ
  • ሓዋርያ በርተሌሜዎስ
  • ኣባ ሜልኪ ዝክሮም እዩ ጸሎቶምን በረከቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ኣመንቶምን ደቆምን ይኹነልና ኣሜን።

'ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ……መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር ዝብሎ (መዝ 112፡7)፣ መዘከርትኦም ክኾነና ናይ ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ (ደብረ ጽጌ፡ ጺዳርዋ) ክንርኢ ኢና ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና፡ ኣሜን።

ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ሰፍኣ

ሀ. ትውልዶም

ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ዝተወለድሉ ዓዲ 'ሕንጣሎ' ፍሉይ ሽሙ 'ደርጓዓጀን' ዝተባህለ ኣብ እብድርታ ትግራይ ኮይኑ፡ ኣቡኦም ዘአማኑኤል ኣዲኦም ኣመተ መንፈስ ቅዱስ ይበሃሉ። እዞም ቅዱሳን ወለዲ ሃብቲ ምድሪን ግብረ ጽድቅን ዝነበሮም እዮም፡ ካብዞም ዝተጠቅሱ ወለዲ ከኣ ብባሕቲ ግንቦት (፩) 1200 ዓ.ም ብሩኽ ውላድ ተወልዱ። ኣቡነ እንድርያስ ካብ ከርሲ ኣዲኦም ጀሚሮም ዝተኃረዩ ስለዝኾኑ ናብ 'ተምቤን' ጨኽ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ከይዶም መንፈሳዊ ትምህርቲ ተመሃሩ፡ ኣብኡ'ውን ብብሕትውና ተቀመጡ፡ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ስለዝተዋህቦም ድማ ብቍሩብ ጊዜ ቅዱሳን መጽሓፍቲ ኣጽንዑ። 'ሰሎዳ' ኣብ ዝተባህለ ጎቦ እንዳ ጊዮርጊስ ብብሕትውና ተቀሚጦም፡ ኣብቲ ቦታ ካብ እግዚአብሔር ብዝተዋህቦም ጸጋ ረድኤት ፈዋሴ ዱያን ዝኾነ ማየ ጸበል ኣፈልፈሉ። ኣብቲ ገዳም ካብ ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ ወዲ መድኃኒነ እግዚእ ኣስኬማ መላእክት (ቆብዕ) ተቀበሉ። ኣብዚ ቦታ'ውን ንሕሙማን ዝፍውስ ጸበልን ማየ ጸሎትን ኣፈልፈሉ። ካብዚ ዝተጠቅሰ ቦታ ተበጊሶም ናብ ሰንዓፈ ኤርትራ 'እምባ ላዃ' ኣብ ዝተባህለ ቦታ ብብሕትውና ተቐመጡ፡ ማየ ጸሎት ጸበል ኣፈልፊሎም ክሳብ ሕጂ ድማ ብዙኃት ሕሙማት ድውያን ይፍውስ ኣሎ።

ኣቦና ኣብ ዝተዛወርሉ ቦታታት ማየ ጸሎት ዘፈልፈልሉን፡

  1. ማይ ሽጉርቲ ተምቤን
  2. ማይ ምጭቃ
  3. ሰሎዳ
  4. እምባ ላዃ፡--ወዘተ ክጥቀስ ይከኣል። ካብዚ ሥፍራ ተላዒሎም ናብ ሓማሴን፣ ሎጎ ጭዋ ሓበላ ዴዳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ኣትዮም ብብሕትውና ተቀመጡ። ኣብዚ ከለው ብጸሎትን ሱባዔን ምስ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ይራኸቡ ነበሩ። ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንኣቡነ እንድርያስን ንኣቡነ ኤዎስጣቴዎስን ተገሊጻ ኣብ ኣሥመራ ዘሎ መቅደሰይ መጺኩም ቀድሱለይ ኢላ ብራእይ ኣዛረበቶም፡፡

ብድኅሪ'ዚ፡ እዞም ክልተ ቅዱሳን ካብቲ ሱባኤ ዝነበርዎ በብዓቶም ተላዒሎም ንኣሥመራ ክመጹ ከለው ኣቡነ እንድርያስ ብዕድመ ዕብይ ዝበሉ ስለዝነበሩ መጽሓፍቶም ዝሽከመሎም ገብርኄር ዝተባህለ ኣድጎም ጽዒኖም ክጐዓዙ ምስ ወዓሉ፡ ካብ ብዝኂ ድካም ናብ ኣሥመራ ክኣትው ምስ ቀረቡ ኣብ 'ቁሸት' ዝበሃል ቦታ ብዓበይቲ ጎቦታት ተጋሪዱ ንምኅላፍ ኣሸገሮም ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ጸሎት ጸልዮም ብትምእርተ መስቀል ብናይ እግዚአብሔር ከሃሊነት ብጸሎቶም ካብቲ ዝነበሮ ቁሸት ናብ ዓርበረቡዕ ከምዝግዕዝ ገበርዎ 'መንክር እግዚኣብሔር በላዕለ ቅዱሳኑ' ዝተባህለ ከምዚ እዩ።

ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ነዚ ምስ ረኣዩ "ንሕነሰ መሰልከነ ሰብአ ከማነ፡ እንዘ አድባር ያፌልስ ሃይማኖተከ……ንሕናስ ከማና ሰብ መሲልካና ኔርካ፡ እምነትካ ግና እምባታት ዘግዕዝ እዩ!" በልዎም። ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ 'ኦ እኁየ! አኮኑ ይብል በወንጌል እመ ብክሙ ሃይማኖተ መጠነ ኅጠተ ሰናፔ ትብልዎ ለዝ ደብር ፍልስ እዝየ ኃበ ከሐ ወይፈልስ ወአልቦ ዘይሰአነክሙ …… ኦ ኃወይ! ከምቲ ኣምላኽና ምርስቶስ ዝበሎ 'ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩምውን የልቦን።' (ማቴ 17፡20) ዝበሎ ኣቦና ብጸሎቶም ነዚ ቃል ብግብሪ ፈጺሞሞ እዮም።

ብድኅሪ'ዚ ከምቲ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝበለቶም፡ ነቲ ኣሥመራ ዝነበረ መቕደሳ እናተመላለሱ ይቅድሱላ ከምዝነበሩ ይነግረና። ካብዚ ተፈላልዮም ኣቦና ኣብ ማይ ምጭቃ፡ ዓዲ ናህባይ፡ ዓዲ ፈለስቲ ዛናኣብ እናተዘዋወሩ ስብከተ ወንጌል ይምህሩ ነበሩ፣ ሽዑ ከምዚ ሓሰቡ 'ንኢየሩሳሌም ከይደ ጐይታይ ዝተወለደላ ቤተልሔም፡ ዝተጠመቀላ ዮርዳኖስ፡ ናዝሬት ዝዓበየላ፡ ቀራንዮ ዝተሰቅለላ፡ ጎልጎታ ዝተቀብረላ ክርኢ' ኢሎም ንጐይታ ብጸሎት ሓተትዎ። ጐይታ ድማ ምስ ቅዱስ ሚካኤልን ቅዱስ ገብርኤልን ተገሊጹ 'እንድርያስ ፍቁረይ! ንኢየሩሳሌም ምኻድ ኣየድልየካን እዩ። ኣነ ሥጋካ ዝቅበረላ ከርእየካ እየ፡ ኣብኣ በዓቲ ኣዳልየልካ ኣለኹ፣ ነዛ በዓትካ ከም ቤተልሔም፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ ማይ ከም ማየ ዮርዳኖስ ዝተጠመቅኩላ፡ ንመቓብርካ ከም መቓብረይ ጎልጎታ ንደብርካ ከም ደብረ ጽዮን ክገብረልካ እየ፡ ኣብዛ ገዳምካ ዝበጽሐ ኢየሩሳሌም ከምዝበጽሐ ክሓሰበልካ እየ!" ኢልዎም ንሰማያት ዓረገ።

ኣቦና ኣብ ማይ ምጭቃ ዓዲ ናህባይ ዓዲ ፈለስቲ ክነብሩ ከለው መግቦም 'ወነበረ ህየ እንዘ ይሴሰይ ቈጽለ አሥርቆ ዘውእቱ ሥርወ ዔቃ…… ሱር ዒቃ ይምገቡ ኔሮም'። ተኣማኒ እግዚእ ንሃድን ምስ ወፀ፡ ነዛ ሎሚ ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ረኣያ እሞ ነቦና ትኾኖም እያ ኢሉ ከይዱ ነገሮም፡ ኣቦና ድማ ነዛ ቦታ ምስ ረኣይዋ ፈተውዋ ኣመስጊኖም ድማ ኣብኡ 999 ኣርድእት ኣፍርዮም ክነብሩ ከለው፣ ብዙኅ ትምእርትን ተኣምራትን ጌሮም እዮም።

ሐ. ካብቲ ብዙኅ ተኣምራቶም፡

 ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ደቂ ኣቡነ እንድርያስ ኣርድእት ጥሜትን ጽምእን ኣብ ዝበርትዓሉ ጊዜ፡ እቶም እርድእቲ ንኣቡነ እንድርያስ ካብዚ ገዳም ወፂእና ክንምገብ ኣፍቅደልና በልዎ፡ ኣቦና ግና ኣጽንዖ መካን ስለዝበልጽ 'እዞም ደቀይ፡ ቍሩብ ተዓገሱ! ዓሳ ካብ ባሕሪ መነኮስ ካብ ገዳም እንተወፂኡ ምውት እዩ።' እኳ እንተበልዎም እቶም ኣርድእቲ ግና ሞሊቆም ናብ እንዳ ተኣማኒ እግዚእ ዓዲ ሞገስ ከባቢ ጣላን ዓዲ ዓደምዛግን ክምገቡ ከዱ፡ እቲ ሰብኣይ ክኣትው እንተፍቀደሎም እታ ሰበይቲ ግና 'ኣቡኦምኸ ኣለው ዲዮም፧!' ኢላ ሓተተት ዘየለው ምዃኖም ምስ ፈለጠት 'ኣይቅበሎምን እየ!' በለት። ከምዚ ክትብል ከላ ኣቦና ብመንፈስ ቅዱስ ፈሊጦም 'ወይቤ አቡነ፡ ሚጦሙ ኃቤየ ለእሉ አግበርቲከ ወኢትኃድጎሙ ይሠጠሙ ውስተ ባሕረ ዓለም!' ኢሎም ምስ ጸለዩሎም ተመልሱ፡፡ ሽዑ ኣቡነ እንድርያስ ነቲ ገንኢ ማይ ምልኡለይ ኢሉ ኣብኡ ምስ ጸለዩ "ወዘንተ ብሂሎ አተበ በትምእርተ መስቀል ዲበ ውእቱ ማይ ወኮነ ጥዑመ ከመ ዓያያተ መዓር፡ ወይቤሎሙ ለደቂቁ አቡነ እንድርያስ ንሥኡ ስተዩ ዘወሃበክሙ እግዚአብሔር፡ ወሰትዩ ደቂቁ ውእቱ ማየ ዘኮነ ወይነ ጥዑመ አንከሩ ጥቀ።" ከምኡ ድማ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ምእንቲ ደቁ ኢሉ ናብ ኣምላኽ ጸሎት ገበረ እሞ ካብ ኣርያም ሠለስተ ኩምራ ከም ዓውዲ መሲሉ ወረደ። እዚ ኩምራ ስርናይ ንሸውዓተ (7) ዓመት ዝኣክል ኣብ በረኻ ከሎ ኣቡነ እንድርያስ ናይ ጎመር መስፈር ካብ እምኒ መዐቀኒ ገበርሎም። ካብታ መዐቀኒት ዝያዳ ከይወስዱ ከኣ ሓደራ በልዎም።

እዚ ስርናይ ኣርያም፡ ናይ ኣቡነ እንድርያስ ጸሎት ስለዝከደኖ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ሓደ ነገር፣ ዝናብ ከይዘነቦ፡ ነቀዝ ከይበልዖ፡ ኣዕዋፍ ከይለቀማሉ፡ ሰረቅቲ'ውን ከይወሰዱሉ ጸንሐ ምኽንያቱ፣ 'ጸሎተ ጻድቅ ትክል ወታሰልጥ…… ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙኅ ተስልጥ እያ' (ያዕ 5፡16)። ድኅሪ ሸውዓተ ዓመት እቶም ኣርድእቲ 'ስለምንታይ ኢና ነቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ንሰፍሮ፧ ከምድላይና ዘይንወስድ፧!' ኢሎም ዝተዋህቦም ሓደራ ጠሊሞም ከምድላዮም ወሰዱ፣ ሽዑ ነቲ ስርናይ ንዓመታት ምንም ዘይቀረቦ ብኡ ንብኡ ፍልሖ፡ ጻጻን ኣዕዋፍን መልእዎ። ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ነዚ ብመንፈስ ፈሊጦም 'በሉ እዞም ደቀይ! ዝተረፈ ናብ ውሽጢ ኣእትውዎ!' በልዎም ከምቲ ዝበልዎም ምስ ገበሩ፡ ብድኅሪዚ ንሽውዓተ ዓመት ካብቲ ስርናይ ኣርያም ተቐለቡ፡ ብድምር ንዓሠርተ ኣርባዕተ (14) ዓመት ተመገብሉ። እቲ ስርናይ ኣርያም ዝወረደሉ ቦታ ንምልክት ክኸውን 'ምውራድ ስርናይ ኣርያም (ምውራድ)' ተባሂሉ ይጽዋዕ ኣሎ ክሳብ ሕጂ። ሊቅ ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ "ሰአል ለነ እንድርያስ አቡነ ለአርዑት ወንጌል ዘተጸምደ፡ ለደቂቀ ቤቱ ገሀደ ስርናይ ኣርያም ዘአውረደ" ኢሉ ኣብ 'መጽሓፈ ሰዓታት' ድርሰቱ ገሊጽዎ ይርከብ።

ድኅሪ'ዚ ዝተጠቅሰ 14 ዓመታት፡ ቅዱስ ኣቡነ እንድርያስ ደቁ ከይጠምዩዎ ኢሎም ጸሎት ናብ ኣምላኽ ኣቅረቡ፡ እግዚአብሔር ጸሎቶም ሰሚዑ ካብ ሰማይ ወርቂ ኣዝነበሎም፡ ሽዑ ካብቶም ኣርድእቲ ሓደ ዘካርያስ ዝተባህለ ርእይዎ ከብቅዕ ከየልዓሎ ከደ ኣቡነ እንድርያስ 'እንታይ ኮንካ ዘየልዓልካዮ፧' ምስ በልዎ ኣልዓሎ፡ ሽዑ ኣቦና 'ንምንታይ ኣብ ቀዳማይ ሪእካዮ ዘየልዓልካዮ፧!' እንተበልዎ 'ኢታንሥእ ዘኢያንበርከ' ክብል መለሰሎም፡፡ቅዱስ ኣቦና ድማ 'በሉ ነዚ ወርቂ ኣይትሽጥዎ፡ ኣይትምዘንዎ፣ እንታይ ድኣ ብለውጢ ተጠቀምሉ!' ብዝበልዎም መሠረት ይነብሩ ነበሩ። ንዘውሓደሎም ኣይሓምይዎ ንዘብዝኃሎም ኣይንእድዎ ነበሩ፡ ብከምዚ ድማ ብዘይ ጓሳ ብኃይሊ ጸሎት ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ገብርኄር ኣድጎም ወርቂ ጽዒኖም ይልእክዋ እታ ኣድጊ ድማ ተጻዒና ናብ ሽከቲ መፍቅደ ደብር እንዳ ራእሲ ነቲ ወርቂ ኣብጺሓ ካብኡ ድማ እኽሊ ጽዒና ናብ ገዳም ተመላልሰሎም ነበረት።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ካብ እዛ ኣድጊ ገብርኄር ካብ ሽከቲ እኽሊ ጽዒና ናብ ገዳም እናመጽአት ከላ ሰይጣን ዝኃደሮ ኣንበሳ ኣብታ እግሪ ደብሪ ሰይሩ ቀተሎ። 'ወአእመረ በመንፈስ ቅዱስ አቡነ እንድርያስ ከመ ቀተሎ አንበሳ ለአድገ ዚአሁ ወእቱኒ ቀተሎ ለአንበሳ በኃይለ ጸሎቱ እንበለ መጥባሕት፡ ወይቤሎሙ አቡነ ለአርድእቲሁ ሑሩ ደቂቅየ ወአልእሉ ፆሮ ለውእቱ አድግ እስመ ቀተሎ አንበሳ" እዛ ቦታ እዚኣ ክሳብ ሕጂ 'ምዕራፈ ኣርድእት' እናተባህለት ትጽዋዕ ኣላ። ናይ ክልቲኦም ሬሳ ማለት ናይቲ ኣድግን ናይ ኣንበሳን ኣብዛ ዝተበሃለት እግሪ ደብሪ እትርከብ ምዕራፈ ኣርድእት ይርከብ።

መ. ቃል ኪዳኖም

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጊዜ ዕረፍቲ ኣቡነ እንድርያስ ምስ ቀረበ ኣእላፈ ኣእላፈ መላእኽቲ ኣከቲሉ መጺኡ ከምቲ ናይ ዅሎም ቅዱሳነ እግዚአብሔር ምሉእ ቃል ኪዳን ሃቦም፡ 'ስምካ ዝጸውዐ፡ዝኽርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ጥዋፍ ስርናይ፡ ጽላል ዝሃበ ገድልካ ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈን ዝሰምዐን ኣነ ክምሕረልካ እየ። ነዛ ገዳምካ ከም ቤተልሔም ዝተወለድኩላ፡ ከም ደብረ ጽዮን ደብረ ሲና ሙራደ ቃል፡ ንመቓብርካ ከም ጎልጎታ ክሓስበልካ እየ። ኵሉ ናብዚ ገዳም'ዚ ኣብ ዕለተ ዕረፍትካን ልደትካን ብእምነት ዝከደ ከድኅነልካ እየ' በሎ። ነ'ቲ ኣብኡ ዘሎ ማይ ከኣ ከም 'ማየ ዮርዳኖስ ጌረዮ ኣለኹ፡ ዅሉ ብእምነት ብኡ ዝተሓጽበ ካብ ዝነበሮ ደዌ ክሓዊ እዩ'።

'ወዘሂ ተቀብረ ውስተ ዛቲ ምኔት ውስተ ምሥራቂሃ ወምዕራቢሃ ወውስቴታ ሰሜና ወደቡባ ሃበ ይበጽሕ ጽላሎታ እሬስዮ ለድኂን' ምስ በሎ ንሰማያት ዓረገ። ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ንደቁ ንኣርድእቱ ኣኪቡ 'እንሆ ጐይታይ ክትመውት ኢኻ ኢሉኒ ኣሎ፡ ስለዚ ስምዑኒ ምሉእ እምነት ሠለስትነትን ሓድነትን ይሃልኩም። ንሓድሕድኩም ተፋቀሩ፡ 'እስመ ተፋቅሮ ይደፍኖን ለኵሉ ኃጣውእ…… ፍቕሪ ብዝኂ ኃጢኣት ትከድን' (1ይ ጴጥ. 2፡17)፣ ሓዳጋት ኩኑ ኢሎሙም ቁሩብ ሓመሙ ሽዑ ኣርድእቶም 'ንስኻ ኣቦና ካብ ሰማይ ስርናይ ዘውረድካ፡መና ዝመገብካና ሕሙማት ድውያት ዝፈወስካ ጎቦ ዘግዓዝካ፡ ማየ ጸሎት ዘፈልፈልካልና ንስካ ከ ትመውት ዲኻ፧' በልዎም፡ ከምዚ እንዳበሉ ካብ ኣዒንቶም ከም ክረምቲ ማይ ይውሕዝ ነበረ። ኣቦና ንብዓቶም ምስ ረኣዩ 'ኣይትብከዩ! ኣነ ካብዛ ኃላፊት ዓለም ናብታ ዘይትኃልፍ ርስትና እየ ዝኸይድ ዘለኹ፣ ንስኻትኩም ከኣ ድኅሪ ዓሠርተ መዓልቲ ብሰማዕትነት ከተርክቡኒ ኢኹም!' ኢሎሞም ነብሶም ካብ ሥግኦም ተፈልየ፣ ዅሎም ቅዱሳን ብዝማሬን ብዕልልታን ንነፍሶም ኂዞማ ከዱ፡ ከምዚ ብምባል እቲ ሊቅ 'ወተቀበልዎ መላእክት አብእዎ ኢየሩሳሌም' ኢሉ ዝዘመረ ኣቦና ብሓደ (1) የካቲት ብሰላም ኣብዛ ገዳሞም ዓረፉ፡፡ እዞም ኣርድእቶም ብብኽያትን ብኃዘንን ነቦና ብሰላም ቀበርዎም። ሰማዕትነት 999 ቅዱሳን ኣርድእቲ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስ ከም ዝበልዎም፡ ድኅሪ ዕረፍቶም ብዙኅ ይኃዝኑን ይጕህዩን ነበሩ፡ ኣቦና ድኅሪ ሣልስቲ ዕረፍቶም ብመንፈስ ተገሊጾም ድኅሪ ሸውዓተ መዓልቲ ብሰማዕትነት ኃሊፎም ኣኽሊል መንግሥተ ሰማያት ከምዝደፍኡ ኣበሠርዎም። ብድኅሪ'ዚ ነቶም 998 ቅዱሳን ኣርድእቲ ኣረሜናውያን መጺኦም ሰየፍዎም፡ ሓደ ካብኦም ግና ተላኢኹ ኣብ ካልእ ጸኒሑ ምስ መጸ፡ ኣኅዋቱ ወዲቆም ተሰይፎም ምስ ረኣየ ኣምሪሩ በኸየ ከምዚ ድማ በለ 'ኣነ ኃጢኣተኛ ብምዃነይ ንሰማዕትነት ኣይበቃዕኩን!'፣ ካብታ ገዳም ቍሩብ ምስ ወረደ ግና እቶም ኣረሜን መጺኦም ሰየፍዎ ኣብታ ዝወደቀላ ቦታ ድማ ማይ ፈልፈለት፡፡ ኣብዚ እዋን 'እንዳ ሰማዕታት' ተባሂሉ ታቦት ተቀሪጹሎም ኣሎ።

ሠ. ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ

ገዳም ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዞባ ደቡብ ከባቢ ሰፍአ ዝርከብ ገዳም እዩ። እዚ ገዳም ብኣቡነ እንድርያስ ዝተመሥረተ ገዳም ኮይኑ፡ ኣብዚ ቦታ ኣብታ መቓብሮም ዘላ ማየ ጸሎት ልክዕ ከም ማየ ዮርዳኖስ ክትመልእ ትመልእ ክትጎድል ትጎድል እያ። ኣብዚ ገዳም ብዙኅ ቅርስታት እኳ እንተሃለወ ኣብዚ ሕጂ ግጊዜ ካብ ዘለው ቅርስታት ማየ ዮርዳኖስ፡ መቃብር ኣቡነ እንድርያስ፡ ጎመር መስፈር ስርናይ፡ ናይ ኢዶም ዝነበረት መስቀል፡ ብዓቢኡ እኳ ምሳሌ ዘይብሉ ቤተ ክርስትያኖም፡ጭኳሮ ዝነበረት ሕጂ ዓባይ ኣውሒ ኮይና ዘላ ንሳ ናይቶም 999 ደቆም መቃብር ዝኮዓተት እያ፡ እዚ ዝኣክል ቅርስታት ኣለዎ።

ኣብዚ ገዳም መጺኡ ከም ጻዕዳ ሕማምን፡ ሕማም ኣጋንንትን፡ ብዙሕ ሕማማት ዝፍውስ ዘሎ ገዳም እዩ ኣብዚ ኬድና ክንፍወስ ቤተ ክርስትያና ተዘካክረና ኣላ። ነዚ ተረዲኦም ቅዱሳን ኣቦታትና ድማ ታቦት ናይ ኣቡነ እንድርያስ ኣብ ኤርትራ ኣሥመራ ቀሓውታ ምስ ልደታ ማርያምን ቅዱስ ዑራኤልን ተደሪቡ ብዙኃት ሕሙማን ዝፍወስሉ ቤተ ክርስትያን ኮይኑ ኣሎ ኣብዚ ክንፍወስ ደጊምና ነዘኻኽር ኣሎና።

ሰ. ዝፈረዩ መምህራንን ሊቃውንትን

ኣብዚ ቅዱስ ደብረ ጽጌ ጺዳርዋ ብዙኃት መምህራንን ሊቃውንትን ዘፍረየት ገዳም ክንሳ ንገለ ካብ ዘፍረየቶም ክንጠቅስ ኣቡነ ኣቤል ዘጣላ፡ ኣቡነ ስምዖን ዘጨዓት፡ ኣቡነ ሉቃስ ዘሓበላ ጉቦር፡ ኣቡነ ኣትናቴዎስ ሊቀ ጳጳስ ዘኢትዮጵያ (ሊቅ መምህር መጽሓፍ)፡ ኣቡነ ፊሊጶስ ሊቀ ጳጳስ ዓዲ ቀሺ፡ መምህር ሊቅ ኣባ የማነ ብርሃን፡ ኣቡነ እንጦንዮስ ሣልሳይ ፓትርያሪክ ዘኤርትራን ካልኦትን ክጥቀሱ ይከኣል። ጸሎትን በረኸትን ረድኤትን ናይ ኣቦና ኣቡነ እንድርያስን ናይ ደቆም ኣርድእቶምን ምስ ኵላትና ኣመንቶም ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

ዓርኬ

'ሰላም ለመቃብሪከ ለቀርጤስ ዓረብ በዓጸዳ፡ እንተ ይእቲ ለኢየሩሳሌም ዘመዳ፡ እንድርያስ አቡነ ዘተቀበርከ በዓውዳ፡ ተፈወሱ እምደዊሆሙ እለ ተቀብኡ ሃመዳ፡መካናትኒ በበሰብእ ወለዳ።'

ስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ፡ ስብሐት ለማርያም እመ አምላክ እግዝእትነ ወመድሃኒትነ

ስብሐት ለመስቀለ ክርስቶስ ዕፀ መድኃኒትነ ሃይልነ ወጸወንነ፡ አሜን።

ኣዳላዊ መም. ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ

Comments are closed.