ኣቦና ኣቡነ ሃብተ ማርያም [ 1866 - 1955 ዓ.ም.]

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 “ይባርኩከ ጻድቃኒከ ስብሐት ይብሉ ለመንግሥትከ ወይነግሩ ኃይለከ ............ ቅዱሳንካ'ውን ክባርኹኻ ኢዮም። ግብርታት ኃይልኻን ክቡር ግርማ መንግሥትኻን ንደቂ ሰብ ምእንቲ ከፍልጡ ክብሪ መንግሥትኻ ክዛረቡ፤ ሥልጣንካ'ውን ክነግሩ ኢዮም።” መዝ 145፡10-12

  ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ሃብተ ማርያም ብዕለት 5ተው ታኅሣሥ 1866 ዓ.ም.  ካብ ኣቡኦም ጸጋ ዘአብ ካብ ኣዲኦም ሥነ ሕይወት ኣብ ኤርትራ ሕምብርቲ ዝተባህለ ዓዲ ተወልዱ። ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ኣብ ገዳ (ጽልማ) ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ተጠምቁ፤ ዓለማዊ ስመ ‘ይኅደጎ እግዚአብሔር’፤ ስመ ክርስትኡ ድማ ‘ሃብተ ማርያም’ ሰመይዎም። ወለዲ ኣቦና ብንኡሶም እንከለዉ ካብኦም ተፈለዩ፤ ቀሲስ ልብሰቃል ዝበሃሉ ድማ ከም ወዶም የዕበይዎ። ወዲ 12 ምስ ኮኑ ቀሲስ ልብሰቃል ናብ መምህር ፍሠሓ በዓል ደብረ ቢዘን ክመሃር ወሰድዎ፤ ንሶምውን ዅሉ ግብረ ዲቁና፤ ግብረ ክህነትን ስብከል ወንጌልን ተማህሩ። መምህር ፍሠሓ በዓል ኸኣ ‘ተመⶂዒኻ ክትወልድ ኢኻ፡ድኅሪኡ ድማ ክትምንኵስ ኢኻ እሞ ዕድልካ ድማ ኣብ ገዳም ምቕማጥ ጥራይ ዘይኮነስ ወንጌል ምስባኽ ኢዩ’ መንፈስ ቅዱስ ብዝተገልጸሎም ተነበይሉ።

 መርዓ፤ ሓዳርን ክህነትን ኣቡነ ሃብተ ማርያም

 ኣብቲ ጊዜ'ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ቀዋሚ ወንበር ዝነበሮ ጳጳስ ስለዘይነበረ ዲቁናን ክህነትን ንምቕባል ናብ ግብጺ ከይዶም መዓርግ ይወስዱ ስለዝነበሩ ኣቦና ኣቡነ ሃብተ ማርያም ድማ ናብ ግብጺ ከይዶም መዓርግ ተቐቢሎም መጹ።  ኣቦና ከምቲ ሓደ ሰብኣይ ናቱ ሰበይቲ ትሃልዎ ንሳ ድማ ከምኡ ስለዝብል ጽሑፍ ተመርዕዮም ክልተ ውላድ ወለዱ። ብድኅሪዚ ኣብ ጸሎቶም ዘውትር ‘ኣነስ ረኺሰ ኢየ፤ ሕጅስ ክጸድቕ ይኽእል ዶ?’ እናበሉ ይጽልዩ ኣብ ዝነበሩሉ መንፈስ እግዚአብሔር ኣነቃቂሕዎም ምስ ሰበይቶም ክምንኩሱ ናብ ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዓረዛ ከዱ'ሞ፤ ኣብኡ ድማ ካብ ኣበምኔት ገዳም ደብረ ድማኅ ኣቡነ ዓፅመ ጊዮርጊስ ኣስኬማ መላእኽት ተቐበሉ። ቀሲስ ይኅደጎ ዝነበረ ስሞም ድማ ብኣቡነ ሃብተ ማርያም ዝብል ስም ተጸውዑ። ብድኅሪ ምንኩስንኦም ኣቦና ናብ በረኻ ብምግስጋስ ንገለ እዋናት ብተባሕትዎ ናይ ጸሎትን ጾምን ስግደትን ሕይወት ክመርሑ ጀመሩ።

  ንእኒ ነብይ ሄኖክን ንካህን መልከጼዴቅን፡ እኒ ነብይ ሙሴ፡ እኒ ነብይ ዕዝራ ሱቱኤልን ኣቡነ ፊሊጶስን (ፋድል) ምሥጢራት መጽሓፍቲ ዝገለጸ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንኣቡነ ሃብተ ማርያም ድማ ምሥጢራት መጽሓፍትን ምልከት ዝተፈላለዩ ቛንቋታት ግዕዝ፡ ትግርኛ፡ ዓረብ፡ ኣምሓርኛ ገለጸሎም። ከም ቅዱሳን ሓዋርያት እናዞሩ ስብከተ ወንጌል ከስተምህሩ ጀመሩ፤ ብዙኅ ተኣምራት ፈጺሞም፤ ድውያነ ሥጋን ነብስን ፈዊሶም፤ ብዙኃት ኣብያተ ቤተ ክርስትያናት ኣሕነፆም ኢዮም።

ኣምላኽ ብዝፈቐዶ ኣባ ሃብተማርያም ንገዳም ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ገዲፎም ኣብቲ ጻድቅ ኣባ ልብድዮስ ዝተቐብረሉ ቦታ ኪኸዱ ከኣሉ። ብድኅሪዚ ንሰብዓ (70) ደቆምን ተመሃርኦምን ክልተ ታቦት ጸይሮም ኣተው፤ ኣብኡ ብዙኅ ምሂሮምን ኣስተምሂሮምን ተመሃሮ ኣፍርዮም።

‘በድርየኒ ፈጸምኩ ወሀይማኖትየኒ ዐቀብኩ ሠናየ ገድለ ተጋደልኩ . . . / ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ ሃይማኖተይ ኣጽኒዐ ጕያይ ፈጺመ ኢየ’ (2ይ ጢሞ. 4፡2) ኸምዝበለ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ሃብተ ማርያም ሃይማኖቶሞ ዓቒቦም ትሩፋት ገዲፎም ብኃሙሽተ (5) ታኅሣሥ ብ1955 ዓመተ ምሕረት ብዘመን ቀዳማይ ጳጳስ ኣቡነ ማርቆስ ኤርትራ (1877 - 1953 ዓ.ም) ኣብ ሰማንያን ትሸዓተን (89) ዓመት ዕድሚኦም ብሰላም ዓረፉ።

5 ታኅሣሥ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም

* ካብ ነገደ ስምዖን ዝኮነ ጻድቅ ነብይ ናሆም ዝዓረፈሉ ዕለት ኢዩ

* ቅዱስ ኤስድሮስ ሰማዕትነት ዝረኸበሉ ኢዩ

* ካብ ሃገረ ሮሜ ዝኾነት ቅድስቲ ኣውጋንያ ምስ ኣቡኣ ፊሊጶስን ብዙኃት ቅዱሳን ሰማዕትነት ዝረኸብሉ

* ሰማዕትነት ቅዱስ ፊቅጦር ኢዩ

* ኣቡነ ሃብተ ማርያም ዘሕምብርቲ ዝዓረፉሉ ዕለት ኢዩ

ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ

*  ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ

* ኣቡነ ፊሊጶስ (ፋድል)

* ሓዋርያ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኢዩ

   ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ዅልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን፡ ኣሜን።

ምንጪ፡

* ‘መጽሐፈ አሰረ ቅዱሳን ቍ3፤ ኣብ ኤርትራ መንፈሳዊ ዕዮ ዘበርከቱ ቅዱሳን’ ብመር. ሄኖክ ገብረሚካኤል 2007 ዓ.ም. / 2015 ፈረንጂ

* ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ ምድረ ኤዎስጣቴዎስ ወፊሊጶስ ፦ ነፍስሄር ሊቀ ሊቃውንት ጐይታና ይስሓቅ ዘደብረ ድማኅ ኣቡነ መርቆሬዎስ ዓረዛ

* ዜና መዋዕል ኢታይ አመተ ማርያም፤ ብልሳን ተዋሕዶ 13ተው ሓምለ, 2016 ፈረንጂ ዝወፀ

  ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

8 ኅዳር 2013 ዓመተ ምሕረት

16 ኅዳር 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል፤ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፤ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፤ አሜን!

Comments are closed.