ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ

                                                       በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን::

ከምቲ ኣብ ማቴ. ፲፥፵፩/10፡41 ‘ዘተወከፈ ነብየ በስመ ነቢይ ዐስበ ነቢይ ይነሥእ፡ ወዘተወከፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ’ ዝበሎ ዓስቢ ክኾነና ገድሊ ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ክንርኢ።
ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ስም ኣቡኦም ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ስም ኣዲኦም ድማ መርኬዛ ይበሃሉ፤ ናይ ሃገር ቍስጥንጥንያ ንጉሥ ድማ ነበሩ። ኣቡኦም ቴዎዶስዮስን ኣዲኦም ንግሥቲ መርኬዛን ፈተውቲ ኣጋይሽ፡ ርኅሩኃት፡ መጽወትቲ፡ ተቐባሊ ጋሻ፡ ለዋሃት፡ ፈሪሃ እግዚአብሔር ዘለዎም እኳ እንተኮኑ ውላድ ብምስኣኖም ይጉህዩን ይሓዝኑን ነበሩ። ሓደ መዓልቲ መርኬዛ ንንጉሥ ከምዚ በለቶ ንዓ እንዶ እግዚአብሔር ዘሕጕስ ወላድ ንክህበና ንለምኖ በለቶ፤ ንሱ ድማ ናብ ኢየሩሳሌም ንኺድ እሞ መብጽዓ ንእቶ በላ ከም ሓሳቦም ድማ መብጽዓ ኣተው፡ እግዚአብሔር ድማ ጸሎቶም ሰሚዑ ኣብ እርግንኦም ጽቡቕ ዝመልክዑ ሠናይ ዝኣርኣያሁ ወላድ ሃቦም። ንጉሥ ቴዎዶስዮስ ድማ ንወዱ ዓብደልመሲሕ ትርጕሙ ድማ ‘ገብረ ክርስቶስ’ ክብል ሰመዮ።
ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ዓቅመ ኣዳም ምስ በጽሐ ኣቡኡን ኣዲኡን ንጓል ንጉሥ ሮም ኣመርዓውዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ናብቲ መርዓት ዘላቶ ቤት ኣትዮም ንሰበይቱ ኢዳ ብምኃዝ ‘ኣንቲ ኽብርቲ ጓል ንጉሥ ፍቓድኪ እንተኮይኑ ኪዳን ንተኣታቶ’ በላ፡ ንሳ ድማ ከም ሓሳቡ ዝበልዋ ዘበለ ክትፍጽም ኪዳን ተኣታተው ተንሢኦም ድማ ጸለዩ፤ ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ጸሎተ ሃይማኖት ክሳዕ መፈጸምታ ኣብጽሑ። ጸሎቶም ምስ ፈጸሙ ስልማቶም ኣውጺኦም ኣብ ሳንዱቅ ኣቐመጥዎ ብድኅሪ'ዚ ኣብ ርእሳ ሰዓምዋ ከምዚ'ድማ በልዋ ‘እግዚኣብሔር ይሓልኺ፤ ካብ ክፉእ ጸላኢ ሠናያት ይሓልኺ’ ኢሎም መረቕዋ። ‘ናበይ ትኸይድ ኣሎኻ፧ ምስ መን'ከ ትኃድገኒ ኣሎኻ፧’ በለቶም ንሶም ከኣ ‘ኣነ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኸይ ይኸይድ ኣለኹ፤ ንስኺ ግና ነቲ ዝኣተኽዮ ኪዳን ሓልዊ’ በልዋ፡ ሽዑ ኣይመለሰትን።
ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ ዅሎም ኣዝማዶምን ቤተሰቦምን ደቂሶም ከለው ብለይቲ ወፂኦም ንጽባሒቱ ኣብ ገምገም ባሕሪ በጽሑ ሓንቲ ትብገስ መርከብ ረከቡ'ሞ ገንዘብ ከፊሎም ባሕሪ ሰገሩ፡ ንጽባሒቱ ቤተሰቦም እንተኸዱ በይና መርዓት ረኸብዋ ምስ ሓተትዋ እቲ ዝኾነ ኵሉ ንገረቶም ኣዝዮም ሓዘኑን ጐሃዩን፡ ኣቡኦም ቴዎዶስዮስ ንዓሻኽሩ (ወተሃደራቱ) ብምልኣኽ ገንዘብ እንዳሃቡ ንድኻታት መንገዲ ሓለፍቲ ክሓቱ ናብ ኵላ ሃገር ለኣኽዎም እንተኾነ ግን ሰኣንዎም። ድኅሪ ብዙኅ ጊዜን ዓመትን ገብረ ክርስቶስ ኣብ ኣርማንያ ሃገር በጽሑ። ኣብኣ ድማ ሓንቲ ብስም ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዝተሓንፀት ቤተክርስትያን ነበረት'ሞ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ምስቶም ኣብታ ቤተክርስትያን ዝነበሩ ሓንካሳትን፡ ቆራያትን፡ ድኻታትን፡ ብብዙኅ መከራ የኅልፍዎ ነበሩ። እቶም ወተሃደራት ናይ ንጉሥ ገንዘብ እንዳሃቡ ሓተትዎም ግና ኣየለለይዎምን፡ ከምዚ ኢሎም ንኣስታት ፲፭(15) ዓመታት ብጾምን ጸሎትን ነበሩ። ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንሓደ ካብቶም ኣብታ ቤተክርስትያን ዘገልግል ካህን ጽባሕ ናብቲ ድኻታት ዝድቅስሉ ኣፍደገ ዄድካ ብጾምን ጸሎትን ንእግዚአብሔር ዘስመረ ሰብ ክትረኽብ ኢኻ'ሞ ምሳኻ ውሰዶ በለቶ፡ ንጽባሒቱ ከይዱ ንቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገለጸትሉ ኵሉ ነገሮ ቅዱስ ጻድቅ ገብረ ክርስቶስ ዛንታ ሕይወቶም ንካልእ ከይነግር ብምምሓል ነገሮ። ሽዑ ናብቲ ቤተክርስትያን ብምእታው ‘ኦ ርኅርኅተ ሕሊና ድንግል ማርያም ኵሉ ምሥጢረይ ንሰባት ነገርክለይ፤ ሕጂ ናብቲ ዝኸዶ ንገርኒ ዝሕሸኒ ንስኺ ትፈልጢ ኢኺ’ ኢሎም ለመንዋ ነገረቶም ድማ፡ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ሰብ ከይፈለጦም ናብ ገምገም ባሕሪ ምስ ከዱ ሓንቲ ናብ ብሄር በርበር ትብገስ ጃልባ ረኸቡ እሞ ነቲ ዋና ጃልባ ብስም እግዚአብሔር ምሳኻ ተማልኣኒ በልዎ እቶም ተሳፈርቲ ከኣ ተማልኣዮ በልዎ እሞ ተማልእዎ። ያል ኣውሎ ንፋስ መጺኡ ነታ ጃልባ እናገፍዐ ኣንፈታ ቀይሩ ናብ ሃገር ቍስጥንጥንያ ወሰዶም፡ ሽዑ ቅዱስ ገብረ ክርስቶስ ዓዶም ከምዝበጽሑ ምስ ፈለጡ ንእግዚአብሔር ኣመስገኑ ወለዶም ክርእዩ ቅዱስ ፍቓዱ ስለዝኾነ ደጊሞም ደጋጊሞም ንእግዚኣብሔር ኣመስገኑ። ናብ ኣቡኦም ከይዶም ‘ዎ ንጉሥ ፍቓድካ እንተኮይኑ ካብ ተረፍካ ክበልዕን ክሰትን ከምኡ ድማ ኣብ ኣፍ ደጌኻ ክነብር በልዎ፡ እቲ ንጉሥ ድማ ወዱ ምኳኑ ስለዘይፈለጠ እስከ ንወደይ ከኣ ከምኡ ጌሮም እንተደንገጹሉ ነዚ ሰብ'ዚ ካብ ተረፈይ መግቢ ዝህቦ ኢሎም ክልተ ወተሃደራት ካብቲ ተረፍ መግቡ ክህብዎም ኣዘዝዎም፤ እቶም ወተሃደራት ድማ ብጫፍ ንእሽቶይ ዳስ ሠሪሖም ኣቐመጥዎም። ተረፍ መግቢ ናይቲ ንጉሥ ይህብዎም ነይሮም። ኮነ ከኣ ንስኻ ሥራሕ ከተብዝኃልና ናብዚ መጺእካ እናበሉ ሓንሳእ ይጸርፍዎም፡ ይጸፍዕዎም፡ ይሸንሎም፡ ብዙኅ ግፍዕታት ይፍጽምሎም ነበሩ። ከምዚ ኢሎም ብዙኅ ስቅያት ኣሕለፉ ን፲፭(15)ዓመታት ኣብ ቤት ኣቡኦም ከም ነዳይ ነበሩ።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድሚ ዕረፍቱ መጺኡ ከምቲ ኣብ መዝ. ፹፱፥፫ “ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ” ዝበሎ ቃል ኪዳን ኣተወሎም ስሞም ንዝጸውዐ፡ ብስሞም ንድኻታት ዝመጽወተ፡ ብስሞም ሠናይ ነገር ዝገብር፡ ብስሞም ቤተክርስትያን ዝሓንፅ ክምሕረሎም ምዃኑ ብዘይ ዕጸፍ ቃሉ ቃል ኪዳን ኣተወሎም። ብድኅሪ'ዚ ነቶም ወተሃደራት ወረቀትን ብርዕን ከምጽእሎም ብስም እግዚአብሔር ለመንዎም፡ ንሶም ድማ ሃብዎም፡ ኣብታ ወረቀት ዛንታ ሕይወቶም ጸሓፉ ብሰላም ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ብ፲፬(14) ጥቅምቲ ዓረፉ። ኣባ ቴዎፍሎስ ንሥርዓተ ቅዳሴ እንዳተዳለው ከለው እግዚአብሔር ኣብ ቤት ቴዎዶስዮስ ገብረ ክርስቶስ ዓሪፉ ኣሎ'ሞ ኣምጽኣዮ ዝብል ቃል ሰምዑ እንተኸዱ ሓቂ ኮይኑ ጸንሖም ነታ ዝሓዝዋ ወረቀት እንተንበብዋ ኣቡኡን ኣዲኡን ሰበይቱን ኵሎም ስድርኡን ቤተሰቡን ብዙኅ ብኽያትን ገዓርን ገበሩ ብዙኅ ሓዘን ሓዘኑ ብዙኃት ሰባት ቅዱስ ሥግኦም ምስ ተንከዩ ተፈወሱ ኣብ መወዳእታ ድማ ከምቲ “ኦ አዳም መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት፤ ኦ ኣዳም መሬት ኢኻ እሞ ናብ መሬት ክትምለስ ኢኻ” ዝበሎ ሓመድ ኣዳም ኣልበስዎም።
አርኬ
“ሰላም ለገብረ ክርስቶስ እንተ አንደየ አባሎ፡ በዴዴ አቡሁ አክልብት እስከነ ለሐሱ ቍስሎ፡ አዕረፈ ዮም ለእግዚአብሔር ከመ ሰአሎ፡ እምእደ አግብርት ተኰንኖ ወእምእደ አእማት ተጽዕሎ፡ እምድኅረ ፈጸሞ ወሠለጠ ገድሎ።”
ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምሕረት፤ ናይ እመቤትና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነትን፡ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊን ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊን ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ደቆምን ኣመንቶምን ንዘልዓለም ጸኒዑ ምሳና ይንበር ኣሜን። ንዓመታ ከምዚ እዋን ብሰላም ብፍቕሪ የጽንሓና ‘አመ ከመ ዮም እግዚአብሔር በሰላም ያብጽሐነ ያብጽሕክሙ፤ ወበጸሎታ ለወላዲቱ፤ ወለቅዱሳኑ አሜን።
ኣዳላዊ መምህር ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያም ቅዱስ ዑራኤል ወአቡነ እንድርያስ ሰፍአ ቀሓውታ ኣሥመራ

27 መስከረም 2012 ዓ.ም.

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፤ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

ዲያ. ማቴዎስ

Comments are closed.