ኣቡነ ኣረጋዊ ዘደብረ ዳሞ

                                                                    በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ሎሚ ፲፬(14) ጥቅምቲ መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዝከሮም ቅዱሳን ምስ እንርኢ፡

ሀ. ካብ ፸፪ (72) ኣርድእት ዝኾነ ሓዋርያ ፊሊጶስ ዘዕረፈሉ

ለ. ካብ ሮሜ ሃገር ዝኾነ ኽቡር ቅዱስ ሙሴ ዘዕረፈሉ

ሐ. ወዲ ንጉሥ ናይ ቍስጥንጥንያ ዝኾነ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ ክርስቶስ መርዓዊ ዘዕረፈሉ ዕለት እዩ፡

መ. ናይ ዓብይ ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ዘሚካኤል ዘደብረ ዳሞ ዕርገቱ እዩ፡

ሠ. ናይ መራክዋ ምስኡ ዘለው ሰማዕታት ናይ ዱማትዮስን ናይ እምራይስ ናይ 431 ሰማዕታት መዘከርትኦም እዩ።

ወርኃዊ ክብረ በዓሉ ድማ ናይ ኣቡነ ብሩክ ኣምላክ ዘደብረ ኮል እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

"ዝክረ ጻቅድ ለዓለም ይሄሉ፣ መዘከርታ ጻድቅ ዘልዓለም ይነብር" [መዝ. 112፡7] ዝብሎ መዘከርትኦም ክኾነና ንሎሚ ንበረኸት ገድሊ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ብሕፅር ዝበለ ክንገልጽ ኢና ምሥጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን፡፡

ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዮም ተወሊዶም። ስም ኣቡኦም ይስሓቅ ስም ኣዲኦም እድና ይበሃሉ፡ ወለዶም ዘውጽእሎም ናይ ክርስትና ስሞም ዘሚካኤል እዩ። ኣቦና ገና ንእሽቶ ከለው ነቲ ኣብ ማቴ16፥26 "ወምንተኑ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ሐጕለ ወምንተ እምወሃበ ሰብእ ቤዝሃ ለነፍሱ" ዝብል ቃል መሠረት ብምግባር ነቲ ናይ ንግሥነት ዙፋን መኒኖም ኪኸዱ ወሰኑ፡ ከምቲ ዝሓሰብዎ ድማ ንንግሥነት ኣቡኦም ኃዲጐም ምስ ሾሞንተ (፰)ቅዱሳን ታሽዓይ (፱) ርእሶም ካብ ዓዶም ሮም ናብ ምድረ ኣግኣዚ ወይ ድማ ምድረ ሓበሻ መጹ። ቅዱስ ዘሚካኤል ብዕድመ ንእሽቶ ስለዝነበሩ ምንኵስና ኣይትኽሎን ኢኻ በልዎም። እንተኮነ ዘሚካኤል ‘አሞክሩኒ፤ ፈትኑኒ’ ኢሎም መለስሎም፡ ነቲ ፈተነ ምስ ጀመሩ ልዕሊ ዅሎም ኮይኖም ምስ ተረኽቡ እቶም መነኰሳት ድማ እዚ ድኣ ብጸጋ ዓብዩና እዩ'ሞ ኢሎም ኣረጋዊ ሰመይዎ። ካብዚ ጊዜ'ዚ ኣትኂዙ ድማ እቲ ዘሚካኤል ዝብል ዝነበረ ስም ብኣረጋዊ ተተኽአ። ኣዲኦም እድና ነቲ ዝነበራ ንግሥነት ገዲፋ ንወዳ ክትሪኦም መጸት ኣረጋዊ ግና ክርእይዋ ኣይፈቐዱን ምኽንያቱ ኣብ ወንጌል ‘እቲ ካባይ ንላዕሊ ነብኡን ነዲኡን ዘፍቕር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ’ ዝብል መሠረት ብምግባር እዮም፡ ይኹን እንበር ኣቡነ ጳኵሚስ ነዲኡም ክርእይዋ ከምዝግብኦም ኣረድእዎም'ሞ ከይዶም ረኸብዋ። ንሶም ድማ ‘እንታይ ክትገብሪ መጺኺ፧!’ በልዋ ንሳ ድማ ክምንኵስ በለቶም ምስተን ኣብቲ እዋን ዝነበራ መነኰሳይት ኣዴታት ኣራኸብዋ፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ብሓንሳብ ምስቶም ቅዱሳን መነኰሳት ኣብ ዝነብሩሉ ዝነበሩ እዋን ብሓንሳብ ምንባርን ምዕላልን ደስ ስለዘይበሎም ሓዲኦም ንምብራቕ፤ ሓዲኦም ንምዕራብን ሰሜንን ደቡብን ኣቢሎም ናይ ብሕትውና ሕይወት (ገድሊ) ክጅምሩ ተጓዕዙ።
ምስ ተስዓቱ ቅዱሳን ኮይኖም ገዳሞም ክረኽቡ ብዙኅ ሃለክለክ በሉ፤ ብሃገርና ኤርትራ ኣቢሎም ብበዓል ደብረ ሲና ዝተቀመጡን ከምዝኃለፉን ታሪኽ ቤተክርስትያን ይገልጽ እዩ። ኣብዚ ጊዜ'ዚ ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብቲ ዝጓዓዙሉ ቦታ ቝራስ እንጌራ ብጸሎት ቈሪሶም ይበልዕዋ'ሞ እታ ቝራስ እንጌራ በረኸት ወይ ትርፊ ኣብ ዝረኣዩላ ገዳም (ቦታ) ክቅመጡ ወሰኑ፡ በዚ ድማ ድሕሪ ብዙኅ ጕዕዞ ኣብ ገዳም ደብረ ዳሞ ምስ በጽሑ እታ ቝራስ እንጌራ በረኸት ገበረት፡ ብኸምዚ ድማ እታ ንእኦም እትኸውን ገዳም ንሳ ምዃና ተረድኡ፤ እንተኾነ ግን ከምቲ መጽሓፍ ገድሎም ተጻሒፉ ዘሎ ደብረ ዳሞ ብጣዕሚ ነዊሕ እምባ ካብ ምኳኑ ዝተላዕለ ብኃይሊ ወዲ ሰብ ሓዅርካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ስለዚ ድማ ንእግዚአብሔር ናብዚ በሪኽ እምባ ዳሞ ንከደይቦም ጸሎት ጸለዩ፡ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሎቶም ሰሚዑ ሓደ ብጣዕሚ ነዊሕ ዝቁመቱ ገበል ካብቲ ደብሪ ጭርኡ ብምውራድ ንከደይቦም ተኣዘዘ፡ እንተኮነ እቲ ገበል ገጹ ናብኦም ብምምላስ እዚ ደብሪ ብቀትሪ ንፋስን ፀሓይን ብለይቲ ድማ ቁርን ኣሳሓይታን ዝበዝኆ ብምኳኑ እኽሊ ኮነ ሣዕሪ ዘይቦቕሎ ምድረ በዳ ቦታ እዩ ኣይትደልን እንዳበለ ካብቲ ናይ እግዚአብሔር በረኸትን ጽድቅን ክፈልዮም ፈተነ፡ ኣቦና ግና ነቲ ገበል ‘እግዚአብሔር ዝኣዘዘካ!’ ፈጽም ኢሎም ገሠጽዎ፡ እቲ ገበል ድማ ገጹ ብምምላስ ጭርኡ ኣብ መዓንጥዖም ጠምጢሙ ክሳዱ ድማ ኣብቲ ገረብ ጠምጢሙ ናብቲ ደብሪ ኣደየቦም፡ ነቲ ገዳም ማንም ክድይቦ ስለዘይኽእል ገመድ መደያይቦ ገበሩ፤ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ምስቲ ምስኦም ዝነበረ ተመሃሪኦም ኣቡነ ማትያስ ብዙኃት ተመሃሮ ደቆም ኣፍረዩ ማኅበር ጳኵሚስ ሠርዕሎም። ኣብኡ ድማ ብዙኅ ትእምረትን ተኣምራትን ብኃይሊ እግዚአብሔር ይገብሩ ነበሩ።

ብዙኃት ሕሙማት ድውያን ድማ ብኃይሊ ኣምላኽ ጸበሎም ብምልካይ ይሓውዩ ምንባሮም ብሰፊሑ ኣብ መጽሓፈ ገድሎም ተጻሒፉ ይርከብ እዩ እሞ ንመልከቶ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ንቅዱሳኑ ከምቲ ኣብ መዝ. ፹፱፥፫/90፡3 "ኪዳነ ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ፤ ምስ ዝመረጽክዎ ቃል ኪዳን ኣተኹ" ዝበሎ ንኣቡነ ኣረጋዊ ቃል ኪዳን ኣተወሎም ስሞም ንዝጸውዐ፡ ንቤተክርስትያኖም ዝሓነፀ፡ ኣብኡ ከይዱ ዝጸለየን ብጸበሎም ዝተሓጽበን፡ መጽሓፈ ገድሎም ንዘንበበን፡ ንዝሰምዐን፡ ዘስምዐን ድሌቱ ዘበለ ከምዝፍጸመሉ ጐይታ ባዕሉ ብዘይሕሶ ቃሉ ኪዳን ኣተወሎም። ኣብ መወዳእታ ነቦና ኣቡነ ኣረጋዊ ከምቲ ናይ ኣቦና ኣዳም ‘ኦ ኣዳም መሬት አንተ ወትገብእ ውስተ መሬት’ ዝበሎ ናይ ኣዳም ዕጫ ሞት ኣይበጽሖምን እንታይ ድኣ ከም ናይ ነብይ ሄኖክን ነብይ ኤልያስን [ዘፍ. ፭፡፳፬/5፡24 ፤ ፪ ነገ. ፪፡፲፩/ 1ይ ነገ. 2፡11] ናብ ሰማያት ማለት ካብተን ኃሙሽተ ዓለማት ዝበሃላ ናብ ብሄረ ህያዋን ብ፲፬ (14) ጥቅምቲ ዓሪጎም እዮም ጸሎቶምን በረኸቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን።

አርኬ

‘ሰላም ለዘሚካኤል ዘተሰምየ አረጋዌ፡ እስመ ሑረቱ ብጥበብ ወፍናዊሁ ልባዌ፡ ምስሌሁ ኅቡረ ዘበአሐዱ ህላዌ፡ ሰላም ለቅዱሳን ዘተሰነዓው ስንዓዌ፡ ከመ በጸሎት ይሥዓሩ ሥርዓቶ ለዓርዌ።’

እስከ ብሕይወት ከለው ማለት ሞት ኣዳም ከይጠዓሙ ዝተሰወሩ ካብተን ኃሙሽተ ዓለማተ ምድሪ ኣብ ብሄረ ህያዋን ዘለው ቅዱሳን ክንርኢ።

1-ርእሰ ኣበው ነብይ ሄኖክ ጥሪ ፳፯ (27)ተሰወረ።

2- ርእሰ ነብያት ነብይ ኤልያስ ጥሪ፮(6)ተሰወረ።

3-ርእሰ ጸሓፍያን ነብይ ዕዝራ ሓምለ ፳፩(21) ተሰወረ።

4-ወንጌላዊ ቅዱስ ሓዋርያ ዮሓንስ ወልደ ነጐድጓድ ጥሪ ፬(4) ተሰወረ።

5-ዘማራይ ሊቅ ቅዱስ ያሬድ ማኅሌታይ ግንቦት ፲፩(11) ተሰወረ

6-ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ጥቅምት ፲፬(14) ተሰወረ

7- ጻድቅ ኣቡነ ገሪማ (ይስሓቅ) ሰነ ፲፯(17)ተሰወረ

8- ጻድቅ ወንጉሥ ነኣኵቶ ለኣብ ኅዳር ፫(3)ተሰወረ

9- ጻድቅ ወካህን መልከጼዴቅ ጳጕሜን ፫(3)ተሰወረ ጸሎቶምን በረከቶምን ናይዞም ዅሎም ቅዱሳንን ናይ ኣቡነ ኣረጋዊን ምሳና ጸኒዑ ይንበር፤ ገድሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ካብ ብዙኅ ብውሑድ ካብ ብነዊሕ ብሓፂር ንበረኸት እዚ ይመስል።

ኣዳላዊ መምህር ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ ልደታ ማርያም፡ ቅዱስ ዑራኤል ወአቡነ እንድርያስ ሰፍአ፡ ቀሓውታ ኣሥመራ

ዝተዳለወሉ ብ 27/01/2012 ዓ.ም.
ዲያቆን. ማቴዎስ

ዝጐደለ ዝነጠበ ብኢድ ቅዱሳን መላእኽቱ ይኣርመልና፤ ኣሜን!

Comments are closed.