ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

"ዝክረ ጻድቅ ለዓለም ይሄሉ ፤ መዘከርታ ጻድቅ ንዘልዓለም ይነብር።’

   ኣቦና ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ትውልዲ ዓዶም ‘ጎሎ መከዳ’ ካብ ዝተባህሉ ዓሌት ኮይኖም ኣቡኦም ያፈቅረነ እግዚእ ኣዲኦም ከኣ ዘመደ ማርያም ይበሃሉ። ያፈቅረነ እግዚእን ዘመደ ማርያም ከም ኣብርሃምን ሳራን ከም ካህን ዘካርያስን ኤልሳቤጥን ብኣምልኮተ እግዚአብሔር ዝጸንዑ፡ ብቅድስና ዝነብሩ ዝነበሩ ፈተውቲ ጾምን ጸሎትን መሥዋዕትን ስግደትን ነበሩ፡ (ዘፍ 17 ፤ ሉቃ 1፡6)። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ንያፈቅረነ እግዚእ እግዚአብሔር ከምዚ ኢሉ ብሕልሚ ተገለጸሎም ‘ተንሥእ ንብዙኃት ሰባት ኣብነት ዝኸውን፤ ብትምህርቱን ብቱርፋቱን ብገድሉ ሕይወት ዝህብ ውላድ ክትወልድ ኢኻ። ንሱ ከም ነብየ እግዚአብሔር ኤርምያስን ከም ቅዱስ ዮሓንስ መጥምቅን ካብ ከርሢ ኣዲኡ ኂዙ ኅሩይ ስለዝኾነ ብፁዕ ክትብሎ ኢኻ’፡ ስለዝበሎ ብድኅሪዚ ኣቡነ ብፅዕ ኣምላክ ተጸንሱ እሞ ኣቡኦምን ኣዲኦምን ካብ መበቆል ዓዶም ካብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርዋ ጽልማ ፍሉይ ሽሙ እምኒ ጸሊም ተሰዲዶም ንብፅዕ ኣምላክ ብሓደ መስከረም 1425 ዓ.ም. ኣብ ምድረ ጣጥያ ተወልዱ። ወለዶም ከምቲ ኣቀዲሞም ዝተበሠርዎ ብፁዕ ኣምላክ ኢሎም ሰመይዎም።

   ከም ዝኾነ ሕፃን ድማ ብሥርዓት ኣብ ቤት ኣቡኦም ዓበዩ፡ ወዲ ሾሞንተ ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ያፈቅረነ እግዚእ ምስ ኣርባዕተ ኣኅዋቱ ንገዳም ደብረ ቢዘን ኂዞሞም ተበገሱ። ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ በጽሑ መቃብር ናይ ኣቡነ ፊሊጶስን ኣቡነ ዮሓንስ ተሳሊሞም ምስ ኣበምኔት ኣቡነ ሠረቀ ብርሃን ተራኪቦም ሰላምታ ምስ ሃብዎም፡ በቲ መንፈስ ቅዱስ ዘለበዎም ‘እዚ ድዩ ብፁዕ?!’ ኢሎም ኣጻብዕቶም ናብ ብፁዕ ኣምላክ ኣመልከቱሎም፡ እሞ እወ በልዎም፡ እዚ መንፈስ ቅዱስ ዝኃረዮ እዩ ብምባል መምህራን ደብረ ቢዘን ጸዊዖም ክምህርዎም ኣዘዝዎም። ደጊሞም ብፅዕ ኣምላክ እዩ ስምካ ኢሎም፡ ‘ብፁዕ ኣምላክ’ በልዎም። ኣቡነ ብጹዕ ኣምላክ መንፈስ ቅዱስ ስለዝገለጸሎም ኵሉ ትምህርትታት ኣብ ቍሩብ እዋን ኣጠናቂቆም ወድኡ፡ ጎኒ ጎኑ ድማ ኣብ ርድእናን ኣገልግሎት ኣረጋውያን ተጸምዱ። ኣቦታት ደብረ ቢዘን ኣገልግሎቶምን መስተንክር ተኣምራቶምን ርእዮም ኣስኬማ መላእክት (ቆብዕ ምንኩስና) ኣብ መበል ዓሠርተ ኃሙሽተ ዕድሜኦም ካብ ኣቡነ ጴጥሮስ ድኅሪ ኣቡነ ፊሊጶስ መበል ራብዓይ ኣበምኔት መዓርገ ምንኩስና ተቐበሉ። ከምዚ ናይ ሎሚ ኣብ ሃገርና ጳጳሳትን ፓትርያሪክን ኣብ ዘይነበረሉ እዋን ኣቦታትና ንመዓርገ ዲቁናን ክህነትን ክቅብኡ ንግብጺ ብበረካታትን ብብዙኅ ፈተናን ተጓዒዞም ይኸዱ ስለዝነበሩ፡ ኣቦና ድማ ካብ ግብጺ ዝመጹ ኣቡነ ይስሓቅ ዝበሃሉ ኣብ ዳምባ ምጭ ዞባ ደቡብ መጺኦም ስለዝነበሩ መዓርገ ክህነት ካብኦም ተቀበሉ። ብድኅሪዚ ኣቦና ናብ ደብረ ቢዘን ተመሊሶም ዝተመሃርክዎ ትምህርትን ዝበጻሕክዎ መዓርግን እኩል እዩ ከይበሉ፡ ናብ ደብረ ዳሞ ትግራይ ከይዶም ብዙኅ ትምህርቲ ተማሂሮም በረኸት ኣቡነ ኣረጋዊ ተቐቢሎም ንኃሙሽተ ዓመት ኣብኡ ጸኒሖም ናብ ካልእ ቦታ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ፈጺሞም ናብ ሃገርና ኤርትራ ደብረ ኮዳዱ ተመሊሶም መንፈሳዊ ተጋድሎኦም ቀጸሉ። ኣብዚ ቦታ'ዚ ንሠላሳ ዓመት ጸንሑ፡ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ክቅድሱ ከለው ‘ፈኑ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ’ ክብሉ ከለው መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ኣብቲ መሠውዒ የጽልል ከምዝነበረ መጽሓፈ ገድሎም ዝምስክር ሓቂ እዩ።

  ኣብ ሕዝቢ ጽልማ ቃል ወንጌል እናመሃሩ፡ ሕሙማት እናፈወሱ፡ ድውያት እናዓቅንዑ ከለው፤ ኣብዚ ቦታ ዝናብ ምስ ኣበየ። ነቦና መጺኦም ጸልዩልና ምስ በልዎም፡ ኣቦና ጸሎቶም ምስ ኣብጽሑ፤ ከም ነብየ ኤልያስ ንእሽቶይ ደመና መጺአ ዝናብ ከምዝዘንብ ጌሮም እዮም። ኣብዚ ገዳም ብትግሃት እናኣገልገሉ ከለው ምንዋጽ ኮነ ዘፍህር ግርማ ረኣዩ መብረቅን ነጐድጓድን ኮነ፡ መንፈስ ቅዱስ ድማ ንኣቦና ካብቲ ዝወደቕሉ ኣተንሥኦም፡ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ንኣብርሃም ኣብ ድዋታት መምሬ ከምዝተገልጹሉ ነቦና ድማ ብሠለስተ ሰብኣይ ተገሊጾም ሰላምታ ሃብዎም፡ መንነቶም ድማ ገለጹሎም። ‘ኦ ብፅዕ ኣምላክ ነዚ እመን፡ ከምዚ ኢልካ ስበኽ፤ እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ ልቢ ዘለዎ የስተውዕል ብ26 ዝክርና ናይ ቅድስት ሥላሴ ይኹን። ካባና ሓደ ሥጋ ለቢሱ ፍሥሓ ኦሪት በሊዑ፡ ሥርዓተ ቍርባን ዘርኣየላ እግሪ ደቂ መዛሙርቱ ዝሓጸበላ እያ’ ኢሎም ነገርዎ፡ በዚ መሠረት ከባቢ ገዳም ኮዳዱ ዝርከቡ ዓድታት ክሳብ ሎሚ ብ26 በብወርኁ የብዕልዎ ኣለው። ኣብዚ ቦታ ብተባሕትዎ ምስ ተቀመጡ ቅዱሳን መላእክቲ ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ከምዝወሰድዎምን ኣብ ቅድሚ ፈጣሪኦም ከምዘቘምዎምን ብፍርሂ ከምዝወደቁን፡ ካብ ዝወደቅዎ ድማ ኣተንሥእዎም። እታ ዝፈትውዋ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም መጺኣ ባሪኻቶም፡ ሽዑ እግዚአብሔር ‘ንስኻ ኣብ ዘለኻሉ ምስጋናና ኣይጐድልን እዩ፡ ንደቅኻ መሃሮም!’ በሎ። ነዚ ምስ በሎም ብመልኣኽ ጌሩ ባሕረ እሳት ሲኦል ኣርኣዮም፤ ኣብኡ ክቝጸሩ ዘይክእሉ ሰባት ክሳቀዩ ረኣዩ፡ ሓዘኑ ንገሊኦም ድማ ካብቲ ሲኦል ከምዝዘመትዎም ገድሎም ይነግር። ነዚ ዘስካሕክሕ ምስ ረኣዩ፡ ‘ንምንታይ ናብዚ መጺኤ?!’ ምስ በልዎ እቲ መልኣክ ‘ዝክርካ ዝገብር ነዚ ከምዘይርእይን ዘይኣትውን ምዃኑ!’ ገለጸሎም።

   ካብኡ ምስ መጹ ንደቀ መዛሙርቶም ቦታ ዕረፍቶም ኣብዚ ከምዘይከውን ነጊሮም፡ እቶም ሕዝብን ደቀ መዛሙርቶምን እንተጓሃዩ እኳ ክከውን ከምዘይክእል ነጊሮም ተፋነውዎም። ቅድሚ ናብ ‘ደብረ ምዕዋን ጎደይቲ’ ምብጽሖም ኣብ መንገዲ ዝርከቡ ዓድታት እናመሃሩን እናፈወሱን፤ ኣብ እግሪ ደብረ ምዕዋን ምስ በጽሑ እቶም ደቆም ‘እዚ ቦት ንዕዖም ከምዘይከውን ናይ ሸፋቱን ተጻብኦ ኣጋንንትን ዝበዝኆ ምዃኑንን ካልእ ቦታ ክኃርዩ ነገርዎም። ኣቦና ድማ ንደቆም ገሥኢጾም ብምብራቅ ቦታ ኮይኖም መዝሙረ ዳዊት ምስ ኣብጽሑ፡ ኣብኡ ዝነብረ ኣብ ገበል ዝኃደሮ ሰይጣን ጠፊኡ ከደ። እቲ ገበል ጭርኡ ኣብታ ዓባይ ኣውሊዕ ገዳም ጠምጢሙ ዓዲ ሓሊቦ ይሰቲ ነበረ፡ ነዚ'ውን ኣጥፍእዎ፤ ኣቦና ብርባዕቲዑ መኣዝን ብመስቀሎም ምስ ባረክዎ፤ ተቀደሰንን ተባረኸን። ኣብኡ ድማ ማኅበሮም ኣቑሞም ንቍሩብ ዓመታት ተቀመጡ።

  ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝራእናዮ ገዳም ደብረ ኮዳዱ ንብዙኅ ዓመታት እንተተቀመጡ ቦታ ዕረፍቶም ግና ደብረ ምዕዋን ምዃኑ ፈሊጦም ማኅበር ኣቁሞም ሕግን ሥርዓትን ተኺሎም፡ ካብ ልቦም ፍቅረ ድንግል ማርያም ከይፈልዩ ተላብዮም፤ ከምቲ ‘ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ ፡ ምስቶም ዝኃረኽዎም ቃል ኪዳን ኣተኹ’ ዝበሎ መሠረት ንኣቦና ኣቡነ ብጹዕ ኣምላክ ዝኽሮም ዝገበረ ስሞም ዝጸውዐ ባሕሪ ሲዖል ከምዘይርኢ፡ ገድሎም ዝጸሓፈ፡ ዘጽሓፈ፡ ዝሰምዐ፡ ዘስምዐ፡ማሕሌት ዝቘመ፡ ቤተ ክርስትያኖም ዝተሳለመ፡ ሞባእ ጥዋፍ ስርናይ ብስሞም ዝሃበ፡ ብስሞም ንጥሙይ ዘብልዐ ክምሕረሎም ምዃኑ ቃል ኪዳን ካብ ኣምላኮም ተቀበሉ (መዝ 89፡3)። ካልኣይ ጊዜ ብ13 መጋቢት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ተገሊጹ ዕረፍትካ ቀሪቡ ከምዝበሎም እሞ ብድኅሪዚ ኣብ 75 ዕድሚኦም ብ9 ግንቦት ዓሪፎም፡ ኣብዛ ገዳሞም ደብረ ምዕዋን ተቀብሩ። ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ቅዱሳን መላእክትን ቅዱስ ዳዊት ዘማራይን ብዝማሬ መላእክት እናወደሱ ‘ክቡር ሞቱ ለጻድቅ በቅድመ እግዚአብሔር” እናበሉ ጐይታ ድማ ነፍሶም ካብ ሥግኦም ፈልዩ ስዒሙ ንቅዱስ ሚካኤል ናብ ክብሪ ቦትኣ ክወስዳ ሃቦ። ብመሠረት ዝተዋህቦም ቃል ኪዳኖም ኣብዚ መቃብሮም ማየ ጸሎት እናተሓጽቡን፡ ብዙኃት ሕሙማትን ድውያትን ይፍወሱ ኣለው።

   ዓመት መጸ 9 ግንቦት ካብ ከባቢ እቲ ዓድታትን ካብ ኣሥመራን ካልእ ቦታታትን ብዝመጹ ኣጋይሽ ክብ ብዝበለ በዓል ይበዓል ኣሎ፡ ኬድና በረኸት ክንቅበል ቤተ ክርስትያና ተተሓሳስብ ኣላ። ነዚ ዕጹብ ዝኾነ ገድሎም ዝጸሓፉሎም ድማ ወዶም ዝኾኑ ኣቡነ ቦኵረ ድንግል እዮም፡ ናይዞም ኣቦ ድማ ኣብዚ ገዳም ደብረ ምዕዋን ቤተ ክርስትያን ተሠሪሑሎም ኣሎ፡ ኣብ ዝመጽእ ክብረ በዓሎም ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ታሪኮም ሕይወቶም ክንሪኦ ኢና፡ ንሽዑ ዝኸውን እስትንፋስ ይሃበና ኣሜን።

  1. ገዳም ደብረ ኮዳዱ ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ዱባርዋ ጽልማ ኣብ እምኒ ጸሊም ይርከብ።
  2. ገዳም ደብረ ምዕዋን ኣብ ዞባ ደቡብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ምድረ እገለ ሓምስ ጎደይቲ ይርከብ። እዘን ገዳማት ባዕሎም ኣቡነ ብጹዕ ኣምላክ ዝመስረትዎ ገዳም እየን።

   ሎሚ ትሸዓተ ግንቦት መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ቅዱሳን፡

ቅድስት ንጽሕት እሌኒ ንግሥት ዘዕረፈትሉ

ኣቡነ ብፁዕ ኣምላክ ዘደብረ ኮዳዱ ዘዕረፉሉ

   ወርኃዊ ክብረ በዓሎም ድማ ኣቡነ ቦኵረ ድንግል፡ ሠለስቱ ምእት እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ንዘልዓለም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ጸኒዑ ይንበር ኣሜን።

  ዲያ ዳንኤል ኣብርሃም

25 ሚያዝያ ፡ 2012 ዓ.ም.

3 ግንቦት 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

Comments are closed.