ኣምሳል ሱራፊ ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

 

ማሕሌታይ ቅዱስ ያሬድ

ዘማራይ ቅዱስ ያሬድ ብ505 ዓ.ም ሚያዝያ ኃሙሽተ፡ ኣብ ከተማ ኣክሱም ካብ ኣቡኡ ኣብዮድ (ይስሓቅ) ካብ ኣዲኡ ክርስቲና (ታውክልያ) ተወሊዱ። ንቅዱስ ያሬድ ኣቡኡ ኣብ ሸውዓተ ዓመቱ ስለዝሞተ፡ ኣዲኡ ክርስቲና ናይ ኣክሱም ገበዝ ንዝነበረ ኣኩኡ ጌዴዎን ከዕብዮን ከስተምህሮን ሓደራ ኢላ ሃበቶ። ቅዱስ ያሬድ ምስ  ኣኩኡ መዝሙረ ዳዊት ኣብ ዝመሃረሉ እዋን እቲ ትምህርቲ ዋላ ምርዳእ ኣበዮ፡ ቅዱስ ያሬድ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጽዒሩ ምርዳእ ስለዝኣበዮ ናይ መምህሩ ቘየቋን ማህረምትን ስለ ዝበዝኆን ዝበርትዖን ካብ ቤት ትምህርቲ ጠፊኡ ክኸይድ ሓሰበ። ሓሲቡ ኣይተረፈን፡ ተበጊሱ ክከይድ ውዒሉ ደኪሙ ኣብ ትሕቲ ሓንቲ ኦም ተጸጊዑ እናበኸየ ከሎ ሓደ ጻጸ ረኣየ፡ እቲ ጻጸ ናብ ላዕሊ ክወጽእ ክብል ኣብ ሞንጎ ኣብ ማእከል ምስ በጽሐ ይወድቅ ነበረ። ከምኡ እናበለ ንሽዱሽተ ጊዜ ብተደጋጋሚ ክወጽእን ክወርድን ጸኒሑ ኣብ መበል ሻውዓይ ጊዜ ኣብታ ልዕሊ ኦም ደይቡ ናይታ ኦም ቈጽሊ (ፍረ) ክበልዕ ረኣየ። ንቅዱስ ያሬድ እግዚአብሔር ብጻጸ መሃሮ፡ ተስፋ ምቍራጽ ከምዘይግባእ ተዛረቦ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መዋእለ ሥጋዌኡ በዕዋፍ ሰማይን ብዕምባባ በረኻን ኣብነት ከምዝመሃረ ማለት እዩ። ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ያሬድ ድሕሪ ብዙሕ ሓዘንን ብኽያትን ናብ መምህሩ ተመሊሱ ይቅሬታ ሓቲቱ ትምህርቱ ቀጸለ፣ 'ለጠቢብ ትብቅዖ አሐቲ ቃል፡ ንጠቢብ’ሲ ሓንቲ ቃል እያ ትኣኽሎ' ዝበሎ ነዚ እዩ። እቲ ንሸውዓተ ዓመት ትምህርቲ ኣብይዎ ዝነበረ ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 መዝሙረ ዳዊትን መሃልየ ዘነብያትን መሃልይ ዘሰለሞንን፡ ከምኡ ድማ ትርጓሜ መጽሓፍትን ካልኦት መጽሓፍቲ ኵሉ ፈለጠ 'ንእግዚአብሔር ዝሰኣኖ ስለዘየለ'፣ ናይ እግዚአብሔር ድንቅ ሥራሕ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ያሬድ ተገልጸ (ሉቃ 1፡37)።

ቅዱስ ያሬድ ብመዓርገ ዲቁና ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣክሱም ጽዮን እናኣገልገለ ክነብር ጀመረ። በቲ ዘመን ትሕት ኢልካ ንባብ እናኣዜምካ እምበር ድምፅኻ ዓው ኣቢልካ ምግልጋል ኣይነበረን። ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ካብ ኤዶም ገነት ብኣምሳል ሠለስተ ሥላሴ ሠለስተ ኣዕዋፍ ናብ ቅዱስ ያሬድ መጻ፡ እተን ዑፍ ሠለስተ ዓይነት ዑፍ ነናተን ሕብሪ ነበረን። እቲ ሕብሪ ቀጠልያ፡ ብጫ፡ ቀይሕ ክከውን ከሎ እዚኣተን ከኣ ግዕዝን፡ ዕዝልን ኣራራይን ዜማ ምሳሌ ነበራ። ቀጠልያ ንግዕዝ፡ ብጫ ንዕዝል፡ ቀይሕ ንኣራራይ ዜማ እየን ምሳሌአን፡ ናይ ሰብ ኮነ ናይ ኣዕዋፍ ዜማ ድምፂ ካብዚ ኣይወጽእን እዩ። ከምቲ ኣብ ዘኁልቅ፡ ኣድጊ በልዓም ልክዕ ከም ሰብ ብልሳን ሰብ ከምዝተዛረበት ካብ ሠለስቲኤን ሓንቲ፡ 'ኦ ያሬድ ንስኻ ብፁዕ ኢኻ፡ ንዓኻ ዝተሰከመት ማሕጸንውን ብፅዕቲ እያ'፣ በለቶ፣ (ዘኁ 22፡28-31)። እተን ኣዕዋፍ ካብ የዕይንቱ ምስ ተሰወራ፡ ቅዱስ ያሬድ ብተመስጦ ናብ ሰማየ ሰማያት ከደ፡ ብኡ ንብኡ ምስ 24 ካህናተ ሰማይ ሱራፌልን ኪሩቤልን ኣብ ቅድሚ መንበር እግዚአብሔር ከቢቦም፣ ብበገና ብመሰንቆ ንኣምላኽ ብማሕሌት ብዜማ ከመስግኑ ሰምዐ፡ ካብኦም ድማ ኵሉ ተማህረ። 'በሰማያ ዘተሠርዐ በምድር ተገብረ' ከምዝተባህለ ካብኦም ኵሉ ሥርዓታት ማሕሌትን ቅዳሴን ተማሂሩ ኣብ ምድሪ ካብታ ኣምሳል ኢየሩሳሌም ሰማያዊት ሠርዖ። ናይ ቃል ምስጋንኡ ምስ ሰምዑ ንጉሥን ንግሥትን ካህናትን ሕዝብን ክሰምዕዎ ወዓሉ። ድኅሪዚ ካብ ዓመት ክሳዕ ዓመት ብብክፍለ ዘመኑ ናይ ቀውዒ (መጸው)፡ ክረምት፡ ሓጋይ፡ ጽድያ፣ ኣብ ኣጽዋማት ኣብ በዓላት፡ ናይ ሰናብቲ፡ ናይ መላእክቲ፡ ናይ ነብያት ወሐዋርያት፡ ናይ ጻድቃን ሰማዕታት ወደናግልን በዓላት ዝብዕልሉ ብሠለስተ ዜማ ግዕዝ፡ ዕዝልን ኣራራይን ጌሩ ሠርዖ።

ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ቅዱስ ያሬድ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ገብረመስቀል ደው ኢሉ ክዝምር ከሎ፡ ንጉሥ ድማ ናይ ቅዱስ ያሬድ ድምሢ እናሰምዐ ልቡ ተመሰጠ፡ ከይተረድኦ ድማ ናይ ኲናት ጦሩ ኣብ እግሪ ቅዱስ ያሬድ ሰንደዋ እሞ ኣብ እግሩ ተከላ፡ 'ደምን ማይን' ድማ ወጸ፣ ማሕሌታዊ ቅዱስ ያሬድ ግን ኣብ ተሰጥሞ ዝማሬ ጸጋ በጺሑ ስለዝነበረ ዝማሬኡ ሱቅ ኢሉ ቀጸለ፡ ከይተረድኦ ኵሉ ዝማሬኡ ፈጸመ። ብድኅሪኡ ንጉሥ ሰንቢዱ ናይ ደምካ ዋጋ ድላይካ ለምነኒ ኢሉ መሓለሉ፡ እሞ ቅዱስ ያሬድ ከኣ ገዳም ከይደ ክምንኩስ ኣፋንወኒ በሎ። ንጉሥ ድማ ንቃል ማሕልኡ ፈሪሁ ኣፋነዎ፡ ቅዱስ ያሬድ ድማ ኣብ ኣክሱም ጽዮን ኣብ ታቦተ ጽዮን ደው ኢሉ ቅድስትን ብፅዕትን ምስግንትን ብርኽትን ክብርትን ልዕልትን ኣፍ ደገ ብርሃን መዓርገ ሕይወት መኅደሪት መለኮት ዝብል ምስጋና ክሳብ መፈጸምታ ምስ ተናገረ ንእመት ዝኣክል ካብ ምድሪ ሓፍ በለ፡ (ድርሰት መጽሓፍ ኣንቀጸ ብርሃን)።

ብድኅሪዚ ናብ ሰሜን ሃገር ከይዱ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኑ ንሥግኡ ኣድከማ፡ እኒ ቅዱስ ኤፍሬምን ቅዱስ ኣባ ሕርያቆስን ነቲ ዝደረስዎ ምስጋና ናይ ድንግል ማርያም ናብ ቅዱስ ያሬድ መጺኦም ዜማ ኵሉ ኣውጽኣሉ። ኣብዚ ቦታ ገድሉ ፈጺሙ ከምቲ ዘማራይ ቅ. ዳዊት ዝበሎ 'ኪዳን ተካየድኩ ምስለ ኅሩያንየ' (መዝ. 89፣3)፡ ዝበሎ መሠረት ንቅዱስ ያሬድ ድማ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ስምካ ዝጸውዐ፡ ዝክርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ንጥሙይ ዘብልዐ ዘስተየ፡ ቤተ ክርስትያንካ ዝሰዓመ ማሕሌትካ ዝቘመ፡ ገድልካ ዝሰምዐ፣ ዘስምዐን ዘጽሓፈን ክምሕረልካ እየ!' በሎ እሞ ልክዕ ከም ነብይ ኤልያስን ነብይ ሄኖክን ኣቡነ ኣረጋዊን ካብዚ ዓለም ብሞት ከይተፈለየ ብ11 ግንቦት ናብ ብሔረ ሕያዋን ተሰወረ (ዘፍ 5፡24፣ 2 ነገ 2፡11፣ ዮሓ 21፡23)፣ ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ያሬድ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኩን ኣሜን።

ዓርኬ

ሰላም ለያሬድ ስብሐተ መላእክት ለሕዋጼ፡

እንተ አዕረጎ በልቡ ሕሊና መንፈስ ረዋጼ፡

ለትምህርተ መጽሐፍ ገብአ እምሃበ ኮነ ነፋጼ፡

በብዙኅ ጻማ ዘአልቦ ኁፃፄ፡

መልዕልተ ጕንደ ዖም ነጺሮ እንዘ የዐርግ ዕፄ፡፡

ምንጪ

  • መጽሓፈ ስንክሳር
  • ወማእምር ጐይታና ይስሓቅ ዘደብረ መርቆሬዎስ ደብረ ድማኅ

ሎሚ ዓሠርተ ሓደ 11 ግንቦት መጽሓፈ ስንክሳርና ዝዘከሮም ምስ ንርኢ፣

  • ኣምሳል ሱራፊ ዝኾነ ሊቀ ሊቃውንት ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝዓረገሉ (ዝተሰወረሉ)
  • ሰበይቱ ንቅዱስ ዮስጦስ ዝኾነት ቅድስቲ ታውክልያ ዘዕረፈትሉ ዕለት
  • ቅዱስ በፍትንዮስ ኤጲስቆጶስ ዘዕረፈሉ
  • ኣብ ኢየሩሳሌም ወሪዱ ሰማዕት ዝኾነ መምህር ኣሴር
  • ኣበምኔት ናይ ደናግል ዝነበረት ኣርሴማ ቅድስት ዘዕረፈትሉ ዕለት
  • ብዘመን መንግሥቲ ናይ ዲዮቅልጥያኖስ ሰማዕት ዝኮነት ቅድስት ኣፎምያ
  • ኣደ ቅዱስ ኤስድሮስን ሓፍቲ ቅድስት ኤፎምያ ዝኾነት
  • ቅድስት ሶፍያ ሰማዕት ዝኾነትሉ
  • ዝክረ ኣባ በኪሞስን ኣብላዲን እዩ።

ወርኃዊ ክብረ በዓል፣

  • ኣዴኣ ነዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቅድስት ሃና እዩ፡ ጸሎቶምን በረኸቶምን ረድኤቶምን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስትያን ንዘልዓለም ጸኒዑ ይንበር።

"ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝሰበክልኩም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡፡ ከመይ ኢሎም ከም ዝነበሩን ከም ዝሞቱን ኣስተውዒልኩም ኣሰር ኣሰር እምነቶም ስዓቡ።" ዕብ. 13፡7

ዲያ. ዳንኤል ኣብርሃም

30 ሚያዝያ 2012 ዓመት ምሕረት

08 ግንቦት 2020 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል።

Comments are closed.