ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።

2ይ ክፋልን መወዳእታን

† ኣምላኽ ንሕና ክንኮኖ ዝደልዮ÷

1. ብዝተገብረልና ኩሉ ኣምላኻዊ ሓልየቱን ናይ ምድኃኑ፣ ሥራሕን ኣመስገንቲ ክንከውን ፥ “ ጐይታይ፥ ምስጋናኻ ክነግርሲ ክእለት ዘረባ ሃበኒ።”መዝ.51፥15።
" ይኣኽለኒ ዝሰፈኖ ሃይማኖት ዓቢይ ረብሓ እዩ። "1ይጢሞ.6፥6። ፊሊ.4፥6። ኤፌ.5፥19-20። ቆላ3፥16።

2. ሕጉ ብምሕላው፣ ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዘይብሉ ገንሸል ማለት ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር ብጠፋኢ ነገር ብብሩር ወይ ብናይ ሓላፊ ወርቂ ዋጋ ንዘይተጠርየ ሕይወትና ቅድስንኡ ክንሕሉ፥ 1ይጴጥ.1፥13-25። ሮሜ12፥1።

3. ኣብ ነንሓድሕድና ፍቕርን ሓልዮትን ከነርኢ፥ ሕድገት ክንገብር። ነዚ ከኣ ኣብነትና ክርስቶስ እዩ። ንኣብነት “ ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ገይርኩም ንሓድሕድኩም ምእንቲ ክትፋቐሩ ሓዱሽ ትእዛዝ እህበኩም ኣለኹ። ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣላትኩም በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኩሉ ክፈልጥ እዩ። "ይብል ዮሓ.13፥34-35። ካብ ቃሉ ዝተረኽበ ትእዛዝ እዩ። ኣብዚ ከኣ ከም እንሰብዖ ንዓይ ኣብነት ግበሩ ይብል ኣብ ልዕሊ ምህላው ፍቕሪ ናይ ክርስትያንን ክርስትያንነትን ምልክት ምዃናውን እዩ ነጊሩና። ስለዚ ሓደ ሰብ ክርስትያን እየ ክብል እንተ ደኣ ኮይኑ ግድን እዛ ነንሓድሕድካ ብምፍቓር እትፍጸም ናይ ክርስቶስ ትእዛዝ ምስ ዝሕልዋ እዩ። ካልእ ነዚ ዝመስል ዮሓ.15፥12። ዘሎ ተመልከት። እዚ መሠረታዊ ተግባርን ትምህርትን ናይ ቅዱሳን ሓዋርያት’ውን እዩ ነይሩ። ንምሳሌ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “ ከምቲ ኣነ ንክርስቶስ ዝመስሎ ዘለኹ፥
ንስኻትኩም ንኣይ ምሰሉ።”ይብል 1ይቆሮ.11፥1። ብኻልእ መልእኽቱ’ውን ተመሳሳሊ ጥርንፍ ብዝበለ ሓሳብ “ እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ኣባኻትኩም ይሃሉ።” ክብል መኺሩና ኣሎ ፊሊ.2፥5። ወንጌላዊ ዮሓንስ ብወገኑ “ እታ ካብ መጀመርታ ዝሰማዕኩምዋ፥ ንሓድሕድና ንፋቐር እትብል መልእኽቲ እያ ድኅሪ ማለት ኣስዒቡ ድማ ክርስቶስ ንሕይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዝኃለፈ፥ ንፍቕሪ በዚ ኢና እንፈልጣ። ንሕና’ውን ኣብ ክንዲ ኣኅዋትና ሕይወትና ኸነኅልፍ ይግባኣና እዩ።” ኢሉ ኣሎ 1ይዮሓ.3፥13-18።እዛ ዝተፈልየት ብክርስቶስ እትርከብ ፍጽምቲ ፍቕሪ ክሳዕ ክንድዚ ዋጋ እተኽፍልን መስዋእቲ እትሓትትን እያ። ብመሠረቱ ንፋቐር ክንብል እንከሎና “ ሕጊ ብምልኡ ኣብቲ ንብጻይካ ከም ነፍስኻ ኣፍቅር ዝብል ትእዛዝ ተጠቕሊሉ ኣሎ።” ከም ዝተባህለ ገላ5፥14።

"ፍቕሪ" መጀመርታን መወዳእታን ሕጊውን ስለ ዝኾነት እዩ። ሮሜ.13፥8-10። ተመልከት። ልባዊን ፍቕራዊን ይቕረታ ንዝምልከት ከኣ “ንሓድሕድኩም ተጸዋወሩ፥ ኣብ መንጎኹም ቅር ዘብል ነገር እንተሎ ይቕረ ተበሃሃሉ። ከምቲ ጐይታ ይቕረ ዝበለልኩም ይቕረ ተበሃሃሉ።”ተባሂሉ እዩ። ቆላ.3፥13። 1ይጴጥ.4፥7-8። ኣብ ካልእ ድማ ተመሳሳሊ “ ጾር ሓድሕድ ጹሩ፥በዚ ከኣ ሕጊ ክርስቶስ ፈጽሙ።” ይብል። ገላ.6፥2።
ልዕሊ ዝኾነ ግን “ ናብቲ ኅፍረት ዘበለ ንዒቑ ምእንቲ እቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጎስ ኢሉ ኣብ መስቀል ሙማት ዝተዓገሠ፥ ኣብ የማን ኣምላኽ ዝተቐመጠ ናይ እምነትና ጀማርን ፈጻምን ዝኾነ ኢየሱስ ንጠምት።»ብዝበሎ እብ.12፥2። ሰባት ናብ ክርስቶስን ናብ መስቀሉን ክንጥምት ይግባእ። እዚ እንተ ደኣ ገይርና እዞም ኩሎም ክንጠቕሶም ዝጸናሕና ክንረኽቦምን ንምርኣዮም ክንክእልን ብቕዓት’ውን ክህልወናን እዩ። ሰብኣ ገላትያ ካብኡ ዓልዮም ናብ ካልእ ምስ ዘምበሉ “ ኣቱም ድንዙዛት ሰብ ገላትያ፥ መን እዩ እቲ ዝዓዘምኩም፧ ኢየሱስ ክርስቶስ ስቑል፥ ኣብ ቅድሚ ኣዕይንትኹምዶ ብግሁድ ከም ስእሊ ተሰጢሑ ኣይነበረን፧ ”ብማለት ገላ.3፥1። ናይ መስቀሉ ነገር ጠቒሱ ወቒስዎም እዩ። ስለዚ ካብዚ ወቐሳ ክንድኅን ሠናይ ዝኾነ ፍቓዱ ከኣ ክንፍጽምንሲ ናብ ክርስቶስን ነገረ መስቀሉን ክንጥምት ይግባእ።

ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚአብሔር ወትሩ ኩሉ ግዜ ንዕኡ ዝርእያ ኣዕይንተ አእምሮ፥ ንህያውን ዘለዓለማዊን ዝኾነ ቅዱስ ቃሉ ዝሰምዓ እዝነ ልቡና ይዓድለና ኣሜን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ዲን. ዓንደማርያም

Comments are closed.