ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።

በስም አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላኽ ኣሜን።

እዚ ሒዝናዮ ዘሎናዮ ወቕቲ ጾም፥ ብዝበለጸ መንፈሳዊ ትምህርቲ ጸጋን በረኸትን እግዚአብሔር እንሓፍሰሉ ግዝያት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፥ ጾሙ ባዕሉ ጐይታ ዝጸሞ ፍሉይ ብምዃኑውን መለኮታዊ ፍቕሩ እንዝክረሉ እዩ። ከመይሲ እዚ ኩሉ ንዓናን ምእንታናን ዝተገብረ ስለ ዝኾነ። «ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ። » ከም ዝተባህለ 1ይዮሓ.4፥8፥
ፍቕሪ መለኮታዊ ስምን ባሕርይን እግዚአብሔር እዩ። ነዚ መለኮታዊ ፍቕሪ እዚ ንምግላጽ ብቕዓት ዘለዎ ልሳን ኮነ ቋንቋ የልቦን። ሕልና ፍጡርውን ፈጺሙ ክበጽሖ ኣይክእልን። ስለ ዝኾነ ከኣ እፁብ ድንቂ ብማለት እንተ ዘይኮይኑ ሓደ ሰብ"ስለ ናይ እግዚአብሔር መለኮታዊ ፍቕሪ ብምዝራብ ክዝርዝር እንተ በለ፥ እዚ ሰብ እዚ ናይ ርእሱ ዘይብስለትን ኢኣፍልጦኡን ዝገልጽ ድኹም ፍጥረት እዩ። ምኽንያቱ ብቃላት ኮነ ብሕልና ፍጡር ፍጹም ጠንቂቕካ ዝብጻሕ ብዘይምዃኑ፥ ፍቕሪ እግዚአብሔር ይድነቕ እምበር ኣይዝርዘርን። ዮሓንስ ኣፈወርቅ ብዛዕባዚ ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፥ ኣየ እዚ ፍቕሪ እዚ ክንደይ ኣደናቒ እዩ?!!! እዚ ፍቕሪ እዚ ቋንቋ ናይ መላእኽቲ ስለ ዝኾነ ብቃላት ምግላጹ ከቢድ እዩ። ፍቕሪ ናይቲ ገባሪ ሠናያት ዝኾነ እግዚአብሔር ስም እዩ። እሞ፥ ነዚ ክምርምሮን ክውስኖን ዝኽእል ደኣ መን እዩ᎒ ኣየ! ኦ ቅዱስ እግዚአብሔር ፥ ንስኻ ደኣ ኣብ ውሽጥና ሓዲርካ ስለ ርእስኻን ናትካ ስለ ዝኾነን ነገር ኩሉ ብደስታ ተዛረብ እምበር፥ ብሓቂ ካብ ዘለውና መረዳእታታት ተላዒልና ናትካ ስለ ዝኾነ ንምዝራብ ዝግብኣና ሰባት ኣይኮናን። ኦ ጐይታ "እቶም ዝሓቖፍካዮም ሰባት ኣብ ትሕቲ ረዲኤትካ ጽላል ከም ዘለዎም ምርኣይን ምምኃርን ምእንቲ ክኽእሉ ብጥበብካ ኣረድኣዮም። ኦ ጐይታ "ብዘሎኒ ድኻም ተወሲነ ክዛረበሉ ምእንቲ ክኽእል ንናይ ፍቕርኻ ግዝኣት ኣርእየኒ ፥…ጸጋኻን ምሕረትካን ዓድለኒ። ነቶም ንዓኻ ዘፍቅሩ ነቲ ግዝኣት ንምርካብ ምእንቲ ክፍትኑ፥ ንልቡናኦም ኣቃጽል። ሓደ አኃው "ኣባታዊ ምሕረትን መለኮታዊ ፍቕርን እግዚአብሔር ሰሊኾም ኣብ ውሽጠይ ምስ ዝኣትው፥ ስምዒታተይ ብመለኮታዊ ትኩረት ስለ ዝድነቑ ሕልናይ ናብ ውሽጢ ናይ ሕይወት ባሕሪ ብምጥሓል ብብርሃን ማዕበላት ከም ዝሕምብስ እኣምን እየ። ከምኡ ድሒረ ካብ ዝጸናሕኩዎ ብምውጻእ ከኣ ናይ ሕይወት ምዑዝ ሽታ ከም ይሽትት። ብመንፈሳዊ ክብሪ ኣብ ቤተይ የዕርፍ። ቃላት ካብ ዝገልጽዎ ንላዕሊ ሐሴት ይገብር "ብማለት ነጊሩኑ ይብል።
ብርግጽ እዚ መለኮታዊ ፍቕሪ ናይ እግዚአብሔር ዘደነቕ እዩ። ንሱ ፈቒዱ ከኣ ኣባና ተገሊጹ እዩ። ሰባት ብሰንኪ ዝፈጸምናዮ በደል፥ ኩላትና ተጋጊና ብዘለና ረኺስና፥ ገለ ሠናይ ዚገብር ሰብ’ውን ተሳኢኑና ዓሊና ነበርና እሞ፥ ኣምላኽ ኣባና ካብ ዘለዎ ፍጹም ኣባታዊ ፍቕሪ ዝተላዕለ «መልኣኹ ልኢኹ ዘይኮነስ ባዕሉ ኣድኃኖም። ብፍቕሩን ብለውሃቱ ተበጀዎም» ከም ዝበሎ ኢሳ63፥9። ኣብቲ ዳኅራይ ግዜ ሰብ ብምዃን ሰብ ኮይኑ ሥጋ ለቢሱ’ውን ሕይወቱ ኣብ ክንዳናን ምእንታናን በጃ ብምሃብ ፍጹም ድኂናን ነጻ ኣውጺኡናን እዩ። እዚ ምእንቲ እቲ ኣባና ዘለዎ ፍቕሪ ዝፈጸሞ መለኮታዊ ናይ ምድኃኑ ሥራሕ ዘደንቕን ዝተፈልየን እዩ።  ንሕና ነዚ ዝተገባእና ኣይንርበርናን። ንዕኡውን ኣይደሎናን። ግናኸ ገና ልቡናና ዝሸፈተ፥ ጸላእቱ እናኃሎና ካብኡ ኮነልና፥ ንሱ ኣፍቀረና። ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኣልዒሉ ኣብ ዝተዛረበሉ ዓንቀጽ"ገና ድኹማት ከሎና ክርስቶስ በቲ ምዱብ ግዜ ምእንቲ ኃጥኣን ሞተ። ኣብ ክንዲ ሓደ ጻድቕ ዚመውት እኳ ዝከርብ ኣይመስለንን። እንድዒ ኣብ ክንዲ እቲ ጽቡቕ ዝገበረሉ ኺመውት ዝደፍርሲ ምናልባሽ ኣይምተሳእነን ይኸውን። ግናኸ ንሕና ገና ኃጥኣን ከሎና ክርስቶስ ኣብ ክንዳና ሞይቱ እዩ እሞ፥ ኣምላኽ እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ በዚ የርኢ ኣሎ.ጸላእቱ ከሎና ምስ ኣምላኽ ብሞት ወዱ ተዓረቕና።። »ይብል ሮሜ5፥6-10። ተመሳሳሊ ቅዱስ ዮሓንስ’ውን ኣብ መልእኽቱ "ፍቕሪ ማለት ከኣ ኸምዚ እዩ÷« ኣምላኽ ባዕሉ ስለ ዘፍቀረና ንኃጢኣትና ከርሕቕ ኢሉ ንወዱ ስለ ዝሰደደልና እዩ እምበር ንሕና ስለ ዘፍቀርናዮ ኣይኮነን። »ይብል 1ይዮሓ.4፥10። ዮሓ.3፥16። " ንሱ ምእንቲ ኃጢኣትና በጃ ኾነ፥ ምእንቲ ኃጢኣት ኩሉ ዓለም ከኣ እምበር ምእንቲ ኃጢኣትና ጥራይ ኣይኮነን።"1ይዮሓ.2፥2።
መለኮታዊ ፍቕሩ ዓቢዪ እዩ። ኣዝዩ ድማ ይድነቕ።  ገና ኃጥኣንን ጸላእቱን እናሃሎናስ፥ምስዚ ኹሉ ከኣ ንዕኡ ዝደሊ ክፉት ልቡና ኣብ ዘይነበረና ከምዚ ኢኹም ኢሉ ብመንነትና ከይተጸባጸበ ብፍቕሩ ተበጅዩና፥ ፍጹም ምሕረትን ይቕረታን ከኣ ገይሩልና እዩ እሞ፥ በዚ «ፍቕሪ» ፥መለኮታዊት ባሕሪኡ ብምዃና፥ንሱ ዘይልወጥ ዘለዓለም ጽኑዑ፥ቂምታ ዘይናቱ ርኅሩህ፥ ከም በደልካ ዘይቀጽዕ መሓሪ፥ ንሕይወትና ዝሓሊ ኣቦ ምዃኑ ብግልጺ ኣርኣየ።

ፍቕሩ ክሳዕ ሞት ፍጽምቲ እያ። እዚ ከኣ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተነግረ ገና ንሕና ጸላእቱ እንከሎና ኮነ። በዚ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ፥ ንዓና ዝተገብረ ኩሉ ናይ ምድኃኑ ሥራሕ ዝተደነቐ ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ « ኣየ ከምዚ ዝበለ ሕያውነትከ ከመይ ዝበለ ሕያውነት እዩ። ኣየ ፍቕሪ፣  ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል ንሰብ ምፍቃር፣ ንወዲ ኣምላኽ ካብ መንበሩ ፍቕሪ ሰሓቦ፥ ክሳዕ ሞት ከኣ ኣብጽሖ።» ብማለት የድንቕ  ቅድስ ዮሓንስ ኣፈወርቒ ። መለኮታዊ ፍቕሪ እግዚአብሔር ይድነቕ እምበር ኣይዝርዘርን ምባልና እምበኣር ምእንትዚ እዩ። እግዚአብሔር ክሳዕ ክንድዚ ዚኣክል ከፍቅረና ናይ ሰባት ግደስ እንታይ እዩ᎒ ኣምላኽ ካባና እንታይ ይደሊ᎒  ልበ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት “ኣብ ክንዲ እቲ ሠናይ ዝገበረለይ ኩሉስ ንእግዚአብሔር እንታይ ውሬታ ኽመልሰሉ እየ፧ ይብል።” መዝ116፥12። እዚ ዓይነት ሕቶ ብኹላትና ክሕሰብ ዝግብኦ ኣወንታዊ መልሲ እዩ።
ኣምላኽ ካባና ንዕኡ ዝደልዮ ወላ ሓንቲ የልቦን፥ ንሕና ክንኮኖ ዝደሊ ግና፥ “ ጐይታይ፥ምስጋናኻ (ብባሕርይኻ ምስጉን ምዃንካ) ክነግርሲ ክእለት ዘረባ ሃበኒ።”ከም ዝተባህለ መዝ.51፥15።

ኣምላኽ ንሕና ክንኮኖ ዝደልዮ÷

ይቕጽል………….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከቱን ረዲኤቱን የብዝሓልና። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታ ኣይትፈለየና።

ዲን. ዓንደማርያም

Comments are closed.