አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊልጶስ (ካልኣይ ክፋል)

ተጋድሎ ምንኵስና

“ጽድቅሰ ኢትትረከብ ዘእንበለ በዕፁብ ግብር”

ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ ምምንኳሶም፤ ነቲ ገዳም ብዝግባእ እናገልገሉ፤ ኣበውኣረጋውያን እናተራድኡ፤ ብጾምን ጸሎትን ስግደትን ብዘይ ዕረፍቲመዓልትን ለይትን ይጋደሉ ነበሩ። ሥጋኦም ፈጺሙ ክሳብ ዝደኽም ከኣብትግሃት ብመንፈሳዊ ዕዮ ጽሙድ ነበሩ። ካብቲ ገዳም ወጺኦም’ውንኣብ ከባቢ ኣድያቦ (ትግራይ) ብብሕትውና ምስ ቅዱሳን ኣበውእናተራኸቡ ሱባኤ የዘውትሩ ነበሩ። ሓደ ካብኦም ኣብ ኣፍጋሕጋሕዝተራኸብዎም ከኣ አባ ሳሙኤል ዘዋልድባ እዮም። ካብኡ ብምቕጻልናብ ካልእ በረኻ ብምኻድ ወግር ዓቢይ ኣብ ዝተባህለ ቦታ ይጋደሉነበሩ። ኣብቲ በረኻ ድማ ኣራዊት መሮር ተገዝኡሎም። ኣብ ልዕሊዓጋዜን ተወጢሖም ከኣ ይንቀሳቐሱ ነበሩ። ኣናብስት ከይተረፈ ኣብ ኵሉሥርሖም ይሕግዝዎም ነበሩ። ንምሳሌ ኣብ ገዳም ትኹል መኅደሪኦምንዝነኾት ጐድጓድ ኣንበሳ እዩ እናተኣዘዘ ኲዒትሎም። ኣብ በረኻ ዱበኔ’ውን ፍሉያትን ኣዝዮም ዘፍርሁን ኣራዊት እኳእንተነበሩ፤ ግርማ ኣቦና ርእዮም ኣብ ቅድሚኦም ኣይቖሙን ነበሩ። ሓራምዝ’ውን መጺኦም ይሰግዱሎምን፤ ይጾርዎምን ነበሩ።

ኣብቲ ኵሉ ተጋድሎ ዝገጥሞም ዝነበረ ተጸብጺቡ ዘይውዳእ መከራን፤ መግለጺ ዘይርከቦ ድኻምን ሕማማተ ሥጋን፤ እቲ ካብንእስነቶም ጀሚሩ ዝሕልዎም መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ኣይፍለዮምን ነበረ። ነቲ ኵሉ ሽግር ድኅሪ ምቕባሎም ቅዱስ ገብርኤልክረድኦም ኣብ ዝመጸሉ እዋን፤ “ክንድ’ዚ ዝኣክል ክሽገር ከሎኹ ዘይረዳእካኒ ስለምንታይ እዩ” ኢሎም ክሓትዎ ከለዉ፤ እቲቅዱስ መልኣኽ ግና እቲ መከራን ሽግርን ንጸጋ ምዃኑን፤ እቲ ምርዳእ’ውን ድኅሪ ኵሉ ጸዋተወ መከራ ክኸውን ከምዘለዎይዛረቦም ነበረ። እቲ ጽድቂ’ውን ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎን ድንቂ መንፈሳዊ ሥራሕን ከምዝርከብ፤ እቲ ቅዱስ መልኣኽ እናነገረየጸናንዖም ነበረ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ከኣ ሰማያዊ ምሥጢራት ይገልጸሎምን የጸናንዖምን ነበረ። ብኸምዚ ኣዝዩ ጽንኩርተጋድሎ፤ ጠቕላላ ፴/30 ዓመት ኣብ በረኻ ብብሕትውና ጸንሑ። ኣብዚ ዕድሜኦም እምበኣር እግዚአብሔር ተገሊጹ፤ ደጊምናብቲ ዘርእዮም ቦታ ከይዶም ንመንእሰያትን ንኣሽቱን ክምህሩን ምስኣታቶም ከኣ ክቕመጡን ኣዘዞም።

ምምሥራት ገዳም

“ንዑ ንስአል ወንትሜነይ”

ፋድል አቡነ ፊልጶስ፤ ንዓመታትብብሕትውና ኣብ ከባቢ ኣድያቦ ትግራይገድሎም ድኅሪ ምፍጻምሞ፤ ብኣምላኽካብኡ ወጺኦም ናብ ገዳም ክኣትዉተነግሮም። ከም አበ ብዙኃን አብርሃም፤ቅድስት ሥላሴ ኣብ ጺዳርዋ ዝብሃል ቦታተገሊጾሙሎም፤ ናብቲ ዝኸድዎ ስፍራእናመርሑ ኣብ ጐዳዕ ኣብጺሖምተሠወርዎም። ካብኡ ሕልፍ ኢላ ኣብ ቆላሠራየ ናብ ትርከብ ገዳም ደብረ ማርያም(ዞባ ደቡብ - ጥቓ ሩባ ዑበልን መረብንዝርከብ ገዳም) ኣተዉ። መሥራቲ እቲገዳምን ወዲ አቡነ ኤዎስጣቴዎስን ምስዝኾኑ አቡነ አብሳዲ ከኣ ተራኺቦም።ልክዕ ቅድሚ ሕጂ ነሕድሕዶም ኣፍልጦ ከም ዝነበሮም ብዝመስል ኣገባብ፤ ብጽቡቕ መንፈሳዊ ምስዕዓምን ምትሕቍቛፍን፤ብዓቢ ሓጐስ ተቐበልዎም። ክልቲኦም ኣበው ከኣ ሓደ ብዛዕባ እቲ ካልእ ክጽሊ ድኅሪ ምሕዳር፤ እግዚአብሔር ኣምላኽንሓዲኦም ብዛዕባ እቲ ካልኣዮም ትንቢት ገሊጹሎም።

ነቲ ዝተገልጸሎም ምሳሌያዊ ራእይ ድማ ኣንጊሆም ተዛራረቡሉ። አቡነ አብሳዲ ከኣ ብመሠረት እቲ ዝተገልጸሎም ነገር፤ ደጊምኣቡነ ፊልጶስ ተምሃሮ ክምህሩን፤ ኣኅዋት እናኣከቡ ክነብሩን፤ ስብከተ ወንጌል ከስፍሑን ትእዛዝ ኣምላኽ ምዃኑ ነገርዎም።ድኅሪ ናይ ሠለስተ ወርሒ ሱባኤ ኸኣ ንኣረጋዊ ቀሲስ ቶማስ (ብሥጋ ኣቦ አቡነ አብሳዲን መርቆሪዎስን) ረኺቦሞም። ቀሲስቶማስ ከኣ ብምሳሌ ገይሮም ዝቕጽል መገዲ ኣቡነ ፊልጶስ በየን ምዃኑ ንዝተገልጸሎም ነገር ነገርዎም። ከምቲ ንሶም ዝነገርዎምከኣ ብወገን ምብራቕ ነበረ።

አቡነፊልጶስ ካብቶም ዝፈትዉዎም መንፈሳዊ ኣኅዋቶም ቅድሚ ምፍላዮም፤ ምስ ኣቡነ አብሳዲን ኣቡነ መርቆሪዎስን ብሓባርሱባኤ ዝኣትዉሉን መንፈሳዊ ተጋድሎ ዝፍጽሙሉ ጊዜ ነይሩ እዩ። ሓደ ጊዜ ሠለስቲኦም ኣብ ጸሎት ተጸሚዶም፤ ንሓዋሩንስምና መጸውዒ ዝኸውን ምእንቲ ክህበና ንተምነ ተበሃሃሉ። ኣቡነ አብሳዲን ኣቡነ መርቆሬዎስን ነናቶም ልባዊ ትምኒት ክገልጹከለዉ፤ ኣቡነ ፊልጶስ ከኣ ብግዲኦም “ኣነስ ገዳም ተኺለ፤ በቲ ዝሠራዕክዎ ሥርዓት ጸኒዓ ክነብር፤ ደቀይ ድማ ኣብ’ዛ ገዳም እዚኣግብሪ ጽድቂ ዝሠርሑላ ክትኮነለይ፤ ብውልቆም ከኣ ቤቶም ከይሠርሑ ምደለኹ ነይረ በሉ።” ብኡ ንብኡ ድማ “ከምቲዝተመነኻዮ ይኹነልካ” ዝብል ድምፂ ሰምዑ።

መራሒኦም ባዕሉ መንፈስ ቅዱስ ስለዝነበረ ኸኣ ከይደንጐየ፤ ካብቲ ገዳምን ከካብ ቦታኦምን ንዕኦም ኣርድእቲ ዝኾንዎምብመንፈስ ቅዱስ ዝተመርሑን ዝተጸውዑን ፲፮/16 መነኮሳት መጹዎም። ኣስማት ናይ’ዞም መነኮሳት መምስ እቲ ዝነበሮም ጸጋከኣ እዚ ዚስዕብ እዩ፦ አባ ይባርከነ ክርስቶስ (ተጋዳላይ)፤ አባ ገብርኄር (ዕጉሥ)፤ አባ እንድርያስ (ሕያዋይ)፤ አባ ታዴዎስ(ፍቁር)፤ አባ ዜና ጴጥሮስ (ምስጉን)፤ አባ ዮሐንስ ከማ (ምሉአ ሞገስ)፤ አባ ኤርሚያስ (ምሥጢረ ሰማይ ዝርኢ)፤ አባ ይስምዓነጸሎተነ (ተርጓሚ)፤ አባ ይስሐቅ (ፈላጥ)፤ አባ እንጦንስ (ሰማዕትን ክቡርን)፤ አባ ጳውሎስ (ተጋዳላይ)፤ አባ ተንሥአ መድኅን(ጎበዝ)፤ አባ በርተሎሜዎስ (ህርኩት)፤ አባ ኢሳይያስ (ድንግል)፤ አባ ማቴዎስ (ኅሩይ)፤ ኣባ ማትያስ (ኃያል) ይብሃሉ ነበሩ።

እምበኣር ቅዱስ ኣቦና ድኅሪ እቲ ናይ ፴ ዓመት ተጋድሎኦም ኣብ መበል ፵፪/42 ዓመቶም ድማ ምስቶም ደቀ መዛሙርቶምናብዚ ገዳም ተበገሱ። ታኅሣሥ ፳፭/25 አቡነ ፊልጶስ “ናብ ምብራቕ ገጽካ ኬድካ፤ ናብ ደብረ ቢዘን ኣቢልካ ደይብ” ዝብልቃል እግዚአብሔር ምስ ሰምዑ፤ ናብ ምብራቕ ኣቢሎም መንገዶም ኣቅንዑ። እግዚአብሔር ዝመረጸሎም ብፍሉይ ንምፍላጥንኵሎም ኣርድእቶም ኣኪቦም ጸሎት ገበሩ። ኵሎም ድማ ካብ ሰማይ ክሳብ ምድሪ ዝቁመቱ ኣብ’ቲ ገዳም ዓምደ ብርሃንተተኺሉ ርኣዩ። ብድኅሪ’ዚ ኣቡነ ፊልጶስ መንፈስ ቅዱስ ዘርኣየኒ ርስተይን ርስትኹምን፤ ከምኡውን ካብ ዓለም ንዝተገፍዑመኅደሪት እትኸውን እዛ ቦታ’ዚኣ እያ ኢሎም ብርሑቕ ኣመልከትዎም።

ብኡ ንብኡ “ከምቲ ኣቦና ኖኅ ንርግቢ ከምኡ’ውን ነቢይ ሙሴ ንካሌብን ኢያሱን ምስ ለኣኹ፤ ሠናይ ዜና ዘምጽሎም፤ንስኻትኩም ከኣ ንዕኦም ምሰልዎም” ብምባል ካብቶም ኣርድእቶም ንኣባ ኤርሚያስን ንኣባ ገብርኄርን ንምድረ ቢዘን ኣጽኒዖምንተዓዚቦምን ክመጹ ልኣኽዎም። እዞም ልኡኻት ኣርድእቶም ኣብ’ዚ ገዳም’ዚ ብቀስተ ደመና እናተመርሑ ምስ ደየቡ፤ እቲ ቦታኣዝዩ ዘሰምብድን ዘፍርሕን ግርምኡ ከኣ ዘይድፍረን ኮይኑ ረኸብዎ። ጸሎት ምስ ኣብጽሑ ከኣ፤ ኣባ ኤርሚያስ ኣፍ ደገ ፯ተሰማያት ተኸፊቱ ረኣየ፤ ከምኡውን ነፍሳት ኣብ ፪ተ ተኸፊለን፤ ነፍሳተ ኃጥኣን ኣብ ሲኦል ክጭነቓ፤ ነፍሳተ ጻድቃን ድማ ኣብገነት ክሕጎሳ ረኣየ። በዚ ምኽንያት ክልቲኦም ናይ’ዛ ገዳም ግርማን ዕቤትን ኣስተውዒሎም እናተሓጐሱ ናብ ኣቦኦም ተመልሱ።ኣቡነ ፊልጶስ “ደቀይ እንታይ ርኣኹምን ሰማዕኹምን” ቢሎም ሓተትዎም። ንሶም ድማ “ሥራሕ እግዚአብሔር ዘገርምንዘደንቕን’ዩ። ንሓድሕዶም ዝባልዑን ዝመናጠሉን ኣራዊት እንተ ዘይኮይኖም ካልእ ሰብ ኮነ እንስሳ ዝነብሮ ኣይኮነን። ብዘይካእሾኽን ተዀርባን ንገዳማውያን ዝኽውን ምግቢ ኣይርከቦን እዩ። መንገዱ’ውን ሸታሕታሕን ዓቐብን እዩ። ዓዲ ኣረማውያንኮይኑ ንባሕሪ ኤርትራ መንገዲ ሓደ መዓልቲ እዩ” በልዎም። ፋድል ኣቡነ ፊልጶስ ነዚ ምስ ሰምዑ “ኣቱም ቡሩኻት ደቀይ! ነዞምደቀይ መንፈስ ቅዱስ ሰማያዊ ምሥጢር ገሊጽሎም ከበቕዕሲ፤ በዚ ነገር’ዚ ኣይፈርህን እየ” በልዎም።ብድኅሪ’ዚ ኣቡነ ፊልጶስ ካብ ዓንሰባ ተበጊሶም ናብ ካርንሽም ኣተዉ። ሓደ ካብቲ ዝፈጸምዎ ተኣምር ከኣ ኣብ ገረሚብጽላሎቶም ድውያን (ስንኩላን) ኣድኂኖም ምንባሮም እዩ። ንቡዙኃን ድውያንን ሕሙማንን እናሕወዩ ከምኡውን ዝተፈላለየተኣምራት እናገበሩ ብሸነኽ ምዕራብ ናይ’ዚ ገዳም እንባ ጸሎሎ (ሎሚ ጸሎት ዝብሃል ዘሎ) ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣዕረፉ። ኣብኡከለዉ ንጸሎት ዘይምችእ ድምፂ ደርሆን ድምፂ ኣንስቲን ምስ ሰምዑ “ካብ ገጽ ኣንስቲስ ገጽ ኣናብስቲ” ኢሎም ነቲ ቦታከምዝገድፍዎ ብራና ገድሊ ኣቡነ ፊልጶስ ይገልጽ። እዚ ኸኣ ኣንስቲ ብምጽላእ ዘይኮነስ፤ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦም ትንቢትገዳሞም ክፍጸም ምእንቲ እዩ። ጉዕዞኦም ብምቕጻል መልኣኽ መንገዲ እናጸረገሎም ብሰሜናዊ ምብራቕ ኣቢሎም ምስ ፲፮/16ኣርድእቶም ናብዛ ገዳም’ዚኣ ኣተዉ።

ኣቡነ ፊልጶስ ፋድል ኣብዛ ገዳም ምስ ኣተዉ፤ ብመስቀል ጌሮም ብኣርባዕተ ማእዝናተ ዓለም ነቲ ከባቢ ባረኽዎ። ብኡ ንብኡኣብኣ ዝነበረ ርዅስ መንፈስ ድምፁ ዓው ኣቢሉ ኣእወየ። በቲ ብልሳን ኣቦና ብዝተጸውዐ ስመ እግዚአብሔር ድማ ተመታተረንካብቲ ቦታ ኣልገሰን። ኵሎም እቶም ኣርድእት ከኣ መንበሪኦም ዝኸውን ነንኣሽቱ ኣጕዶ ብሓባር ክሠርሑ ጀመሩ።ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፊልጶስ ናብ ውሽጢ ደብረ ቢዘን ድኅሪ ምእታዎም፤ ንኵሉ ኮሊሎም ድኅሪ ምርኣዮምን፤ ቅድሚ ኵሉ ነገርማኅበር ሓድነት ኣቖሙ። ከምቲ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ዘመነ ክርስትና ብዙኃት ክርስቲያናት ዝኾኑ ብሓድነት ንክነብሩንብረቶም፤ ሃብቶምን ጥሪቶምን ሒዞም ናብ ማኅበር ሓድነት ሓዋርያት ዝጽንበሩ ዝነበሩ ብተመሳሳሊውን እቶም ምስ ኣቦናዝኣተዉ ፈለምቲ ገዳም ጥራይ ዘይኮኑስ፤ ብዙኃን ሰባት’ውን ብትምህርትን ተኣምራትን፤ ከምኡውን ሓድነት ገዳም እናተሰሓቡናብዚ ማኅበር ሓድነት እናተጸንበሩ ይምንኵሱ ነበሩ። (ግብ ሓዋ ፬፥፴፭-፴፯/4፥35-37) ቍጽሮም’ውን ዕለት ዕለት ይውስኽነበረ። ኣቡነ ፊልጶስ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ጥራሕ ፱፻/900 በጺሖም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ኣቡነ ፊልጶስ፤ ሓድነት ዝዓንዱ ሕጊ ጳኵሚስ ብዝግባእ ኣብቲ ገዳም ምስ ተኸሉን፤ ንኵሎም መነኮሳት ከክፍሊ ሥርሖም ምስገበሩሎም፤ ቍጽሪ መነኮሳት መመሊሱ ይውስኽ ነበረ። ብኸምዚ ሥርዓት ዝመኃደሩ ኣበው መነኮሳት ከኣ ፱ ቤተ ክርስቲያንክሳብ ዝኾኑ በዚኆም ነበሩ ይብል እቲ መጽሓፍ ገድሊ።ቅዱስ ኣቦና ነዚ ገዳም ኣብ ዝመሥረቱሉ ከኣ ወዲ ፵፪/42 ዓመት ዕድመ በጺሖም ነይሮም። እቲ ገዳም’ውን ዝተመሥረተሉእዋን ኣብ መፋርቕ ፲፬ ክፍለ ዘመን እዩ። ብመሠረት ሓሳበ ቢዘን (ባዕላዊን መበቖላዊን ሓሳበ ዘመን ደብረ ቢዘን) ብ፲፩፻፴፪ዓ.ም. (ብግእዝ ድማ ብ፲፫፻፷ ዓ.ም.) ኣብ መበል ፳፯ ዓመት ዘመነ መንግሥት ንጉሥ ሰይፈ ኣርዕድ (ንዋየ ክርስቶስ) (ወዲዓምደ ጽዮን) ከምዝተመሥረተ መጽሓፈ ሕርግርግ ይገልጽ።

ሓዋርያዊ ተጋድሎ

“ሑረ ወዓቅሙ ሀገረ፤ … እስመ ርኢኩ አርጋበ ፀዓደ ዒዳነ ስእለ ይወፅኡ ወይትነሥኡ”

ቅዱስ ኣቦና ሕይወቶም ንኣገልግሎት ወንጌል ብምውፋይ፤ ምስቲ ጽኑዕ ተጋድሎ ምንኵስና ኣወሃሂዶም ካብ ዝመንኮሱሉ (ወዲ፲፪ ዓመት ከለዉ) ኣትሒዞም ብሓፈሻ ን30 ዓመት ዚኣክል ኣብ ትግራይን ኤርትራን ቃል ወንጌል ሰቢኾም እዮም። ከምቲኣቐድም ኣቢሉ’ውን ዝተጠቕሰ፤ ፵፪/42 ዓመት ምስ መልኦም ከኣ ንደቂ መዛሙርቶም ኣኸቲሎም ንገዳም ደብረ ቢዘን፤ገዲሞም። ፋድል ፊልጶስ ድኅሪ ገዳም ምምሥራቶም እንተኾነ’ውን ገዳሞም እናደልደሉን እናሠርዑን፤ ስብከተ ወንጌል እናስፍሑን፤ንብዙኃንን ብዙኃትን ኣብቲ ከባቢ ይኹን ርሑቕ ከባቢታት ንዘለዉ ዘይኣመንቲ ብስብከቶምን ብትምህርቶምን የእምኑ ነበሩ።ብዙኅ ዘድንቕ ተኣምራት ይፍጽሙ፤ ሕሙማት ይፍውሱ፤ ኣጋንንቲ የውጽኡ፤ ዓባሳት የዛርቡ፤ ዕዉራት የብርሁ ነይሮም። እቲዝናን ሰናይ ወረ ዝሰምዑ ሰባት ጥራይ ዘይኮኑሲ፤ ኣናብስን ኣናብርን ከይተረፉ ኵሎም ኣራዊት የኽብርዎምን ይግዝኡሎምንነበሩ። ጸበል እግሮም ከይተረፈ ይልሕሱ ነበሩ። ብዙኃት ከኣ በቲ ጣዕሚ ቃላት ዝተሓወሶ ስብከቶምን፤ ስብከት ደቆምንእናተሰሓቡ፤ ናብ ሃይማኖት ይኣትዉ ነበሩ። ኣቡነ ፊልጶስ ባዕሎም ጥራይ ዘይኮነስ ደቆም ብቃል ይኹን ብግብሪ ሓዋርያተ ወንጌል ክኾኑ ብብዙኅ መገዲ ይሓንፅዎም ነበሩ።ብሓደ ልቢ ኮይኖም ክዓዩ ዘድልዮም ምኽርን ማዕዳን ብቀጻሊ ይህብዎም ከምዝነበሩ ከኣ ገድሎም ኣስፊሑ ይገልጽ። ነቲኣምላኽ ዝፈትዎ ፍቕሪ ክስዕቡ ከምዘለዎም ይምህርዎም ነይሮም። “ኦ ደቂቅየ ዘንተ ተምህሩ ወዘንተ መሀሩ ለሰብአ ዓለም” (ደቀየ እዚ ተምሃሩ ንሰብ ዓለም ድማ ከምዚ ኢልኩም መሃሩ) እናበሉ ካብ ዝመሃርዎም ትምህርቲ ከኣ እቲ ሓደ ከይፈርሁንከይሰንበዱን ብትብዓት ንሓቂ እግዚአብሔር ክምስክሩ ከምዘለዎም እዮም። እቲ ካልእ ካብ ትምህርቶም ከኣ ንሰብ ካብእግዚአብሔር ዝፈልዮ ጥንቖላን ንዑኡ ዝመስል ኣምልኮ ጣኦት ክቃለስዎ ከምዝግባእ ዝገልጽ እዩ ነይሩ። እቶም ሰናይ ዜናኦምን ተኣምራቶምን ሰሚዖም ዝበጽሕዎምን፤ ካብኦም’ውን ክመሃሩ ዝደልዩ ዝነበሩን እቶም ተራ ክፋል ሕዝቢጥራይ ዘይኮኑስ፤ እንተላይ ዓበይቲ መነኮሳት ዝተፈላለዩ ገዳማት እዮም ነይሮም። ካብኣቶም’ውን ካብ ፲፪ ገዳማት ኤርትራንኢትዮጵያን ዝተኣከቡ ዓበይቲ መነኮሳት በጺሖሞም ነይሮም እዮም። አባ ተወልደ መድኅን ዘደብረ ማርያም፤ አባ ማቴዎስ ዘማይሳግላ፤ አባ ዳንኤል ዘደብረ ገዳማዊ፤ አባ ጳውሎስ ዘደብረ አጕድ፤ አባ ማርቆስ ዘደብረ አድያቦ፤ አባ ማቴዎስ ዘደብረ ማይምዕራፍ፤ አባ ጢሞቴዎስ ዘደብረ ኣርጋ፤ አባ አርከሌድስ ዘደብረ ደጓዕለ፤ አባ ሙሴ ዘደብረ ሰላም፤ አባ ማቴዎስ ዘዓዲ ቀውዖ፤አባ ጢሞቴዎስ ዘዓደግባ፤ አባ ማትያስ ዘዓዲ ቀ ዝርከብዎም ናብኦም መጺኦም ይሓትዎምን ይመሃሩን ከምዝነበሩ ገድሎምይገልጽ። አቡነ ፊልጶስ ብመንጽር ምስፋሕ ገዳማት’ውን፤ ኣብቲ ናቶም ገዳም ከይተሓጽሩ ካብ ኵሎም ገዳማት ንዝመጹ ብኵሉ እቲዘድልዮም ይሕግዝዎም ነበሩ። ኣብ ምኅያል ገዳሞም ጥራይ ከይተወሰኑ፤ ካብቶም ኣርድእት መነኮሳት ነቶም ብቝዓት ዝብልዎምከም እኒ አባ ኤርሚያስን፤ አባ ይባርከነ ክርስቶስን ከምኡ’ውን ካልኦት መነኮሳት፤ ካብኡ ወጺኦም ናብቲ እግዚአብሔርዘመልክቶም መካናት ብምኻድ ገዳማት ከቝሙ ኣዚዞሞም ነይሮም። እዚ ኸኣ ብፀዓዱ ኣርጋብ ዝረኣይዎ ራእይ ክፍጸም ምእንቲእዩ። እቶም ወፈርቲ ኣርድእቶም’ውን ኣብቲ ዝኸድዎን ኣብ እግሪ ምትካል ሓደሽቲ ገዳማትን፤ ንዝረኽቦም ዝነበረ ተጻብኦ ኵሉክሥዕሩ ብጸሎትን ብምኽርን ብተኣምራትን ይሕግዝዎም ነበረ።

ተኣምራት

“ወተአምርየኒ ይበዝኅ እምድኅረ ሞትየ እምሕይወትየ”

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዓቢይ መዓርገ ቅድስና በጺሖም ስለዝነበሩ፤ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ብዙኅ ድንቂ ድንቂ ተኣምራት ይገብሩ ነይሮምእዮም። ኣብቲ መጽሓፈ ገድሎም ዝተጠቕሱ ውሑዳት ተኣምራት ናይ ኣቦና ይሃልዉ እምበር፤ ኣቦና ኣብ መዋዕል ታሪኾምዝፈጸምዎም እሞ ዘይተጻሕፉ ብታሪኽ ጥራይ ግና እናተነግሩ ዝነብሩ ፍቕዲ የብሎምን። ንሶም ብኣካል ዝተሳተፉሉ ተኣምራትገዲፍና፤ ንሶም ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ኣርድእቶም ብምልኣኽ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንዝገለጸሎም ነገር ካብ ርሑቕ ብምዝራብዝፈጸምዎ ኣዝዩ ብዙኅ እዩ። ድኅሪ ዕረፍቶም’ውን እቶም ኣብ ዘመኖም ይኹን ብድኅሪኦም ዝነበሩ መነኮሳት፤ ከምኡውን ክሳብሕጂ ብስሞምን ቃል ኪዳኖምን እናተማኅፀኑ ብዙኃንን ብዙኃትን ዓበይቲ ተኣምራት ክፍጸመሎም ይነብር ኣሎ።ንምሳሌ ዝኸውን ገለ ክንጠቕስ፦ ኣብ ዓቢይን ዓሚቝን ጕድጓድ ዝኣተዋ ኣግማል ጓሶት፤ ኣርድእቶም በትሪ ኣቡነ ፊልጶስ ካብኢዶም ወሲዶም ኣብታ ጕድጓድ ብምእታው፤ ነቶም ኣግማል “ገብረ (ኣገልጋሊ) እግዚአብሔር ፊልጶስ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስውፁ ይብለኩም” ብምባል ምስ ኣዘዝዎም፤ ከም ኣዕዋፍ ነጢሮም ካብቲ ጕድጓድ ወጺኦም እዮም። ኒቆዲሞስ ንዝበሃልመነኮሳ’ውን ካብ ሞት ኣተንሢኦሞ ነበሩ። ውሑጅ ንዝወሰዶም መነኮሳት፤ ስሙ ምስ ጸውዑ፤ ንሶም ተገሊጾም ዘድኃንዎምኣለዉ። ቅዱስ ፊልጶስ ሓንሳብ ካብ ልሳኖም ዝወጸት ቃል፤ ስርሓ ከይፈጸመት ፈጺማ ኣይትምለስን ነበረት። እምበኣር ክንዲ’ዚዚኣክል ጸጋን ኃይልን እዮም ካብ ኣምላኾም ተቐቢሎም። ዝረገምዎ ከኣ ኣይውዕልን ኣይሓድርን ነበረ። ልዕሊ ኵሉ ግናዝፈለጡሉ፤ ምእንቲ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ከረድኡ፤ ናብ ኢትዮጲያ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፤ ነቲ ከጥሕሎም ዝተመደበ ቀላይ ከምንቑጽ ሣዕሪ ብምንዳዶም “አንዳዴ ባሕር ፊልጶስ” ተባሂሎም ዝጽውዕሉ ተኣምራቶም እዩ።

እዚ ናይ ኣቦና ገቢረ ተኣምር ኣብኦምጥራይ ዝተሓጽረ’ውን ዘይኮነስ፤ደድኅሪኦም ንዘሰዓብዎም ኣርድእትመነኮሳት’ውን ዘሰንዮም ዝነበረ እዩ።ድኅሪ ቅዱስ ኣቦና ፊልጶስ ኣበምኔት ገዳምዝነበሩ አቡነ ዮሐንስ’ውን ኣብ ልቢ ሰባትንዝተዓቝረ ነገር ዘይስወሮምምንባሮም’ውን፤ ኣርድእት ገዳም ብግፍዒኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ምስ ተቐትሉ፤ደመናታት ዓጽዮም ማይ ከየዘንብከምዝገበሩን ነቶም ዓድታት ብጥሜት ከምዝተቐጽዑን ይቕረ በሉልና ኢሎም ከምዝለመኑ ይፍለጥ። ኣብቲ ቅዱስ አቡነፊልጶስ ዝነበሩሉ ዘመን’ውን ካብቶምኣርድእቶም፤ እኒ ኣባ ኤርሚያስ ብቃሎም ደመናት ኣዚዞም ዝናማት ዘዝንሙ፤ ከም እኒ ኣባ ፍሬምናጦስ ብመስቀል ባሪኾምከውሒ ኣንቂዖም ማይ ዘፈልፍሉ፤ ከም እኒ ኣባ ስልዋኖስ ጐይታ ጋሻ መሲሉ ዝተገልጸሎምን፤ እግሪ ጐይታ ዝሓፀቡን ካልኦትንንዕኦም ዝመስሉ ዓበይቲ ቅዱሳን ከምዝነበሩ ይፍለጥ።

ባዕሎም አቡነ ፊልጶስ ንደቆም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰዓት ክምዕድዎም ከለዉ “ወተአምርየኒ ይበዝኅ እምድኅረ ሞትየእምሕይወትየ(ተኣምረይ ድማ ብሕይወት ካብ ዝነበርኩሉ ድኅሪ ሞተይ ኪብዘኅ እዩ) ኢሎም ከምቲ እተዛረብዎ ከኣ ክሳብሎሚ እቲ በረኸቶም ኣብ ልዕሊ ደቆምን ደቂ ደቆምን ስለዝኃደረ፤ ጸሎት ኣበው እዚ ገዳም’ዚ ወትሩ ተኣምራት ክፍጽም ይነብርኣሎ። ቅርብ ኢሉ ታሪኽ መምህራንን ቅዱሳንን እዚ ገዳም ዝሓትት ሰብ፤ እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ክሳብ ሎሚ ብዙኅብዘይተነግረሎም ባሕሪ ተኣምራትን ገበርቲ ተኣምራትን ብዝኾኑ ቅዱሳን ዘዕለቕለቐ ምዃኑ ብቀሊሉ ክርዳእ ይኽእል። ቅዱሳንካልኦት ሃገራትን ተኣምራቶምን ሎሚ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ተጻሒፉን ፊልምታት እናተሠርሓሉ ክንርእዮ ከሎና ብዙኅትምህርትን መንክር ተኣምራትን ንረኽበሉ ኢና። እቶም ከም ደብረ ቢዘን ኣብ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ገዳማትና ዝነበሩን ዘለዉንኣበው፤ ታሪኾምን ተኣምራዊ ገድሎምን ብዝግባእ እንተነጽንዖን እንተንፈልጦን፤ ጽሒፍናን … እንተንዝርግሖን ንኵሉ ዓለምዝኸውን ክንደይ ትምህርቲ ምሃበ ነይሩ። እንታይ ይገበር፤ ናይ ወጻእተኛ ከነድንቕ እምበር ናይ ርእስና ብሉጽ ሃብቲ ክንፍትሽመዓስ ንርከብ ኣሎና?!

ቃል ኪዳን

“ወናሁ ሐፀርክዋ በግርማ”

ቅዱስ ኣቦና ገና ዕረፍቶም ከይቀረበ በብእዋኑ እናለመኑ፤ ብዛዕባ እቲ ዝገደምዎ ገዳም ይኹን ደቆም ክሳብ ሕጂ ሕያው ኮይኑዝቕጽል ዘሎ ብዙኅ ቃል ኪዳን ካብ እግዚአብሔር ተቐቢሎም እዮም። ገለ ካብቲ ኣምላኽ ዝኣተወሎም ኪዳን ከኣ “ደቆምብጥሜትን ጽምእን ብዝኾነ ይኹን ብሽግር ብፍርሃት ኲናት፤ ካልእ ኣረማዊ ምኽንያት ካብቲ ደብሪ ከይስደዱ፤ ንምርኮኣይኅሊፎም ከይወሃቡ” ዝብል ይርከቦ። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ዝተመነይዎን ዝለመንዎን ክህቦም ቃል ኪዳን ኣትዩሉም ኣሎ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ኣብዚ ደብረ’ዚ ብዙኅ ጊዜ ብኽብሪ ምስ ቅዱሳን መላእኽቱ ወሪዱን ባሪኽዋን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነታመጀመርያ ዝሓነፅዋ ቤተ ክርስቲያን ቅዳሴ ቤታ ድኅሪ ምኽባሩ፤ ኣብ ማእከላ ኮይኖም ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ነቲ ሕንፃ ቤተመቅደስ ሠሪሑ ምስ ፈጸመ ዝጸለዮ ጸሎት ናብ ኣምላኾም ኣቕረቡ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማ “ብመዓልትን ለይትን ናብዚቅድስት ቤት ዝተመላለሰ፤ ዘመስገነ፤ ዝሰገደ፤ እናነበዐ ዝለመነ፤ መባእ ዝሃበ፤ ዕጣን ስርናይ ወይኒ ዘይቲ ልብሲ ዝወፈየ፤ንዝሓለውዋ፤ ኣብኣ ንዝተቐብሩ ኵሎም ርስቶም መንግሥተ ሰማያት ከምዝኸውንን፤ ሓዊ ሲኦል ከምዘይርእይን ምሕረት ሥላሴከምዘይፍለዮን ቃል ኪዳን ተቐቢሎም እዮም።

ኣብ ጊዜ ዕርጋኖም’ውን ንእግዚአብሔር ቃል ብቃል ኣብ ዘዘራቡሉ ዝነበረ እዋን እውን፤ ካብ ኣምላኾም ዝለመንዎ ኵሉ ኪዳንተዋሂብዎም እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ፤ ንቅዱስ ኣቦና ዝደለይዎ ክልምንዎ ምስ ተዛረቦም፤ ንሶም ከኣ “ቅድሚ ኵሉ ጽድቁንመንግሥቱ ድለዩ” ከምዝብል ጽሑፍ ምዃኑ ምስ ነገርዎ፤ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ኣብ ቤት ኣቦይ ኣብመንግሥተ ሰማያት ፯ ኣኽሊላት ክህበካ እየ፤ እዚ ድማ ፫ተ ምእንቲ ድንግልናኻ ፫ተ ምእንቲ ምናኔኻ፤ ፩ ድማ ምእንቲሰማእትነት ክብረ ቀዳሚት ሰንበት፤ በዓል ጰራቅሊጦስ ኣዚኻ ስለዘኽበርካ መንበርካ ልዑል ገይረልካ ኣሎኹ፤ ክንዲ ሲሶ ናይዓለም ርስቲ ከውርሰካ፤ ፈረሰ እሳት ከኣ ክህበካ እየ” ኢልዎም ነይሩ። ቅዱስ ፊልጶስ ከኣ ጸሎቱ ንዘይከልአ፤ ምሕረቱ’ውንካብኦም ስለዘይርሓቐ ንኣምላኾም ኣዝዮም ኣመስጊኖም እዮም።

ምእንቲ ኣብቲ ገዳም ዝምንኵሱ ደቆም ድማ ኪዳን ክህቦም ንኣምላኽ ኣብ ዝለመነሉ “ብሥርዓተ ገዳም ንዝኸዱ፤ ንዝቀደመኃጢኣቶም ክኃድገሎም፤ ሕጉ ንዘጽንዑ፤ መቃብሩ ንዝሕልዉ” ነታ ንኣቦና ዘተስፍዎም ክብርቲ መንግሥተ ሰማያት ከምዘእትዎቃል ኪዳን ረኸቡ። ወሲኹ’ውን ንመቓብር ፊልጵስ ዘንብበላ ኣገልገሊ ከምዘይሰኣናን፤ ዝዝምረላን ዝትርጕመላን ዝደርሰላንመጻሕፍቲ’ውን በብዓይነቱ ዝግልብጠላን ዘስተምህርን ዝምህርን መምህር ከምዘይከልኣ ቃል ኣተወሎም። እዚ ባርኾት ከኣ ክሳብሕጂ ብርእዮ ዘይተቋረጸን ዝቕጽል ዘሎን ቃል ኪዳን እዩ። እቶም ብርቱዓትን ተጓዳእትን ዝብሃሉ ኣራዊት ኣብቲ ገዳም እኳእንተነበሩ፤ ሓደ እኳ ጉድኣት ዘውርድ የልቦን። ወሲኹውን ፍልጠት መጻሕፍቲ ንደብረ ቢዘን ዝተገልጸ ይኹን ኢሉ ባረኾም።

ኣቡነ ፊልጶስ ብዛዕባ ገዳሞም ብዝሓተትዎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ “ብሓዊዶ ክሓጽረልካ ወይሲ ብማይ ወይከዓ ብግርማ?”ክብል መሊሱ ሓተቲዎ ነበረ። ንሶም ድማ “ብሓዊ ሕጸራ” በሉዎ፤ እግዚአብሔር ኣምላኽ ግና “ትልምኖዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ፤ብሓዊ እንተ ሓፀርክዋ ናባኻ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፤ እንሆ ብግርማ ሓጺረልካ ኣሎኹ፤ ብዘይካ ኣብኣ ዚምኅፀን፤ ዝኾነዝደፍራ ኣይክህሉን እዩ፤” ክብል ብዝኣተወሎም ክሳዕ ሎሚ ብግርማ መንፈስ ተዓቂባ ትነብር ኣላ።

ኣብ ጊዜ ዕረፍቶም ቅዱስ ኣቦና ንእግዚአብሔር ለሚኖም ካብ ዝረኸብዎ ቃል ኪዳን ከኣ ሕግን ሓድነትን ገዳሞም ክሳብ ዕለተምጽኣት ከምዘይፈርስ፤ ገዳሞም ብሓዊ ከይትነድድ፤ ሕማም ተላገብ ከይኣቱ፤ ነቶም ብትምህርቶም ዝኸዱ ምሕረተ አብከምዘይፍለዮም፤ ቆብዖም ንዝለበሱ ከኣ ዝባላዕ ሓዊ ከምዘይቐርቦም፤ መንበሪኦም ግና ከም ግብሮም ከምዝኸውን፤ ንድኻታትዝዝክሩ፤ እንጌራ ዘብልዑ ክዳን ዝኸድኑ፤ ተዛካሮም ዝገብሩ ከኣ ሀገር መንግሥተ ሰማያት ከምዝወርሱ ዝምልከት ነበረ። እቲንብዙኃት ኣብያተ ክርስቲያናትን ገዳማትን ምድረ ኣግዓዚ ከም ዘንደደ ዝንገረሉ ኣብ ፲፮ ክፍለ ዘመን ዝተላዕለ ኣሕመድ ግራኝ፤ኣብ እግሪ እዚ ገዳም’ዚ ቀሪቡ ከምቲ ልማዱ ክገብር ፈቲኑ እንተነበረ’ውን፤ እዚ ናይ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ክሰግሮስለዘይከኣለ ናብቲ ገዳም ክኣቱን ከዕንውን ከንድድን ስለዘይከኣለ፤ ናብቲ ዝወፈረሉ ከም እተመልሰ ኣበው የዘትንዉ።

ኮይኑ ድማ ቅዱስ ኣቦና ካብ እግዚአብሔር ንርእሶም ይኹን ንደቆም፤ ካብኡ ሓሊፉውን ንዅሉ ሕዝቢ ዝኸውን ዘይበርስ ቃልኪዳን ተቐቢሎም እዮም። ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዘሎና ይኹን ኣብ ወጻኢ፤ ቅዱሳት መካናትን ገዳማትን ኣብ እንነግደሉ እዋን፤ንግደትና ንግደት ኢየሩሳሌም ክገብረልና፤ ልዕሊ ኵሉ ታሪኽን ተጋድሎን እቶም ኣብቲ ቦታ መንክር ዝፈጸሙ ቅዱሳን ምፍላጥን፤ቃል ኪዳኖም ድማ ምስትውዓልን ምዝካርን የድሊ። ዓመት መጸ ምንጋድና ጽቡቕ ልማድ እኳ እንተኾነ፤ ብኣፍልጦንብኣኽብሮትን፤ ቃል ኪዳን ናይቶም ቅዱሳን ብምምኅፃን ምስ ዝኸውን ዝያዳ በረኸትን ረድኤትን ዘለዎ ምዃኑ ከነስተውዕሎይግባእ።

ምዕዶን ዕረፍትን

“ወፈድፋደ ይፅናዕ ፍቅረ ድንግል ማርያም ውስተ ልብክሙ በኵሉ ጊዜ”

ቅዱስ ኣቦና ንደቆም ብዙኅ ንሕይወት ምንኵስና ዘገልግሎም ምዕዶን ምኽርን በብእዋኑ እናሃቡ፤ ንዝደኸሙ እናበርትዑ፤ ነቶምዝበርትዑ ድማ ዝያዳ ክጸንዑን ጸጋ ዲበ ጸጋ ክዓብዩ ከምዘለዎም እናመኸሩ ይነብሩ ነይሮም። ብፍሉይ ድማ ብሃይማኖትክጸንዑን ክጋደሉን፤ ትሕትና፤ ፍቅረ ቢጽ (ንኃውኻ ከም ነፍስኻ ምፍቓር) ክህልዎምን፤ ትዕግሥቲ ድማ ኣጽኒዖም ክሕዙ፤ በደልኣኅዋቶም ድማ ብልቦም ይቕረ ክብሉን ኃደግት ክገብሩን ይነግርዎም ነበሩ።ማር ፊልጶስ ድኅሪ ነዊሕ ተጋድሎ፤ ብፍላይ ከኣ ድኅሪ ምእንቲ ክብሪ ቀዳሚት ሰንበት ዝገበርዎ ኣድካሚ ጉዕዞን ተጋድሎን፤ ናብገዳሞም ምስ ተመልሱ ከምቲ ልማዶም ኣብ ጽኑዕ ጾምን ጸሎትን ኣተዉ፤ ሰብነቶም ግና ደኺሙን ኣሪጉን ነበረ። እቲ ናብኣምላኽ ዝገብርዎ ሰማያዊ ጉዕዞ ከምዝኣኸለ ፈሊጦም ከኣ ንደቆም ኣበርቲዖም ክምዕድዎም ጀመሩ። ካብቶም ፍሉያትምዕዶታቶም ከኣ “ሕግጋት ቅዱሳት መጻሕፍትን ትእዛዝ እግዚአብሔርን ሓልዉ፤ ንክልቲአን ሰናብቲ ማዕረ ኣኽብርወን፤ በዓለመንፈስ ቅዱስ ብዝግባእ ኣኽብሩ፤ ኣምልኮተ እግዚአብሔር ኣጽንዑ፤ ዝምሕርን ዝቐትልን ሓደ ንሱ ኣምላኽ እምበር ሰብኣይኮነን፤ ክትድቅሱን ክትንሥኡን ከሎኹም፤ ክትከዱን ክትወፍሩን፤ ክትጽልዩን ክትእከቡን ከሎኹም ፍቕሪ ቅድስት ድንግልማርያም ኣብ ልብኹም ፀኒዑ ይንበር፤ ክትበልዑን ክትሰትዩን ካብ ክፉእ ነገር ምእንቲ ክትሕልወኩም ስም ናይ ኣዴና ቅድስትማርያም ምዝካር ኣይትረስዑ…” ዝብል ይርከቦ።

እቲ መዓልቲ ዕረፍቶም ምስ ኣኸለ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ፤ ክዳለዉን ነቲ ማኅበር ኣቦ ክገብሩሉን ተዛረቦም። አቡነ ፊልጶስደውል ኣደዊሎም፤ ን፱፻፷፮ ንዝኾኑ ደቂ ማኅበር ከምዝእከቡ ብምግባር፤ ብድኅሪኦም ነቲ ማኅበር ኣቦ ዝኾኖም ንክመርጹተላበውዎም። ንሳቶም ግና ዝፈትዉዎም ኣቦኦም ብሕይወት እንከለዉ ካልእ መምህር ምምራጽ ፈጺሞም ዘይተቐበልዎ እኳእንተነበሩ፤ ኣቦና ግና ግድን ስለዝበልዎም፤ እምበኣር ግድን ካብ በልኩም ባዕልኹም እግዚአብሔር ንዘመልከተኩም መሪጽኩምብቃልኩም ሃቡና በልዎም። ንሶም ድማ ገና ብዕድመ ንእሽቶይ ንዝነበሩ አቡነ ዮሐንስ ንሱ እዩ ኣቦ ዝኾነኩም በልዎም። ገለውሑዳት ግና ክንደይ ዓበይትን ገበርቲ ተኣምራትን ከለዉ፤ እዚ ንእሽቶይ ይምረጽ ኢሎም ቅር በሎም። ንሶም ግና ብዙኃንቅዱሳንን ዓበይትን ከም ዘለዉ ይፍለጡ ደኣ እምበር፤ ዮሐንስ ግና ክምረጽ ኣምላኽ ባዕሉ ከምዝተዛረቦም ነገርዎም። ንቃሎምድማ ብሓደ ሕራይ ንእዘዝ በልዎም።

ብድኅሪኡ ከኣ ኣዝዮም ኣሪጎም ነበሩ እሞ ሕማም ተሰምዖም። መዓልቶም ምስ ኣኸለ እግዚኣብሔር ምስ ኣእላፍ ቅዱሳኑ ተገሊጹናብቲ ዕረፍቶም ክመጹ ኣዘራረቦም። ንሶም ድማ ናይ መወዳእታ ቃል ኪዳን ክህቦም ለመንዎ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ድማሃቦም። ቀጺሎም ኣብ ልዕሊ ርእሲ ወዶም ዮሐንስ ኢዶም ኣንቢሮም ባረኽዎ። ብድኅሪኡ ኣዒንቶም ናብ ሰማያት እናጠመቱ፤ብፁዕ ኣቡነ ፊልጶስ ፭ ነሓሰ ብሓሳበ ቢዘን ኣብ ፲፩፻፸፭ ዓ.ም. (ብግእዛዊ ባሕረ ሓሳብ ድማ ኣብ ፲፬፻፫) ኣብ 84 ዓመትዕድሜኦም ዓሪፎም። ነፍሶም ድማ ባዕሉ መድኃኔ ዓለም ብኢዱ ተቐበላ። ብቅዱስ ገብርኤል ዝምርኁ ማኅሌታውያ ቅዱሳንመላእኽቲ ድማ ብምስጋና ኣዕረግዋ። ሥጋኦም ከኣ ኣብቲ ሎሚ ብስሞም ዝጽዋዕ ቤተ ክርስቲያን ተቐብረ። ካብቶም ቀዳማይመሥራትን ኣበ ምኔትን ኣቡነ ፊልጶስ ኣትሒዞም ክሳዕ ሎሚ ከኣ 49 ኣበምኔታት ነዛ ቅድስት ገዳም ኣመሓዲሮማ ኣለዉ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት። ጸሎትን በረኸትን ናይ አቡነ ፊልጶስን ናይ ኵሎም ቅዱሳን አበው ደብረ ቢዘን ምስ ኵላትና ይኹን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ምንጪ፣ ማዕዶት ብሎግ

Comments are closed.