አንዳዴ ባሕር አቡነ ፊሊጶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ነሓሰ 5 
ዕረፍቱ ኣቡነ ፍሊጶስ ኣንዳዴ ባሕር(ፋድል)
ሰላም ለፀአተ ነፍስከ አመ ኃሙሱ ለነሐሴ ወለድነ ሥጋከ ሰላም እንተ ይደልዎ ቅዳሴ ፊልጶስ ሰማዕት ዘኅቱም በስመ ሥላሴ ነፍስየ ማርያም እህተ ነቢይ ሙሴ
ነዋ ለክብርከ ታቄርብ ውዳሴ

ፊልጶስ ናይ ገዳማዊ ዝኾነ ፍሊጶስ ትውልዱ ካብ ዓበይቲ ዝኾኑ መኳንንቲ ኣንከረ ኢዩ። ስም ኣቡኡ ይርድኣነ እግዚእ ስም ኣዲኡ ከኣ መግደላዊት ክኸውን ከሎ ኣቡኣ ከኣ ናይ ጽርእ ተወላዲ ኢዩ።ኣቡኡን ኣዲኡን ሕያዎትን መጽወትን ፡ከም ዓርኪ እግዚኣብሔር ከም ኣብርሃምን ከም ኢዮብን ኣጋያሽ ተቐበልቲ ንዝመጹ ስደተኛታት ሽጉራትን ንኹሉ ቤቶም ክፉት ነበረ።ከም ኣቦ ጦብያ ምጽዋት ይፈትዉ ነበሩ፡ነታ ምጽዋት ምስ ግብሪ ምስ ሰርሕዋን ብግብሪ ምስ ተርጎምዋን መገዶም ብሩኽን ቅኑዕን ኮነ።

መግደላዊት ካብ ዓይና ንብዓት እና ኣፍሰሰት ብጾምን ብስግደትን ተወሲና ንቤተ ክርስቲያን ካብ ምኻድን ካብ ምቑራብን ኣይተቛርጽን ነበረት። ሥድራቤታ ብሉይን ሓዲሳትን ምሂሮማ ስለ ዝነበሩከኣ ካብ መጻሕፍቲ እና ኣልዓለት ብእግዚአብሔር ኣሚኑ ዝሓፈረ መን ኢዩ! መን ጸዊዕዎኸ ሸለል ዝበሎ ኣሎ! ትብል ነበረት።ልቢ ኣምላክ ቅዱስ ዳዊት ካብ ዝተዛረቦ ጠቒሳ “ኦ ጎይታይ ጸሎተይ ስምዓኒ ደሃየይ እውንናባኻ ይብጻሕ ብመከራይ ብመዓልቲ መከራይ ገጽካ ካባይ ኣይተርሕቕ እዝንኻ ናባይ ኣብል ክጽውዕካ ከለኹ ቀልጢፍካ ስምዓኒ”በለት ፡ደጊማ’ውን “ሃና ስለ ወዳ ሳሙኤል ብዝጸለየትሉ እዋን ጸሎታ ከምዝሰማዕካያ ጸሎተይ ስምዓኒ፡ከምኡ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ትእዛዝካ ሓልዩ ብሕግኻ ዝኸይድ ንጽሁን ድንግል ዝኾነ ወዲ ንኤልሳቤጥ ከም ዝሃብካ ንዓይ’ውን ውላድ ክትህበኒ ጸሎተይ ስማዕ ።ኦ ! ጐይታይ ጸሎተይ ስማዕ፡ነቶም ዝተጨነቑ እተቃልለሎም ዘይሓሰብዎ ትህብ ንሽጉርትረድእ፡ሽግርን’ውን ተርሕቕ ንስኻ ኢኻ” በለት።ከምዚ ክትብል ከላ ከኣንብዓታ ከም ማይ ይፈስስ ነበረ።ንሰማይ ኣንቃዕሪራ ጸሎት ተዘውትር ነበረት ኣእዳዋ’ውን ንጸሎት ምስተዘርግሓ ኢየን።ጸሓይ ወጺኣ ክሳዕ እትዓርብ እግራ ክሳዕ ዝሓብጥ ትጽልን ትቕወምን ነበረት።ካብቲ ዝቖመትሉ ቦታ’ውን ብጭንቂ ኣእጋራ ተንቀሳቕሶም ምስጓም ትስእን ነበረት። እዛ ኣደ እዚኣ ከምተን ካልኦት ኣንስቲ ኣይነበረትን፡ከም ሣራ ሰበይቲ ኣብርሃም፡ከም ሓና ኣደ ሳሙኤል፡ትመስል ነበረት እምበር ከም ካልኦት ኣይነበረት።ካልኣይ’ውን ቤት እስርኤል ከም ዘገልግላ ከም ልያን ከም ራሄል ከም ኤልሳቤጥ እያ ትመስል ዝነበረት።

ንመግደላዊት ቅዱስ መልኣኽ ከም ዝተራኣያ

መግደላዊት ከምዚ ኢላ ከላ ብእዋን ጸሎት ክትጽሊ ከላ ሓዊ ዝመስል መስቀል ብየማናይ ኢዱ ኂዙ ናይ እግዚኣብሔር መልኣኽ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ተራእያ።እቲ መስቀል’ውን ኣርባዕተ መኣዝን ኣለዎ ከም ብልጭልጭታ ዘንጸባርቕን ባልባል ዝብልን ኢዩ።እቲ መልኣኽከኣ ንመግደላዊት ከምዚ በላ። ኣቲ ሰበይቲ ኣብዚ እንታይ እዩ ጠጠው ዘብለኪ ዘሎ፧” ሓዘንኪ እንታይ እዩ፧ ኣብ ልዕሌኺ ዝወረደ ጓሂኸ እንታይ ኢዩ፧ንስኺ ፈራሂት እግዚአብሔርን ሕያወይቲ ሰበይትን ምዃንኪ ይርእየኪ ኣለኹ ስለዚ ሓዘኪ እንታይ ኢዩ፧” በላ። ንመግደላዊት ከኣ “ጐይታይ እንታይ ትብለኒ ኣለኻ ሕደገኒ ግዳስ ምእንቲ ኃጥያተይን ምእንቲ በደለይን ክበኪ”በለቶ።እቲ መልኣኽ ከኣ መሊሱ “ኣነ ምእንቲ ሽግርኪ ተላኢኸ መጺኤ ኣለኹሞ እስከ ኃዘንኪ ንገርኒ”በላ።መግደላዊት ከኣ “ኣነ ምሳኻ ምዝራብ ኣይክእልን እየ ተፍርህን መልክዕካ’ውን ግሩም ስለ ዝኾነ ክሳዕ ሎሚ እኳ ከማኻ ዝመስል ፈጺመርእየ ኣይፈልጥን እየ”በለቶ።እቲ መልኣኽ’ውን መለሰላ ከምዚ እውን በላ፡መልክዐይሲ ከምዚ ኣይኮነን ግዳስ ገጸይን ክዳነይን ሓዊ ብኢደይ ዝኃዝክዎ’ውን ሓዊ ክኸውን ከሎ ኣካይዳይ’ውን ብልጭልጭል ከምዝብል መብረቕ ኢዩ፡እግዚኣብሔር ግዳ ከይትፈርሕን ከይትድንግጽን ኢሉ ከምድኻምኪ መጠን ናባኺ ፈነወኒ እምበር ኢሉ መለሰላ።ኣነስ ፈላሲ መሲለ መስቀል ሒዘ ዝመጻእኩ ንዓኺ ምእንቲ ከጸናንዓኪ እየ።መልክዐይ እንተ ትርኢሞ ምድሪ ኣይምተሰከመትን መሬት’ውን ኣይምኸኣለትን። መግደላዊት ከኣ ቃልካ ጽቡቕ እዩ ጎይታይ መገድኻ እውን ቅኑዕ እዩ ኣሰርካ’ውን ብርሃን ኢዩ ኣነ ንዓኻ ብምርኣየይ ተሓጊሰ ኣለኹ ብዝከኣለካ ግን ኣጸናንዓኒ ።

እቲ መልኣኽ ካኣ ኣምላኸይ ናባኺ ዝለኣኸኒ ንዓኺ ንምጽንናዕ ኢዩ።ኃዘንኪ ንገርኒ እምበር ንዓይ ብምርኣይ ዝተሓጎስኪ ካብ ሓዘንኪ ምስተጸናንዕኪ ድኣ ክንደይ ትሕጎሲ ትኾኒ በላ።መግደላዊት ከኣ ነቲ መልኣኽ ከምዚ በለቶ “ኣነ ዘኅዝነኒ መኻን ስለ ዝኾንኩን ውላድ ስለ ዘይብለይን ብኣንስቲ ዓደይን ጎረባብተይን ምጸረፍንመሳሓቕን ኮይነ ኣለኹ፡ ብኣዝማደይ’ውን ተዋሪደ ኣለኹ ስለዚ ከይወለድኩ ምማተይ የሕዝነኒ” በለቶ።እቲ መልኣኽ ከኣ”እግዚኣብሔር ጸሎትኪ ሰሚዑኪ መብጽዓኺ’ውን ተቐቢልዎ እዩስለዚ ብትምህርቱ ብዙሕ ህዝቢ ዘድኅን ንብዙሓት’ውን ኣቦ ዝኸውን ዝኸበረ ክብ ዝበለ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ውላድ ክህበኪ ኢዩ”በላ። “ደቁ ብዙሕ ኣህጉር ዝወርሱን ብወገን ምብራቕ ከም ከዋኽብቲ ዘብርሁ ክኾኑ ኢዮም” በላ።ነዚ ዝሰምዐት መግደላዊት ኣዝያ ተሓጎሰት “ናይባርይኡ ውርደት ተመልኪቱ ይቕሬትኡዝገበረለይ’ውን ዓስቢ ጸሎተይ ዘይከልኣኒ እግዚኣብሔር ይመስገን” ኢላ’ውን ንኣምላኽ ኣመስገነት።መሊሳ ከኣ ነቲ መልኣኽ “መን ኢዩ ስምካ ጐይታይ ፧”ክትብል ሓተተቶ።እቲ ቅዱስ መልኣኽ “ስመይሲ ሕቡእ ስዉር ተደናቒ ኢዩ”ድሕሪ ምባል ንሱ ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ሊቃነ መላእክት ከም ዝኾነ ገለጸላ። መሊሱ ከኣ” እዚ ዝነገርኩኺ ክሳብቲ ግዜኡ ኅብእዮ ናይ መንግስቲ ምሥጢር እንተ ተኃብአግቡእ ኢዩ ናይ እግዚአብሔር ሥራሕ ግን ብኽብሪ ይገልጽዎ ኢሉ መጽሓፍ ከም እተናገረ ድኂሩ ንኹሉ ኢዩ ዝገልጽ” ኢልዋ ካብኣ ተሰወረ።መግደላዊት እውን “ግዜኡ ክሳዕ ዝግለጽ ነገርካ ሕባእ ብብልሓትካ’ውን ብዙኃት ክዛረቡ ኢዮም” ኢሉ መጽሓፍ ከም ዝገለጸ፡ነገራ ሰዊራ ተቐመጠት።

መግደላዊት ነዚ ነገር እዚ ንምርካብ ደገ ክትጸንዕ ከላ ብኻልእ ወገን ከኣ ክቡር ካብ ኩሉ ዝበልጽ ካብ ሓደ ፈላሲ ቅድም ኢላ ዝሰምዓቶ ነገር ነበረ።ዝኸውን ነገር ከይኮነ ዝፈልጥ ከም ነቢያት ነቢይ፡ከም ሓዋርያት’ውን ሓዋርያ ዝኾነ ካብ ሓደ ፈላሲ ነገሩ ሰምዐት።እቲ ፈላሲ ነታ መገደላዊት ዘላታ ዓዳ ምስ ረኣየ ብሓጎስ ክምስ ክምስ ክብል ጀመረ።ስራሕ እግዚኣብሔር ዘገርም ኢዩ እና በለ እውን ኣፉ ብኢዱ ከደነ።እቶም ፈለስቲ ብጾቱ እውን “ኣንታ ኣቦና ንምንታይ ኢኻ ትድነቕ ዘለኻ ወይሲ እዘን ኣዒንትኻ እንታይ ርእየን እየን”በልዎ። “ንዓይ ዘደንቐኒዘሎ ንብዙሓት ኣቦ ዝኸውን መራሒ ኣብዛ ዓዲ እዚኣ ስለ ዝውለድ እዩ”በሎም። “ዝንኡ ዓቢይ ክኸውን እዩ።ምእንቲ ሕግን ትእዛዝን፡ ምእንቲ ቀዳመይቲ ሰንበትን ሰማዕትነት ክቕበል ኢዩ”ክብል ተዛረቦም።

ብድሕሪ እዚ ከምቲ እግዚኣብሔር ብመልኣኹ ዝነገራ መግደላዊት ጠነሰት ንምውላድ እውን ቀረበት እንተኾነ ጠኒሳ ከላ ሰብኣያ ይርድኣነ እግዚእ ሞተ።

መግደላዊት ወዲ ከም ዝወለደት

መግደላዊት መዓልቲ ሕርሳ ምስበጽሐ፡ ከም ኣዒኢንቲ ወዲ እሰይ ዘሐጉስ ገጹ፡ ከም መልኣኽ እግዚኣብሔር ዝመስል ሕጻን ወለደት።ቂሑ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኢያሪኮ ብወርሒ ልዮን ኣዝዩ ከም ዝዕምብብ ጽጌረዳ ገጹ’ውን ብወርሒሚያዝያ ዘብለጭልጭን ከም ዘንጸባርቕን ከም ክበብ ጸሓይ ነይሩ ክበብ ገጹ ከም ወጋሕታ ወርሒ ኣብሩልዮስ የብርህ ኣረኣእያ ዓይኑ ከኣ ዘፍርህን ዘደንግጽን ኢዩ።ኣብ ሰብነቱ ድማ ብወርኂ ኤጴስ ከም ዝዘውር ደመና፡ ከምኡ’ውን ናይቲ ጣዕሚ ሽታኡ ብወርሒ ጥቅምቲ ከም ዝዕምብብን ከም ዘፍርን ከም ሽታ ገነት እዩ።እቲ ወዝ ገጹ’ውን ከም ዘይቲ ኣውሊዕ እዩ ኩሉንትንኡ ከኣ ዕምባባ ወይንን ኣውሕን ዝተመርጸን ዝተሓርየን እዩ።

ኣተዓባብያን ምንኩስና

እዲኡ መግደላዊት ምህርቲ ብምንባራ ንእንኮ ሕጻን ወዳ ፊልጶስ መገዲ እግዚአብሔር ከጽንዕ ብዝግባእ እናመሃረትኣዕበየቶ። ቍርብ ልቢ ምስ ደረበ ከኣ እቲ ዝግባእ ትምህርቲ ምንኵስና ክስዕብን ክፍጽምን ምስ ለበዋ ናብ ገዳም ክትሰዶብምውሳን ብዙሕ ናይ ምዕዶ ቃላት ተዛረበቶ። ሕፃን ፊልጶስ’ውን ለበዋ ኣዲኡ ሰሚዑ ብዛዕብኡ ብዙኅ ክትስከፍ ከምዘይብላብምግላጽ ደጊም “ሊተሰ አቡየኒ ወእምየኒ እግዚአብሔር ውእቱ”(ደጊም ንዓይሲ ኣቦይን ኣደይን እግዚአብሔር እዩ) ብምባልጽኑዕ ናይ እምነት ቃሉ ሂብዋ። ንሕፃናት ለባማትን ጥበበኛታትን ዝገብር እግዚአብሔር ከኣ ምስኡ ከምዝኾነ ብምንጋር፡ ኣዝዩባህ ብዝብል ቃል ብዛዕባኡ ክሳብ እትግረም ንኣዲኡ ኣጽናንዓ። ብኸምኡ ከኣ ኣደን ወደን ተፈላለዩ። ሕፃን ፊልጶስ ድማንድኅሪት ግልጽ ከይበለ፤ ጸሎቱ እናብጽሐ፤ እግዚአብሔር ብርሃኑ ክኸውን፡ መገዱ ድማ ክመርሖ እናተማኅፀነ ናብ ገዳምመገዱ ቀጸለ።

ኣብ መገዲ ከሎ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ባረኾ። ብድኅሪኡ ከኣ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ተገሊጹ ንኹሉ ምሥጢር መጻሕፍቲ ገለጸሉ። ደብረ ጸራቢ ናብ ዝተባህለ ገዳም ክኸይድ እሞ፤ ረድእን ደቂ መዝሙርን አቡነ ኤዎስጣቴዎስ ምስ ዝነበሩበኪሞስ ዝብሃሉ ዓቢ መነኮስ ክራኸብን፤ ካብ ኢዶም ከኣ ክምንኵስን፤ ኣስኬማ ክደፍእን ተነግሮ።

ፊልጶስ ገና ካብ ሕጻንነቱ ጀሚሩ መንፈስ እግዚአብሔር ዝተመልአ ብምንባሩ ስርሑ ዘበለ ከምቶም ዝቐደሙ ቅዱሳን ኣበውብመንክራት ዝደመቐ እዩ ነይሩ። ከምቲ ዝተነግሮ ከኣ ኣብ መበል ፲፪ ዓመት ዕድሚኡ፤ ብኢድ ኣቡነ በኪሞስ ኣብ ደብረጸራቢ መንኮሰ። ስም ምንኩስናኡ ከኣ ከምቲ ክጥምቕ ከሎ ዝተዋህቦ ከይተቐየረ ፊልጶስ ተባህለ። ካብ ኢድ አቡነ በኪሞስስለዝመንኮሰ ከኣ ሓረገ ትውልዱ ካብ አቡነ ኤዎስጣቴዎስ እዩ። እንጦንስ – መቃርስ – ጳኵሚስ – ሊባኖስ – ዖፅ (ብእሴ ሰላም) – አድኃኒ – ጰላድዮን – ቅቡዕ እግዚእ – ኣትናቴዎስ – ይስሓቅ – ዕብነ ሰንበልት – ዳንኤል – ኤዎስጣቴዎስ – በኪሞስ – ፊልጶስዝብል ሓረገ ትውልዲ ምንኵስና ሒዙ ይርከብ።

እምበኣር ፊልጶስ ኣብቲ ገዳም ካብ ዝኣተዉሉን፤ ብዝያዳ ከኣ ኣልባሰ ምንኵስና ድኅሪ ምልባሶምን፡ ኣኽሊለ ኣስኬማቅድስት ድኅሪ ምድፍኦምን ኣብዚ ደብሪ ንዘለዉ መነኮሳት ብትግሃት እናገልገሉ ብጾምን ጸሎትን ተጸሚዶም ይነብሩ ነበሩ።

መዓልቲ ዕረፍቲ ኣቡነ ፊሊጶስ

“ሕጂ ድማ ብድሕረይ ኣቦ ዝኾነኩም ሕረዩ”በሎም።እቶም ኣርድእቲ ድማ እዚ ምስ ሰምዑ ንዓና ሓዲግካና ናበይ ኢኻ ኣቦና፧ኣቦና እና በሉ ብኽያት ጀመሩ።ንመንከ ሓዲግካልና ኢኻ ከማኻ ዝበለ መምህር ዝምዕደና ኣበይ ክንረክብ ህይወት ዝፍልፍል ማይ ህይወት ካብ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝምህረና መን እዩ፧” በሉ። ሰማዕት ፍሊጶስ ድማ ከምኡ ኣይኮነን እዚ ይትረፍ እሞ ኣቦ ዝኾነኩም ምረጹ በሎም።ብድሕሪዚ ደቁ “እግዚኣብሔር ዝኣዘዘካ ግበር” በልዎ።ቅድሚኡ እውን ደቁ “ብድሕሬኻ ዝሕልወና መን ኢዩ፧” ኢሎም ሓቲቶምዎ ነይሮም ኢዮም።ፍሊጶስ ሰማዕት ከኣ “ክሳዕ ሕጂ ኣይመጸን”በሎም።መልክዑ ጽቡቕ ዝኾነ ሓደ ቆልዓ ምስ መጸ፡ገጸ ከይረኣዮ ከሎ ሰማዕት ፍሊጶስ ብድሕረይ ኣቦ ዝኾነኩም ንሱ ኢዩ በሎም።ብድሕርዚ ብርቱዕ ሕማም ሓመመ እቶም መላእኽቲ ድማ ከመስግንዎን ብክንፎም ክጋድዎን ብኣዒንቱ ረኣየ።ካብኣቶም መፍትሕ ብርሃን ከልዕሉ እኒ ኪሩቤል እኒ ሱራፌል ኣብቅድሚኡ ክመላለሱ ረኣየ ሰራዊተ እግዚአብሔር ድማ ብየማኑን ብጸጋሙን ክእከቡ ማሕበር ሰማእታትን ማሕበር ጻድቃንን ክኸብዎ ረኣዮም።ዓይኑ ንሰማይ ቋሕ ኣቢሉ ምስ ራአየ ድማ ክብ ኣብ ዝበለን ኣብ ዝተቐደስን መንበር ንእግዚኣብሔር ረኣዮ።ክብሪ ንዕኡ ይኹን ካብኡ መጺኡ “ፍሊጶስ ሰላም ንዓኻ ይኹን ናብ ዘልኣለማዊ ሕይወት ንኽትከይድ ካብዚ ዓለም እዚ እትፍለየሉ ኣኺሉ እዩ”በሎ።ፍሊጶስ ድማ ንኣምላኹ ኣምላኸይ ቤተይ ከመሓድር ደቀይ ከነባብር ደብረይ’ውን ንምውሳን ግዜ ሃበኒ በሎ።ኣምላኹ ድማ ዝኃለፈ ግዜ ይኣኽለካ ቅድሜኻ ካብ ዝነበሩ ጻቃን ንስኻ ገድልን ድኻምን ስለ ዘብዛሕኻ ኢኻ ፡ብዛዕባ ስርዓት ደቅኻ ግና ኣይሸግርካማዕርጎም ክብ ኢሉ ኢዩ እሞ ሰማያዊ ኣቦይ ተሓጊስሉም መንፈስ ቅዱስ’ውን ብተጋድልኦም ደስ ኢልዎ ኣሎ።ንስኻ ኣገልጋልየይ ፍሊጶስ ካብ ሕማም ናብ ጥዕና ካብ ድኻም ናብ ዕረፍቲ ካብ ሓዘን ናብ ሓጎስ ካብ ሞት ናብ ህይወት ኣብ ሰማያት ድኣ ኣዳራሽ ኣሎ እምበር ኣብ ምድሪ ብሞት ኣድልዎ ስለ ዘየልቦ ንዓ።ሰማእት ፍሊጶስ ድማ ንኣምላኹ ከምዚ በሎ “ቅዳም ኪዳን ከም ዝሃብካኒ ሕጂ’ውን ሃበኒ”።ኣምላኽድማ “ኣነ ዘይሃብኩኻ እንታይ ኣሎ ብዙሕ ኪዳን ሂበካ ኣለኹ”በሎ።ፍሊጶስ ንኣምላኹ “ዝተረፈኒ ቅሩብ ስለ ዘሎ “በሎ፡ ኣምላኽ ድማ “በል እቲ እትደልዮ ሕተተኒ”በሎ። ፍሊጶስ ድማንኣምላኹ “ኦ ኣምላኸይ ስምዓኒ ናይ ገዳመይ ሕግን ሓድነትን ክሳዕ ዕለተ ምጻኣት ኣይተፍርሰለይ”በሎ።ኣምላኹ ድማ ከምቲ ዝበካዮ ይኹነልካ በሎ።

ከምኡ ድማ ፍሎጶስ “ገዳመይ ብሓዊ ከይትነድድ ሓልዋ፡ ኣብ ገዳመይ ሕማም ተላጋብ ከይ መጽእ ሓልዋ”ክብል ሓተተ።እግዚኣብሔር ከኣ ከምቲ ዝበልካዮ ይኹነልካ በሎ።ቀጺሉ ፍሊጶስ ብዛዕባ ትምህርተይ ንዝኣምኑ እንታይ ትብል፧በሎ።ኣምላኹ ድማ ምሕረት ኣቦይ ትርከቦም በሎ።

“ቆቡዔይ ንዝለበሱ ኸ እንታይ ኢኻ ትህቦም ፧ገዳመይ ንዝሓለዉኸ እንታይ ኢኻ ትህቦም፧” ኣምላኹ ድማ “ዝባላዕ ሓዊ ኣይቀርቦምን ኢዩ።መንበሪኦም ግና ከም ግብሮም ኢዩ”በሎ።ካልኣይ’ውን “እንጌራ ብምሃብ፡ ክዳን ብምኽድን ብሓጎስ ኮይኖም ንድኻታት ዘብልዑን ዘስትዩን፡ተስካረይ ንዝገበረኸ እንታይ ትህቦ፧ ” በሎ። ኣምላኹ ከኣ “ንሱስ ኣብ ሃገርካ ምሳኻ ይወርስ”በሎ። ብድሕሪዚ መድኃኔኣለም ቃል ኪዳን ምስ ሃቦ ሎሚ እዞም ማኅበረ በኲር ዝበሃሉ ሕጎም ንኽቅበሉኻ ቀልጢፍካ ቤትካ ኣዳሉ ኢድካ እውን ኣብ ልዕሊ ርእሲ ወድኻ ዮሓንስ ኣንቢርካ ባርኮ በሎ።ሙሴ ንኢያሱ ከም ዝባረኾን ኤልያስ ድማ ንኤልሳዕ ዕጽፍን ድርብን ካብ በረኸቱ ከም ዘሕደረሉን ባረኾ።ሽዑ ሰማዕት ፍሊጶስ ተሓጎሰ ንደቁ ድማ ከምዚ በሎም ‘’ሎሚ ማኅበር እግዚአብሔር ነፍሲ ኣቦኹም ካባኹም ፈልዮም ንኽወስድዋ እና ተጸበይዋ እዮም ኣቐዲመ’ውን ነጊረኩም ነይረ።ሕጂ ድማ ኣምላኸይ ከም ዝኣዘዘኒ ንኣቦኹም ንዮሓንስ ተኣዘዝዎ ንዮሓንስ ዝትኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዝተኣዘዞ ኢዩ።ንዮሓንስ ዘይተኣዘዞ ንመንፈስ ቅዱስ ከም ዘይተኣዘዞ ኢዩ’’ በሎም።ከምዚ እና በሎም ከኣ ኣዒንቱ ንሰማይ ክጥምታ ከለዋ ነሓሰ ዕለት ፭ /5 ነፍሱ ካብ ስጋኡ ተፈልያወጸት። መድሃኔዓለም ድማ ብኢዱ ተቐበላ ብምኡዝመለኮቱ ኣምጺኡ ድማካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ይሕልዎ ንዝነበረ ንገብርኤል ሃቦ።ገብርኤል ድማ ካብ ኣምላኹ ተቐቢሉ ምስቶም ማኅሌታውያን እና ዘመሩ ናብ ሰማያት ኣዕረግዋ።ኣብኡ ድማ በዓልወዲ እሰይ ዳዊት ሃሌ ሉያ ብዙሕ ዘመን ዝነብር፡ንዝዓለመ ዓለም ዝነብር ሂብካዮ እና በሉ ኣብኡ በጽሑ።መዘከርታ ጻድቕ ንዘላኣለም ይነብር ሃሌ ሉያ።

ጻድቃን ብእግዚአብሔር ይሕጎሱ ሃሌ ሉያ ንቅኑዓት ክብሪ ይግብኦም ሃሌ ሉያ።ጻድቕ ግን ከም ጽሕዲ ከበሳ ይበዝሕ ሃሌ ሉያ።ኣብ ቤት እግዚኣብሔር ዝተተኽሉ ኢዮም ሃሌ ሉያ ኣብቲ ናይ ኣምላኽና ቦታ ይፈርዩ ሃሌ ሉያ ኣብኡ ድማ ይዓርፉ። እዚን ከምዝን ዝኣመሰለ ማሕበረ እግዚአብሔር እና ዘመሩ ንነፍሲ ፍሊጶስ ሰማዕት ንሰማይ ኣዕረግዋ። ኣብቲ ሓጎስ ዝመልኦ፡ዝለምለመ ቦታ ዕረፍትን፡ሞት ዘይብሉ ቦታንኣእተውዎ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ኣቡነ ፍሊጶስ ምስ ኩላትና ይኹን።ኣሜን።

ስለ ኣቡነ ፊሊጶስ ካብ ዝተነግረ

ብመን ክንምስሎ ምስ መንከ ክነመዓራርዮ ኢና መስዋዕቱ ብዝሠመረሉ ብኣቤል ወይሲ መመላለሲ ብርሃናት ብዝረኣተ ብሄኖክ ክንምስሎ።እግዚአብሔር ካብ ብዘውርዶ መዓት ብዝደሓነ ብኖኅዶ ክንምስሎ ወይስ ምእንቲ ክህነቱ ዕሽር ብዝተቐበለ ብመልከ ጼዴቅ ክንምስሎ።ካልኣይ ንልዑል ኣምላኽ ብምምላኽ ብዝተደንቀ ብኣብርሃምዶ ወይስ መሥዋእቲ ተባሂሉ ብዝተጸውዐብይስሃቅ ክንምስሎ። ወይሲ ዕድል ርስቲ እግዚአብሔር ብዝኾነ ያዕቆብ ክንምስሎ ወይሲ ሕጊ ኦሪት ብዝሰርዐ ብሙሴ።ካልኣይ ድማ ብመጠምጠሚኡ ባሕሪ ዮርዳኖስ ብዝኸፈለ ብኢያሱዶ ክንምስሎ ወይስ ብትዕግስቱ ንኢዮብ ንበሎ ወይሲ ኣብ ቤት እግዚአብሔር ብዝዓበየ ብሳሙኤል ክንምስሎ።

ገርሂ ብዝኾነ ብዳዊትዶ ክንምስሎ ወይሲ ትንቢት ብምንጋሩ ብነብያት ክንምስሎ።ከም ናይ ሃይማኖት መሠረት ብዝኾነ ከም ጴጥሮስ ወይሲ ልሳነ ዕፍረት ብዝተባህለ ከም ጳውሎስ ንስመዮ።ወይሲ ከም ነባቤ መለኮት ዮሓንስ ድንግል ኢልና ንጸውዓዮ።እዚ ኩሉ ምስላን ምስጋናን ናይ ሊቅ ፍሊጶስ ስብሓታትን ቅዳሴን ኢዩ።ኣገልጋሊ ንሥላሴ ኣብ ናሕሲ ኤልሴ ዝተተኽለ ዕንጸይቲ ኦም ኣንሴ ሕማም ዝልጋሴ ዘጥፍእ ናይ ዘዌ ጨንፈር ናይ ምራቓዊ ውሕጅ ሕማም ማያት ዝፍውስ እምኒ መድሃኒት እምኒ ባህርይን እምኒ ኣፍጽን እምኒ በረድ ኣብ ሰማይ ዝተሓንጸ እምኒ በረዶንክስን ሓምላይ ዕንቊ ሰርዶክስን ሉል ሶፎር መረግድ ዝተመስገነ ክርስትራክስ ናይ መዓዛ መዓዛ ናይ ከርቤ ናይ ቀንዓት ናይ ስኂን ናይ ሰሊሖት ኣምበር ናይ ዓውል መዓዛ ፍሊጶስ ኢዩ። ደቂ ሰባት በቲ መዓዛኡ ዝቕብኡ ጥዑም መዓዛ ኢዩ።ናይ ንጉሥ ሰሎሞን ናይ ንግስናኡ ኢድ መንስኢ ዝግበር መርከብ ፍሊጶስ ኢዩ ንተርሴስ ብዝኸይድ ኣብ ርሑቕ ባሕሪ ዝሕምብስ ብዝግታ ብሰላትያል ንፋስ ዝኽብክብ መራሒኣ ኢየሱስ ክርስቶስ ክኸውን ከሎ እቶም ጀለብቲ ጴጥሮስን ጳውሎስን እዮም።ፍርኣ ወይንን ሮማንን ዝኾኑ ፍሊጶስ ገነት እዩ መዓዛታቱ ድማ ናርዶስን ኣስጳዳቶስን እዮም። ፍረ ወይንን ሮማንን ጨና ጥዑም ምዑዝ ዕፍርታት ናይ ገነት ማይ ካብ ከበሳ ናይ ሕይወት ማይ ዔላ እዩ።

(መስከረም ፭ ዝንበብ)

ሕጽር ብዝበለ ድኣ ነዚ ጽሑፍ እዚ ኣቕሪብና እምበር ናይ ቅዱሳን ኣቦታትና ታሪክ ይጅመር እምበር ኣይውዳእን እዩ።ክብሪ ንእግዚአብሔር ይኹን ናይ ሃይማኖት ቀናኣት ዝኾኑ ናይ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ሊቃውንቲ ገድሊ አቡነ ፍሊጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ካልኦት ኣቦታትን ኣዳልዮምልና ስለ ዘለዉ ብዝዓሞቐን ብዝሰፍሐን ኣብኡ ንነብቦ።

እምበር ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፍሊጶስ (ፋድል) ብቅድስንኦም ንባሕሪ ዘንደዱ ኣብ ቅድሚ ከሰስቶም ተዓዊቶም ሃይማኖት ተዋህዶ ዘጽንዑ ብፍላይ ከኣ ስለ ቀዳመይቲ ሰንበት ዝተገብረ ክርክር ምስ ግብጻውያን ብትሪ ተቛዊሞም ንሕጊ ኣምላኽ ዘጽንዑ ቅዱስ ኣቦ ኢዮም። ቅዱስ ኣቦና ኣቡነ ፍሊጶስ ናብ መምህር ቀሪቦም ፊደል ከይተማህሩ እግዚአብሔር ስለዝገለጸሎም ፊደላትን ምሥጢራትን ክፈልቱ ስለዝኸኣሉ ፋድል ተባሂሎም ተጸውዑ።እዚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ኢዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረቱን በረከቱን የብዝሓልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት። ናይ አቡነ ፊሊጲስ  በረከቶምን ረዲኤቶምን ኣይፈለየና።

ጸሎቶም በረኸቶም ምስ ኩላትና ደቆም ይኹን ኣሜን።

ምንጪ ፥(ገድለ ኣበው ቅዱሳን ዘደብረቢዘን ብግዕዝን ትግርኛን)

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.