"አንቲ ውእቱ መሶበ ወርቅ ንጹሕ እንተ ውስቴታ መና ኅቡእ፡ ኅብስት ዘወረደ እምሰማያት ወሀቤ ሕይወት ለኵሉ ዓለም"

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

"አንቲ ውእቱ መሶበ ወርቅ ንጹሕ እንተ ውስቴታ መና ኅቡእ፡ ኅብስት ዘወረደ እምሰማያት ወሀቤ ሕይወት ለኵሉ ዓለም"
"ዝተሰወረ መና ዘለኪ ንጹሕ መሶብ ወርቅ ንስኺ ኢኺ። መና ውን ካብ ሰማይ ዝወረደን ንዓለም ዅሉ ሕይወት ዝዕድልን ሕብስቲ ኢዩ።"

                                                                                                                               ውዳሴ ማርያም ዘሰንበት

ዝኾነ ስንቂ መትሓዚ የድልዮ እዩ፡ ናይ ሕይወት ሕብስቲ ሓቀኛ መና ዝቕመጦ ከኣ መሶብ ወርቅ። መሶብ መትሓዚ ክኸውን ከሎ ወርቂ ዝብል ቃል ከኣ ክቡር ፣ ንጹሕ ፣ ጽሩይ ዝብሉ ቃላት ዝብል ትርጕም ይሕዝ። ወርቂ ተደላይን ተበሃግን እዩ። ንእኡ ንምርካብውን መሬት ፍሒርካ ጕድጓድ ኵዒትካ ካብ ሓመድ ንምፍላዩ ብዙኅ ጻዕሪ ይሓትት። ወርቂ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ማዕድናት ምስ ቀዳሞት ዝሥራዕ እዩ።


 ቅዱስ ኤፍሬም ንወላዲት ኣምላኽ ብወርቂ ሞሰብ ዝመሰላላ ንምንታይ እዩ፧ ሞሶብ መና ከምዝኅዝ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድማ ነቲ ካብ ሰማይ ዝወረደ ሕብስት ሕይወትና ጐይታ ኣብ ማኅጸና ስለዝፆረት እዩ። 'ንጹሕ ወርቂ' ዝበላ ድማ ብዘይ ኃጢኣት ብንጽሕና ብዘይ ዝኾነ ኣበር ስለዝፆረቶ ንንጽሕንኣ የመልክት። "ወትቀውም ንግሥት በየማንከ በአልባሰ ወርቅ ዑፅፍት ወኁብርት…… እታ ንግሥቲ ብወርቂ ኤፎር ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም" ከም ዝብል። [መዝ ፵፬ ፥፱/45፡9] ንጹሕ ባህሪ ንዝኾነ መና (ኢየሱስ ክርስቶስ) ንጽሕቲ መሶበ ወርቅ (ድንግል ማርያም) መኅደሪቱ ክትከውን በሃገ። መና ኣብ ዘለዎ መሶብ ወርቅ ከምዘሎ ክርስቶስ ኣብ ዘለዎ ድማ ወላዲቱ ተፈልያ ኣይትፈልጥን ነበረት። ወላዲቱ ኣብ ዅሉ ብዘይምፍላይ ምስኡ ነበረት። ካብ ልደት ክሳዕ ስቕለት መከራ እናተቐበለ፡ ዛሕልን ሙቖትን እናተጻወረት ክሳዕ ቀራንዮ ዝሰዓበቶ ወላዲት ኣምላኽ፣ ሕጂ ከኣ ንሕና ብዘይምንጻል ወንጌሉ ኣብ ዝተሰብኮ ተኣምራ ይንገር። ስሙ ኣብ ዝተጸውዓሉ ስም ወላዲቱ እናኣስዓበት ቤተክርስትያን፤ ንመና ኣብ ትዝክረሉ መሶብ ወርቅ ከይተላዕለ ኣይተርፍን፡ አቡነ ዘበሰማያት ኣብ ዝተደግሞ በሰላም ቅዱስ ገብርኤል መልአክ ይስዕብ። ነዚ ኢና ኣብ መልክዐ ቍርባን ከምዚ ንብል "ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ እንዘ ኢትፈልጡ እሙ፣ ንእግዚኣብሔር ኣመስግኑ ስሙ’ውን ጸውዑ፥ ስም ወላዲቱ ከኣ ኣይትፍለዩ)። ክርስቶስ ኣብ ዝተሰብኮ ንጽሕት ወርቅ ዝተሰምየ ስም ወላዲቱ ክጽዋዕ ዓቕሎም ዝጸቦም ከም ዘለዉ ዝተፈልጠ እዩ፡ እምበኣር ከምዚኦም ሰባት ባእሶም ምስ ምስቲ ቅዱስ ቃሉ እዩ።

"ማርያም ድማ ሓደ ፍርቂ ኣበስንቲ ዝኸውን ዝዋግኡ ቅዱይ ቅብኢ ጽሩይ ናርዶስ ወሲዳ፡ ብእኡ ገይራ ኣእጋር ኢየሱስ ቀብአት፤ እዚ ብምግባራ ካብ ኃጥያት ናብ ክርስቶስ ዝተመልሰት ብዓልቲ መግደላ ማርያም እንተዕፍረት ኃጥያታ ጥራይ ኣይኮነን ዝተኃድገላ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዓቢ መጐስ ረኺባ ኢያ’ሞ እታ ቅድሚ ገለ ሰዓታት ብኻልእ እትፍለጥ ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ታሪኻ ብምልኣት ቀይሩ ከምዚ ክብል ቃል ኣተወላ፤ “እዚ ወንጌል እዚ ኣብ ዝተሰብኮ ዘበለ ኣብ ኵሉ ዓለም እዚ ንሳ ዝገበረቶ ንመዘከሪኣ ከም ዝንገር ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ።” [ማቴ ፳፮፡፲፫ / 26፡13] ማርያም በዓልቲ ሽቱ ክንድዚ ዝኣክል ክብሪ ወንጌል ኣብ ዝስበኾ፤ ታሪኻ ዝንገረሉ፡ ገድላ ዝንበበሉ ምምላሳ ንዓለም ትምህርቲ ዝኾነሉ ካብ ኮነ፤ ወላዲት ሕይወት ትምክሕቲ ኵልና፡ ናይ ኤልያስ ደመና፡ ወላዲት ኣምላኽ ደኣ ከመይ ተኣምራ ኣብ ወንጌሉ ዝተነበቦ ዘይንበብ፧! ከመይ ስም እግዚአብሔር ኣብ ዝተጸውዓሉ ስማ ዘይጽዋዕ፧! ከመይ መእሰሪት ዅሉ ጸሎትና ዝኾነት አቡነ ዘበሰማያት ኣብ ዝተደግሞ ኵሉ በሰላመ ቅዱስ ገብርኤል እንዳተደግመ ሓቡሩ ዝይድገም ። ይድገም እምበር።

ኣቦታትና ውዳሴኣን ቅዳሴኣን መልክዓ መልክዕን ዝጸሓፉ ዕቤታ ምስ ንጽሕንኣን ድንግልንኣን ዝነገሩ ብዘደንቕ ቃላት ኢዮም ብኽብሪ ወዲሶማ ፡ ናይ ድንግል ማርያም ክብሪ ካብ ናይ ኵሎም ቅዱሳን ይዓዝዝ ከመይሲ ንሳ ንናይ እግዚአብሔር አብ [እግዚአብሔር ኣቦ] ቃል ክትቅበል ድልውቲ ኴይና ተረኺባ ኢያ እሞ “ኦ ድንግል፤ ትንቢት ነብያትን ምሳሌን፡ ሞገስ ሓዋርያትን፣ ንስኺ ኢኺ። ንሰማዕታት ኣዲኦም፣ ንመላእኽቲ ኃፍቶም፡ ለይትን መዓልትን ኣብ ኣፍ ደጌኣ ንዚነቕሑ ደናግልን መነኰሳትን ወራዙትን መመኪሒቶም ንስኺ ኢኺ።" ኣባ ሕርያቆስ ቅዳሴ ማርያም

“ነቲ ኣነ ሓዋርያኡ ንዝኾንኩ ጐይታ ኣዲኡ ማርያም ደስ ይበልኪ፥ ድኅሪ ምውላዱ ማኅተም ድንግልናኺ ብዘይምልዋጥ ንዝዓቀቦ ኣማኑኤል ኣዲኡ፤ ማርያም ደስ ይበልኪ፡ ኦ ናይ ማኅጸንኪ መሠረት ከይተናወጸ ንኣምላኽ ዝወለድኪ ማርያም ሰላምታ ይግብኣኪ” ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ መጽሓፍ ሃይማኖተ ኣበው

“ሰላም ለዝክረ ስምኪ ዘመንክር ጣዕሙ፤
ለወልድኪኣምሳለ ደሙ፤
መሠረተ ሕይወት ማርያም ወጥንተ መድኃኒት ዘእምቀዲሙ፤
ኪያኪ ሠናይትየ ዘፈጠረ ለቤዛ ዓለሙ፤
እግዚአብሔር ይትባረክ ወይትአኰት ስሙ።”

“ጽሒፈ ውዳሴኪ እምኢኃልቀ ሶበ ኮነ ጥቀ ዝናመ ክረምት ቀለመ ወሰማይ ረቀ፤ ስማ ምጽጋብ ምስ ሰኣንዎ ጽሒፎም’ውን መወዳእትኡ ምብጻሕ ምስ ሰኣንዎ” እናበሉ ኢዮም ብኣድናቖት ኃሊፎም። እሞ ኣብዚ ወለዶ እዚ ደኣ ኣየናይ ኢዩ ንዘመናት እናተዘከረ ዝቕጽል ውዳሴ ጽሒፉ፧ ሓድሽ ድርሰት ደሪሱ፧ ነቲ ኣቦታት ዘጽንሕዎ ንውሉድ ወለዶ’ውን መወደሲ መቐደሲ ዝኸውን ቅዳሴን ውዳሴን ምስጋናን እኳ ክደግም ኣይተከኣለን። ሎሚ ውዳሴ ውዳሴ ነዊሑ ዝብል፡ ‘ስም ወላዲት ኣምላኽ ልዕሊ ስም ኣምላኽ እናጸዋዕኩም፤ ስም ኣምላኽ ተጥፍኡ ኣለኹም!” ዝብሉ ጣዕማ ዘየስተማቐሩ ብትዕቢት ዝተነፍሑ እዮም። ተኣምረ ማርያም ፣ ተኣምረ ቅዱሳን ክንበብ ዘይብህጉ ካብ ዝንበብውን ክተርፍ ዝድግፉ ናይ ዘመንና ሓደስቲ፣ ስም ኣምላኽ ኣብ ዝተጸውዖ ፍሬ ወንጌል ዝኾኑ ቅዱሳን ካብ ናይ ኣዋልድን ኣወዳትን ዝበልጽ ስም ተዋሂብዎም ንዘለዓለም ኣብኣ ስሞም ክጽዋዕ ሥፍራውን ዝተዋህቦም ቅዱሳን ስሞም ዅሉ ጊዜ ክጽዋዕ ተዝካሮም ክግበር ዘይደልዩ ብዙኃት ብናይ ጥርጥር መንፈስ ዝተለኽፉ መንገዶም ዝጠፍኦም ኣለዉ።
እንተ ንሕማ ስማ ጸዊዕና ንረኽቦ በረከት ስልእንፈልጦ ። ነቶም ኣሰረ ፍኖተ ዚተፍኦም ናብ ልቦም ክምለሱ ኢና ንመኽሮም። ንሕና ድማ ስማ እንዳጸውዓን ከኣ ክንነብር ኢና፣ ፈጺምና’ውን ካብ ምጽዋዕ ኣይነቃርጽን ኢና።

ከምቲ መና ኣብ ዘለዎ መትሓዝ መና መሶበ ወርቅ ዘይፍለዮ፣ ከምቲ እቲ መና ንጹሕ መትሓዚኡ’ውን ንጹሕ ዝኾነ፤ ንጽሕና እታ ፱[9] ወርኅን ኃሙሽተ መዓልትን ኣብ ማኅጸና ዝፆረቶ። ን፫ተ ዓመትን ፮ተ ወርኅን [ን3ተ ዓመትን 6ተ ወርኅን] ኣብ ስደት ኣብ ሃሩር ኣብ ቁሪ ምስ ጥሜት ጽምኢ ዝሓዘለቶ ንጽሕንኣ ንምስክር፤ እወ ከምቲ መሰብ ወርቅ ንጹሕ ዝኾነ ወላዲት ኣምላኽውን ኣበር ዘይብላ ንጽሕቲ ሕፍቲ ዘይብላ ኢያ። ብዙኃት ነቲ መና ጥራይ ዝደለዩ፡ ነገር ግን መሰብ ወርቅ ዝንዕቁ ዝተንሥኡ ኣጽራር መሶብ ወርቅ ምህላዎም ዝተፈልጠ ኢዩ። ስም ወላዲት ኣምላኽ ክጽዋዕ ዝብህርሩ፣ ስም ድንግል ማርያም ድኅሪ ናይ እግዚኣብሔር ስም ብምጽውዑ ጸላዕላዕ ዝብሎም፡ መሶበ ወርቅ ብምጽዋዕና መና ዘጥፋእና ዝመስሎም ኣጽራረ መሰበ ወርቅ ዝኾኑ ከምዚ ንብሎም ። ስመ ቅድስት ማርያም ወላዲት ኣምላክ ዝጽውዕ ከም ኢልሳቤጥ መንፈስ ቅዱስ ዝገለጸሉ ጥራሕ እዩ። እዚ ከኣ ትዕድልቲ እዩ። ብምጽዋዕና ከኣ እዚ ትዕድልቲ ስለ ዝረኸብና እዩ።

ኣብ ስደትና ተስፋ ከይንቘርጽ ናብ ስደትና ኂዝናያ ዝመጻና ስንቂ ወላዲት ኣምላኽ ኢያ። ነዚ ኢዩ ደራሲ መልክዐ ማርያም፦"እመ ነገደ ርሑቀ ወሆረ ዕራቁ ፡ ኢያህዝኖ ስቃይ እስመ አንቲ ስንቁ፤ ርሑቕ እንተ ኸደ ዕርቓኑ’ውን እንተተሰደ፡ ንስኺ ስንቁ ኢኺ’ሞ ኣይሓዝንን ኢዩ።" እናበለ ዘመስገና፡ ንሕና’ውን ኣብ ዝተሸገርናሉን ዝተጨነቕናሉን ኣብ ዝሰኣንናሉን ዝደኸምናሉን ተስፋ ዝቘረጽናሉን ስንቅና ድንግል ማርያም ኂዝና ኣይኃፈርናን።

ኤልያስ ብጕዕዞ ኣብ ዝደኸመሉ ሞት ተመንዩ ንእግዚአብሔር ከምዚ በሎ፡ “ኣነስ ካብ ኣቦታተይ ኣይበልጽን ኢየ'ሞ ሕጂ ውሰደኒ ነፍሰይ ውሰዳ።” ኢሉ ሞት ተመነየ። ኣብ ሓንቲ ኪልዓው ከኣ በጥ ኢሉ ደቀሰ። እንሆ ድማ መልኣኽ እግዚአብሔር ‘ተንሥእ እሞ ብላዕ’ በሎ። ቝሊሕ እንተበለ ድማ ዝተሰንከተ እንጌራን ሳርማ ማይን ኣብ ትርኣሱ ነበረ። ሕጂውን በልዐን ሰተየን እሞ መሊሱ ደቀሰ። እቲ መልኣኽ እግዚኣብሔር ግን መሊሱ ካልኣይ ጊዜ ነቕኒቑ “ነዊሕ መንገዲ ኣለካ እሞ፤ ተንሥእ ብላዕ” በሎ። ንሱ’ውን ተንሢኡ ሰተየን በልዐን እሞ ብኃይሊ እቲ መግቢ ሆሬብ ከረን እግዚአብሔር ፵ መዓልትን ፵ ለይትን [40 መዓልትን 40 ለይትን] ከደ። ፩ይ ነገ ፲፱ ፥፩-፰/ 1ይ ነገ. 19፡8
ነብይ ኤልያስ ተስፋ ቘሪጹ ንሞት ኣብ ዝተመነየሉ መልኣኽ እግዚአብሔር ተላእከሉ። እንጌራ ብመሶብ ማይ ብሳርማ ገይሩ ቐረበሉ። በቲ ካልኣይ ብልዒ ንኣርበዓ መዓልትን ለይትን ተጓዒዙ ሆሬብ በጽሐ። እዛ ቦታ እዚኣ እግዚአብሔር ብሃልሃልታ ሓዊ ተመሲሉ ንኣቦና ሊቀ ነብያት ዝተገልጸሉ ቅዱስ እምባ ኢዩ። ነብይ ኤልያስ ካልኣይ ብዝበልዖ ብልዒ ክሳዕ ከረን ከምዝተጓዕዘ ወድ ሰብ’ውን በቲ ካልኣይ ኣዳም ዝተሰምየ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህቦ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ክሳዕ ከተማ እግዚአብሔር ከረን ጽዮን መንግሥተ ሰማያት ይጐዓዝ።

ንኣካላዊ ቃል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ፱ተ ወርን ፭ተ መዓልትን ኣብ ማኅጸና ዝፆረቶ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ማኅጸና ከተምኡ ተባሂሉ ኢዩ’ሞ ‘ከተማ እግዚአብሔር ኢያ። እምበኣር በቲ ንጹሕ መሶብ ንኤልያስ መና ከምዝመጾ ንኣና’ውን በታ ንጽሕተ ንጹሓን ቅድስተ ቅዱሳን ሕብስት ሕይወት መጺኣትልና ኢያ’ሞ ነቲ ሓቀኛ መና ንምጻርን ንምምፃእን ሕፍቲ ዘይብላ ኮይና ተረኺባ ኢያ’ሞ ከምዚ እናበልና ንወድሳ፥
"ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወናዐብየኪ ኵልነ፤ እስመ ወልድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወስቴ ሕይወት ዘበአማን፤ ….. ኦ ድንግል ኣማናዊ ብልዒ ሓቅን፤ ኣማናዊ መስተ ሕይወትን ስለ ዝወለድክልና ምእንቲ እዚ ነፍቕረክን ነዕብየክን ኣሎና።” ኣባ ሕርያቆስ ቅዳሴ ማርያም

ንሕናውን ኣብ ስደትና ዝተማላእናያ ናይ ሕይወትና ስንቂ ኣብ ተስፋ ዝቘረጽናሉ ከምቲ ንኣዳም “አንቲ ውእቱ ተስፋሁ ለአዳም አመ ይሰደድ እምገነት…...ኣዳም ካብ ገነት ክስደድ ከሎ ተስፋኡ ዝነበርኪ ንስኺ ኢኺ።” ዝተባህለት ንኣና’ውን በረኸትና ካብኣ እዩ ዝፍልፍል እሞ፤ ብናይ ዓለም ኃጥያት ተዋሒጥና ተስፋ መንግሥተ ዘይብልና ከይንኸውን ካብ ቅዱስ ስፍራኡ ኣርሒቕና ከይንስደድ ተስፋ ኩንና ንበላ። ንእኣ መሶበ ወርቅ እንተኂዝና ናብኡ ማለት ካብ ሥግኣ ሥጋ፤ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ዝተወሓሓደ ምእንቲ ድኅነት ዓለም ኣብ ቀራንዮ ተሰቒሉ ክቡር ደሙን ቅዱስ ሥጋኡን ዝሃበና ናብዚ ማኅተም ክንበጽሕ ኣይክሽግረናን ኢዩ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር በረከታን ረዲኤታን ናይ ኣዲኡ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም የብዝሓልና። ጣዕማ ፍቕራ ይብዝሓልና።

ዲያቆን ይከኣሎ ገብረእግዚኣብሔር
ጥቅምቲ 4 2012 ዓ.ም.
14 ጥቅምቲ 2016 ፈረንጂ

ስብሐት ለእግዚአብሔር፤ ወለወላዲቱ ድንግል፤ወለመስቀሉ ክቡር።

ዲያቆን ማትያስ

 

Comments are closed.