አባ ጳኩሚስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

መጽሓፈ ስንክሳር ኣብ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ዘስፈሮ ታሪኽ ሊጰ ጳጳሳት ኣትናቴዎስ ኣብ ላዕላይ ግብጺ ኣብ ዝደየበሉ እዋን ነዚ ቅዱስ ኣቦ ቅስና ክሽሞ ከምዝደለየ ይነግረና። አባ ጳኩሚስ ግና ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክህቦ ንዝሓሰቦ ሥልጣነ ክህነት ስለዘይደለየ ሃደመ። ኣብቲ እዋን መህደሚኡ ዝተረደኣሉ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ንናይ አባ ጳኩሚስ ናይ መንፈስ ደቁ  “ ኦ ዘይናወጽ ገዛ ዝሰራሕካ ካብ ውዳሴ ከንቱ ዝረሓቕካ ንስኻ ብጹእ ኢኻ። ድቅኻ'ውን ብጽኣን እዮም።” ኢልካ ኣሎ በልዎ ኢልዎም።

አባ ጳኩሚስ  ኣብ ከባቢ 290 ዓ.ም ኣብ ላዕላይ ግብጺ ካብ ዝነብሩ ኣምለኽቲ ጣኦት ዝተወለድ ኣቦ እዩ። ገና ህጻን ከሎ ነቲ ኣምልኾ ጣኦት ፍጹም ኣይፈትዎን ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዘመን ህጻንነቱ  ወለዱ ናብ ዘምልኹሉ ጣኦት ሒዞሞ ከዱ። ኣብኡ ምስ በጽሑ እቲ ኣገልጋሊ ጣኦት ግን ምስ ረኣዮ ብስንባደ ገጹ ተለዋወጠ፣ ዝገብሮ ጠፊእዎ ኣመና ኣእወየ፣ ኣውያቱ ብቀሊል ዝሃድእ ኣይነበረን ብሕርቃን ረሲኑ ናብቲ ቆልዓ እንዳሓበረ “ እዚ ቆልዓ ኣውጽእዎ ካብዚ ከባቢ ኣውጽእዎ እዚ ቆልዓ ናይ ጸላኢ ኣማልኽትና ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ።” ብምባል ኣእወየ ኣባ ጳኪሚስ ገና ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ጽልኣት ጣኦት ኣሕደረ።

 ኣባ ጳኩሚስ ተጠሚቁ ክርስቲያን ቅድሚ ምኻúኑ ብድንግልና ነቢሩ ንእግዚአብሔር ባህ ዘብል ስራሕ ንምስራሕ ይናፍቕ ኔሩ። ሓደ መዓልቲ ኣቦኡ ኣብ ሕርሻኦም ዝሰርሑ ሸቃሎ መግቢ ክወስደሎም ኣዘዞ። ነዚ መግቢ ሒዙ ኣብ መገዲ እንዳኸደ ከሎ ኣጋንንቲ ፈረስ መሲሎም ክቀትልዎ ምስ ፈተኑ ዓይኑ ንሰማይ ኣቕኒዑ በኸየ። እቶም ኣጋንንቲ ሃንደበት ካብኡ ተሠወሩ። ኣብቲ ቦታ ሕርሻ ምስ በጽሐ እዋኑ ስለ ዝመሰየ ኣብኡ ክሓድር ግድን ኮኖ'ሞ። ምልክዕቲ ዝኾነት ጓል እቲ ሸቃላይ ምስኡ ክትሓድር ሓተተቶ፣ ንሱ ግና “ ኣነ ነዚ ሓጥያት እዚ ኣይገብሮን እየ ምስ ሓፍተይ’ውን ኣይድቅስን እየ።” ብምባል ኣበያ።

ተጠሚቁ ክርስቲያን ቅድሚ ምኻúኑ ብውትህድርና የገልግል ኔሩ። ሓደ እዋን ናብ ሓደ ቦታ ክንቀሳቀስ ተኣዚዙ ይኸይድ እሞ፣ ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት ክርስቲያን ስለዝነበሩ ዝብላዕን ዝስተን የምጽእሎም። ኩሉ ዝጸገሞም ከኣ ይሕግዙዎም ኔሮም። አባ ጳኩሚስ ብተግባር እዞም ሰባት ተሓጊሱ “ እዚኦም ከምዚ ዓይነት ሠናይ ዝገብሩልና ሰባት እንታይ እዮም።” ክብል ሓተተ። << እዚኦም ክርስቲያን እዮም። ክርስቲያን ንኣጋይሽ ንዝኾነ ሰብ ንጸላእቶም ከይተረፈ ርህሩሃትን ለጋሳትን እዮም።>> በልዎ። እዚ ምስ ሰምዐ ልቡ ብሓጎስ ብፈሪሃ እግዚአብሔር ተመልአ። ካብቲ መዓስከር ብምውጻእ ብሕት ኢሉ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርጊሑ << ኦ እግዚአብሔር ፈጣሪ ሰማይን ምድርን ካብዚ ዘለኽዎ ስቃይን ኩነታትን እንተተውጽኣኒ ብቅንዕና ንዓኻ ብምፍራሕን ንኹሉ ሰብ ብምፍታውን ከገልግለካ እየ።>> ኢሉ ጸለየ። ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር’ውን ጸሎቱ ሰሚዑ ዝለመኖ ኩሉ ሃቦ። ካብ ኣገልግሎት ውትህድርና ምስ ተመልሰ ሽዑ ተጠመቐ።

ልቡ ብፍቕሪ እግዚአብሔር ስለዝተቃጸለ፣ ካብዚ ዝተላዕለ ከኣ ኣብ ሓደ ቦታ ተወሲኑ ነፍሲ ወከፍ ሰዓትን ዕለትን ናብ እግዚአብሔር ንጸሎትን ምስጋናን ከውዕላ ይደሊ ነበረ።  ግና ንኣስታት ሰለስተ ዓመት ንጽጉማት እንዳረድአን ንዝሓዘኑ እንዳጻናንዐን ካብ ቦታ ናብ ቦታ እንዳተዘዋወረ ጸንሐ። ብድሕሪ’ዚ አባ ጰለሞን ናብ ዝበሃል ባሕታዊ ከይዱ ምስኡ እንዳነበረ ሥርዓተ ብሕትውና በተግባር ተማህረ። አባ ጳኩሚስ በዚ ናይ ብሕትውና  ናብርኡ ሕጉስ እካú እንተነበረ ብዙሓት ክርስቲያን ነዚ ሂወት እንዳናፈቁ ክረኽብዎ ስለዘይከኣሉ ይሓዝኑ ኔሮም። እዚ ሓሳብ ከኣ ካብ ሕልንኡ ኣይጠፍአን።

 ሓደ መዓልቲ ዕንጨይቲ ክኣሪ ናብ ጫካ ከይዱ ከሎ መልኣኽ እግዚአብሔር ተገሊጹ፣ ከም ኣቦታትካ ሓዋርያት ማሕበር ሓድነት ንምሥራሕ፣ ንመነኮሳት ክእክብ ኣዘዞ። ብዙሓት ኣመንቲ እንዳናፈቅዎ ክረኽብዎ ዘይከኣሉ ገዳማዊ ሂወት ምእንቲ ክረኽቡ ገዳም ንምምስራት ዘኽእሎን ዘመሓድረሉን ኣብ ልዕሊ ኣስራዚ ዝተቀረጸ ሕጊ ሂብዎ። አባ ጳኩሚስ ከኣ ብመሠረት እቲ ካብ መልኣኽ ዝተዋህቦ ሕጊ ዝመሓደር ገዳም ኣቆመ። ቀስ ብቀስ ብዙሓት መናንያን ናብኡ ክመጹ ጀመሩ። ብኸምዚ ብዙሓት ሰባት  ኣኪቡ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ገዳማት ሰርሓሎም። ንኹሎም ብኢዶም ሰሪሖም ካብ ዝረኽብዎ ብመግቢ ብሓደ ክኾኑ፣ ኣብ ግዜ ጸሎት ኣብ ግዜ መኣዲ ክገብርዎ ዝግባእ ሥርዓት ገበረሎም። ንሱ ኣበምኔት ኮይኑ ኣብ ትሕቲኡ ዝመሓደሩ ገዳማት ነፍሲ ወከፎም ኣበምኔት ሸመሎም።

እተን ገዳማት ኣብ ሃገር ግብጺ ኣስዋን፣ ኣክሚም፣ ተናዱስ ክሳብ ዝባን ግብጺ መወዳእታ ካብ ደቡብ ክሳብ ባሕሪ’ውን ዝተመሳቀለ መገዲ ዘለዋ ሃገራት ይርከቡ። አባ ጳኩሚስ ንኩሎም ገዳማት በብእዋኑ እንዳኸደ ይርእዮምን ኣገልግሎቶም ይከታተል ኔሩ። 

ኣባ ጳኪሚስ ኣዝዩ ዝኸበረን ኣብ ኣገልግሎት ዝሰምረሎም ኣቦ እዮም ኔሮም ። ንማኅበር መንኮሳት ብቀረባ እንዳተኸታተለ ይመክር ፣ ንዝደኸሙ የበራትዕዎም፣ ንዝምህርዎም ነገር ብቃል  ዘይኮነ ብተግባር ቅድም ባዕሎም እንዳገበሩ ብተግባር የርእይዎም። በዚ ከኣ ደቂ መዛሙርቶም ብትግሃቶም ኣገልግሎቶም ተማሪኾም። “ ንሕናስ እግዚአብሔር ንኹሎም ቅዱሳን ካብ ማህጸን ኣዲኦም ቅዱሳን ጻድቃን ጌሩ ዝሰርሖም ይመስለና ኔሩ፣ ሕጂ ግና ልግስና እግዚአብሔር ዝበልጸ ብተግባር ኣቦና ሪእና። ጣኦት ካብ ዘምልኹ ቤተሰብ ተወሊዱ ከምዚ ብፈሪሃ እግዚአብሔር  ዝነብር ንእግዚአብሔር ዘስምር ኣቦ ሂቡና። ምስ ቅዱስ ኣቦና ኣባ ጳኪማስ ንነብር እንተሞተውን ምስኡ ንመውት ፣ ንሱ ብሓቂ ናብ እግዚአብሔር ክመርሓን እዩ። ” ብምባል ደቂ መዛሙርቱ መስኪሮም እዮም። ቅድስና ኣባ ጳኩሚስ ብማኅበር መስኮሳት ጥራይ ኣይኮነን ተመስኪርሉ ብኣፍ ጻላኢ’ውን ተመስኪርሉ እዩ።

ሓደ እዋን ኣባ ጳኩሚስ  ሓንቲ ሰበይቲ ብዙሓት ኣጋንንቲ ሰፊሮማ ደዌ ጸኒዓዋ ረኣየ። << ጎይታና መድኃኒየይ ኢየሱስ ክርስቶስ ባህሪ ሰብ ድኹም እዩ እሞ በጃኻ ናይዛ ሰበይቲ ደዌ ኣነ ክስከሞ ናባይ ግበሮ። >> በለ። ሽዑ ከም ንህቢ ሓደ ቆፎ ተገምጢሉ ናብ ካልእ ከምዝሰፍር ኣብታ ሰበይቲ ሓዲሮም ደዌ ኣጽኒዖምላ ዝነብሩ ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ ኣባ ጳኩሚስ ሰፈሩ። ኣባ ጳኪሚስ ከኣ ማቅ ተኸዲኖም ሓሞኺሽቲ ነስኒሶም ብጾምን ጸሎትን ኣሳቀይዎም። ኣጋንንቲ ብጾምን ብጸሎትን ዝተግህ ነፍሲ ስለዘይሰማምዖ ንኺድ ንውጻእ እንዳበሉ ኣእወዩ። ኣባ ጳኩሚስ’ውን ጋሻ ኣብ ዝኣተወሉ ቁሩብ ኣዕሪፉ እዩ'ሞ ዝኸይድ ቁሩብ ጽንሑ'ባ በልዎም። ንሕና ብጀኻ ካብ ገነት ካብ ዘውጻእናዮ ኣዳም ከምዚ ዝበለ ሰብ ኣይረኣናን ኢሎም ካብኦም ወጺኦም ከዱ።

ቅዱስ ጳኩሚስ ኩሉ ግዜ መድኃኔዓለም ክርስቶስ ንድኅነት ደቂ ሰብ ክብል ዝበጽሖ መከራ ኩሉ እቲ መከራ ምጽዋሩ ይዝክሩ ኔሮም።

ነዚ ናይ ዕለት ዓርቢ መከራኡ እንዳዘከረ ክሰግድ ከሎ ካብ ብዝሒ ስግደት ዝተላዕለ ካብ ነፍሱ እንዳወጸ ዝወርድ ወዝ ነቲ ዘለዎ ቦታ ኣጠልቀዮ። ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ከኣ ኣብ ዕለተ ዓርቢ ከምዝተሰቅለ ኮይኑ ተግለጸሉ ።   

ካብ ብቃል ብግብሪ ከምህር ዝፈቱ ዝነብረ ኣባ ጳኩሚስ  ሓደ እዋን መነኮሳት ናይቲ ገዳም እኽሊ እንዳኣከቡ ከለዉ ኣመና ሓመሙ። ንረድኦም ቴዎድሮስ ንእሸተይ ሰሌን (ምንጻፍ) ኣምጺኡ ከንጽፈሎም ሓተትዎ። ወዲ መዝሙሩ ቴዎድሮስ ግና ምቹእ ዝኾነ ምንጻፍ ኣምጺኡ ደራሪቡ ኣንጸፈሎም። ኣባ ጳኩሚስ ምቹእ ምንጻፍ ስለዝይደሊ ኣብዚ ኣይድቅስን እየ በሉ። ብድሕሪኡ’ውን ረድኦም ቴዎድሮስ ክልተ ፍረ ተምሪ ምስ ሃቦም ሕጅውን ኣይቅበልን እየ በሉ ንምንታይ ከምዘይቅበልዎ እንተሓተቶም << ኣነ ኣብ ዝጠዓመ ምንጻፍ ክድቅስ፣ ዝበልዖ ብዙሕ ፍረ ክቅበል፣ ካባይ ንላዕሊ ዝሓመመ ንዓይ ደሪብካ ዘንጸፍካለይ መንጸፍ ዘድልዮ መንኮስ እንተልዩ ክፈርደኒ  እዩ።>>  በልዎ። ኣብ እዋን ሕማሙ ጽቡቅ መረቕ ኣዳሊዮም ሃብዎም ንሶም ግና ክሳብ መቐረቱ ዝጠፍእ ማይ ገበርሉ። ኣቦና ንምንታይ ማይ ጌርክሙሉ እንተበልዎም፣ ዝመቐረ መግቢ ከይለምድ ኢለ እየ በልዎም።    

ካብ ኩሎም ዝያዳ ሕግን ሥርዓትን ናይቲ ገዳም የኽብሩ ኔሮም። ሓደ መዓልቲ ናብቲ ገዳም ኣጋይሽ መጹ። ኣርድእቶም ከኣ ኣብኦም ጽቡቅ ተኸዲኖም ነቶም ኣጋይሽ ምእንቲ ከዘራርብዎም ስለዝደለዩ ናይ ኣባ ጳኩሚስ ዝኣረገ ክዳውንቲ ብሓድሽ ቀይሮም ኣንበርሎም። ኣባ ጳኪሚስ እታ ናይ ቀደም ክዳኖም ደልዮም ምስ ሰኣንዋ ኣብ ቀረባ ንዝነበረ ረድኦም ቴዎድሮስ ከምጽኣሎም ሓተትዎ። ንሱ ከኣ ኣቦና ነቲ ዝኣረገ ገዲፍኩም ነዚ ሓድሽ ክዳን ተኸደኑ በሎም። ኣባ ጳኪሚስ ግና ነቲ ናይ ቀደሞም እንተዘይኮይኖም ነዚ ሓድሽ ከምዘይኽደኑ ሓበርዎ። ኣብቲ እዋን ቁሪ ስለዝነብረ ነብሶም ብዛሕሊ ኣንቀጥቀጠ። ረድኦም ቴዎድሮስ ኣብኡ ስለዝቆረሩ ተሰሚዕዎ በኸየ። እቲ ዝገርም ኣባ ጳኩሚስ ንረድኦም ሕራይ ዘይምባሎ ንእግዚአብሔር ዘምእዛዞም ምኻúኑ ሓሲቦም ብጣዕሚ ሓዘኑ። በዚ ከኣ ይቕረ ክብለሎም ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ብሓዘን ነበሩ። 

ካብ ማኅበር መንኮሳት ሓደ’ካú ብመንፈሳዊ ሕይወት ደኺሙ ንድሕሪት ክምለስ ወይ ክወድቅ ፈጺሞም ኣይደልዩን እዮም። እካú ድኣ ድኻም ካልኦት ይስከሙ ኔሮም። ኣብቲ ገዳም ዓሰርተ መነኮሳት ብፈተና ኣብ ውድቀት ክበጽሑ ስለዝቀረቡ ብዛዕባኦም ንብዙሕ ዓመታት ዝኣክል እንዳበኸዩ እንዳጸለዩን ጾሙ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ መነኩስ መጺኡ ኣቦና በጃኻ ብዛዕባ እዞም መንኮሳት ስግደትካ ኣዕርፍ። ንዕዖም ክትብል ንምንታይ ትጽገም? ስለምንታይ ትሳቐ? በሎም። ኣባ ጳኩሚስ ከኣ ከምዚ ኣይትበል፣ ሙሴ ንዕዖም ነዚ ህዝቢ ካብ ተጥፍእ ንዓይ ካብ መጽሓፍ ሕይወት ደምስሰኒ’ዶ ኮን ዝበለ። ብምባል መኺሩ ሚዒዱ መለሶ። ንዝጸርፍዎን ንዝነቅፍዎን ኩሎም ኣይምልሰሎምን ኔሩ። ሽሙ እንተኽፍእዎ እካú ኣይኮንኩን ኢሉ መከላኸሊ ሓሳብ ኣይህብን ወይ ኣይዛረብን፣ እካú ድኣ ብዛዕብኦም ይጸውምን ይጽልይን ነበረ።

ሓደ እዋን ኣብ ታሕቲ ካብ ዝነበረ ገዳም ዘሎ ኣበምኔትን ኣርባዕተ መንኮሳት ተባኢሶም ናብ ቅዱስ ጳኩሚስ መጹ። እቲ ሓደ መንኩስ ኣብቲ ዘለውሉ ገዳም ዘሎ ኣበምኔት ሥልጣን ስለዘይሃቦ በዚ ምኽንያት ንኣባ ጳኩሚስ ክጸርፍ ጀመረ። ኣባ ጳኩሚስ ግና ነቲ ዝጸረፎ መልሲ ከይሃቡ ነቲ ኣበምኔት ሥልጣን ናይዚ ፈላሲ ቅድሚ ምኽልካልካ ስለምንታይ ዘየማኸርካኒ በልዎ።  ነቲ ዝጸረፎም ፈላሲ ግና << ኣጆኻ ዝወደይ ነቲ ዝደላኻዩ ሓላፍነት ክትሕዝ ኢኻ።>> እንዳበለ ኣጸናንዖ ኣብቲ  እዋን እቲ ፈላሲ ተጣዒሱ ንኣባ ጳኩሚስ ይቅሬታ ሓተተ።

<< ኦ ናይ እግዚ አብሔር ሰብ ሕጂ ኣብ ቅድመይ ዓቢ ክብሪ ረኸብካ ልዕሊ እቲ ብዛዕባ ዝሰማዕክዎ ሕጂ ብዓይነይ ርእየ። ቁጥዐይ ተዓጊስካ እንተዘይተህደኣኒን እንተዘይተጸኔዓንን ኔርካ፣ ንገዳመይ ሓዲገ ናብ ዓለም ክኣቱ ዋላ ሓንቲ ኣይተረፈንን ኔሩ። ድኽመተይ ብትዕግስቲ ሲዒርካዮ ብሩኽ ኩን። ንነብሰይ ብምዕጋስካ ረኺብካያ ኢኻ’ሞ>>። ብምባል እቲ ፈላሲ ሕይወቱ ብትዕግሥቲ ኣባ ጳኩሚስ ከምዝተረፈት መስከረ።  

ንምንታይ ትዕግሥቲ ከም ዘብዝሕን ኣርድእቱ ክነግሮም ከሎ ሓደ መዓልቲ ምስ ብብሕትውና ዝነብር ባህታዊ ኣቦ ጋሻ ኣብ ገዳሞም መጺኦም ከዕልሉ ከለዉ፣ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ብኣካል ተገሊጹ ኣብቲ ዘለውሉ ቦታ ጥቃ እቲ ገዛ ጠጠው ኢሉ ረኣዮ። ኣባ ጳኩሚስ ኣይተገደስሉን ንድረኦም ቴዎድሮስ ነቶም ባሕታዊ መግቢ ከዳልወሎም ኣዘዝዎ። ግና ከየምጽኣሎም ተረፈ፣ ንካልኣይ ረድእ'ውን ኣዘዝዎ እሱ'ውን ትእዛዞም ኣይተግበረን። ንሳልሳይ ግዜ'ውን ንካልእ ፈላሲ እንተኣዘዙ ከየምጽኣሎም ተረፈ። ኣብ መወዳእታ ባዕሎም ነቲ መግቢ ኣዳልዮም ነቲ ባሕታዊ ብግቡእ ኣእንጊዶም ድሕሪ ምፍናው፣ ኣባ ጳኩሚስ ንቴዎድሮስ ጸዊዖም << ንምንታይ ዝኣዘዝኩኻ መግቢ ነቲ ጋሻ ዘየዳለኻሉ በልዎ።>>  ቴዎድሮስ ከኣ ኣቦና ምስቲ ባሕታዊ እዘራረብ ስለዘለኹ ኣልግስ ካባይ ኢልካ ብቆይቂ ሰለዝተዛረብኩምኒ እዩ በሎም።>> ነቶም ካልኦት መንኮሳት’ውን ንምንታይ ከምዘየዳለዉ ምስ ሓተትዎም። ተቆጢዕኩም ሰጊጉሙና ዝብል ነበረ መልሶም። ኣብዚ ሰዓት ኣባ ጳኩሚስ ሓደ ነገር ዘከሩ። ኣብ ጥቃ ማዕጾ ጠጠው ኢሉ  ዝነብረ ጸላኢ ሠናያት ዲያብሎስ ነቲ ዝዛረብዎ ዘረባ ናብ ቆይቅን ጸርፍን ይልውጦ ከምዝነብረ ተረድኡ።

  ኣባ ጳኩሚስ ካብ እግዚአብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምፍዋስ ድውያን ፣ ምውጻእ ርኹሳት መናፍስቲ፣ ነቢበ ትንቢት፣ ራእይ ምርኣይ፣ ውሽጣዊ ሓሳብ ናይ ካልኦት መንኮሳት ምፍላጥን፣ ካልኦት  ቅዱሳን ክዓርፍ ከለዉ ነፍሶም ናብ ገነት ክትከይድ ከላ ናይ ምርኣይ ጸጋ ዝተዋህቦም ኣቦ እዮም ኔሮም።

ብምግባሩ ፍጹም  ዝኾነ ኣቦ ብህይወቱ ንካልኦት ዝምህር ዝነብረ እዩ።  ናብ ንጽሃ ልቦና ዝበጽሐ ፍጹም ኣቦ ስለዝነበረ ካብ ንጽህንኡ ዝተላዕለ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ከም መስትያት ንጽሃ ልቦንኡ ይረአ ነበረ።

እዚ ቅዱስ ኣቦ እዚ ሓደ ግዜ ንሲኦል ክርኢ ደለየ። መልኣኽ እግዚአብሔር ፈልዩ ኣውጺኡ ብምውሳድ ኣብ ገነት መሕደሪ ጻድቃን ከምእ’ውን ኣብ ሲኦል ቦታ ስቃይ ኣርኣዮ። ተጋድሎ ዓለም ምስ ፈጸሙ ኣብ ትሕቲኦም ዝነብሩ ኣበምኔት ገዳማት ኣኪቦም ፣ ንዖዖም ኣብነት ጌሮም ክሰርሑን ትጉሃትን ርህሩሃትን ትሑታትን ክኾኑ መኸርዎም። ንድኅነት ነፍሲ ወከፍ ብዘይ ድኻምን ትህኪትን ክሰርሑ ጸኒዖም ክጋደሉ መኺሮም። ኣብ ክንዶም ንረድ ኦም ቴዎድሮስ ሸምሎም።

ብኸምዚ ቅዱስ ጳኩሚስ ንኣርብዓ  (40) ዓመት ሥርዓት መነኮሳት ብሓድነት ኣጽኒዖም እንዳመኸሩ ብኣበምኔት ከመሓድሩ ድሕሪ ምጽናሕ ብሰላም ዓረፉ።

 ናይ  ቅዱስ ጳኩሚስ በረከቶም ምስ ኩላትና ይኹን።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ምሕረትን በረከቱን የብዝሓልና ። ወላዲት ኣምላክ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነት፣  ጻድቃን ሰማእታት ብተራዳኢነቶም ኣይፈለዩና።

                                                                                                 ወስብሓት ለእግዚአብሔር።

                                                                                                  ወለወላዲቱ ድንግል

                                                                                                  ወለመስቀሉ ክቡር።

 

Comments are closed.