ንዓኻ ዘይኮንኩ: ነቲ ምስኻ ዝፍጽሞ ሓጥያት’የ ዘፍቅሮን ዝናፍቆን

ንዓኻ ዘይኮንኩ ነቲ ምስኻ ዝፍጽሞ ሓጥያት’የ ዘፍቅሮን ዝናፍቆን

 ምስ መሓዛይ ሮዳስ ኣብ ስታር ባክስ ሻሂ ክንሰቲ ኣቲና ኣለና። ናይ ፍርቂ ዓመት መርመራ  ወዲእና፡ ካብቲ ንፍተነሉ ኣዳራሽ እናወጻና ናይ ኣጋጣሚ ኮይኑ ምስ ሮዳስ ፊተ-ፊት ትጓኒፍና። ዝምነዮን ዝሃርፎን ዝነበረኩ ምርኻብ’ዩ።ካብ ዘይንራኸብ ብዙኅ ሰለ ዝገበርና ፡ ምርኻብና ካባይ ንላዕሊ ዝብሃገቶ፡ዝሃረፈቶ ክተምስል ሮዳስ፡ ብሓንሳብ ቡን ንስተ ብምባል ኣብቲ ንመሃረሉ ዩኒቨርስቲይ ዝርከብ እንዳ ቁርሲ-ቤት ኣብ ሓደ ጠረጴዛ ኮፍ ክብል ብኢዳ ወጢጣ ናብ ሓደ ኩርሲ ረማዕ ኣበላትኒ። ኣነ ባዕለይ ዝስተ ሶያላተ ከምጽእ ብምባል ናብቶም ኣሳሰይቲ ገጻ ወገነት። ምስ ሮዳስ ክልተ ፕሮግራሚን ትምህርቲ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተማሂርና ኢና። ድሕሪ መርመራ መግባር ብዘዓባ እቲ መርመራ ምዝራብ ሰለ ዘይፈቱ ኣርእስቲ ንምቅያር ጾም ከመይ ኣሎ ክብለ ንሮዳስ ተወከስክዋ ። ጾም ደሓንዮ ፡ ካብ እኸለ ማይ ምሕራም ጥራይ ኮይነ ተሪፈ፡ በጃኻ ራህዋ ሓፍተይ ብጸሎት ሓግዝኒ መንፈሳዊ ሕይወተይ ተዳኺመ ኣለኹ በለትኒ ። እሱስ ኣይንሓምቆ ኣይንሕሾ ካባኺ ኣነ ይገድድ መለሰኩ ።ራህዋ ሓፍተይ ክሳብ መዓስ ዕፉን ብሽፍኑ ኣከያይዳ ክኽተል ፡ሓደ ነገር ዝሰወርክዎ ምስጢር ኣሎ ። ምስ ቢንያም ዝበሃል ወዲ ከም ዝቀራርብ ትፈልጢ ኢኺ ።

ራህዋ፡ እወ እቲ ከማን ኣብ ቤተ-ክርስቲያ ንኽመላለስ ተሕግዝዮ ዘከኺ ወዲ ፡ እሂ ‘ሞ ንሱ እንታይ ኣጋጢምዎ ደዮ።

ሮዳስ ፡ብኸመይ፧ እንታይ ፧ እናበልኩ ከዘንትወልኪ ፡ ኣይፈልጥን እየ ። እቲ ዝሕዝነኒ ነገር ካብቲ ኣብ ንእስነተይ ኣብ ዓሰርተታት ዕድመ ከለኹ ዝፈጸምክዎ ሓጢያት ኣብ ዕስራታት ምስ ረግጽኩ፡ ጎቢዘ ኢለ ዝሓስብክሉ ዕድመ  ዝፍጸምክዎ በደላት ብዕጽፍታት ይዛይድ ኣሎ። ልበይን እግረይን ንእግዚአብሔር ኣምላኽ ቀረባ ክንሱ ሰለምታይ ትግባረይ ካብ ጽድቂ ምስራሕ ሃዲሙ፡ ኣብ ደጌታት ሲኦል የኹድድ ከም ዘሎ ትማሊ ቀዳም’ዩ ተረዲኡኒ። ነቲ መሓዛይ ወዲ፡ ክሕግዝ መስዋዕቲ ክኸፍል ከም ዘለኒ ምስ ነብሰይ ሰለ ዝመኸርኩ። ንግዜኡ ከም ነፋሒቶ ሕብሪ መንፈሳውነተይ ለዊጢ ፡ንቢንያም ክመስል ኣለኒ ብምባል ኵሉ ሓቀኛ ባህራያተይ ንዝተወሰ እዋን ክሓብእ ፡ከም ቀዳማይ ዓላማይ ሰራዕክዎ ።መንፈሳዊ ሕይወት ቀስ ብቀስ እናበልካ ኢኻ ትዓቢ እናበልኩ ንጋዛእ ነብሰይ ኣብ ዘይወጾ ዓዘቅቲ ተሸሚመ ይብለኪ ።

ራህዋ፡ ኣቲ ሮዳስ ሓፍተይ ኣበሃህላኺ ኣይተረደአንን። ግልጺ ኮንኪ እንዶ ነገርኒ በልክዋ።

ሮዳስ ፡ እንታይ መስለኪ ራህዋ ሓፍተይ ።ከምቲ ኣቀዲመ ዝሓበርኩኺ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ምስ ተላለየኒ ዝኾነ ሓገዘይ እንተድለዮ ንኽውከሰኒ ቁጽሪ ተሌፎነይ ሂበዮ። ኣብ ቤተ-ክርስቶያን ዘለዎ ተገዳስነት ቁሩብ ምስ ረኣኽሉ ተማዊተ ናብ ክርስቶስ ክምጾ ኣለኒ ብምባል ብቴክስት ወይ ብምድዋል ክከታተሎ ጀሚረ። ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙን ደሓን ዝኾነ መንፈሳዊ ዕብየትን  ኣርእዩ ክብል ይደፍር።

ምስ ተለማምድና ግና ኣብ ቃል-ወንጌል ጥራይ ከይተሓጸርና ብዘዓባ ውልቃዊ ሕይወትና ክንዕልል ጀመርና። ሰንበት ቤተ-ክርስቲያን ኣቀዲስና ድሕሪ ምፍልላይና ኣጋ ፋዱስ ይድወለለይ እሞ ሮዳስ መርዓ እባ ኣካይድኒ ይብለኒ ። መልሲ ከይመለስኩኡ ከለኹ ፡ ኣጥብቅ ኣቢሉ ...እእእእ ምዃን እኳ ንስኺ መንፈሳዊት ኢኺ ብዘይካ ዙርያ ምኻዳን ካልእ ክዳን ምኽዳን ኣይትፈልጥ ኢኺ ደሓን ገዲፈዮ ኣለኹ ይብለኒ። ኣነ ድማ ኣንታ ኣነ መንፈሳዊት ኣይኮንኩን ካብኻ ይገድድ ደሌተይ ክዳን ይለብስ ኵሉ ሰብ ዝገብሮ ሓጥያት ይፍጽም በልክዎ ። ሕራይ እስኪ ከምኡ እንተ ኮይኑ ጹብቅ ክዳን ለቢስኪ ምሳይ እንዳ መርዓ ኣካይድኒ ይብለኒ፧ ዋላ እኳ  ልምዲ ሓጺር ክዳን ምኻዳን ኣየዘውትር ፡ ተራ ጓል ምዃነይ ከረጋግጸሉ ከምቲ ዝበለኒ ክዳን ለቢሰ ምስኡ ናብቲ እንዳ መርዓ ይኸይድ ። ኣብቲ መርዓ ክንኣቱ ምስ ቀረብና ንስኺ እኳ ኣማና ጻድቅ ሰለ ዝኾንኪ ኣይትስዕስዕ ኢኺ ይብለኒ፧ ኣታ ኣነ መዘምራን ኣይኮንኩን ፡ ኣገልጋሊት ኣይኮንክኩ ተራ ሰብ ፡ ሓጥያተኛ ፡ካባኻ ይገድድ ይብሎ። ካባይሲ ኣትይገድን ኢኺ ጻድቅ ሰለ ዝኾንኪ ኣይትስዕስዕን ዋላውን ደርፊ ኣይትሰምዕን ኢኺ ይብለኒ። ምስዕሳዕ ፡ ብደርፊ ምስካር ሓጥያት ምዃኑ እናፈልጥኩ ኣነ ድኽምቲ ከምኡ ሓጥያተኛ ምዃነይ ክረድኦ ክብል ናብቲ ጓይላ ሂር ክብል ኣምስኹ።

እንታይ ትብሊ ኣለኺ በልክዋ ናይቲ ወዲ ሚላታት እናገረመኒ “reverse psychology” (“ ከምዚ እኳ ኣይትገብር ኢኺ ፧ እስክ ሓራይ ግበሪ ) ዝብል ብልሓት እናተጠቀመ ደሌታቱ ይፍጽም ከምዘሎ ከም ዝዘንግዓቶ ተረደኣኒ ። ንጽባሒት እቲ ዝገብርክዎ ሓጸር መጺር ክዳንን፡ ዝሳዕሳዕክዎ  ሳዕሲዒትን ኣነ ተራ ሰብ ምዃነይ ክረድኦ እምበር ወልፊ ናይ ደርፊ ሳዕስዕቲ፡ ከም ዘይብለይ ሓበርክዎ ። ኵሉ እቲ ዝሓጣእክዎ እውን ንአበ ነፍሰይ ዘርዚረ፡ቆጺረ  ተናዘዝክዎ ።

ድሕሪ 4 መዓልቲ ሓሙስ ንቢንያም ምስ ረኽብክዎ፡ ብጣዕሚ ይቅሬታ ሰንበት ዓንቂፈኪ በለኒ ። ጸገም የለን ብናተይ ምርጫ ዝኣተኽዎ እዩ ብምባል ሕማቅ ከይስምዖ ፡ ኣረጋጋእክዎ። ኣብ ሰሙና ዓርቢ መዓልቲ  ይድውል እሞ ሰልቺኒ ሻሂ ንስተይ ኣብ ሓደ ቤተ-መግብን መስተን ፡ ምዃንካ ንስኺ ጻድቅ ኢኺ ብዘይካ እንዳ ሻሂ እንዳ ቤት-መግብን መስተን ኣይትኸድን ኢኺ ይብለኒ።

ጸገመ እኳ ረኺበ ንሰብ ንየማን ክመልስ ክብል ናብ ዘይዘፈልጦ ናይ ጥፍኣ ጎደና ሸለው ይብል ከም ዘለኹ ልበይ እናሐበረኒ ነቲ ዝጀምክዎ ዕላማ ኣብ ተግባር ከውዕሎ ሰለዝንቀልኩ ንስጉመይ ዶው ዝብለኒ ሓይሊ ክብድሆ ጥራየ ዘለኒ ብምባል “ጽማቅ ጥራይ እየ ዝሰቲ” ዝብል  ቅድመ ኩነት ብምፍጣር ንሕትኡ ብኣወንታ ተቀቢለዮ። ንሕትኡ ከም ዘይንጽጎ ንምርኣይ ክመኡውን ፋራ ከይብለኒ ኣብ ቤት-መግበን መስተን ኣትየ ተዛናጊዓ ከምዝፈልጥ ነገርክዎ ። ኣይኣምነክን እየ ፡ንዕናይ  እሞ ሻሂ ንስተይ ተዛናጊዕና ንምለስ ይብለኒ።መዓት ዝወረዳ ሻሂ ፡ ንግሆ በውዕይታ ምሸት ድማ ናይ ቢራ ሽም ተሊቂሓ ፡ ለይትን መዓልቲ መከራ ረኺባ ስማ ክትጽዋዕ ።መርገም ደኣ ይበሃል እናልኩ ብውሽጠይ ፡ ሕራይ ኢለ ክኸይድ ተሰማሚዓ ንሱ ክልተ ቢራ ሰትዩ፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ጽማቅ ሰቲና ናብ ገዛና ንምለስ ። ረሲዓልኪ እባ ሓንቲ መዓጎ ቢራ ከኣ ጥዒመ ነይረ። ሰባት ከመይ ገይሮም ነዚ መቀረቱ ዘይጥዑም መስተ ኣብ ከብዶም ብብዝሒ ጥራሙዝ ይመልኡ እናገርመኒ ኣብ ጎረረይ እናሓርሓረኒ፡መሪር መቀቱ እናኣስተማቀርኩ፡ ነቲ መሓዘይ ክሕጎሶ ብምባል ቢራ ከምዚ ዘይመስለኒ ነይሩ መቀረቱ ፡ ጥዑም’ዩ እባ’ዩ በልክዎ።

ኣንቲ ሮዳስ ሓፍተይ ክሳብ ክንድዚ መንፈሳዊ ሕይወትኪ ባይታ ክዘብጥ ከሎ ርክብኩም ናበይ ይእንፈት ከም ዘሎ ኣይጠፍኣክ ደዩ በልክዋ ። ይገርመኪ ‘ዩ ራህዋ ሓፍተይ  ቀስ በቀስ ቢራ ከም ዝለምድ ጌይሩኒ ። ዓርቢ ፡ ክርስቶስ መድኃኔ-ዓለም ምእታና ዝተሰቅሉሉ ፡ዝሰኣናዮ ሰላምና ዝረኽብናሉ ፡ መዓልቲ ናጽናትና እናዘከርኩ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ዝሕልፎ ዝነበርኩ ፡ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝረኽቦ ዘነበርኩ ሰላም ነጺገ ዓርቢ ዓርቢ ክልተ ቢራ ሰትየ ምስቲ እሙን መሓዛይ  ሳዕሲዓ ገዛይ ይምለስ ።ዓርቢ ክርስቶስ ተረሲዑ ፡ ኣካላተይ ከም ጽሕዲ ልደት ሸላሊመ ዓርቢ ምስኡ ምስቲ መሓዛይ  ተዛናጊዓ ንሰንበታ ንቤተ-ክርስቲያን ሒዘዮ ይመጽእ። ካብ ሶኒ -ክሳብ ሓሙስ ዘለዋ መዓልትታት ከም ሮኬት ተወጭፈን ክሓልፋ፡ ዓርቢ ክትበርቀይ ፡ ቀልጢፋ ክትመጽእ ብጣዕሚ’የ ዝሃርፋ።

ካብ ሶኒ ክሳብ ዓርቢ ዘሎ መዓልትታት ቃላ ኣምላኽ ምዕላል ሓሊፉ፡ ችርቃንን ዋዛን ጥራይ ኮና፡ ሎቱ ስብሐት ሓደ ሓደ ግዜውን ናይ ፕሮንግራፊ ስእልታት ክሰደለይ ጀመረ። ናይ ጸይቂ ስእልታት ፡ ክሰደለይ ከሎ ኣትሪረ ይቋያቆ እሞ ይቅሬታ ደይ ንጸዋታ ኢለ’የ ሰዲደዮ ድሕሪ ሕጂ ኣይሰድን’የ ይብለኒ እሞ ሸዓለ ይቅሬትኡ ይቅበሎ። ከምዚ ትገብር እንተኾንካ ምሳኻ ርክበይ ደው ክብሎ’የ ኢለ ክልተ ሠለስተ ግዜ ገኒሓዮ ኣለኹ።ሓደ ሰብ ብሓደ ምሽት መንፈሳዊ ሕይወቱ ክልወጥ ኣይክእል’ዩ ዝብለ ድምጺ ቀጻሊ ብውሽጠይ ሰለ ዝኩሕኩሓኒ ካብ ጥቅኡ ከልግስ ከም ዘይብለይ ንነብሰይ ጽብቅ ገይረ ይእሚነያ እየ።ካብ ኵሉ ዝሕዝነኒ ነገር ነቲ ዝሰደለይ ዝነበረ ፕሮነግራፊ ስእልታት ምሽት ምሽት ኣብ ገዛይ ተሓቢአ ክርእዮ ጀመርኩ። ናብ ወልፊ ነገር ኣድሂብለይ ኣብ መዓልታ ካብ 10 ደቃይቅ ዘይውሕድ ግዜ ኣዒንተይን ኣእምሮይን ነዚ ናይ ጸይቂ ስእልታት ክርኢ ይነቅሕ ነይሩ እንተ ዝብለኪ ከም ትስንብዲ ኣይስሕቶን እየ።

እዋይ ሮዳስ ሓፍተይ እሞ ብኸምኡ ምኽንያት ኢኺ ዓርቢ ዓርቢ ኣብ ቤተ-ክርስቲያ ዘይርእየኪ ነይረ። ኣነ ደኣ ስራሕ ጀሚረ መስበልክኒ ኣሚነኪ ስራሕ’ያ ተምሲ ዘላ እንደየ ዝብለኪ ነይረ።

ኣብዘን  ዝሓለፋ ሠለሰተ ወረሒ ሓሳዊት፡መንደናገሪት፡መታለሊት ነፍሳ እየ ተቀይረ። ይገርመኪ እዩ፡ ካብዚ ዝገደ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዓርቢ መዓልቲ ከምቲ ኵሉ ግዜ ገይሩ ዝጻወተይ ጹቡቅ ገይሩ ታጻዊትለይ።ናብቲ ናተይ መንፈሳዊ ዓለም ክምጾ እናጸዓርኩ ከምዚ ሰለምታ ድቃስ ቀስ ብቀስ ኣቢሉ ዝደቅሰካ ፡ እዚ መሓዛይውን ናብቲ ናቱ ዓለም ሰለይ እንበለ ኣጥሒልኒ። እዛ መዓልቲ ኣብ ሕይወት ብግዛእ ፋቃደይ መንፈሳዊ ሃብተይ ኣብ ዓዳጋ ሓጥያት ብነጻ ዝሸጥኩላ መዓልቲ  እያ። ኣነ ብዘይካ ቢራ ካልእ መስተ ከይስቲ ፡ንሱ  ካብ ሠለስተ ቢራ ንላዕሊ ኣነ ድማ ካብ ክልተ ንላዕሊ ከይሰቲ ኪዳን ተኣታቲና። እዚ ውዕል እዚውን ግዜያዊ ውዕል እዩ ንሱ ምስ ተነስሓ መንፈሳዊ ሕይወት ብግቡእ ክለማመድ ምስ ተበገሰ፡ ኵሉ ከም ነቋርጾ ተማሓሒልና ኢና ናብቲ ቤት-መግቢን መስተን ኣምራሕና።

ኣብዛ መዓልቲ ከልተ ቢራ ምስ ወዳእኩ ክጽበዮ ምስኡ ኮፍ ኢለ ከለኹ እናሰሓቀ ሎሚ ከም ሰብና ንተሓጎስ፡ ርኣይዮም  እዚኦም ኵሎም ሰባት ይስሕቁ ይጻወቱ ፡ባእሲ የልን ፡ጸወታን ሰሓቅን ጥራይ ደሓር ከኣ ደይ ጻባሕ ክንስሓሉ ኢና እናበለ ሓንቲ ሾት ቮድካ ፈትኒ ይብለኒ ፧ ኣብቲ እንዳ መስተ ሰባት ክሕጎሱ፡ክስዕስዑ ምስ ረኣኹ ከም ሰበይ ዝብል መንፈስ ሰለ ዝዓሰሊ ፡ ንሎሚ ደሓን ኢለ ጸገም የለን በልክዋ ። ንዕኡ ክልተ ሾት ንዓይ ሓንቲ ኣምጻለይ ። ነዛ ቮድካ ምስ ሰተኹ ርእስይ ክኸብደንን ክዞረንን ሓደ ኾነ። ንዕናይ ንሳዕ ስዕ ብምባል የሳዕስዓኒ። ሳዕሲዕና ምስ ተመለስና ካብቲ ናቱ መስተ ኣብ ኣፈይ ብምጽጋዕ የስትየኒ ፡ ነታ ናቱ መስተ ብሓባር ምስ ወዳእናያ ካልእ ከምጽእ ይኸየድ።

ካባዛ ሰዓት እዚኣ ርእሰይ ክቋጻጸር ኣይከኣልኩን ንሱ ክዛረብ ኣነ ክስሕቅ ጥራይ ይዝከረኒ። ሓንቲ ኢዱ ኣብ ዝባነይ ሓንቲ ኢዱ ነታ የማነይቲ ኢደይ ሒዙ ንሱ ክዛረብ ኣነ እናሰሓቅኩ ኢድካ ኣውርዶ ክብል ፡ ኣደይ ሃንደብት ተሌፎን ትድውል። ኣዲኺ ፡”ማዘርኪ”(mother) ትድውል ኣላ ይብለኒ ፡ ማ...ማ.. ማማየይ መዓረ ደዊላ ክረኽባ ምስ በልክዎ ኣብ ደገ ኪድና ንድውል ኣብዚ ከም ዘለኺ እንተ ፈሊጣ ክትጽለል እያ ይብለኒ። ተታሓሒዝና ካብቲ ባር ምስ ወጻና : ኣብ ደገ ብጣዕሚ ቁሪ ሰለ ዝነበረ ዝሑል ንፋስ ንኣካላተይ ምስ ነፈሰ ኣበይ ከም ዘለኹ ክርደኣኒ ጀመረ። ሰዓተይ እንተ ረኣኹ ሰዓት 1፡10 ቅ.ቀ ትብል።

እዋ በጃኻ ገዛይ ኣብጽሓኒ  ምስ በልክዎ ከይተማተአ ሕራይ በለኒ። ኣብታ መኪንኡ ምስ ኣተኹ ንፋስ ክወስድ መስኮት ክፈቶ ምስ በልክዎ ፡  ምስቲካ በልዒ ኣፍኪ ከይሽትት ብምባል ኣብቲ መኪና ካብ ዝነበረ ቦካ ማስቲካ ሃበኒ። ኣፈይይን ክዳናአይን ጥራይ ዘኮነ ሕይወተይ ብምልኡ ከም ዘሸተቶ ግና ዋላ ኣይተሰቀሮን። ድሕሪ 15 ደቂቅ ኣብ ገዛይ የብጽሓኒ ካብ መኪና ወሪደ ክኸየድ እንተ ደለኽኩ ሰንከልከል ክብለ ተፈልጠኒ። ክዳነይ ከመዓራሪ ካምቻይ እንተጠመትኩ እቲ ካምቻይ ብቢራን ቮድካን ከም ዝጠልቀየ ረኣኹ።( are you serious you did this to me ) እናበልኩ ሓቂ ደዩ ጽንጽዋይ ክርደኣኒ ኣይከኣለን።እዚ እያ ኢደይ ፡ እዚ እዩ እዚ ኩሉ እምንቶይ ኣባኻ ዝሕደርክዎ ፡ ኣነ  ንጽቡቅ እናሓስብኩ :ምእንትኡ ክብልመስዋዕቲ ከፊለ ንምህናጹ እናጸዓርኩ ንዓይ እዚ ፈድይኒ ፡ ፈጺመ ክኣመን ኣይከኣልኩን። መቸም  ስድራይ ከይሰሙዓኒ ቀስ ኢለ መዓጾ  ከፊተ ኣብ መድቀስየይ ኣትየ። ብኽየ፡ ኣልቂሰ ፡ ልቅሶ ንፍቆት ኢየርሳሌም ፡ዶግዓ ንፍቀት ቆራንዮ ።ቀዳም ንግሆ ምስ ተሳእኩ ቢንያም ሓሙሽተ ግዜ ዝኸውን ደዊለለይ ጸኒሑ።

ርእሰይ ሓሚመ፡ ልበይ ጥፊእኒ ፡ብፍርሓት ተወሪረ። ነዚ ወዲ ክርእዮ ኣይኮነን ድምጹውን ክሰምዕ ከምዘይብለይ ምሉእ ኣካላተይ እናኣንፈጥፈጥ ብዓቢ ድምጺ ብሎክ ግበርዮ ብምባል መረርኡ ኣስሚዑ። ኣይጸናሕኩን ናይ ውሽጠይ ድምጺ ሰሚዓ ።ድሕሪ ደጊመ ቶባእ ንዕኡን ነቲ ንሱ ዝመሃረኒ መስተን፡ ነቲ ንሱ ዘርአየኒ ቦታታት ቁሊሕ ኢለ ከይሪኦም ሓቀኛ ኪዳን ምስ ነፍሰይ ኣትየ። ነቲ ዝኸሰርክዎ ግዜን መንፈሳዊ ዕዳን ንምምላስን ምሕዋይን ፡ ንሕፍረተይ ስዒረ ጨው ጨው እናጠዓመኒ ንኣበነ ፍሰይ ኵሉ ሓጢያተይ ተናዚዘ ካብ ካራን ተመሊሰ ናብ ከንኣን ገጸይ ይስጉም ኣለኹ። ናይ ሰብ ነገር ብጣዕሚ’ዩ ዝገርመኪ ተሌፎን ምስ ዓጸኽዎ ፡ ነዚ መሓዛይ ናፊቀዮ ንሕማቅ መንገዲ ዝመርሓካ ንሕማቅ ዝምህረካ ሰብዶ ወደይ ትናፍቅ ኢኻ። ጸጸኒሐ ክሓስቦ ከለኹ ግና ንዕዑ ዘይኮንኩ ዝናፍቆስ ነቲ ምስኡ ኮይነ ዝፍጽሞ ዝነበርኩ ሓጢያት ከም ዝናፈቅክዎ ክበርሃለይ ጀሚሩ።

ዓቢ ትምህርቲ ምሂርክኒ ሮዳስ ሓፍተይ።ደሃዩ ኸ ይብልክን ፧ ቂምታ ክሳብ ሎሚ ሒዝክሉ ኣለኺ ዲኺ ፧

ሮዳስ ፡ቂምታ  ኣይሓዝኵሉን: ካብ ልበይ ኵሉ ይቅረ ኢለሉ'ዩ  ። ዝገርመኪ ብኤመይ ብዙሕ ግዜ ይቅሬታ ብምባል ሓቲቱኒ፡ እታ መዓልቲ ከም ዝስሓተቶ ደጋጊሙ ገሊጽለይ።”He said what he did was wrong. He said it must have been that night though. He said he would never hurt me intentionally but he is sorry that he hurt me unintentionally. ብጣዕሚ ተጎዲኡ ፡ ተጨኒቁ ከምዘሎ ደጋጊሙ ገሊጽለይ እዩ።ሰለምታይ ግና ሰባት እታ መዓልቲ ኣጋጊይትኒ ንብል ፡ ኣነ ተጋግየ ምባል’ዶ ኣይሓይሽን ፡ መዓት ዝወረዶ መዓልቲ ፡ኣኺልዎ መሸፈኒ ሓጥያትና ኮይኑ ተሪፉ። ሕጅውን መልሰይ  ሓንቲ እያ ይቅሬታ ጊረልካ እየ ፡ ምስኻ ዘለኒ ርክብ ግን መዕራፉ ተዓጺ’ዩ። ጸሊአዮ ኣይኮንኩ ከምኡ ዝበልክዎ ምስኡ ርክበይ እንተ ቀጺለ ግና ከምቲ ሓሸማ ተመሊሳ ናብ ትፋኣ ተመልሰት ከይኮነኒ ዳግማይ ምስዚ ወዲ መዓጾይ ዓጺ ይብለኪ። ቅዱስ ጳውሎስውን ከምዚ ኢሉ ኣሎ”ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ ኣሎኹ።” ሮሜ12፡3 ነቲ ንእሱ መንፈሳዊ ሕይወተይ ከም ዓቅመይ ይነብሩ ኣለኹ ።

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊኒ !!

ራህዋ ተስፋይ

2019-01-14

 

 

Comments are closed.