ንእሰነት ኣሽኪዕኒ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ንእስነት ዕዳ እዩ:: “ንእስነት ብዝተፈላለዩ ቀለማት ሕብሪ ዝተኸበ መድረኽ ሕይወት ኮይኑ መሪር ግና ተባሃጊ ዕድመ እዩ”ክብሉ ክሰምዕ እንከለኹ ካብቶም ንንእስነት ተማሂሮምላ ዝሓለፉ ገለ እውን ዕድል ዘይገበሩ ኣብ ፈተና ናይ ንእስነት ዘይተዓወቱ ሰባት ድንጽዉ እዩ ዝብለኒ ነይሩ። ዕድመ ንእስነት ክበጽሓ እሞ ኣነ እዉን ከም ሰበይ እቲ ናታ ክህባ ገና ወዲ ሸውዓተ ዓመት ከለኹ ንንእሰነት ዝተመነኹ። ቆልዓ ከለኹ ኣዚየ ውዑይ ብምንባረይ ፣ ናብ ኣደይ መጺየን ደቅና ወቂዕልና ዘሰምዓ ኣንስቲ ኣፋፊት ገዛና ኣራግጽ ዝወድእኦ ውሑዳት ኣይነበራን። ተሃሪመ ንገዝኡ ዝኣቱ ቆልዓ ኣይነበርኩን ።

ይዝከረኒ ሓደ መዓልቲ ምስ ሓደ ወዲ ገዛውተይ ካባይ ብኽልተ ዓመት ዝዓቢ ባሊና ሰሪዕና መን ጨመተ እናተጻወትና ከለና ደጋጊመ ስለ ዝሰዓርኩዎ ብሕርቃን ነታ ተከናኺነ ከም ወርቂ ኩቱሻ ዝሕዛ ዝነበርኩ ዓይኒ ድሙ ዝሕብራ ባሊናይ ካብ ኢደይ ብምምንዛዕ ናብቲ ብሓጹር ተኸሊሉ ዝነበረ እንዳ ጡብ ፋብሪካ ወርወራ ። ብሕርቃን ተናዲደ ፣ ኣብ ጥቃይ ዝጸንሓትኒ እምኒ ምስ ወርወርክዋ ሶርኑ ሰበረቶ። ደም ንደም ምስ ኮነ እቶም ኣብ ከባቢና ዝነበሩ ሰባት ተሰኪሞም  ኣብ ጥቃና ዝነበረ  ሆስፒታል እድገት ወሰድዎ። ከም ሹዑ ገይረ ተቀጺዐ ኣይፈልጥን እየ ። ብዳርቢ እሚኒ ንሰብ ምፍግአይ ጥራይ ዘይኮነ ብተወሳኺ ወዲ ዋና ገዛና ምድፋረይ  ተደሪብዎ ብርቱዕ  ፍርዲ ተበይንለይ ንሰሙን ዘኣክል ካብ ገዛ ከይወጽእ ተኣገድኩ።

ናይ ኣጋጣሚ ጽብቅቲ ትምህርቲ ኮይናትኒ ካባታ መዓልቲ ጀሚረ ምስ ዝኾነ ምብኣስ ኮነ ኢደይ ወስ ምባል ገዲፈ ናይ ምህሮ ዘመነይ ብህዱእ መንፈስ ዛዘምክዎ። ግዜ ካብቲ ኣብ ዓለም ብዝተፈላለዮ ሰባት ዝኽሰስ ናብ መጋቢኣ  ሕጊ ግና ዘይቀርብ እንኮ ዕድለጃ እዩ። ሰባት ኣብ ምጥዓምን ምሕሳምን ናብርኦም ምስ ግዜ ኢዮም ዝቃዳደሙ። እቶም ክሳራ ዘጋጠሞም  ንግዜ ክረግምዎ ከለዎ ፡ እቶም ጉዕዞ ሕይወቶም ዝስተማቀርዎ ግና ንግዜ  ክምርቁዎ ትዕዘብ። ንእስነት ከምታ ዝብህጋ ዝነበርኩ ቀስ ብቀስ ብጻሕክዋ።

ገና ኣብ ንኡስ ዕድመይ ኣብታ መዳሓንተይ ዝተቀበርላ መሬት ናይ ንእስነተይ ዘመነይ ከስተማቅር ኣይተዓደልኩን።ግና ብንኡሰይ ብ 1976 ኣሜሪካ ኣተኹ። ንእስነት ኣሽኪዕካ ክትጋገ ከለኻ ያዕ ዘይብለካ ሕብረተሰብ ተጸንቢርካ ፡ ውዑይ ዕድመ ክትሕልፋ ከለኻ መራርን ምቁር  ሕይወት ኢኻ ትሕልፍ። ዕድመ ንእስነተ ሕይወተይ ኣትሓዙኑኒ ኮይኑ ተረፈ። መን ምዃንካ ክነግረካ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ ዝብል ብሂል  ኣባይ ተደጊሙ። መካይደይ ሰብ ስራሕ፡ ሰብ ሓዲሽ ነገር ፈጠርቲ ዘኮኑስ፣ ሰብ ድራግ ፡ ዓዋሉ ብምንባሮም ፣ ዘዝሰራሕኩዎ ካብ ንስድራይ ምርዳእ ሓሊፈ ፡ ንሕማቅ ወልፊ ክስዕብ ገንዘበይ ኣብ መስተን ሓሽሽን ኣጥፋእክዎ።

ጀንኒፈር ካብተን ንሕይወተይ ናብ ምድራዊ ሲኦል ክትሕንበስ ዝደፍኣታ ጓል ሔዋን እያ ። እንታይ ከም ዝገበረትለይ ኣይፈልጥን ዕብድብድ እየ ኢለላ ዝነበርኩ። ነዘን ደቂ ዓደይ ናብ ቤተ-ክርስቲያን ነጸልአን ተወንዚፈን ትሕንትና ሰኒቀን ነዛ ክርእይኻ እኳ ቅንዕ ዘይብላ  እዘን ፋራታት ዋላ ኣሜርካ መጽየን ዘይምዕብላ  እናበልኩ ይሓዝን ስለ ዝነበርኩ ብዝተኸኣለኒ መጠን ካብ ሓበሻ ዝቅመጥዎ ስፍራ  ይርሕቅ ነበርኩ።ካብ ናይ ድራግ ወልፈይን ካብቲ ናይ ዝሙት ናብራይ ዝወጻእኩሉ ዕድም ኣርብዓታት ዛዚመ ንሓመሳታት ደበኽ ምስ በልኩ እዩ ። ኣብ ሓዘን እየ ነይራ እታ ብዘይ ሓዳር ምሳይ እናዓበደት ትነብር ዝነበርት ጀኒፈር ስለ ዝዓረፈት ዓለም ከም ዑንቂ ጸበበትኒ። ሹዑ ወቅቲ እንታይ ከምዝኮንኩ ኣይርደኣንን ንሕይወተይ ክሓዝነላ  ተለኽለኽ ክብል ጀሚረ።

ቀስ ብቀስ እውን አቲ ዝነበረኒ ወልፍታት ክቅንስ ጀመርኩ። ሓደ እዋን ካብ ስራሕ ወጽየ ብባቡር ንገዛይ እናኣምራሕኩ ፣ ሓደ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሓዘ ሰብ ስለ ማእሰርቲ ሓጥያትን ምሕረት ኣምላኽን ክሰብኽ ጀመረ እሞ፣  ወላ እካ ድኻም መላእ ኣካላተይ ወሪርኒ እንተነበረ እዝነይ ነቲ ቃል ኣምላኽ ዝዛረብ ዘነበረ ሰብ ዘወፈኹሉ። ኣዚያ ዝሰሓበትኒ ታሪኽ ካብ ከናፍሩ ናብ ኣእዛነይ ክሰኩዕ ኣዒንቲ ልቦናይ በሩ ኣርሓኽዎ ። ናይ ሓጥያት መቅጻዕቲ ሚዛኑ ማዕረ ሞት እዩ ዘስዕብ ዓው ብምባል ስብከቱ ፈለመ። ዓስቢ ሓጢያት ሞት’ዩ ውህበት ፀጋ ግና ብኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ዘልዓለም ሕይወት’ዩ። እታ መዓልቲ ምድኃን ሎሚ እያ ። ናብ ኣምላኽ ተመለሱ ፡ ንኣምላኽ ቅረብዎ ንሱውን ክቐርበክሙ እዩ ብምባል ሓደ ታሪኽ ኣዘንተወ።

ሓደ ሰብኣይ ብሞት ካብዛ ዓለም ምስ ተፈለየ፡ መዝገቡ ናብ ሲኦል ስለ ዝሰደዶ እቲ ዝተቀበሎ ሰይጣን እንቋዕ ብደሓን መጻእካ እናበለ ፣ ቦታ ናይ ዕረፍቱ ከምርጾ ጀመረ። መጀምርያ ዝርኣዮ ብኣዚዩ ሃልሃል ዝብል እሳት ሓዊ ዝቃጸሉ ነፍሳት እዩ ነይሩ ። እቲ ሰብኣይ ብፍርሒ .ኖ .ኖ.ኖ.ካልእ ምርጫ ሃበኒ በሎ ። ደጊሙ ኣብ ውዑይ ማይ ዝፈልሑ ነፍሳት ኣርኣዮ ሕጂ ‘ወን ነጸጎ። ከሙኡ እናበለ ናብቲ ብቀልቀል መሊኡ ዝነበረ ጉድጋድ ኣብጽሖ ፣ ኣቡኡ ዝተመደቡ ሰባት ካብ ክሳዶም ንታሕቲ ኣብቲ ጨናዊ ቀልቀል ኮይኖም ክሳቀዩ ረአየ ፣ ኣብዚ ከይሓሸት ኣይትትርፍን እያ ብምባል ነታ ቦታ መረጻ። ወላ እኳ ንሱ ዝሓሰቦ ጨና ናይቲ ቀልቀል ምስዓር ክብዳህ ኢሉ እንተ ገመተ፣ ኣብ ላዕሊ ኮፍ ዝበለ ሰይጣን ፊስካ ምስ ሃረመ ኩሎም ናብቲ ቀልቀል ውሽጢ ክጥሕሉ ይእዘዙ   ክብል ታሪኹ ድሕሪ ምዉዳእ ፣ ንእሸተይ ሓጥያት ግበር ዓበይ ሓጥያት ግበር ፍርዱ ሞት እዩ ። ናብ ኣምላክ ምስ እትምለስ ግና ፍርዱ ሰላም 'ዩ ክብል መሃረ።

እታ ለይቲ ክድቅስ ኣይከኣልኩን ፣ ንሞት ፈራሕክዋ፣ ክሳብ ወጋሕታ ‘ዉን ብዱቁሰይ ሞት ከይወስደኒ ተቃለስኩ። ኣራፊደ ምስ ተሳእኩ ብርሃን ናይ ምድሪ ምስ ረኣኹ ባህ በለኒ። ንግዳም ብምዉጻእ ናብ ሰማይ ብምንቅዕራር ተመስገን ኣምላኸይ በልኩ። ሰንበት ምስ ኮነ ነቲ ንብዙሕ ዓመታት ከይደዮ ዘይፈልጥ  ቤተ-ክርስያን ቅድስት ማርያም  ንብሰይ ብማይ ንስሓ ክሓጽብ ከድኩ።ኣብቲ ድርኩኺት ናይ ቤተ-ክርስቲያን ምስ በጻሕኩ ጥራይ ሰላም ክወረኒ ተረደኣኒ። እዚ ዘለኽዎ ድኻ መንፈሳዊ ሕይወት ውጽኢት ናይ ትማሊ ዕንደራን ጽላለን መኻኑ ዘኪረ፣ ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመት ናይ ዕብዳነይ እንተዝመለሳ በልኩ። እተን ዝሓለፈ ሳላሳ ዓመት ኣብ ትሕቲ ጽላል ፈጣሪ ኮይነ ከምቲ ቅዱሳን ስሙ እንጸዋዕኩ ኣብ ደንበ ቀራንዮ ክነብር ብሂገ።

ብፍላይ ሓደ ምሸት ከም ኣመለይ ድራረይ ሒዘ ንገዛ ምስ ኣተኹ ፡ ኣብ ገዛይ ነቲ ዘምጻእኩዎ ምግቢ ብስመ አብ... ኢለ ጸሎት ድሕሪ ምግባር ሓንቲ ኩላሶ ምስ ኮለስኩ ገና እታ ኩላሶ ንታሕቲ ከይወረደት ክትሓንቀኒ ተፈለጠትኒ። ንብዓተይ ብኽልተ ጎኒ ናይ ገጸይ ወረደ ወረር ወረር በለ፣ ሕጂስ ምስ ደቀይ ተመናጢለ ምበላዕኩ እንበር ከም ሱሱዕ ‘ዶ በይነይ ኣብ መኣዲ ምተቀረብኩ በልኩ ። እቲ ክሑጎሰሉ ክድሰተሉ ክብል ንሓዳር ንመርዓ ዝነዓቅክዎ ዓመታት ኣሕዘነኒ ።ከም ኣምላኽ ፍቃድ ምስ ሓንቲ ነዓይ ትመስል ተመርዒ'የ ፡ወላድ ወሊደ ምስ ደቀይ ምባር መሪጸ እንታይ እሞ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ እንዶ ኮይኑ። ሓይሊ ንእስነተይ ምሳይ ተሓንግሮም ዝነብሩ ትምህርቲ ኣሰክሙኒ ጥራይ ኮፍ በለ። ቤተ-ክርስቲያን ከኸይድ ከለኹ ምስ ሕጻናት ምዕላል ካብቲ ሰላም ዘንግሰለይ ነገር ኮነ። ሓድሽ ኪዳን ምስ ነብሰይ ኣተኹ  ነቲ ወሊደ ዘሚደ ምስ ደቀይ እናተሓጎስኩ ብፍቅሪ ክነብሮ ዝተወሃበኒ ዕድል ሰለ ዝሕረርኩን፡ ዕድለይ ዘበላሸኽን እናዘከርኩ ምስቶም ብዘይ ፍታዎም ስድራ ዝሰኣኑ ዘኽታማት እታ ዝረኽባ እቶተት  ተኻፊለ ሕወተይ ክሕልፋ ወሲነ።

ይትባረከ ኣምላከ ኣበዊነ

ልዋም ሰለሞን

8/20/2018

Comments are closed.