ንኣፍልጦ ብዛዕባ ጾመ ነቢያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

  1. ካብ ኅዳር 6 - ታኅሣሥ 6 ዘሎ 31 መዓልታት ዘመነ ኣስተምህሮ ይበሃል። ኣስተምህሮ ማለት ኸኣ 'ይቕሬታ ወይ ምሕረት' ማለት 'ዩ።

- ኣብ ውሽጢ ዘመነ ኣስተምህሮ 4 ወይ 5 ሰናብት ይርከባ። ንሳተን ከኣ ፦

ሀ. ካብ 13 - 19 ኅዳር 'ቅድስት' ፡

ለ. ካብ 20 - 26 ኅዳ' ምኵራብ' ፡

ሐ.ካብ ኅዳር 27 -ታኅሣሥ 3ተ 'መጻጕዕ' ፡

መ. ካብ 4 - ታኅሣሥ 6ተ 'ደብረ ዘይት' ይበሃላ።

  1. ዘመነ ስብከት ዝበሃል ካብ 7ተ ታኅሣሥ - 13 ታኅሣሥ ዘሎ ሸውዓተው (7) መዓልታት እዩ። ዘመነ ስብከት ማለት 'ናይ ትምህርቲ ጊዜ' ማለት እዩ። እዚ ኸኣ ብዙኃት ነቢያት እናጾሙ ክርስቶስ ንኽውለደሎም ብተስፋ እናተጸበዩ ንሕዝቦም ይምህሩን የስተምህሩን ብምንባሮም ዝተዋህቦ ትርጓሜ እዩ።

- ዘመነ ስብከት ዅሉ ጊዜ ናብ 6ተ ኣይወርድን ናብ 14ተ እውን ኣይድይብን እዩ።

  1. ካብ 14 -20 ታኅሣሥ ዘሎ ጊዜ ብርሃን ይበሃል። ኣብዚ ጊዜ'ዚ ከኣ ስለ ሓቀኛን ኣመናውን ብርሃን ኢየሱስ ክርስቶስ ብስፍሓት ዝስበኸሉ እዋን እዩ።

  2. ካብ 21 - 27 ታኅሣሥ ዘመነ ኖላዊ ይበሃል። ኖላዊ ማለት 'ጓሳ' ማለት እዩ። እዚ ድማ ስለቲ ሓቀኛ ጓሳና ሕይወቱ በጃ ኣባጊዑ ዘኅለፈ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምልኣት እንሰብከሉ ጊዜ እዩ። ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ተደሪቡ ዝውዕል በዓል ኣሎ፣ ንሱ ከኣ 'ዘመነ መርዓዊ' ይበሃል።

- ዘመነ መርዓዊ ካብ 25 - 28 ታኅሣሥ ንኣርባዕተ መዓልቲ እዩ ዝኽበር።

  1. ካብ ታኅሣሥ 29 - 6ተው ጥሪ 'ዘመነ ልደት' ይበሃል።

6.ካብ 7 - 10 ጥሪ ድማ 'ናዝሬት ወይ ናዝራዊ' ይበሃል። እዚ ከኣ ጐይታ ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ፣ ኣብ ናዝሬት ድማ ከም ዝዓበየ በታ ዝዓበየላ ዓዲውን ናዝራዊ ተባሂሉ ከም ዝተጸውዐ ብስፍሓት ዝስብኸሉ እዋን እዩ።

  1. ካብ 11 ጥሪ ክሳብ ጾመ ነነዌ ዘሎ ድማ 'ዘመነ ጥምቀት ወይ ዘመነ ኣስተርእዮ' ይበሃል። ኣስተርእዮ ማለት 'ግልጸት፡ ምግላጽ' ማለት እዩ። እቲ ዘይርአ ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ፡ ብዓይኒ ደቂ ሰባት ተራእዩ፣ ብኢድ ዮሓንስውን ስለ ዝተጠምቀ ነዚ ንምግላጽ ዝተዋህበ ስም እዩ ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

መር. ቂርቆስ ሃብቶም (Mer. kirkos habtom)

Comments are closed.