ንኣዳም ምኽንያት ምድኃን ኴንክዮ ተስፋ

ጸላም ሰልጢኑ፡ ባርነት ኣስፋሕፊሕሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። እቲ ሕሱም ጨቋኒ በታ ዘይትምሕር ቅልጽሙ ጌሩ፡ ንመላእ ዓለም ከም ገልዒ ቀጥቂጡ ከም ስምዒ ኣቕሊጡ እናምበርከኸ፡ ደረቱ ነፊሑ ዝገዝኣሉ ዝነበረ ተካል ዘመን። ኣዳምን ዘርኡን ኣብ ሕይወቶም ዘይተርፋ ክልተ ትሑዛት ነገራት እናሓሰቡ ዝነበሩሉ ኣስቆንቋኒ ዘመን።

ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጻዕሪን ገልታዕታዕን ምንባሮም ከይኣክል፡ ኣብቲ ካልኣይ ዓለም ዝጽበዮም መካነ ኩነኔ እናክዝክሩ ዝትክዙሉ ናይ ትካዜ ሕይወት። ብፍላይ እኳ ደኣ ኣዳም፡ ነታ ንሾብዓተ ዓመታት ዝኣክል ጣዕማ ዘስተማቐራ ገነት ኤዶም፡ ሕጊ ኣምላኹ ኣጽኒዑ ክሕዝ ብዘይምኽኣሉ፡ ካብታ ምጭውቲ ሥፍራ ኣታኽልቲ ምስ ተባረረ፡ ብማዕዶ ኮይኑ ክርእያን፡ ሃገግታ ሽትኣ ብጫፍ ኣፍንጭኡ እናሓልፈ ክስርነቕን ስለ እተገደደ ዘሕልፎ ዝነበረ ጭንቂ ዝመልኦ ናብራ ንምግማቱ ኣየጸግምን። ኣርዑት ሕጊ ኣብ ክሳድ ደቂ ሰባት ተነቢሩ ምዕይ ከምዘይብሉ ጌሩ ከርዲኑ ሒዝዎም ዝነበረ እዋን፡ ብቐሊሉ ካብ ሕልና ዝፍሓቕ ፍጻሜ ኣይነበረ። እቲ ማዕከን ፍቕርን መዝገብ ርኅራኄን ዝኾነ ሕያዋይ ኣቦ ግን፡ ነቲ ብምንባር ኣእዳዉ ዝገበሮ'ሞ ትንፋሱ ሂቡ ሕያው ዝገበሮ ፍጡር፡ ብኸምኡ ክጠፍእን ንዘልዓለም ኣብ መዓሙቕ ጸላም ክነብርን ንኸይፈርዶ፡ እታ ዓቐን ኣልቦ ፍቕሩ ስለ ዝኸልከለቶ፡ “እትወለድ እምወለተ ወለትከ (ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድኅነካ'የ)” ዝብል ናይ ምድኅን ተስፋ ኣብ እዝንን ልብን ኣዳም ኣንበረ። ካብታ ግዜ እቲኣ ጀሚሮም እምበኣር ፡ ኣዳምን ዘርኡን ነታ ዘይፈልጥዋ ግን ከኣ እግዚአብሔር ኣብ ሕልንኦም ዘቐመጣ ናይ ምድኃኖም መንገዲ ሃረር ክብልዋን ስሌኣ ዓው ኢሎም ክዛረብን ከኣሉ። “መሠረታቲኃ ውስተ አድባር ቅዱሳን ( መሠረታ ኣብቶም ቅዱሳን ኣኽራን ኢዩ።)” ዝብል ናይ ነቢየ እግዚአብሔር ዳዊትን ካልእን ንዕኡ ዝመስል ስሌኣ ዝምስክር ብዙሕ ኅብረ ትንቢት እናተነግረ ከኣ ግዜ ንግዜ፡ ወለዶ ንወለዶ እናተተኻኽአ ነዊሕ መዋዕል ተቖጽረ።

    ባሕቲ ግንቦት......እቲ ኃያል ዝመስል ግን ከኣ ድኹም፡ እቲ ገዛኢ ዝመስል ግን ከኣ ባርያ፡ ግዜ ሂብዎ ዘውደልድል ዝነበረ እኩይ ጸላኢ፡ ጉዱ ዝተቐልዓላ፡ እቲ ንሥልጣኑ ዝስዕር ሽደን ኣንበሳ ዝመጸላ ኣፍ ደገ ከም ዝተራሕወት ርእዩ ኣብራኹ ራዕራዕ ዝበለላ ዕለት። በዛ ብርህቲ ዕለት እዚኣ፡ ዘመናት ዘንቃዕረራ ኣዕይንቲ መልሲ ረኸባ። ነቲ ዝፍታሕ እኳ ዘይመስል ኃያል ግድል ዝምልስ ረቂቕ ምሥጢር ኣብ እምባታት ሊባኖስ ተጋህደ። እቶም ኣብ ጽላሎት ሞት ዝነበሩ ኩላቶም፡ ነታ ድሒራ ንጽሓዮም ዘብረቐት ድምቕቲ ወርሒ፡ ኣብ እግሪ ነዋሕቲ ጽሕድታት እምባ ሊባኖስ ተነቢራ ንምርኣያ በቕዑ። “ኦ ድንግል አኮ በፍትወተ ደነስ ዘተጸነስኪ፡ አላ በሩካቤ ዘበሕግ እምሐና ወኢያቄም ተወለድኪ (ኦ ድንግል ብፍትወት ዓለም ዝተጸነስኪ ኣይኮንክን፡ እንታይ ደኣ ብቅዱስ መውስቦ ካብ ኢያቄምን ሐናን ኢኺ ዝተወለድኪ።)” ከም ዝተባህለ፡ እታ “አብ ዝመረጻ፡ ወልድ ዝተኸላ፡ መንፈስቅዱስ ዘጽለለላ” ምርጽቲ መሕደሪት በዛ ሎሚ ዕለት ኣብ እምባ ሊባኖስ ንድኅነት ኩሉ ዓለም መሪሕ ንኽትከውን ተወልደት። 

    “ተወሊዳ'ያ እሞ ኣደ ጐይታና ናይ ዓለም መድኃኒት

      ንዑ ንወድሳ ንዑ ነመስግና ንዑ ነኽብራ

      ንናይ አዳም ሕይወት”

               ኣዳም ምስ ተሰደ ካብ ናይ ቀደም ርስቱ

               ክትክዝ ጀመረ ብምሒር ጭንቀቱ

               እናበኸየ ንገነት ክገድፋ

               ናይ ምድኃን ምኽንያት ኴንክዮ ተስፋ”

"ዮም ፍስሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም”

  *+*+ ድንግል ማርያም ልደትኪ ልደትና ኢዩ+*+*+*

      እንኳዕ ኣብጽሓና::

ዲን. ዓወት

Comments are closed.