ንስሐ

በስመ አብ ወወልድ መንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ
ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒ 

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ትምህርና ኃጢያትና በሠለስተ ዓይነት መንገዲ ክንናሳሕ ትእዝዘና። ቀዳማይ ምስ ነብስና ብምዝርራብ ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ካህን ብዝርዝር ንሳሕ ፡ ሣልሳይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክ ብጸሎትን ብስግዳንን እናተኣሰነና ንንሳሕ።

 ቀዳማይ ምስ ነብስና ምንሳሕ ከም ዝግብኣና ዝምህረና እቲ ናይ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ንመልከት። እቲ ናይ ኣቡኡ ንብረት ሒዙ ርሑቅ ዓዲ ጠፍአ ድሕሪ ናብ ልቡ ምምላሱ ከምዚ በለ ;- “ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ ክብሎ ኢየ ”( ሉቃ 15 ፡17) ተንሢኡ ከኣ ናብ ኣብኡ ከደ ሕድገት ከኣ ተገብረሉ። ኣብ ዘይቦትኡ ግን ንነብስኻ ይኹን ንኻልእ ኃጢአትካ ምንሳሕ እኹል ኣይኮነን ፡ እኹል ተዝኸውን ኔይሩ ይሁዳ እስቆርታዊ “ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ” ብምባሉ ምድኃነ ነይሩ ( ማቴ 27፡4)

 ካልኣይ ዓይነት ንስሓ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣበ ነፍሲ  (ካህናት) ቀሪብካ ንንስሖ ንስሓ ኢዩ።                                              

ሣልሳይ ዓይነት ንስሓ ከኣ ኣብ ቅድሚ ካህናት ቆይምና ምስ ተናሳሕና ዝግባእ ተግሳጽን ቀኖናን ምስ ተዋኅበና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብጾምን ብስግደትን ነብጽሖ ናይ ንስሓ ጸሎት ኢዩ። ንኣብነት ንጉስ ዳዊት ንናይ እግዚአብሔር ነቢይ ናታን (ንእግዚአብሔር በደልኩ) ኢሉ ኃጢአቱ ድሕሪ ምእማን (ኦ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርህራሄኻ ኣበሳይ ደምስስ ; ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።) ብምባል ኢዩ ንጉስ ቅዱስ ዳዊት እናነብዐ ዝለመነ ( 2 ሳሙ 12፡13 መዝ 51፡ 1)

          ካብዘን  ሠለስተ ዓይነታት ንስሓ እቲ ኣብ ቅድሚ ካህን ዝግበር ንስሓ ብብዙሓት ሕቶ ይለዓል ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ ቅድሚ ካህናት ቆይምካ ኃጢአት ምንሳሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብለና ?                                 

 ካብ መጀመርያ ክንጅምር ኣብ ብሉይ ኪዳን  ሓደ ሰብ ብእግዚአብሔር ንዝተሰርሐ ሕጊ ኣፍሪሱ በደል እንተደኣ ተረኺብዎ ኣብ ቅድሚ ካህን ከይዱ ኃጢአቱ ክንሳሕ  እቲ ካህን ከኣ ኃጢኣቱ ይድምሰሰሉ ነበረ። (ዘኁ.55-6) ኣካን ዝተበኃለ ሰብ ኃጢአት ኣብ ዝሰርሓሉ ጊዜ ኣብቲ እዋን ናብ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ዝነበረ ካህን ኢያሱ ከይዱ ተናስሐ። ኢያሱ ንኣካን ኃጢአቱ ንኽናሳሕ ክሓቶ ኮሎ “ወደይ፡ በጃካ፡ ንእግዚአብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡ ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ”ብምባል ኃጢአትና ንካህን ምንሳሕ ንእግዚአብሔር ክብሪ ምሃብን ምንሳሕን ምዃኑ የረድኣና። (ኢያ 7 ፡ 19)

          ነዚ ክነለዕል ኮለና ሓደ ሓደ ሰባት “ እዚ ደኣ ኣብ  ብሉይ ኪዳን ኢዩ ፡ ግዜ ሓሊፉ እዩ” ክብሉ ይስምዑ። ናብ  ኣርእስትና ጥልቅ ኢልና ቅድሚ ምርኣይና ንካህናት ኃጢአት ምንጋር ንእግዚአብሔር ክብሪ ዝህብ እንተደኣ ኮይኑ ብብሉይ ኪዳን ዝነበረ ኣምላኽ እግዚአብሔር ኣይኮነን ዶ ? ንምንታይ’ከ ኣብ ቅድሚ ካህናት ክንስሑ   ፈቀደ? ከምዚ ኢልና ምሕታት ናይ ግድን ኢዩ።

          ኣብ መጻሓፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ናይ ኣዋጅ ቃላ ፈላሚ ዝነበረ መጥምቐ መለኮት ዮሐንስ ኣብ ዮርዳኖስ ከጥምቅ ከሎ ብዙሓት ናብኡ እናመጹ  (ኃጢአቶም እናተነስሑ) ይጥመቁ ነይሮም (ማቴ. 36)  ንስሓ ምስማዕ ናይ ጐይታ ክብሪ ዝቅንሰሉ እንተዝኸዉን ነይሩ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ መንገዲ ጸራጊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ቅድመይ ኣይተናስሕ ኢሉ ከም ልማዱ ብዘይ ፍርሓት ምገሰጸ ነይሩ።

          ብግልጺ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ  ክርስቶርስ ንሓዋርያቱ፣ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርክሞ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕክሞ ኵሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ” ብምባል ሥልጣን ኂብዎም ኢዩ። እዚ ሓዋርያት ዝፈትሑልና ማእስርቲ  “ማዕሰረ ኃጢአት(ናይ ኃጢአት ማእሰርቲከም ዝኾነ ኣብ ዮሐንስ ወንጌል ብዝሰፍሐ ተገሊጹ ኣሎ “ኃጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ”። ማቴ.16:19 ዮሐ. 20:23

          ሰብ ባዕሉ ንሓዋርያት እንተ-ዘይተናስሐ ኃጢአቱ ይቅረ ክብሉሉ ኮነ ክሕዙሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዝተወሃቦም ፀጋ ናይ ሰብ ኃጢአት ብዘይ ንስሓ  ይቅረ እንተበሉ ግና  ናይ ሰብ ውልቃዊ ምስጢሩ (privacy) ዝትንክፍ “ክትሓዊዶ ትደልይ ኢኻ” ከይበሉ ምድሓን ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ። በዚ ምኽንያት ሰብ ብናይ ሓዋርያት ስብከት ናብ ክርስትና ክመጹ’ከ ዝኣበስዎ ዝበደልዎን ጥያት ይንስሑ ነይሮም። ግ.ሓዋ.1918 ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝሓመመ ሰብ ካህናት ይጸውዕ ምስ በለ ኣብኡ ከሎ “ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተአመኑ” ብምባል ከማና ሥጋ ለበስ ከም ምዃኖም ክንሓምም ኮለና ዝጽልዩልና ካህናት  ኃጢኣትና ክንሳሕ  ኣዚዙና ኢዩ። ያዕ. 516-17

          ኃጢኣትና ንካህናት ንዘዝ ካህናት ክመኽሩናን ክግስጹናን ጥራሕ ኣይኮነን፡ “ኃጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም” ብዝብል ናይ ሓዋርያዊ ሥልጣን ስለዝሐዙን  ይቅሬታ ንምውሃብ ሥልጣን ስለዘለዎም ኢዩ። ስለምንታይ ንሓዋርያት ዝተወሃቦም ሥልጣን እናተወራረሰ  (Apostolic succession) ኣብ ኣቦታትና ካህናት  ከም ዝበጽሐ ንኣምን። ሥልጣነ ክህነት ምኽሪ ምኃብ  ጥራይ ሥርሑ እንተዝኸዉን ናብ ኣቦታት ካህናት ርእስኻ ምድናን ኣይመድለየን፡ ናብ ፈቐዶ  ቦታ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ዘለዎ  ናይ ሥነ ልቦና ሰብ ሞያ ምዉካስ ዝያዳ ምስ ተመርጸ።

          ንካህናት ኃጢአት ምንጋር ምስ ናይ  ኢየሱስ ክርስቶስ ሊቀ ካህናትነትን ይቅረ ባሃሊነትን ዝገራጨው ዝመስሎምን ብሐዲስ ኪዳን እንትርፎ  ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ካልኦት ካህናትን ኣገልገልቲን ኣይድልዪን ኢዮም ዝብሉ ኣለው። ነዚ ብዙሕ ከይደኸምና ካብቲ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሊቀ ካህናት ዝብል ስም ካልኦት ካህናት ከም ዘለዉ ይነግር። ሊቀ ካህናት ማለት ናይ ካህናት ሓለቃ(ሓላፊ) ማለት ክኸዉን ከሎ ካልኦት ካህናት ዘይብሉ ናይ ካህናት ሓለቃ ዝብል ሽመት ክህልው ከምዘይከኣል ይሕበርና ። ነዚ ኢዩ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ካህናት ሃለቃ(ሓላፊ)፡ ናይ ጓሶት ሃለቃ ክኸውን ከሎ ቀሳውስት ከኣ ካህናት ጓሶት ይበኃሉ። ራእ.5 1ጴጥ. 54    

          ኣብ ኦሪት ሠለስተ ዓይነት ሽመት ነይሩ፡ ሊቀ ካህናት (ናይ ቤት አሮን  በኹሪ ዉላድ)፡ካህናት (በኹሪ ዘይኮኑ ደቂ ኣሮን)፡ሌዋውያን (ካብ አሮን ዘይውለዱ ነገደ ሌዊ ዝኮኑ ዉላድ) ነይሮም። ሊቀ ካህናት ብዓመት ሓንሳእ ናብ ቅድስት ብምእታው ኢዱ ዘርጊሑ ናይ እንስሳ መሥዋዕቲ ዘቅርብ ነበረ። ካህናት ዝበኃሉ ከኣ መሥዋእቱ ኣብ መሠውኢ ብምቅራብ ዕጣን ብምዕጣን ብዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ዝሕግዙ ኢዮም። ሌዋውያን ከኣ ንካህናት ብትሕትና ዝእዘዙን ዘገልግሉን ዝንበሩ ኢዮም። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣእዳዉ ኣብ መስቀል ዘርጊሑ ንነብሱ መሥዋእት ዝኃበ ሊቐ ካህናት መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኢዩ። ነዚ “ብልዑ ስተዩ” ኢሉ ዝኃበና መሥዋእት (ሥጋን ደሙን) ኣብ መሠውኢ (ኣብ ታቦት መሠውኢ)ዘቅርቡን ዘገልግሉን ናይ ሕጂ ካህናት ከኣ ቀሳዉስት ኢዮም። ኣምሳለ  ናይ ሌዋውያን ንካህናትን ቀሳውስትን እንዳሓገዙ ንተልእኾ ዝጎዩ ከኣ ዲያቆናት ኢዮም። ሊቀ ካህናት ኢየሱስ ክርስቶስ ሕጂ’ውን እንተኾነ ምስ ካህናት ኣብ ቤተመቅደስ ኣሎ፡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ቅዱስ ጳዉሎስ ከም ዝበሎ “ ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ( ናይ ኦሪት ካህናት) ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሠውኢ (ታቦት መሠውኢ (Christian Altar) አሎና።  ሊቀ ካህናት ዝብል ቃል ኦርቶዶሳዊ ተዋሕዶ ስእሊ እዚ ኢዩ። እብ. 1310

        ዝተረፈና ናይ መወዳእታ ሕቶ ካህናት ኣብ ንስሓ ኃጠአት ይቅረ ናይ ምባሎም ምስ እግዚአብሔር ናይ ይቅረ ሥልጣን ዝትንክፍ ዘይምዃኑ ኢዩ። ይቅረ በሃሊ ልዑል እግዚአብሔር ኢዩ፡ ካህናት ዝጽልዩልና ናይ ንስሓ ጸሎትን ፍትሓት ዘወልድ መልእኽቱ እዚ ናይ እግዚአብሔር ይቅረ ባሃልነት ኢዩ።

ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቀሳውስት ኃጢአትና ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተናዘዝና ምሉእ ሥልጣን ከም ተዋህቦም “ኩኑ ፍቱሐነ (ፍቱሓት ኩኑ) እናበሉ ጸሎቶም ከይዕርጉ ግን ብትሕትና “እግዚአብሔር ይፍታሕካ ካብ ማእሰርቲ ኃጢአት” ዝብል ቃል እምበር “ ፈቲሐካ ኣለኹ፡ ነጻ ኢለካ ኣለኹ” ዝብል ቃል ካብ ኣፎም ኣይወጾምን ኢዩ።

ስለዚ ብዛዕባ ንኃጢያትና ንመን ክንሳሕ ከምዝግበ ኣና ብሓጺሩ ከምዚ ይመስል። ኣምላከ ቅዱሳን ኣብ ልቦናና የሕድረልና።

 ናብዚ እንኣትዎ ዘለና ሓዲሽ ዓመት ብንስሓ ዝተሓጽበ ንጹሕ ልቦና ንእግዚአብሔር ዘስምር ሒዝና ክንፍልሞ ኣምላከ ቅዱሳን ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና።
በረኸቱን ምሕረቱን የብዝኃልና። ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈለየና። አሜን 

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፣

 ወለወላዲቱ ድንግል፣

ወለመስቀሉ ክቡር።

 
ጸሓፊ ፥ ዲያቆን
 ሄኖክ ኃይሌ

ትርጉም ፥ ዲ. ያባል ዘመካነ ገነት

Comments are closed.