ንሰላም ብሰላም ንድለያ!

ትማሊ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ልዕሊ ሊቀ ጳጳስ ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተፈጸመ፡ ካህናት ኢሎም ልብሲ ተክህኖ ብዝለበሱ፡ ዝተገብረ ዓመጽ ዘሕዝን ኢዩ። ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ  ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ናይ  ስራሕ ምብጻሕ ክገብሩ ኢዮም ናብታ ኣብ ኣውስትራልያ ዘላ ቤተክርስቲያን ከይዶም። ኣብኡ ምስ በጽሑ ግን በቶም ንእግዚኣብሔር ዘይፈልጥዎ ኣገልገልቲ ዝተኣከበ ህዝቢ ንኣቡነ ባስልዮስ እናጸረፈን፡ ነዞም ክልተ ኣብ ምዕራብ ሓኪሎም ነፍሰ ፍትወት ዝዓብለሎም ብይመስለኒን ግምትን መሰረተ ሃይማኖቶም ዝሰረቱ  ንህዝቢ ካብ  ሓንትን ቅንዕቲ ቅድስትን ሓዋርያዊትን ሃይማኖቱ ዘኾብልልዎ ዘለዉ ኣባ መቃርዮስን ኣባ ማሕጸንተን እንዳወደሱን እንዳ ኣመጎሱን ክትሰምዕን  ክትርኢን ከለኻ ናይ ዳታንን ኣቢራምን ግብሪ ቅጅል ኢሉ ይረኣየካ። ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ባስልዮስ ዝተፈጸመ ብኹሉ መለክዒ ክረአ ከሎ ማለት ብሰብኣውነት፡ብእምነት፡ ብባህሊ፡ ብሕጊ ክምዘን ከሎ ሰብኣውነት ዝጎደሎ፡ ብእምነት ካብ ክርስቲያናዊ ትምህርትን ሥነ-ምግባርን ዝረሓቐን ዝወጸን፡ ብባህሊ ነቲ ውርዙይ ባህልና ዝብክል ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከመይ ዝበለ ባህላዊ ውድቀት ከምዝተሸመ ዘጉልሐ፡ ብሕጊ ድማ እዞም ሰባት ንሕጊ ናይተን ዝነብሩለን ሃገራት ዘይፈልጡ ምዃኖም ንጹርን ልዕሊ ኩሉ ድማ ካብ ከምዚ ዚዓይነቱ ጉጅለ ዝመጽእ ራህዋ ከምዘየልቦ ብጋህዲ ዝተንጸባረቐሉ ኩነትን ንብዙሓት ሰብ ሕልና ዘንበዐ ኣጋጣሚ ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ ኢዩ።

እዚ ጉጅለ፡ ብጽልኢ ዝተዓብለለ፡ ነቲ ሓቀኛ ኣማኒ ተዋህዶ ኮነ ኤርትራዊ ዘይውክል ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። ኣብዚ ጊዜ ኣብ ውሽጢ ህዝብና ናይ ሓሳብን ፖለቲካዊ ርእይቶን ፍልልያት ምህላዉ ኣጸቢቕና ንፈልጥ። እዚ ዘሎ ጊዚያዊ ጸገማት ግን ነባሪ ጸጋታትና ዘጥፍእ ከይከውን ጥንቃቐ ዘድልዮ ምዃኑ ምስትውዓል ዘድልዮ ኢዩ። ልቢ ኣምላክ ዳዊት “ዳዊት 34 - 14 ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን።” ዝበሎ ቅዱስ ጳውሎስ “ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ።” ሮሜ 12፡9። ብምባል ይሰማማዓሉ። ሰላምን ዕርቅን ብጸርፍን ብበትሪን ኣይርከባን ኢየን። ሰላምን ዕርቅን ብኣድማን ብባእስን ኣይርከባን ኢየን። ሰላም ዕርቅን ብሻራን ብጉጅለን ኣይመጻን ኢየን።

እዞም ካህናት መሰል፡ መራሕቲ ኣድማን መናዓብቲን መምህርና ቅዱስ ጳውሎስ “2ይ ጢሞቴዎስ 3፡5። እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም፡ ነቲ ኃይሉ ግና ዚኽሕድዎ።” ብምባል ክገልጾም ከሎ፡ ቅዱስ ይሁዳ ድማ “እዚኣቶም ምፍልላይ ዜምጽኡ፡ መንፈስ ዜብሎም ሥጋውያን እዮም።” ይሁ 1፡19። ይብሎም። እዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዘጋጠመ ኣብ ሓንቲ ለይቲ ዝተፈጥረ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ንዓመታት ክስርሓሉ ዝጸንሐ፡ በቶም ናቶም መማህራንን ኣማኸርቲን ኣቢሉ ዝተዘርአ ክርዳድ ኢዩ ሎሚ በቚሉ ፍረኡ ንምርኣይ በቒዕና እነሆ። እዚ ትማሊ ዝተራእየ ተግባራት ፍረ ናይ ወንጌል ኣይኮነን። ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኣይኮነን። “ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሔር እየ።” ዘሌ 19፡32 ዝበሎ ቃል ንመን ከምዝተነግረ ዘይፈልጡ መማህራን ዝመርሕዎ ተታሓሒዝካ ናብ ገደል ምእታው ኢዩ። ነቲ ቅዱስ ጳውሎስ “ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ።” ዝበሎ ዘክሩ። 2ይ ቆሮንቶስ 13፡5። ኣብ ሃይማኖት ዘሎ ሰብ እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ኢዩ ዚዛረብ እምበር ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፉ ኣይውጻእ ኢዩ። ኤፌሶን 4፡29። ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ብተስፋ ይሐጐስ፡ ብጸበባ ይዕገስ፡ ብጸሎት ይተግህ፡ ንዚሰጉዎ ይምርቕ፡ ይምርቕ እምበር፡ ኣይረግምን ኢዩ። ሮሜ 12፥12-14። ናይ እምነት ሰብ እግዚአብሔር ክዓዪ ደኣ ይጽበ እምበር ዝመሰሎን ዝተሰመዖን ብፍኑው ኣይገብርን ኢዩ። ኣብ እምነት ዘሎ ሰብ ብርድኢት እምበር ብስምዒት ኣይጓዓዝን ኢዩ።

ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ከምዚ ይብለና፡ “እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ።” ማቴ 12፡35-37። ሕጂውን ኣሕዋተይ ክምብል በለ እምበር ኣይተኻዕወን፡ ቅኑዕ መራሒ ሃይማኖት ንህዝቡ ጠርኒፉ ኣብ ጎደናታት ዝጭርሕ ዘይኮነ፡ ህዝቡ ኣኪቡ ኣብታ ቅድስት ቤተክርስቲያኑ ብጾምን ብጸሎትን ብስግደትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ቀሪቡ ዝማልድን ዝልምምንን ኢዩ።ኢያሱ 7። ናይ ክርስቶስ ካህን መስቀል ጨቢጡ ኣብ ጎደናታት ወጺኡ ካብ ዓለም ፍትሒ ዝደሊ ዘይኮነ፡ ነቲ ብሕቡእ ዝርኢ ኣምላኹ ማዕጾኡ ዓጽዩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኹ ዝነብዕ ኢዩ። ማቴ 6፡6። ናይ ክርስቶስ ካህን ነቲ ዝተዋህቦ መጓሰ ብመንፈሳዊ መገዲ ክመርሕ እምበር፡ ንሱ በቲ መጓሰ ተመሪሑ ንኽኸይድ ኣይኮነን። ናይ ክርስቶስ ካህን በቲ ቅዱስ ኢሉ ዘመስግነሉ ልሳኑ ጸርፊ ኣየውጽእን ኢዩ።

ነዚ ከምዚ ዚበለ ቅዱስ ያዕቆብ “ ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧   ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ።  ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣካይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን ኣሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ሥጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን።” ያዕቆብ 3፡10-16።

ኦ ህዝበይ! “እግዚኣብሔር ኪዋጋኣልኩም እዩ እሞ፡ ህድኡ።” ዝብል ኣቦ ደኣ እምበር ብጎደና ዓለም ዝፋንን መራሒ ንጊዜኡ ብሥጋ ባህ ከብለካ ኢዩ። ናብታ ዘለኣለማዊት ቤት ግን ኣይብጻሓካን ኢዩ። ኢዩ። ዘጸአት 14፡14።  ኣብ መወዳእታ ብጹዕ ኣቡነ ባስልዮስ ቀደም’ውን ንዓለም ዝሞቱ ኢዮም እሞ ሞጊስካ ኣይትውስኸሎም፡ ወቒስካ ኣይትንክየሎም። ሕጂ’ውም ደጊመ ንኹሎም እቶም ኣብዚ ኩኑን ተግባር ዝነበሩን ዝሓብሩን ብቃል ቅዱስ ዳዊት ካብ እከይ ርሐቕ፣ ሰናይ ከኣ ግበር፣ ንሰላም ድለያ ስዐባውን።” ክብሎም እደሊ ዳዊት 34፡14።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

Comments are closed.