ምምጻእ ናይ ብፁእ ኣቦና ኤልያስ ናብ ሃገር ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን

" ናይ ብፁእ ኣቦና ኤልያስ ምምጽእ ናብ ሃገር ስብከትና ክንርኢ ንግሆ ንግሆ ዓይንና ሓሲና፡ ገጽ ንገጽ ክንራኸብ  ንጽበ ነይራ። ምሳዛ ክብርቲ መዓልቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቀልጢፉ ከራኽበና፡  ካብ ጸሎት ኣዕሪፍና ኣይንፈልጥን። ነዛ መዓልቲ ካብ ርሑቅ ኣማዓሚድና ንርእያ ነይርና። ትመጸና ከም ዘነበረት ኣይዘንጋዕናን።

ኣቦና ክህልወና ቢሂግና፡ ናፍቆት ኣቦነት ንልብና ስዒርዎ። ናይቲ ዝጓስየና ኣቦ ገጹ ክንርኢ፡ ኣብ ትሕቲ መጋስኡ ኮይና መንፈሳዊ መግብን መስተን ክንጸግብ፡ ናፍቆት ኔይርና። እዚ ዓመታት ዝወሰደ ናፍቆትን ሃረርታን ሎሚ ተፈጺሙ። ጸሎትና ሰሚሩና። ተመሰገን እግዚአብሔር ኣምላኽ ምስዛ ቅድስቲ መዓልቲ ዘራኸብካና። "

ቅዱስ ሲኖዶስን ጳጳሳ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካንዳን  ብፁዕ ኣቡነ ኤልያስ፡ ብልኡካን ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ቀሲስ በረኸት ኪዳነ ኃላፊ ወፃኢ ዝምድናታት መንበረ ፓትርያርክን ተሰንዮም  ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ብዕለት 4-09-2014 ዓ.ም.ግእዝ (12-05 2022 ዓ.ም.ፈ)  ብሰላም ኣትዮም።

ብፁእ አቡነ ሉቃስን አቡነ ኤልያስ ካብ መዕርፎ ነፍርቲ ጀሚሮም ክሳብ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ጽርሓ ኣርያም እግሮም ዝረግጹ ብለባስያን ካህናትን ብተማህሮ ትምህርቲ ሰንበትን ብምእመናንን ብመዝሙር ምስጋና ተዓጂቦም ብኽብሪ ናብ ዝተመደበሎም ሃገረ ስብከት በጺሖም። ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ሥርዓት ጸሎት ቅዳሴ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ናይቲ ደብሪ ርእሰ  መምህር ቆሞስ አቦ ገብረሥላሴ ናይ እንቋዕ ደሓን መጽሕኩም መልእኽቲ ኣስሚዖም። ቀጺሎም ሊቀ ካህናት ቀሲስ ሚካኤል ሓጺር መግለጺ ንሃገረ ሰብከትን ኣሜርካን ካናዳን ዘምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ኣቡነ ሉቃስ ንዓቅልን ትዕግስትን ሃገር ስብከትና ሞጊሶም። ነዛ መዓልቲ እዚኣ ንኽንርኢ ዝፈቀደ ልዑል እግዚአብሔር ኣምላኽውን ኣመስጊኖም። ሃገር ስብከት ምስ ቡፁእ ኣቡነ ኤልያስ ብሓደ ልብን ውሕደትን ሰሚሮም ልዕል'ቲ ቅድሚ ሕጂ ዝፍጽምዎ ዝነበሩ ሓዋርያዊ ተልእኮን  ኣግልግሎትን ንኽፍጹም ሓደራ ኢሎም።
በረከት ብፁአን አቦታት አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር የካፍለና።

Comments are closed.