ናይ መን ሥጋ ንበልዕ፧

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ብፍጹም ሰላመ እግዚአብሔር ሰላም ንዓኻትኩም ይኩን እንዳበልና ከምቲ ሓ.ቅ. ጳውሎስ ዝብሎ 'ንሕነሰ ንሰብክ ክርስቶስሃ ዘተሰቅለ፣ ንሕናሲ ነቲ ዝተሰቅለ ክርስቶስ ኢና ንሰብክ' 1 ቆሮ 1፡23።

ሎሚ ኣብ ዓምዲ 'መልሲ ንሕቶኹም!'፡ ካባኹም ንዝመጸና ሕቶ መልሲ ንምሃብ መጺና ኣሎ። እቲ ሕቶ ኸመዚ ይብል፣ 'ናይ መን ሥጋ ንበልዕ፧!'።

እዛ ሕቶ ካብ ነገረ ሥጋዌ ክሳዕ ነገረ ድኅነት ዘሎ ብሓፈሻ ዶግማን ቀኖናን ቤተ ክርስቲያን ከየፋለሰ መልሲ ክወሃቦ ይግባእ። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ውላጤ እንተ ገበርና፡ ኣብቲ ዝተሠረተን ዝተደንገገን መሠረት እምነትና ውላጤ ነምጽእ ኣለና ማለት እዩ። ስለዚ እቲ ርቱዕ ኦርቶዶክሳዊ ትምህርቲ እንታይ ይመስል፧! ስለዚ ኣኅዋት ንመለስ፣ 'ተሰአሎ ለአቡከ ወይነግረከ፡ ወለሊቃውንትኒ ይዜንውከ ፣ ነቦኻ ሕተቶ ክነግረካ እዩ፡ ንሊቃውንት ተወከሶም ከግህዱልካ እዮም!' ከምዝበሃል፡ ጠመተና ናብ ምህሮ ሊቃውንት ኣቦታት ይኹን። ብኸምዚ እንተዘይኰነ ጕዕዞና ግን፡ 'ኣእምሮ ዘይብሉ ሕዝብስ ክጠፍእ እዩ' (ሆሴ 4፡14)፣ ዝብሎ ነብይ ሆሴዕ ኣባና ክውን ክኸውን እዩ፡ ሕዝበ ክርስቲያን ከይንጠፍእ መታን ንሕተትን ነስተውዕልን።

ፍጥረት ሰብ!

ኣብ መወዳእታ ድኅሪ ኵሎም 21 ፍጥረታትን መበል ራብዓይ ፍጥረት ናይ ዕለተ ዓርብን ዝኾነ ሰብ እዩ። እግዚአብሔር ኣምላኽ “ንግበር ሰብአ በአርአያነ ወበአምሳሊነ/ ብመልክዕናን ብምስልናንን ሰብ ንፍጠር” ብምባል ፈጠረ። ድኅሪ ኵሎም ዝፈጠረሉ ምኽንያት ከምቲ ለዋህ ወላዲ ንውላዱ ኣቐዲሙ ንመጻኢ መነባብሮኡ ዘዳልወሉ፡ እግዚአብሔር ድማ ነቲ ኣዝዩ ዘፍቅሮ ሰብ ኵሉ ዘድልዮ ኣቐዲሙ ምስ ፈጠረ ፈጠሮ ።

ንዝቐደሙ ዕሥራን ሓደን ፍጥረታት ብሓልዮ (ብሓሳብ)፡ ብነቢብ (ብቃል) ክፈጥሮም ከሎ ንሰብ ግና ፍልይ ብዝበለ ብግብሪ ፈጠሮ። (ዘፍ 1፡26)

ሥላሴ ብመልክዕናን ብኣምሳልናን ሰብ ንፍጠር ምስ በሉ ናይ ሰብ ሥጋኡን ነፍሱን ብዘይምቅድዳም ብሓደ ጊዜ ተረኽቡ፡ “ወገብሮ እግዚአብሔር ለሰብእ እመሬተ ምድር ወነፍሐ ውስተ ገጹ መንፈሰ ሕይወት፡ ወኮነ ዕጓለ እመ ሕያው / እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብ ምድሪ መሬት ወሲዱ ንሰብ ፈጠሮ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ሕይወት ዝህብ ትንፋስ ኡፍ በለሉ እሞ ሰብ ከኣ ሕይወት ዘለዎ ኾነ።” (ዘፍ. 2፡7)

ንግዙፍ ኣካለ ሥጋ ብኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋ (መሬት፡ ማይ፡ እሳት፡ነፋስ) ኣራኺቡ ብሥጋ ኣለሳሊሱ፡ ብጅማት ኣተኃኂዙ፡ ብኣዕፅምቲ ኣጽኒዑ ከምኡ’ውን ነታ ረቂቅ ኣካል ዘለዋ ነፍሲ ካብ ዘይምህላዉ ናብ ምህላው ኣምጺኡ፡ ንሠለስተ ባህርያት ማለት ለባውነት (ፍልጠት)፡ ነባቢነት (ቃል)፡ ሕያውነት (ሕይወት) ሂቡ፣ ብሓፈሻ ንሥጋን ነፍስን ኣዋሒዱ ፈጠሮ።

ሰብ በቲ ግዙፍ ኣካሉ ሥጋውን መዋትን ብምዃኑ እንስሳ ኣይኮነን። በታ ረቃቕ ነፍሱ ለባውነት ፡ ነባቢነት ፡ ሕያውነት ስለዘለዎ መልኣኽ ኣይኮነን። ባህሪኡ ናይ መልኣኽን ናይ እንስሳን ስለ ዝኾነ ማእከላዊ እዩ።

ናይቲ ቀዳማይ ሰብ ኣዳም ኦርቶዶክሳውያን 'ጐይታ፡ ካብ ድንግል ማርያም ካብ ነፍሳ ነፍሲ ወሲዱ ሰብ ኮነ!' ንብል፡ እዚ ማለት ከኣ ናይ ጐይታ ሥጋን ደምን ናይ ድንግል ማርያም ሥጋን ደምን እዩ ማለት ህጸጽ ዘይብሉ፡ ርቱዕ ኦርቶዶክሳዊ ኣስተምህሮ ምዃኑ ክፍለጥ ዘለዎ እዩ። እግዚአብሔር ንሔዋን ክሠርሓ እንከሎ ካብ ናይ ኣዳም ሥጋን ዓጽምን ነብስን ከፊሉ ከምዝገበራ፡ ከምኡ ከኣ መለኮት ቃል ለከዊነ ሰብእ ኣብ ዝመጻሉ (ሥጋና ክወሃድ ኣብ ዝፈተወሉ ጊዜ)፡ ንድንግል ማርያም ልክዕ ከምቲ ናይ ሔዋን ካብ ኣዳም 'ዘእንበለ ዘርአ ብእሲ ፣ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ!' ብግብረ መንፈስ ቅዱስ ብተከፍሎ ካብ ሥጋኣ ሥጋ፡ ካብ ነፍሳ ድማ ነፍሲ ከፊሉ ተወሃሃደ። ስለዚ ናይ ሔዋን ሥጋ ናይ ኣዳም ሥጋ እዩ፡ ናይ ሔዋን ነፍሲ ናይ ኣዳም ነፍሲ እዩ፡ ኣብ ዘፍ 2፡23 'ንሔዋን ካብ ዓጽሙ ወሲዱ ምስ ፈጠራ፡ 'እዚኣ ዓጽሚ ካብ ዓጽመይ፡ ሥጋ ካብ ሥጋይ እያ!' በለ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ኣብ ዝተርጐመሉ ኣንቀጽ፡ 'ወበከመ አውጽአ ዐጽመ እምገቦሁ ለአዳም፡ ከማሁ ዓዲ ነሥአ ሥጋ እምድንግል ሥጋ ዘቦቱ ነፍስ ነባቢት ወለባዊት ወኢተወለጠ ድንግልናሃ ፣ ከምቲ ካብ ናይ ኣዳም ናይ ጐድኒ ዓጽሚ ከምዝወሰደ ንኣዳም ከኣ ኣካል ከምዘይጐደሎ፡ ከምኡ ከኣ ካብ ድንግል እትናገርን ለባዊትን ነፍሲ ዘለዎ ሥጋ ወሰደ፡ ማኅተም ድንግልናኣ ከኣ ኣይተለወጠን' ይብል። ተወሳኺ ምስ እንርኢ ኣዳም ብዘይ ኣደ ንሔዋን ከም ዘምጽኣ ከምኡ ከኣ ድንግል ንክርስቶስ ብዘይ ኣቦ ወለደት (ሃይማኖተ ኣበው ዘቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ ምዕ 66፡28-30፡ ዘቅዱስ ዮሓንስ ዘኣንጾክያ 107፡27 ፣ ዘዘካርያስ 108፡8)።

  • ቅዱስ ባሲልዮስ'ውን 'ወሥጋሂ ዘነሥኦ እምእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም አዕረጎ ምስሌሁ ውስተ ሰማያት በተዋሕዶ ወቦቱ ይመጽእ ይኰንን ሕያዋነ ወሙታነ ፣ ነቲ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ ብተዋሕዶ ናብ ሰማያት ምስኡ ኣዕረጎ፡ ብእኡ ኸኣ ኣብ መንጐ ሕያዋንን ሙታንን ክፈርድ ክመጽእ እዩ' ይብል፡ (ሃይ ኣበው ዘባሲልዮስ ምዕ 34፡20፣ ገጽ 118)። እኣምን እኣምን እኣምን ክሳብ ዳኅረወይቲ እስትንፋስ እዚ ናይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብክልተ ወገና ድንግል ካብ ዝኾነት ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ፡ ምስ መለኮቱ ሓደ ዝገበሮ ሥጋኡን ደሙን ከምዝኾነ እእመን'፡ (ቅዳሴ ሓዋርያት 101)።

ንሕና እንበልዖ ሥጋ ናይ እግዚአብሔር ወልድ እዩ፣ ግና እቲ ሥጋ ካበይ ዝመጸ እዩ ምስ ንብል፣ ካብ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም እዩ። "ወሶበ አኮ እግዚአብሔር ጸባዖት ዘአትረፈ ለነ ዘርአ ከመ ሰዶም እምኮነ ወከመ እምገሞራ እመሰልነ ፣ እግዚአብሔር ዘርኢ እንተዘይኃድገልና ንሰዶም ምመሰልና ንጎሞራ ምኮንና' በለ፣ (ኢሳ1፡9)። ንመን እዩ እዚ ትንቢት ተነጊሩ ምስ ንብል እዚ ሰምን ወርቅን ኣለዎ።

  • ቀዳማይ ሰም፣

ንጊዚኡ ባቢሎን ተማሪኾም ዝተረፉ እስራኤላውያን ኔሮም፡ ካልኦት ክሞቱ ከለው ንዕዖም ነቶም ዝተረፉ እንተዘይኃድገልና ከምሰዶም ከምገሞራ ምመሰልና ክብል እዩ።

  • ካልኣይ ሰም ድማ

ዓበይቲ ነብያት ክኃልፉ ከለው ደቂቀ ነብያት እንተዘይኃድገልና ኔሩ መኻሪ፡ ገሣጽን ኣዘካርን ስኢኑ እዚ ሕዝቢ ምጠፍአን ምዓለወን፡ ንጎመራ ድማ ምመሰለ ክብል እዩ።

እቲ ወርቁ ኸ፧!

  • እቲ ወርቁ ግና 'ናይ ትንቢት ፍጻሜ፡ ምስጋንኣ ካብ ምስጋና ንላዕሊ ዝኾነ፡ መልዕልተ ፍጡራን መትሕተ ፈጣሪ፡ ኃጢኣትን መርገምን ዘይኃለፋ ብነፍስን ብሥጋን ንጽሕት፣ ብሃልዮ፡ ብነቢብን ብገቢርን ቅድስት ንዝኾነት ንድንግል ማርያም ንምሥጢር ተዋሕዶ እንተዘይኃድገልና ምጠፋእና ክብል እዩ። ስለዚ ድኂንና፡ ካብ መርገምውን ኣንጺሑ ክብል፡ 'በቲ ናታ ሥጋን ነፍስን ተወሃሂዱ ካብ መርገም ኣድኂኑና!' በለ።

ቅዱስ ያሬድ ኣብ መጽሓፈ ድጓ ጸዋትወ ዜምኡ ድማ 'ማርያምሰ ተኃቱ ውስተ ከርሡ ለአዳም ከመ ባህርይ ፀዐዳ ፣ ማርያምሲ ኣብ ከርሢ ኣዳም ኮይና ከም ፃዕዳ ዕንቍ ተብርህ ነበረት!' ብምባል ኣብሪሁን ኣስፊሑን ገሊጹልና ኣሎ። እዚ ዕንቍ እዚ ካበይ ኣምጺኡ መሲልዎ ቅዱስ ያሬድ ምስ ንብል፡ ሓደ ዑፍ ከርከዴን ትበሃል ኣላ። እዛ ዑፍ እዚኣ ኣብ ሙቐት ቦታ ትቕመጥ፡ ሙቐት ምስ በርትዓ ንባሕሪ ትወርድ፡ ሽዑ ናይ ፀሓይ ጩራ ምስ ረኸባ ማሕጸና ይክፈት፣ ብየማናይ ማሕጸና ዕንቍ ብጸጋማይ ማሕጸና ድማ ዕንቋቍሖ ይጸንሕ። ናይ ጩራ ፀሓይ ምስ ረኸባ፡ ካብ ማሕጸና እቲ ዕንቍ ይወጽእ፡ ዓሳ ነታ ዕንቍ ይወስዳ። ነዛ ዕንቍ ን5500 ዘመን ኣብ መሬት ምስ ንቐብሮ ምንም ሕብሩ ኣይቅይርን፡ ኣይበላሾን፣ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ድማ ካብ ኵሉ ሰብ ንኃሙሽተን ፈረቓን ዘመን ናይ ኣዳም ኃጢኣት ከይረኸባ ፍረ ናይ እያቄምን ሃናን ኮይና ተረኪባ፣ (መጽሓፍ ኣክሲማሮስ፡ ሃይማኖተ ኣበው ዘቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ)። ካብኣ ድማ 'ቃል ብቅድሙ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቃል ድማ ኣምላኽ ነበረ። ንሱ ብቅድሙ ኣብ ኣምላኽ ነበረ፣ ብእኡ ዅሉ ተፈጥረ፡ ካብቲ ዝተፈጥረ ዘበለ ድማ ብዘይካ ብእኡ ሓንቲ እኳ ዝተፈጥረ የለን' (ዮሓ 1፡1-3) ዝተባህለ ሥግው ቃል ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ሥግኣ ሥጋ ካብ ነፍሳ ነፍስ ወሲዱ ሓደ ኣካል ሓደ ባህሪ ኮነ።

  • 'ቃል ሥጋ ኮነ' (ዮሓ 1፡14)፣

- እቲ ቃል ሥጋ ኮይኑ ተወሃሃደ፣ ሰብ ኮነ ሰብ ኮይኑ 'ሥጋይ ብልዑ፡ ደመይውን ስተዩ!' በለ (ማቴ 26፡26 ፣ ዮሓ 6፡55)፣ እዚ ሥጋ ካብ ቅድስት ድንግል ዝወሰዶ እዩ፡ እቲ ደም ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝወሰዶ እዩ፣ ስለዚ ንበልዖ ሥጋ 'ካብ ድንግል ማርያም ዝወሰዶ ሥጋ፡ መለኮት ዝተወሃሃዶ ሥጋ ድንግል ማርያም እዩ፣ እቲ ደም ድማ መለኮት ዝተወሃሃዶ ደም ድንግል ማርያም እዩ!"።

  • ኣባ ሕርያቆስ ኣብ ናይ ቅዳሴ ማርያም ድርሰቱ፣ 'በአማን ነጸረ እግዚአብሔር አብ ምሥራቀ ወምዕራበ፡ ሰሜነ ወደቡበ ወውስተ ኵሉ አጽናፈ ዓለም፡ አስተንፈሰ ወአጼነወ ወኢረከበ ዘከማኪ ፣ እግዚአብሔር ኣብ ንምብራቕን ንምዕራብን፡ ንሰሜንን ንደቡብን ተመልከተ ኣስተንፍርሰ ጠመተ፣ ነገር ግን ከማኺ ዝበለ ኣይረከበን፡ ሓደ ወዱ ናባኺ ለኣኾ፡ ካባኺ ድማ ሰብ ኮነ፣ (ቅዳሴ ማርያም፣ ቝ. 24፣ መዝ. 45፡10-11) ።

  • ከምኡ ድማ ኣባ ኤፍሬም ከምዚ ይብል፣ 'ነጸረ አብ እምሰማይ ወኢረከበ ዘከማኪ ፈነወ ዋሕዶ ወተሰብአ እምኔኪ ፣ እግዚአብሔር ኣብ (ኣቦ) ኣብ ሰማይ ኮይኑ ረኣየ ከማኺ ዝበለ ስለዘይረከበ ነቲ ሓደ ወዱ ናባኺ ለኣኾ፡ ካባኪ ድማ ሰብ ኮነ'፣ (ውዳሴ ማርያም ዘሮቡዕ፡ ኵሉ ሠራዊተ ሰማይ)።

  • '- ይእቲ ተዓቢ እምኪሩቤል ወትፈደፍድ እምሱራፌል፡ እስመ ኮነት ታቦተ ለአሐዱ ዘእምቅድስት ሥላሴ'፣ እዚኣ ካብ ኪሩቤል ትዓቢ ካብ ሱራፌል ትበልጽ እያ፡ ንጽሕት ስለዝኾነት ካብ ሠለስተ ኣካላት ሓደ ኣካል ኣብኣ ኃደረ፣ (ውዳሴ ማርያም ዘሮብዕ፡ የዐቢ ክብራ)እቲ ምስኣ ዝተወሃሃደ እግዚአብሔር ወልድ ሥጋ እምሥግአ ነፍስ እምነፍሳ 'ወሲዱ ሥጋይ ብልዑ ደመይ ስተዩ!' በለና፣ (ዮሓ. 6፡56 ፣ ማቴ 26፡25)።

እንበልዖ ሥጋ!

  • እቲ ሥጋይ ዝበልዕ ደመይ'ውን ዝሰቲ ኣባይ ይነብር ኣነ'ውን ኣብኡ እነብር፣ (ዮሓ 6፡56)። ስለዚ እዚ ሥጋ እዚ ናይ ድንግል ማርያም እዩ፡ እዚ ደምዚ ናይ ድንግል ማርያም ደም እዩ፣ ግና 'ነፍስ ዝተፈለየቶ መለኮት ዝተወሃሃዶ፡ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ህልዋን ዝኾንዎ ናይ እግዚአብሔር ወልድ ንበልዕ። ኣብ ናይ ደብረ ቢዘን 'መዝገበ ሃይማኖት' 1988 ዓ.ም. / 1996 ፈረንጂ ኅታም፣
  • 'ናይ መን ሥጋ ትበልዕ፧!' ኢሉ ሓቲቱ ክምልስ እንከሎ - 'ናይ እግዚኣብሔር ወልድ'፣ ትሕት ኢሉ ድማ፡
  • 'እትበልዖ ሥጋ ምዉት ድዩ ሕያው፧!'

- 'ምውት ብሰብነቱ፡ ሕያው ብመለኮቱ፡ ነፍስ እተፈለየቶ፡ መለኮት እተወሓዶ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ህልዋን ዝኾንዎ።

  • ምዉት ብሰብነቱ እተባህለ መን እዩ፧

- መለኮት፣

  • ሕያው ብመለኮቱ እተባህለኸ፧

ሥጋ፡ ይብል ፣ (መዝገበ ሃይማኖት ዘደብረ ቢዘን ፡ ገጽ 3-4፣ 1988 ዓ.ም. / 1996 ፈረንጂ)።

'ኦ ማርያም በእንተዝ ናፈቅረኪ ወነዓብየኪ፡ እስመ ወለድኪ ለነ መብልዐ ጽድቅ ዘበአማን ወስቴ ሕይወት ዘበአማን፣ ኦ ማርያም ስለዚ ኢና ንፈትወኪ፡ ስለዚ ኢና ኣደ ኢልና ነኽብረክን ነዕብየክን፡ ናይ ሓቂ መግቢ ሕይወት ወሊድክልና፡ ናይ ሓቂ መስተ ሕይወት ሂብክና ኢኺ'፣ (ቅዳሴ ማርያም ዘአባ ሕርያቆስ፣ )። ተአምረ ማርያም ናሁ ርእዩ እምልብ ከመ ሰመያ ለእግዝእትነ ቤዛ ኩሉ ዓለም" ንእግዝእትነ ማርያም መድኃኒት ጌሩ ከምዝፈጠራ ጥልቅ ኢልኩም ኣስተውዒልኩም ፍለጡ። በገና መንፈስ ቅዱስ ዝተሰምየ ኣፈ በረከት ኣባ ኤፍሬም ሶርያዊ ኣብ ናይ ኃሙስ ውዳሴኡ፣ 'በእንተ ሔዋን ተዐጽወ ኆኅተ ገነት፡ ወበእንተ ማርያም ድንግል ተርሕወ ለነ ዳግመ ከፈለነ ንብላዕ እምዕፀ ሕይወት ዘውእቱ ሥጋሁ ለክርስቶስ ወደሙ ክቡር' ከምዝበለ 'በዚ ምክንያትዚ ብሄዋን ኣፍ ደገ ገነት ተዓጽወ ብድንግል ማርያም ግና ከም ብሓድሽ ተራሕወልና ካብ ዕፀ ሕይወት ከኣ ክንበልዕ ዓደለና፡ ንሱ ከኣ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እዩ፣ (ውዳሴ ማርያም ናይ ኃሙስ ዕለት፣ ናዐብየኪ ኵልነ)። እዚ ሥጋ ሥጋ ድንግል ማርያም እዩ፡ እዚ ደም ደም ድንግል ማርያም እዩ።

መደምደሚ፡

ስለዚ እንበሎ ሥጋ፣

  1. እንበልዖ ሥጋ፣ ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ነፍስ ዝተፈለየቶ መለኮት ዝተወሃሃዶ፣ ኣብን መንፈስ ቅዱስን ሕልዋን ዝኾንዎ፡ ሥጋን ደምን ንበልዕን ንሰትን እዩ እሞ።

2.እንበልዖ ሥጋ፣ ካብ ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔር፡ ካብ ደም ድንግል ማርያም ዝተረኽበ ደም  ወልደ እግዚኣብሔርእዩ።

 ነዚ ፈሊጥና ኣሚንና፡ ክንገብር ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና፡ ኣሜን።

ኣባ ዮሓንስ ናይ ኣንጾክያ ሊቀ ጳጳሳት ናብ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ዝኾነ ኣባ ዘካርያስ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኣብ መዕጸዊ ደብዳቤኡ ኸምዚ ይብል፣

'ኦ ብነፍስን ብሥጋን ብሕሊናን ፍጹም ዝኾንካ፡ ካብ ሓዋርያት ዝተረኽበ ትምህርቲ ብምስትምሃር ዝተፈለጥካን ነታ ድኅነት ዝርከበላ ወንጌል እትምህርን ሠናይ ኣቦ! ናብታ ፍትውቲ ፍጽምቲ ሃይማኖት፡ በታ ክብርትን ፍጽምትን ዝኾነት ምሥጢረ ኣምልኾ ሓደ ናብ እትገብረና ሠናይ ውልድነት እትመርሕ፤ ናብታ ብክሕደት መናፍቓን ዘይትናወጽ ህድእቲ ዝኾነት ፍጹም ተድላን ሓጐስን ዝመልአትን ድኅነት ዝርከበላን ናብ መንግሥተ ሰማያት እተብጽሕ መርከብ፤ ናብታ ብዙኅ ዝዋጋኣ ነዉረ ኾነ ነቐፋ ዘይብላ ዕንቍ ዝኾነት ሃይማኖት እትመርሕ ዝተፈቶኻ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ኃዉ! እቲ ዝገለጽናልካ ሃይማኖት እዚ እዩ። ንእግዚአብሔር ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ ንዘለዓለም ዓለም፡ ኣሜን።' ሃይማኖተ ኣበው ዘአባ ዮሐንስ ሊ.ጳጳሳት ዘሀገረ አንጾክያ ምዕ 107፡30)፣ ንሕናውን ኣቦታት ኣዴታት፡ ኣኅዋትን ኣኃትን፡ ኵልኹም ሕዝበ ክርስቲያን በታ ምሥጢር ኣምልኾ ሓደ እትገብር፡ በታ ቅንዕቲ ቀራና መንገዲ ሕይወት ንጐዓዝ።

'መንፈስ ቅዱስ ዘይተመልአ፡ ከም ኤልሳቤጥ'ውን ድምፂኪ እንተሰምዐ ካበይ ኮነለይ ኣይብልን፡ ስምኪ ክለዓል ደጋጊሙ ሕቶ የልዕል።'

መም. ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም

22 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም. ግዕዝ

30 ሚያዝያ 2020 ፈረንጂ

መወከሲ፡

  • ካልኣይ ቀኖና መጽሓፍ ቅዱስ
  • መጽሓፍ ኣክሲማሮስ
  • ሃይማኖተ ኣበው
  • መዝገበ ሃይማኖት ዘደብረ ቢዘን
  • ውዳሴ ማርያም
  • መጽሓፍ ቅዳሴ ግእዝን ትግርኛን

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን።

Comments are closed.