ናይ ልቢ ቅድስና ይኃልኻ 

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ብጹእ አቡነ ሺኖዳ

ኣብ ውድቀት ኣብ ፈተና ኣብ ሓዘን ኣብ ድኻም ብሓፈሻ ናይ ዓለም ኩነታት ንየማን ንጸጋም ክጻፍዑኒ ምስ ዝጅምሩ “የመንፈስ ነፃነት” ትብል ብአቡነ ሺኖዳ ዝተጻሕፈ ብዲን. ደስታ ፍጹም ዝተተርጎመት ናይ ኣምሓርኛ መጻሓፍ ብምንባብ ንነፍሰይ ምርግጋእ ይጅምር። 

“ኃበነ እግዚኦ አዕይንተ አእምሮ፣ ወትረ ኪያከ ይርአያ፣ ወአእዛንነሂ ቃለ ዘባሕቲትከ ይስምዓ: ኦ ጐይታይ ንዓኻ ዝርእያ ኣዕይንቲ ኣእምሮ፣ ናይ በይንኻ ቃል ዝሰምዓ ከኣ ኣእዛን ሃበና” ቅዳሴ እግዚእ።

ዝተፈተኻ ሓወይ ካብ ናይ ገዛ ርእስኻ ተጽዕኖ ተላቀቕ። ኣብ’ዚ ግዜ ምስ ርእስኻ ምርድዳእ ከም ትኽእልን፣ ናይ ውሽጥኻ ሰላም ምስ ኣረጋገጽካ ደጋዊ ተጽዕኖ ከም ዘይገብሩልካ ተረዳእ። ብተወሳኺ ኣንነትካ ርእስካ ካብ ምፍታው ከም ዘላቀቐ (ከም ዘግደፈካ) ክትዛረብ ትኽእል ኢኻ። ዝተፈተኻ ሓወይ ዓለም ኣብኻ ኃይሊ ኣለዋ ኢልካ’ዶ ትሓስብ᎒ ወይስ መሰናኸላትን፣ ፈተናታቱን ናይ ውድቀትካ ጠንቒ ክኾኑ ‘ዶ ይኽእሉ᎒  ከም’ዚ ትሓስብ እንተ ኼይንካ ብጣዕሚ ዝተጋገኻ ኢኻ። ዓለም ኮነ ፍትወታ ተጽዕኖ ክህልዎም ይኽእል ይኸውን እዩ፣ ነገር ግን ጠንቒ ናይ ውድቀትካ ናይ ውሽጥኻ መንነት እዩ። ናይ ኃጥያት ግዙእ፣ ናይ ዓለም ፈታዊ እንተ ዘይኮንካ ፈጺምካ ኣይትወድቕን። ቅዱስ ዮሴፍ ምንም እኳ ኃጥያት ኣብ ዝበዘሓሉን፣ ኣብ ዝፍጸመሉን ኣከባቢ እንተ ነበረ ርእሱ ብኃጥያት ኣየርከሰን። ንምንያት እንተ ተባህለ ዮሴፍ ካብ ልቡ ንጽሕና ዝተላዕለ ኣብ ልዕሊ ኃጥያት ኃይልን ጉልበትን ኔርዎ። አፍአዊ ኃጢያት ንምሽናፍ ውሽጡ ዘንጸሀ ቅዱስ ነበረ።

ዓለም መሰናክል ወይ ከኣ ጥፍኣት ዝበዘሓ ስለ ዝኾነት ክሳናኸል እየ ኣይትበል። የግዳስ ናይ ልብኻ ርክሰት መሰናኽል ከም ዝኾነካ ተረዳእ። ክልተ ሰባት ከም ምሳሌ ንረዳእ፣ ክልቲኦም ቤተ መስተ ረጊጾም ክሓልፉ ከለዉ እቲ ሓደ ብወይኒ ዝተመልአ ጥርሙዝ ሪኡ ክሓልፍ ስለ ዘይከኣለ ናብ ውሽጢ ብምእታው ክሳብ ዝሰክር ሰተየ። ነገር ግን እቲ ካልኣይ ንጹሕ ልቢ ስለ ዝነበረ እዚ ወላሓንቲ ተጽዕኖ ከገብረሉ ኣይከኣለን። ልቡ ንጽሕ ስለ ዝነበረ ካብ ደገ ዝመጹ ነገራት ክጎድእዎ ኣይከኣሉን። ( ናይ ደገ ኃይሊ ክስዕሮ ኣይከኣለን)።
ዓወት ናይ መንፈሳዊ ሕይወትካ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኣንነትካን ከተከናውን እንተዘይ ክኢልካ፣ ብዝፍጠር ውግእ ዝምሥረት ይኸውን። ድልየትካ ኣብ ውሽጥካ እንተ ሸንኪርካ በዚ ዓለም ትጥቀም እንበር ትሰናኸል ኣይትኸውንን። ሓደ ሓደ ሰባት ናይ ከባቢኦም መሰናኽል የወግዱ። እዚ ጽቡቅ እዩ። ምኽንያቱ እግዚአብሔር ብምኽሪ ረሲኣን፣ ኣብ መንገዲ ኃጥኣን፣ ከምኡ ከኣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ከይንቅመጥ ስለ ዝእዝዘና። መዝ 1፣1። ነገር ግን እዞም ሰባት ውሽጦም ከየንጸሁ መሰናክላትን፣ ተጽዕኖታትን ጥራሕ ዘወግዱ እንተ ኮይኖም እዚ ቅኑዕ ኣይኮነን። ከም’ዚ ኣቶም ዓይነት ሰባት ንዝተወሰነ ግዜ ጥራሕ ውጺእታውያን እኳ እንተ ኾኑ ነገር ግን ብናይ ርእሶም ፍትወትን፣ ብሥጋዊ ድልየትን ተሰናኺሎም እዮም ዝወድቁ። ምክንያቱ ኃጥያት እኳ እንተ ዘይሰርሑ ኃጥያት ስለ ዝፈትዉ። ከም’ዚ ኣቶም ዝበሉ ሰባት ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ናይ ኃጥያት ተጽዕኖ ምውጋዶም ንእግዚአብሔር ፍቅሪ ኢሎም ርእሶም መሥዋእቲ ዝገበሩ ኮይኑ ይስመዖም ይኸውን። ብርግጽ ከም’ዚኣቶም ሰባት ክፉኣት ካብ ኣሐጎሶም ናይ ዓለም ፍትወተ ካብ ኣስከሮም ኃጥያት የሐጉሰና ኢሎም ምስ ዝሓስቡ ተመሳሰልቲ እዮም። ክሳብ ሕጂ ከም ሔዋን እታ ፍረ ንምብላዓ ጽብቅቲ ከም ዝኾነት፣ ንዓይንቲ ከኣ ማራኺትን ሓጎስ ትህብን ከም ዝኾነት እንዳ ረኣዩ እዮም። ዘፍ 3፣6።

ነገር ግን ካብ ሔዋን ትፈልዮም ሓንቲ ነገር ኣላ ካብ’ታ ቆጽሊ ቀንጢቦም ብዘይምብላዖም ውሽጦም ኣየሸነፉን። እግዚአብሔር ግን ኣብ ጽላት ልቦም የለን። ስለ’ዚ ኣብ ውሽጢ ዓለም ዝፍትኖም ዘሰናኽሎምን ይደልዩ። ምንም እኳ ኣብ ኃጥያት ምውዳቅ እንተ ኣሕፈሮም ብናይ ዓይኖም ትኩረትን፣ ብናይ ልቦም ፍትወትን ይወድቁ። ንሕጊ እግዚአብሔር ብልምዲ ዝእዘዙ፣ ነገር ግን ሕጉ ንዘይፈትዉን ነቲ ናይ ሕጊ በዓል ቤተ ዘይፈልጡን ሰባት ክዝረብ ዝከኣል ቃል እዩ። እዞም ሰባት ኣብ ከቢድ ፈተና ኣይጸንዑን እንበር ዝጸንዑ እንተ ዝኾኑ ካብ ዝተወርወሮም ናይ እሳት ነበልባል ነጢሮም ክድኅኑ ምኸኣሉ። 1ይ ቆሮ 3፣15። ነገር ግን ኣብ’ዚ ፈተና እንተ ዘይድኂኖም ቤቶም ኣብ ከውሒ ስለ ዘይተኅነጸ ብዓብይ ኣወዳድቃ እዮም ዝወድቁ እንታይ ደኣ መንፈስና ነጻ ንምግባር ሓቀኛ ነገር እንታይ እዩ᎒ እንተ ተባህለ። ካብ ማእሰርቲ ኃጥያትን፣ ካብ ፍትወት ኃጥያትን፣ ኃጥያት ካብ ምፍታውን ምልቃቅ እዩ። ሓደ ሰብ ካብ ማእሰርቲ ኃጥያት ዝተፈትሐ እንተ ኮይኑ ካልኦት ብዝፍተንዎ ነገር ኣይፍተንን። ቅዱስ ዝኾነ ተፈጥርኡ ነዞም ነገራት እዚኦም ኣይቅበሎምን። ስለ’ዚ መልሲ የብሉን። ብኻልእ መልክዑ እዚ ሰብ ብኡወገን (ካብኡ) ዋላ ሓንቲ ከየድለዮ ካብ እዞም ነገራት ኽርሕቅ ይኽእል። ብናይ እግዚአብሔር ሓለዋን (ሓገዝን) ንመንፈስ ቅዱስ ዕቀባን ሕይወቱ ዕለት ብዝተቀደሰ መንገዲ ይመርሓ። ይኹን እንበር ኣቀዲምና ከም ዝተዛረብናዮ ሓደ ሰብ ውሽጡ እንተዘይ ኣንጺሁ ኣብ ውሽጡ ዘለዉ ናይ ሥጋ ፍትወት ናይ ዓይኒ ትኩረት (ዝንባሌ) እንተዘይ ኣሸኒፉን እንተዘይ ኣንጺሑን ከም’ዚ ዓይነት ናይ ቅድስና ሕይወት ምንባር ኣይኽእልን። ሓደ ሰብ ኃጥያት ከመይ ኣሰቃቂን ውጺኢቱ ከኣ ሞተ ከም ዝኾነን ምምስካር (ክኣምን) ኣለዎ። እግዚአብሔር ድንቒ እዩ። መንገድኻ ምስ እግዚአብሔር ምግባርን ሕይወትካ ብሕጊ እግዚአብሔር ምምራሕን ብጣዕሚ እዩ ዘሐጎስ። ስለ’ዚ ብውሽጣዊ ውግእ ሥጋኡ ኣንዳ ገረፈ ርእሱ ንእግዚአብሔር ምግዛእ ኣለዎ። 1ይ ቆሮ 9፣27 ብዝበለጸ ናይ ልቡ ድልየትን ናይ ዓይኑ ዝንባለን ኣብ ውሽጡ ክስቀሉ ይግባእ። ሓደ ሰብ ሕይወቱ ብቃል እግዚአብሔር እንተ መሪሑ እዩ ናይ ሥጋኡ ፍትወት ከርሕቅ ዝኽእል። ናብ ናይ ድኅነት መንገዲ ከኣ ክኸይድ ዝኽእል። ስለ’ዚ እዩ ኣብ ማርቆስ ወንጌል “ንሕይወቱ ከድኅና ዝደሊ ከጥፍኣ እዩ። እቲ ንሕይወቱ ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ዘጥፍኣ ግን ከድ\ና እዩ” ኢሉ ዝመሃረና። ማር 8፣35። ኮይኑ ግን እዚ ብረዲኤተ እግዚአብሔር፣ ጸጋን በረኸትን ክድገፍ ኣለዎ።

ስለ’ዚ ዝኸበርካ ሓወይ ምስ ጻድቅ ያዕቆብ ኾይንካ “ከይባረኽካንስ ኣይሓድገካን” (ዘፍ 32፣ 26) እንዳ በልካ ቃልስኻ ቀጽል። ደጊምካ ከኣ “ምእንቲ ኽጸሪስ ብስምዕዛ ሕጸበኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ ሕጸበኒ” እንዳ በልካ ዘምር። (መዝ 51፣7)። በዚ ቓልሲ ናይ ሥጋኻ ፍትወት እንተ ስዒርካ ናይ ሰይጣን ኃይሊ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ሰልጠነ እኳ ከም ዘይትሽነፍ ርግጸኛ ኹን። ስለ’ዚ ዝተፈተኻ ሓወይ እዚ ንምግባር ኣብ ናይ እግዚአብሔር (መንፈሳዊ) ሕይወተ ውሽጢ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ጽሞና ግዜ እዩ። ናይ እግዚአብሔር ሰባት ኣብ ግዜ ጽሞና ምስ ርእሶምን ምስ ፈጣሪኦምን እዮም ዘሕልፉ። በዚ ከኣ ብመንፈሳዊ ሕይወቶምን ብሥጋዊ ሕይወቶም ጥዕና ዝረኽብሉ ሓድሽ ዕጥቂ ይዕጠቁ። ብኸም’ዚ ዓይነት መንገዲ ሕይወትካ መርምር። ነገር ግን ናይ ጽሞና ግዜኻ ብጥንቃቄ ግበሮ። ኣብ ናይ ጽሞና ግዜኻ ናብ ውድቀት ከየትበጽሕ ተጠንቀቕ። ናይ ጽሞና ልምዲ ዘይብሉ ሰብ መንፈሳዊ ሕይወቱ ኣይፈልጥን። ከም’ዚ ዓይነተ ሰብ ብርእሱ ዘይኮነ ብናይ ካልኦት ሰባት ኣተሓሳስባን ልምድን ስለ ዝኸይድ እንታይ ከም ዝገብርን ናበይ ከም ዝኸይድን ኣይፈልጥን። ናብ ርእሱ ክሳብ ዝምለስን ርእሱ ክሳብ ዝፈልጥን ብውድቀቱ ይቕጽል። ንስካ ግን ከም’ዚ ኣቶም ዓይነተ ሰባት ኣይትኹን። ኣካይዳኻ ትምርምረሉ መንፈሳዊ ሕይወትካ ትመዝነሉ፣ ኣገልግሎትካ ትግምግመሉ ንባዕልኻ ዝተወሰነ ግዜ ይሃልኻ። ቅድሚ ሕጂ ዘሕለፍካዮም ናይ መንፈሳዊ ሕይወት ልምድኻ ዘክር። ዳግማይ ናይ ቅዱሳን ኣቦታት ሕይወት ብምሕሳብ ንእግዚአብሔር ቃልን ብቅዱሳን ኣቦታትን ሕይወት ታሪኽን ብሂልን መንነትካ ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። እግዚአብሔር ምሳኻ ይኹን። ቅድስንኡ ይሃብካ። ኃጥያትና ይቅረ ይበለልና። ኣሜን

ስብሓት ለእግዚአብሔር፣ ወለወላዲቱ ድንግል፣ ወለመስቀሉ ክቡር፣ ይትአኮት ወይትሰባሕ ስሙ ለእግዚአብሔር ኣምላክነ ወትሩ በኩሉ ጊዜ ወበኩሉ ሰዓት። አሜን።

ምንጪ የመንፈስ ነፃነት” ትብል ብአቡነ ሺኖዳ ዝተጻሕፈ ብዲን. ደስታ ፍጹም ዝተተርጎመት

ካብ ዘንበብክዎ

ዲን.ማቴዎስ

Comments are closed.