ኒቆዲሞስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ።

2 ክፋልን መወዳእታን ……………………………….

ኒቆዲሞስ ናይ ሕጊ ኦሪት ምሁር ዝነበረ ሰብ እዩ። ኣብ ዮሓ. 7፥50-51። ከም ዘመልክቶ ኒቆዲሞስ፥ ምሁራነ ሕጊ ኢና ባሃልቲ ሊቃነ ካህናት ፈሪሳውያንን ኣይሁድን ንጐይታ ብዘይሕጊ ኂዞም ክፈርድዎ ብዝደለዩ ጊዜ "ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ኸይፈለጠንዶ ይፈርድ እዩ᎒ ኢሉ ተቢዑ ብምምላስ ኣፎም ኣትሒዝዎምን ኣሕፊርዎምን እዩ። ዮሓ7፥50። እዚ ከኣ ትብዓቱ ጥራይ ዘይኮነ ኒቆዲሞስ ብሕጊ ዝምራሕን ሓቀኛን ከም ዝነበረ ዘርኢ እዩ። በዚ ንዝነበረ ኹፉእ ሓሳባቶም ስለ ዝበተነሎም ከኣ ተግባሮም ከይፈጸሙ ንድኅሪት ነናብ ቤቶም ከይዶም እዮም። ሓደ ይኹን ሓደ ካብዚ መወዳእታ እትስዕር ሓቂ ምዃና እውን ምርዳእ ይከኣል እዩ። ኒቆዲሞስ ወገነይ ከምዚ ክብሉኒ እዮም ከይበለ ንዕኦም ከይፈርሐ ወይውን ከይተሰከፈፎም ኣብ ሓቂ ጸኒዑ ምስኣቶም ምምጓቱ፥ ነቶም ወገን ሓቂ ንምዃን ዝደልዩ ኣርኣያ እዩ

* ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ ዝመጸ ብለይቲ ምዃኑ ኣብ ላዕሊ ተመልኪትና ኢና። እዚ ከኣ ነቶም ምስ ኣምላኾም ክዘራረቡ ንምስጋናኡ ክቖሙ፥ ህያው ቃሉ ንምስማዕ ድማ ናብ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ክኸዱ ዝደልዩ  ሰባት መንፈሳዊ ንቕሓት ኽህልዎምን ትግሃት ለይቲ ክገብሩ ዝዕድም ዓቢይ ትምህርትን እዩ።ከመይሲ ለይቲ ካብ ብቀትሪ ብምልኣት ልቢ ብሰቒለ ሕልና ኮይንካ ናብ ኣምላኽካ ክትቀርብ፥ ኣምልኾዃ ኩሉውን ተመስጦ ምእንቲ ክህልዎ ዝሕግዝ  ምቹእ እዋን እዩ። ስለ ዝኾነ እያ እኮ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ኩሉ ጊዜ ወጋሕታ ለይቲ ናይ ተንሥኡን ንቕሑን ዘመልክት ደወላ ኣስሚዓ ማዕጾኣ ኣርሕያ፥ መቕረዛ ወሊዓ፥ ወይና ዘሊላ፥ ማኣዳውን ኣሰናድያ ንምእመናታ እትዕድም።ምሳ9፥1-። ጐይታውን ምእንትዚ በቶም ቅዱሳን ሓዋርታቱ ኣቢሉ "እምበኣር ናብ ፈተና ኸይትኣትውስ ንቕሑን ጸልዩን፥ መንፈስ ድልዊ እዩ ሥጋ ግና ድኹም እዩ።"ኢሉና እዩ። ማቴ.26፥41። ኣብዚ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ናብ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ መጸ ብዙኅ ዓበይት ዝኾኑ ሰማያዊ ምሥጢራት ንምርኣይ በቒዑ እዩ። ቅድስት ቤተ ክርስትያን’ውን ከም ኒቀዲሞስ ተጊሁ ብለይቲ ንዝኸዳ ብዙኅ ኣደነቕቲ ዝኾኑ ሰማያዊ ምሥጢራት እትምግብ፥ ናይቲ ጸጋን በረኸትን ተሳታፊ ንምዃን ድማ እተብቅዕ ኣካል ናይ ክርስቶስ እያ።
    ካልእ ኒቆዲሞ ወንጌል ከም ዝበሎ ኣብ ስቕለት ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዋላ እኳ ንሱ ኣብ ሻዱሻይ ክፍለ ግዜ ናይቲ ዕለት እንተ ዘይነበረ በታ ሰዓት እቲኣስ ብጀካ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥ ዮሓንስ ወንጌላዊ፥ ማርያም በዓልቲ መግደላዊትን ካልኦት ውሑዳት ገዲፍካን ኣብ ዝወዓሎ ዝወዓሉ ኣብ ዝሓደሮ ዝሓደሩ፥ ቃል ትምህርቱ ኮፍ ኢሎም ብኣእዛኖም ዝሰምዑ፥ ንመለኮታዊ ኃይሊ ተኣምራቱ ብዕይንቶም ዝረኣዩ፥ ስለ ስቕለቱ ኣመልኪቱ ከኣ ኣቐዲሙ ዘፍለጦም፥ ካብዚ ሓሊፉ ክሳዕ ሞት ይኹን ካባኻ ኣይንፍለን ኢና ዝበልዎ ሓዋርያቱ ከይተረፈ እኳ ገዲፎሞ ብምህዳም ኣብ ዝተበተኑሉ ጊዜ ንሱ ጎደሎ እምነቱ ምልኣት ስለ ዝረኸበት ክሳዕ ቀራንዮ መስቀል ተኸቲሉ፥ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅድስት ነፍሱ ካብ ክቡር ሥጋኡ ብተፈለየትሉ ሰዓት ኣብኡ ተረኺቡ ምስ ካልኣዩ ዮሴፍ በዓል ኣርማትራያስ ነፍስ እተፈለየቶ መለኮት ዝተወሃሃዶ አብን መንፈስ ቅዱስ ህልዋን ዝኾንዎ ንህያው ብመለኮት ክቡር ሰብነቱ ካብ መስቀል ኣውሪዱ ንምግናዝን ኣብ ሓዲሽ መቓር ንምቕባርን ዝበቐዐ ክቡርን ንኡድን ሰብ እዩ። ዮሓ.19፥38-42። ሕይወት ክርስትና ምጅማሩ ጥራይ ዘይኮነ ጀሚርካ ክሳዕ መወዳእታ ብምጽናዕ እሙን ኮይንካ ምርካብን ንድሕሪት ከይበልካ ከኣ ክሳዕ ኣብቲ ኣኽሊል ዓወት እትቕበለሉ ሕንጻጽ ምብጻሕን ምዃኑ ድማ ዝተፈልጠ እዩ። ማቴ.10፥38።2ጢሞ.4።1-8።ራእ2፥10።
     ስለዚ ሕይወት ኒቆዲሞስ ብጽንዓት ክሳዕ መወዳእታ እሙን ኮይንካ ንምርካብ ብሓፈሻ ንሕይወት ክርስትና ዓቢይ ትምህርቲ እዩ። እቲ ቃል "ነታ መጀመርታ እሙንቶና ክሳዕ መወዳእታ ኣጽኒዕና እንተ ኃዝናያ መማቕልቲ ክርስቶስ ንኸውን።"ዝብል እዩ። እብ.3፥14። ስለዚ ሓደ ይኹን ሓደ እምንቶና ኣጽኒዕና ክሳዕ'ቲ ዓስቢ ዓወት ብትግኃትን ትብዓትን ክንዓዪ ከነገልግል ይግባእ።

ካልእ ንኒቆዲሞስ ዘመስግኖን ዘደንቖን ሓደ ዓቢይ ነገር ኣሎ። ንሱ ከኣ ኣብ ወግዖም ካልእ ሰብ ኣብ ዝኣተዎ መቓብር ምቕባር ዝተለምደ እናሃለወ ንጐይትኡ ክቐብሮ እንከሎ ግን ካልእ ሰብ  ዘይተቐብረሉ ሓዲሽ መቓብር ምጥቃሙ እዩ። ነዚ ከኣ ብዘይምኽንያት ዝገበሮ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት ድማ ባህርያት ናይ ወገኑ ስለ ዝፈልጥ ክርስቶስ ብሣልሰይቲ መዓልቲ ብሥልጣኑ ከም ዝትንሥእ ከኣ ስለ ዝኣመነ፣ ከንቱ ሓሳባቶምን ኣብኡ ኣብ ጐይታ ንዝነበሮም ኣሉታዊ ዝኾነ ኣመለኻኽታ ምእንቲ ከርሕቕን ከፍርስን እዩ። ኣይሁዳውያንን ፈሪሳውያንን ብሓፈሻ መማህራነ ሕግን ሽማግለታት ዓድን እስራኤል ትምህርቲ ክርስቶስ ብሰባት ተቐባልነት ምእንቲ ከይረክብ እሞ ከይኣምንዎ  ከቆናጽቡን ኣሉታዊ መልእኽቲ  ዘለዎ ኣምሲሎም ክምጉቱን፥ ንተኣምራቱ ክነቕፉ ካብዚ ሓሊፎም ንዝገብሮ ዘበለ ኩሉ ብኃይሊ ጭፍራ ኣጋንንትን ኣሕልቑን ይገብሮ ኣሎ እናበሉ ይጸርፍዎ ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣስፊርዎ ዘሎ ሓቂ እዩ። ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ዝተቐበሮ  መቓብር ተቐቢሩ እንተ ዝነብር ኔሩ ከኣ ንሳቶም ናይቲ ነቲ ናብቲ መቓብር ኤልሳዕ ዝደርበይዎ ሬሳ እሞ ንዕኡ ነቲ ኣዕጽምቲ ስለ ዝተንከየ ሓውዩ ብኣእጋሩ ደው ዝበለ ማለት ብናይ እቲ ቅዱስ ኣቦ ኤልሳዕ ኣዕጽምቲ  ሓውዩ ዝተንሥኤ  ሰብ ታሪኹ ስለ ዝፈልጡ፥ ምስቲ ኣብኡ ዝነበሮም ግጉይ ርድኢትን ኣሉታዊ ኣመለኻኽታን ወሲኾም ብሥልጣኑ ኣይተንሥኤን ንኽብሉ ምኽንያት ምረኸቡ ኔሮም። እዚ ከኣ በቲ ነቲ ኣቐዲሙ ንትንሥኤኡ ኣመልኪቱ ደጋጊሙ ዝብሎም ዝነበረ ቃል ዘኪሮም ከይተንሥኤ እቶም ደቀ መዛሙርቱ ብሓሶት ተንሢኡ እናበሉ ምእንቲ ከይሰብኩ ኢሎም ኣርባዕተ ጭፍራ ወተሃደራት ገይሮም ነቲ መቓብር  ኣሕልዮምዎ ከብቅዑ ከምቲ ዝበሎ ኣብ ሣልሰይቲ መዓልቲ ብኃይለ ሥልጣኑ ምስ ተንሥኤ፥ እሞ ድማ ሓቁ በቶም ነቲ መቓብር ጐይታ ሓልው ዝበልዎም ተነጊርዎም እናሃለወ እኳ  ኣይኮነሎምን ደኣ እምበር ንሓቂ ናብ ሓሶት ክልውጡ ሓቁ ደፊኖም ብገንዘብ ክሓባብልዎ ፈቲኖም እዮም። ማቴ.28፥11-15። ስለዚ ኒቆዲሞስ በዚ ነገር ንከንቱ ምኽንያቶም ኣፍሪሱ ጥራይ ዘይኮነ ኣመናዊ ትንሣኤ ናይ ክርስቶስ ዘረጋገጸልና ዓቢይ ሰብ’ውን እዩ።

 ምእንትዚ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ናይ ኒቆዲሞስ ብቕዓት ስለ እትፈልጥ ደቃውን እዚን ካልእን ካብኡ ዝመሃርዎ ብዙኅ ዓበይቲ ግብራዊ ትምህርታት ስለ ዘሎን ነዛ ሳምንት ንስሙ መዘከርታ "ኒቆዲሞስ" ዝብል ስያሜ ክህልዋ ጌራ እያ።

ከምዚ እንርእዮ ካብ ኒቆዲሞስ ብዙኅ ንሕይወት ዝኸውን ትምህርቲ ወሲድና ኢና። ካልእ ብኒቆዲሞስ ምኽንያት እቶም ናይ እምነትና መሰረት ዝኾኑ ኃሙሽተ ኣእማደ ምሥጢራት እውን ተነጊሮምና እዮም። ከይጠቐሶም ዘይሓለፈሉ ምኽንያት ከኣ እዚኣቶም ንምድኃን ወሰንቲ ምሥጢራት ስለ ዝኾኑ እዩ። ብሓጺሩ ክርአ እንከሎ ከኣ ዝርዝሮም ከምዚ ዚስዕብ እዩ÷

  † ምሥጢረ ሥላሴ÷
                 "ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተውልደ፥ ናብ መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን።" ዝበሎ እዩ። ዮሓ.3፥5። እዚ ከኣ ኢሉ" ንእግዚአብሔር ወልድ"፥
          መንፈስ ቅዱስ ኢሉ፥" ንእግዚአብሔር መንፈስ ቅዱስ"፥ መንግሥቲ ኣምላኽ ኢሉ ድማ "ንእግዚአብሔር ኣቦ " ምጥቃሱ ዘርኢ ቃል እዩ።
           
†  ምሥጢረ ጥምቀት÷

                 ጥምቀት ዝፍጸም መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብተግባር ሠለስትነቶም ኣብ እተገልጹላ ጥምቀቱ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ፥ ብቃል ድማ ንሓዋርያቱ፥

                "እምበኣር ኪዱ እሞ፥ንኹሎም ኣሕዛብ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩምዎም ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም"ብዝበሎ መሠረት" ብስም አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን"እዩ።

ስለዚ ብሓቂ ብሓቂ  እብለካ ኣለኹ፥"ሰብ ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን እንተ ዘይተውልደ፥ ናብ
                 መንግሥቲ ኣምላኽ ኪኣቱ ዚኽእል ከቶ የልቦን። "ዝበሎ ቃል ዮሓ.3፥5። ንክልቲኡ ንምሥጢረ ጥምቀትን ምሥጢረ ሥላሴን ዘካተተ እዩ።ዝያዳ ኣብዚ ምዕራፍ ጎሊሑ ዘሎውን ምሥጢረ ጥምቀት እዩ።

†  ምሥጢረ ሥጋዌ÷ 
                ኣብ ላዕሊ ከም ዚረኣናዮ«ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ወዲ ሰብ፥ ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ የልቦን። » ዮሓ.3፥13። ክብል ብተዋህዶ ሰብ ናይ ምዃኑ ምሥጢር ብዝገለጾ ቃል እዩ።

  †  ምሥጢረ ቁርባን÷

               "ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኹሉ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ምእንቲ ክረክብ  እምበር  ከይጠፍእሲ፥ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ንተመን ዝሰቐሎ፥ ውዲ ሰብ ድማ ኸምኡኺስቀል ይግባእ እዩ። "ዝበሎ እዩ። ዮሓ.3፥14-16።                                                          
†  ምሥጢረ ትንሣኤ ምውታን ድማ÷
   «ብጀካ እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ፥ ወዲ  ሰብ፥ናብ ሰማይ ዝዓረገ ሓደ እኳ  የልቦን። »ዮሓ.3፥13። ብዝበሎ እዩ። እዚ ከኣ ጐይታ ዓሪጉ ክንብል ከሎና ተንሢኡ ዓሪጉ ማለትና ስለ ዝኾነ፥ናይ ክርስቶስ ትንሣኤን ዕርገቱን ድማ ንዓና በዂሪ ስለ ዝኾነ 1ቆሮ.15፥20። ናይ ትንሣኤና ነገር ማለት ምሥጢረ ትንሣኤ ምውታን እንመሃረሉ እዩ።

     ነዚ ምሥጢር ዝተረድአ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ድማ፥ ኣብ ናይዛ ዕለተ ሰንበት ዝቐርብ መዝሙሩ (ጾመ ድጓ) "ሖረ ኀቤሁ ዘስሙ ኒቆዲሞስ ወይቤሎ ለኢየሱስ ረቢ ሊቅ ንሕነ ነአምን ብከ ከመ እምኀበ አብ መጻእከ ከመ ትኩን መምህረ፤ ዕጓለ አንበሳ ሰከብከ ወኖምከ አንሥአኒ በትንሣኤከ። " ኢሉ እዩ።
  ትርጉም:ኒቆዲሞስ ዝስሙ ናብኡ ናብ ኢየሱስ ከይዱ 'መምህር፣  ንስኻ መምህር ኮይንካ ካብ እግዚአብሔር ኣብ ከም ዝመጻእካ ንኣምነካ ኢና በሎ።ውላድ ኣንበሳ ተገምሰስካ ደቀስካውን ብትንሣኤካ ኣተንሥኣኒ።" ማለት እዩ።

    ኣምላከ ቅዱሳን ቅዱስ እግዚአብሔር ብቃሉ ከም ፍቓዱ የጽንዓና።ኣማላድነት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ረዲኤት ናይ ቅዱሳን ኣይፈለየና።

ናይ ኒቆዲሞስ ጸጋ ናይዛ ክብርቲ ዕለት ድማ በረኸታ ይብጽሓና ኣሜን።

ይትባረክ አምላከ አበዊነ።

                                                                       ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

                                                                       ወለወላዲቱ ድንግል።

                                                                       ወለመስቀሉ ክቡር።

                                          ዲን.ዓምደማርያም

 

 

Comments are closed.