ነገረ ልደቱ ለክርስቶስ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቓዕ ናብ ናይ ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ በዓለ ልደት አብጽሓና።

መዝሙር ዘልደት

ይሠርቅ ኮከብ እምያዕቆብ ወይአትት ኃጢአተ እምእስራኤል ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ

ልዑል ውእቱ እምነገሥተ ምድር ወአ፣ ወይከውን ምስማከ ለኩሉ ምድር ወአ። ውስተ አርእስተ አድባር። ወአ። ዮምሰ፣ በሰማያት ይትፌሥሑ ሠራዊተ መላእክት። ወአነሂ በኩርየ እሬስዮ፣ በአነሂ በኩርየ እሬስዮ። ሰላም በ፪ ዮም ተወልደ እግዚእ ወመድኅን በፍሥሐ ወበሰላም።

ምስባክ ዘነግህ።

ነገሥተ ተርሴስ ወደሰያት አምኃ ያበውኡ

ነገሥተ ሳባ ወዐረብ ጋዳ ያመጽኡ

ወይሰግዱ ሎቱ ኩሎሙ ነገሥተ ምድር።

መዝ.71-10። ወንጌል ማቴ. 1-18- ፍጻሜ።

ምስባክ ዘቅዳሴ።

የሐዮ ወይሁብዎ እምወርቀ ዓረብ።

ወዘልፈ ይጼልዮ በእንቲአሁ።

ወኩሎ አሚረ ይድኅርዎ።

መዝ.71፣15።

ገላትያ. 4፣1-12። 1ይዮሓ. 4፣9-ፍጻሜ። ግ.ሓዋ. 13፣16-22። ወንጌል፣ ሉቃስ. 2፣1-21።

ቅዳሴ ጎርጎርዮስ ካልእ።

እግዚአብሔር ኣምላኽና ንኣዳም  ንኣዳም  ንምድኃን ብዝኣተወሉ ቃል መሠረት ንዘመኑ ከይደንጎየ፣  ወርሒ ኮነ መዓልቲ ከየሕለፈ ብቃሉ መሠረት ኣብ ልበ ሥላሴ ተሓሲባ ዝነበረት ጥንተ ኣብሶ ዘየረኸባ፣ ብጽሕናን ብቅድስናን ብድንግልናን ተሓልያ ትነብር ዝነበረት፣ ካብ ንጽሕትን ቅድስትን ድንግል ማርያም ብዘይ ናይ ወዲ ዘርኢ ብብሥራተ ቅዱስ ገብርኤል ተጸኒሱ። ከም ሰብ ሥርዓት ሕሪ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ንጉሥ እየ ኢሉ ዙፋን ከይዘርግሐ፣ ቤተ መንግሥቲ ከይሰርሐ፣ ክቡር እየ። ኢሉ ወርቒ ከይለበሰ፣ ሰብ ኣብ ዝነብረሉ ዘይኮነ ማል ኣብ ዝነብርሉ ኣብ መብልዒ ማል  ኣብ ቤተልሄም ተወልደ።

  1 ኣምላኽ ንምንታይ ሰብ ኮይኑⵗ

† ግብሪ ዲያብሎስ ከፍርስ። ሰይጣን ኣቀዲሙ ካብ ክብሩ ዝተዋረደሉ ብትዕቢት ኣምላኽነት ስለዝተመነየ፣ ንኣዳም ፈቲኑ ኣብ ልዕሊ ተመን ሓዲሩ ኣስሒትዎ። ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ናይ ሰይጣን ጥበብ ንኸፍርስ ናይ ወዲ ሰብ ሥጋ ተዋሂዱ ኣድኂንዎ። ኣዳም ተመኒዩ ንዝደለዮ ኣምላኽነት ፈትዩ ክህቦ ስለዝደለየ ናይ ሰብ ሥጋ ለቢሱ። ዘፍ.3፣22።

† ዝተነገረ ትንቢት ንኽፍጸም ። ኢሳ.9፣6።

 << ሕጻን ተዋሂቡና …>> ብተመሳሳሊ ከኣ  << እንሆ ድንግል ክትጸንስ ወዲ’ውን ክወልድ እያ።>> 7፣14። ኣብ መዝሙረ ዳዊት ከኣ << ናሁ ሰማዕናሁ በኤፍራታ ወረከብናሁ ውስተ ገዳም ።>> እቲ ትንቢት ምንቲ ክፍጸም ከም ሰብ ሥርዓት ኣብ ቤተልሔም ተወሊዱ። ካብ ኩሉ ቦታታት መሪጹ ኣብ ቤተልሔም ምውላዱ ኣቀዲሙ ኣብ ነብየ ሚኪያስ << ግናኸ እቲ ኣብ ማእከል ኣሽሓት ይሁዳ ዝነኣስኪ ቤትልሄም ኤፍራታ እቲ ምውጻኡ ካብ ጥንቲ ካብ ዘለዓለም ዝዀነ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ዚኸውን ኽወጸላይ እዩ። >> ሚኪ.5፣2። ዝተዘርበ ትንቢት ስለዘሎ እዩ።

2 ኣምላኽ ስለምንታይ ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ተወሊዱⵗ

እግዚአብሔር ንሄዋን ክፈጣራ ከሎ ካብ ጎኒ ኣዳም መሰንገሊ ወሲዱ ከም ዝፈጠራ ፣ደቂ ተባዕትዮ ንሕና ብዘይ ደቒኣንስትዮ ንዓኽን ረኺብና ፣ ንስኻትን ግና ብዘይ ወዲ ክትረኽቡና ኣይትኽእላን ኢኹም ኢሎም ይምኽሑ ስለዝነበሩ ነዚ ትምክሕቲ ንምርሓቕ ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ሰብኣይ ብፍቓዱ ተወሊዱ።

2ይሳሙ.7፣14። “ ኣን ኣቦ ክኾኖ እየ እሱ ከኣ ውላድ ክኾነኒ እዩ።” ተባሂሉ ከምዝተጻሕፈ ንጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ብጀካ አብ ኣቦ ዘድልዮ ኣይኮነን እሞ ከም ሰብ ሥርዓት ንምውላድ ኣቦ ዝኾኖ ኣየድልን ስለዝኾነ ካብ ድንግል ብዘይ ዘርኢ ሰብአይ ተወሊዱ።

  “ ልደት ቀዳማዊ ተዐውቀ በደኃራዊ ልደት።”  “ ብዘይ አደ ቅድመ ዓለም ዝተወልደ፣ አብ ምድሪ ብዘይ ኣቦ ብዝተወልደ ልደት ተፈሊጡ።” ወልደአብ ዝተባህለ ብዘይ አደ ዝተወልደሉ ልደቱ፣ ወልደማርያም ብዘይ ኣቦ ዝተወልደሉ ልደቱ ተገሊጹ።

3 እግዚአብሔር  ንኣዳም ንምድኃን ንምንታይ ደልዩ ⵗ  

ናብ መጀመርያ ነገር ኣዳም ብንስሓ  ምምላሱ እዩ፣ እግዚአብሔር ብናይ ደቂ ሰባት ጥፍኣት ኣይፈቱን እዩ።

ብሙሉእ ንስሓ ብሓዘን ካብ ጌጋኦም ብዝምለሱ ኣዝዩ ደስ ስለዝብሎ ፣የድኅኖም ከኣ ። ኢዩ. 2፣12። “ ካብ ርሑቕ ኣማዕድዮም ጠሚቶም ምልላዩ ምስ ሰኣኑ ግና ዓው ኢሎም በኸዩ ነፍሲ ወከፎም ድማ ክዳውንቶ ቀደዱ፣ ሓመድ ድማ ናብ ኣራእሶም ነስነሱ። “ብምባል ከምዝተጻሕፈ።

ከሙኡ ከኣ ኣብ ፣ ሉቃ.15፣24 “ እዚ ወዲ ድማ ኣቦይ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ኃጥያት ገበርኩ ደጊምሲ ወድኻ ክበሃል ኣይበቅዕን እየ በሎ።” ተባሂሉ ከም እተጻሕፈ። እግዚአብሔር ናይ ደቂ ሰባት ምምላስ እምበር ጥፍኣት ከምዘይደሊ ንርኢ።

ካልኣይ ድማ ክፍኣት ኮነ በደል ናይ ኣዳም ተፈጥራዊ ባህርይ ስለዘይኮነ ካብ ባህርይኡ ወጻኢ ዝኾነ ነገር ከርሕቐሉ ከድኅኖ ስለ ዝፈተወ ፍጠረኒ ከይበለኒ ፈጢረዮ ፣ ድኅነት ኣብ ዘድልየሉ እዋን ከኣ ከድኅኖ ይገበኣኒ እዩ ብምባል ካብ ፍቅሪ ዝተላዕለ ከድኅኖ ፈተወ።

† እግዚአብሔር ንዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ጥበብ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ከመይ ይበልጽ ወይ ይረቅቅ።

ሥጋ ኣንበሳ ምብላዕ ፣  ኣድጊ ሳዕሪ ምብልዑ ፣ ብዕራይ ብኣቅርንቱ ምውጋኡ ዘደንቅ ነገር ኣይኮነን ምኽንያቱ ዝተለምደ ነገር ስለ ዝኾነ። ሰብ ሙማቱ ዘደንቅ ነገር’ውን ኣይኮነን ፣ ሰብ ምዕራጉ ግና ዘደንቅን ዘስደምምን እዩ ፍሉይ ነገር ስለዝኾነ እዩ።

ፈጣሪ ብዝተፈላለይ መገዲ ንፍጥረታት ምፍጣሩ ዘደንቅ ኣይኮነን ፣ምኽንያቱ ፈጣሪ ምፍጣር ዝከኣሎን ዝደልዮ ክገብር ዝከኣሎ (ከአሊ ኩሉ) ስለ ዝኾነ። እግዚአብሔር  ብኣምላኽነቱ ኩሉ ምግባር ስለዝከኣሎ እዩ።

እቲ መዋቲ በስባሲ ዝኾነ ሰብ  ከኣ ምጥማዩ ምጽምኡ ሙማቱ ዘደንቅ ኣይኮነን። ናትና ዝተለምደ ባህርይና ስለዝኾነ ፣ ኮይኑ ግና ሰብ ናይ ኣምላክ ሥራሕ ክሠርሕ ምርኣይ ኣዝዩ ዘደንቅ እዩ።    

ሰብ ኣብቲ ዘልዓለማዊ ዝፋን እግዚአብሔር ብየማነ አብ ኪግለጽ ፣ ኣብ ዝባነ ኪሩቤል  ክቅመጥ ምርኣይ ኣዝዩ ዘደንቅ ጥበብ እዩ። ብኣንጻሩ ከኣ ዘይመውት ሞይቱ፣ ሞት ዘይሰማምዖ ክመውት ምርኣይ ካብ ኣንደበት ካብ ምግላጽ ንላዕሊ ኣዝዩ ዘደንቅ እዩ። እግዚአብሔር ከኣ ግብሪ ዲያብሎስ ንምስዓር ፣ ሞትን ሲኦልን ዲያብሎስን ንኽስዕሮም ሞይቱ ሲዒሩ ክትንሥእ ሥጋ ኣዳም ለቢሱ ክውለድ ኔርዎ። ስለዚ እዩ ከኣ  ንዓለም ካብ ዝፈጠረሉ ጥበብ ንዓለም ዘድኃነሉ ጥበብ ከመይ ይበልጽ ዝተባህለ።

ነቲ ብስንፋኑኡ ካብ ሕቅፎ እግዚአብሔር ካብ ገነት ዝተሰጎ ኣዳም ንምድኃን ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብሥጋ ዝተወልደ።

v ግብሪ ዲያብሎስ ከፍርስ ክብሪ ኣዳም ክመልስ ሰብ ኮነ፣

ኣዳምን ሄዋንን ኣወዳድቅኦም ምስ እንርእይ ብምኽሪ ዲያብሎስ ተታሊሎም ኣምላኽነት ተመንዮም  እዮም ወዲቆም። “ እቲ ተመን ድማ ነታ ሰበይቲ ኣይፋልኩምን ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንቱኹም ከም ዚኽፈታ ከም ኣምላኽ’ውን ከም እትዀኑ ጽቡቅን ክፋእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ እምበር ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም በላ። “ ዘፍ.3፣ 4-5።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ነቲ ክፋእ ግብሪ ዲያብሎስ ኣፍሪሱ ንኣዳም ኣምላኽ ጌርዎ። ናይ ዲያብሎስ ውድቀት እንተሪና ኣምላኽነት ተመንዩ እዩ ወዲቁ።

ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ነቲ ብንስሓ ዝተመልሰ  ከም ዲያብሎስ ወዲቁ ዘይተረፈ  ኣዳም ኣኽቢርዎ ። ፍቅር ሰሐቦ ለወልድ ወአብጽሖ እስከ ለሞት ፣ ፍቅሩ ሲሒብዎ ካብ መንበሩ መጺኡ  ሥጋ ኣዳም ለቢሱ  ኣምላኽ ሰብ ኮነ ሰብ ከኣ ኣምላኽ ኮነ።  ንኣዳም ካብ ዘልዓለማዊ ሞት ኣድኂንዎ። ካብዚ ዝዓቢ ፍቅሪ የለን። 

 4 ኣምላኽ ብምውላዱ፣ ሰብ ብምኻኑ ንሕና እንታይ ተጠቂምናⵗ

ሰብ ኣምላኽ ኮነ

ኣምላኽ ሰብ ምስ ኮነ ሰብ ኣምላኽ ኮይኑ ። መለኰት ንሥጋ ምስ ተዋሕደ እቲ ረቂቅ ገዚፉ ሙሉዕ ዝኾነ መለኮት ተወሲኑ። ሥጋ ምስ መለኮት ምስ ተዋሕደ ግዙፍ ሥጋ ረቂቁ ዝተወሰነ ሙሉእ ( ኣብ ኩሉ ዘሎ) ኮነ።  ፍጡር ቲ’ኣመስጋኒ ሥጋ ፣ፈጣሪ ተመስጋኒ ኮይኑ።

† ካብ ናይ ዲያብሎስ ማእሰርቲ ነጻ ኮይና

ካብ ኣዳም ጀሚሩ ብበደል ዲያብሎስ ዝውለዱ ሕጻናት ኣብ ናይ ኣዲኦም ማህጸን ብምኽንያት ዘርኢ እንለሓገ ጥንተ አብሶ ( ዝቀደመ በደል) ተባሂሉ ዝተሓላለፍ ዝነበረ ኣርዑት ባርነት ፣ ኣምላከ ቅዱሳን መድኃኒ ዓለም ካብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብዘይ ዘርኢ ብእሲ ተወሊዱ ካብ ኣርዑት ዲያብሎስ ኣድኂኑና ። ካብ ሞት ኩነኔ፣ ካብ መርገም ፍዳ ፣ ካብ ሲኦል ገሃነም ካብ መጻወድያ ናይ ዲያብሎስ ንዓና ንደቁ ኣድኂኑና።

† ኣቦ ኢልና ንጽዎዖ  ሥልጣነ ውልድነት ተዋሂብና።

ቅዱስ ጳውሎስ “ እብ.2፣14። “እምበአርሲ ብሓቒ ንዘርኢ ኣብርሃም ኣልዓሎ እምበር ንመልእኽትስ ኣየልዓሎን ። “ ሥጋ ሰብ ስለ ዝለበሰ ከም ቀደም ተዓረቀና ይቕረ በለላን ፈጣሪና ኣምላኽና ጥራሕ ዘይኮነ ኣቦና ኢልና ንጽውዖ።

ቅዱስ ዮሓንስ ከኣ ኣብ ዮሓ. 1፣12። “ ነቶም ዝተቀበልዎ ዘበሉ ኩሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ክኾኑ መሰል ሃቦም። “ ኢሉ ከምዝተዛረቦ።

ስለዚ ኣብዚ በዓለ ልደት ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንታይ ገጸ በረከት ኢና እንቅርበሉ᎒ ንስሓ፣  ፍቕሪ፣ ሕውነት፣ ስኒት፣ ሰላም፣ ምትሕግጋዝ፣ ኣብ ልብና ክውለዱ ይግባእ። ኣምላከ ቅዱሳን ናይ ተግባር ሠናይ ሰባት ይግበረና ።

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚሔአብር በረከቱን ምሕረቱን የብዝሓልና ፣ወላዲተ ኣምላክ ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ብኣማላድነታት ፣ ቅዱሳን መላእኽቲ ብረዴአቶም ኣይፈለዩና። ኣሜን።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር። 

Comments are closed.