ነቢያት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ነቢይ ማለት "ናቪ" ካብ ዝብል ቋንቋ እብራይስጥ ዝተረኽበ ኮይኑ ትርጕሙ ኸኣ ምጽዋዕ፡ ምብሳር፡ ምንጋር ማለት ዩ። እቶም ንብሉይ ኪዳን ናብ ቋንቋ ግሪክ ዝተርጐምዎ ሊቃውንት ነዚ ቃል'ዚ ክትርጒምዎ ከለው "ፕሮፌቴስ" ዝብል ትርጕም ኢዮም ሂቦሞ። ነዚ ነገር'ዚ በብሓደ ክንርእዮ እንተድኣ ፈቲና፡ "ፕሮ" ማለት ንቅድሚት ዝኸውን ወይ ንመጻኢ ዝፍጸም ክኸውን ከሎ "ፌሚ" ማለት ከኣ ምዝራብ ምብሳር ምንጋር ዝብል ትርጕም ኣለዎ። ስለዚ ንኽልቲኡ ክንጠምሮ ከለና ፕሮፌቴስ ዝብል ቃል ንመጻኢ ዝፍጸም ፍጻሜ ኣቐዲሙ ዝነግር ማለት ኢዩ።

ምዕራባውያን ነዚ ቃል'ዚ ከም ዘለዎ ወሲዶም "ፕሮፌት" ኢሎም ንነቢይ ክጽውዕዎ ከለው ናይ ቋንቋ ሴሜቲክ በዓል ቤት ዝኾኑ ትግርኛን ኣማርኛን ዝዛረቡ ሰባት ድማ ምስ ናቪ ተቐራራቢ ዝኾነ  ቃል ብምምጻእ  "ነቢይ" ዝብል ቃል ይጥቀሙ። ዝኾነ ኴይኑ፤ ምስ እግዚአብሔር ጥቡቕ ምቅርራብ ዘለዎ፤ ነቲ ብሕልሚ ኾነ ብራእይ ዝረኣዮ ሓሳብ ኣምላኽ ናብ ደቂ ሰባት ዘብጽሕ፡ ሽግር ናይ ደቂ ሰባት ከኣ ናብ ፈጣሪ ዘመላልስ፡ ኣፍ እግዚአብሔር ኮይኑ ኣብ ምድሪ ዘገልግል ነቢይ ይበሃል። ካብዚ እንርድኦ ነቢይ ማለት ንፈጣርን ፍጡርን ዘራኽብ መሳልል ምዃኑ ኢዩ። ነቢይ ንቀጻሊ ዝኸውን ጥራይ ዘይኮነ ወቕታዊ ዝፍጸሙ ነገራት'ውን ክዛረብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙኃት ነቢያት ከም ዝነበሩ ተነጊርና ኣሎ። ገለ ካብቶም ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ፤ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ዝነበሩ ነቢያት ብዙኃት ኣዋልድ ነቢያት ከም ዝነበራኦምውን ቃል ኣምላኽ ይሕብረና ኢዩ።

 ንኣብነት፦

  • ማርያም ኃፍቲ ሙሴ (ዘፀ 15፡20)
  • ዲቦራ (መሳ 4፡4)
  • ሕልዳና ( 2ነገ 22፥14)
  • ከምኡ ውን ኣብ ሐዲስ ኪዳን ንዲያቆን ፊልጶስ ወንጌላዊ ኣርባዕተ (4) ትንቢት ዝዛረባ ኣዋልድ ከም ዝነበራኦ (ግብ. ሓዋ 21፡8-9) ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

ናብ ኣወዳት ነቢያት ምስ ንምለስ ድማ ብናይ ቤተ ክርስቲያና ኣስተምህሮ እቲ ናይ መጀመርያ ፍጥረት ኣዳም ነቢይ እዩ ኔሩ ዝብል ክኸውን ከሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነቢይ ነበረ እናበለ ንመጀመርያ ጊዜ ዝነገረና ግና ንኣቦና ኣብርሃም ኢዩ። (ዘፍ 20፡6-7) ቀጺሎም ብዙኃት ቍጽሪ ዘየብሎም ነቢያት ኣብ ብሉይ ኪዳን ኮነ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝተንሥኡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝግባእ ይነግረና ኢዩ።

ናብ ካልእ እምነት ምስ ንሰግር ከኣ ብናይ እስልምና ሃይማኖት ኣስተምህሮ 25 ነቢያት ኣለው ዝብል ከኸውን ከሎ ካብኣቶም እቲ ናይ መወዳእታ ዝተላእኸ ኸኣ ነቢይ መሓመድ ኢዩ ይብሉ። ኣስማቶም እዞም ዝስዕብ ኢዩ፣ "ኣዳም፤ እድሪስ፤ ኖኅ፤ ሁድ፤ ሳሊህ፤ ኣብርሃም፤ እስማኤል፤ ይስሐቅ፤ ያዕቆብ፤ ሎጥ፤ ዮሴፍ፤ ሹኣይብ፤ ኢዮብ፤ ዱህ ኣል ኪፍል፤ ሙሴ፤ ኣሮን፤ ዳዊት፤ ሰሎሞን፤ ኤልያስ፤ ኤልሳዕ፤ ዮናስ፤ ዘካርያስ፤ ዮሓንስ፤ ኢየሱስ ( ሎቱ ስብሐት ) ፤ መሓመድ" ኢዮም። መብዛኅትኦም ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝወጹ ምዃኖም ርዱእ ኢዩ። እቲ ዘኅዝን ግን ነቲ ጐይታ ነቢያት ዝኾነ ክርስቶስ ከም ሓደ ታራ ነቢይ ቘጺሮም ቀቅድሚ መሓመድ ምስርዖም ኢዩ። ብዝኾነ ንሶም ነቢያት ኢዮም ኢሎም ዝቕበልዎም እዚኦም ኢዮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ዘመን ብዙኃት ሓቀኛታትን ሓሰውቲ ነቢያትን ይትሥኡ ስለ ዝነበሩ (ኤር 1፡9 ፤ 28፡15-17) እቲ ሕዝቢ ነቶም ሓሰውቲ ነቢያት ክፈልጠሉ ዝኽእል መምዘኒ ከኣ ብሙሴ ተዋሂቡ ነበረ። ንሱ ድማ ስም እግዚኣብሔር ብምጥቃስ  እናተነበየ ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ንሕዝቡ ዝወስድ እንተዄይኑ ንሱ ሓቀኛ ነቢይ ኢዩ'ሞ ስዓብዎ። ስም ኣምላኽ ገዲፉ ብስም ጣዖታት ዝንበ ወይ ብስም ኣምላኽ እናተዛረበ ኣብ መወዳእታ ግን ነቶም ሕዝቢ ናብ ጣዖታት ዝወስዶም እንተኴይኑ ግና ንሱ ሓሳዊ ነቢይ ስለ ዝኾነ ክሰምዕዎ ከም ዘየብሎም ወይ ብዳርባ እምኒ ክቐትልዎ ከም ዘለዎም እስራኤላውያን ብነቢይ ሙሴ ሕጊ ተዋሂቦም ነበሩ። (ዘዳ 18፡20 ፤ ዘዳ 13፡1-5)

እምበኣር ዕላማ ናይ ነቢያት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዝነበረ ክገልጸልና ከሎ፡

ነቶም ብሰንኪ ኃጢኣቶም ብተደጋጋሚ ብባዕዳውያን ነገሥታት ዝማረኹ ዝነበሩ  እስራኤላውያን ምእንቲ ተስፋ ከይቈርጹ ኣምላኽ ካብዚ ኵሉ ምርኮ ከድኅኖም ከም ዝኽእል ምእማን ክኸውን ከሎ፤ እቲ ቀንዲ ሥራሕ ግን ብመንጽር ሥጋዊ ሚጠት መንፈሳዊ ሚጠት ከም ዘሎ ማለት ድኅሪ ዘመን ኣምላኽ ሥጋ ለቢሱ መጺኡ ካብ ሲኦል ከድኅኖም ከም ዝኽእል ምብሳርን  ምንጋርን ኢዩ። ብተወሳኺ ድማ ንዕኡ (ንመሲሕ) ኣብ ጾምን ጸሎትን ተጸሚድና ንጽበዮ ዝብል ኢዩ ኔሩ። (ኢሳ 58፡3)

 ንኣብነት ናይ ነቢይ ኢሳይያስ ትንቢታዊ ቃል ክንርኢ እንተዄይና፡ መሲሕ (ክርስቶስ) ካብ ሓንቲ ፍልይቲ ድንግል ከም ዝውለድ (ኢሳ 7፡14) ምስ ዓበየ፤ "ግሩም መኻሪ፤ ብርቱዕ ኣምላኽ፤ ዘለኣለማዊ ኣቦ " ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ (ኢሳ 9፥ 6-7) ክሰብኽ ምስ ተዳለወ ኸኣ መንገዱ ዝጸርግ ካልእ ኣካል ከም ዝመጽእ (ኢሳ 40፡3-5)፣ እቲ ናይ መጀመርያ ስብከቱውን ኣብ ገሊላን ከባቢኣን ከም ዝኸውን (ኢሳ 9፡1-2)፣ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊኡ ስለ ዘሎ ንብዙኃት ሕሙማት ከም ዝፍውስ (ኢሳ 42፡1-3፤  61፡1) ኣብ መወዳእታ ድማ ንሕማምና ዅሉ ከም ዝስከምን ንመላእ ዓለም ከም ዘድኅንን ነቢይ ኢሳይያስ ንጹር ብዝኾነ ቓል ኣቐሚጥልና ኣሎ።  (ኢሳ 53፡4-9 ፤ 65፡1-2)

ስለዚ መሠረታዊ ዕላማኦም ንርእሶም መሲሕ ከም ዝውለድ፡ ተወሊዱ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ንዓለም ምሉእ ከም ዘድኅን ኣሚኖም፡ ከይኮነ ከሎ ንሕዝቦም ምንጋርን ምብሳርን ኢዩ ኔሩ።

ነቢያት ናይ ቃልን ናይ ጽሑፉን ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ ኢዮም። ካብቶም ብቃሎም ምሂሮም ግን ከኣ መጽሓፍ ከይጸሓፉ ዝኃለፉ እኒ ኤልያስ. ኤልሳእ ....... ክኾኑ ከለው መጽሓፍ ጽሒፎም ዝኃለፉ ኸኣ እኒ ኢሳይያስ፤ ኤርምያስ፤ ሕዝቅኤል .. ምጥቃስ ይከኣል ኢዩ።

 እቶም ናይ ጽሑፍ ነቢያት ንባዕሎም ዓበይትን ነኣሽቱን ነቢያት ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ ኢዮም። ዓበይቲ ነቢያት ዝበሃሉ "ኢሳይያስ፤ ኤርምያስ፤ ሕዝቅኤል፤ ዳንኤል"  ክኾኑ ከለው ንኣሽቱ ነቢያት ድማ ካብ ሆሴዕ ክሳብ ሚልክያስ ዘለው እዮም።  ንኣሽቱ ዝተበሃልሉ ምኽንያት ጽሑፋቶም ብምውሓዱ እምበር ብጸጋ ወይ ብዕድመ ስለ ዝነኣሱ  ኣይኮነን። ሕጂ'ውን ብቦታ ናይ ይሁዳን እስራኤልን ነቢያት ተባሂሎም ኣብ ክልተ ይኽፈሉ ኢዮም።

ካብ ኣዳም ጀሚሮም ንብዙኅ እዋን ዘመናት ተሳጊሮም ንክርስቶስ ዝረኣይዎ ነቢያት ብዙኃት ክኾኑ ከለው እቲ ናይ ቀረባ መነጽር ተጠቂሙ ንክርስቶስ ዝረኣዮ ግን ነቢይ ሚልክያስ ኢዩ። (ሚል 3፡1-3) ንሱ ክርስቶስ ቅድሚ ምውላዱ ብ400 ዓ.ዓ ዝነበረ ነቢይ ኢዩ።

ጐይታ ነቢያት አምላከ ቅዱሳን  በረኸት ናይ ነቢያት ክኸፍለና ሠናይ ፍቓዱ ይኹነልና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር!

መር. ቂርቆስ

Comments are closed.