ትንቢተ ዮናስ ራብዓይ ክፍሊ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ንዮናስ ናብ ንቑጽ ምድሪ ተፍኦ።

ጾመ ነነዌ

እቲ ዓሳ ንዮናስ ብ ኣንጻረ ነነዌ ተፊእዎ። እግዚአብሔር ልክዕ ከም መጀመርታ “ ተንሥእ እሞ ነነዌ ናብታ ዓባይ ከተማ  ኪድ። እከዮም ናብ ቅድመይ ደይቡ እዩ እሞ ኣንጻራ ኣውጅ። “ ኢልዎ። ዮናስ’ውን ከምቲ መጀመርታ ዝገብሮ ካብ ገጽ እግዚአብሔር ክሃድም ኣይፈተነን። እግዚአብሔር ከምዝኣዘዞ ተላዒሉ ከደ።  ሕዝበ ክርስትያን እስኪ ናይ እግዚአብሔር ፍቅሪ ብጽሙና ነስተውዕሎ ። ቀዲሙ ዮናስ ንወገናቱ እስራኤል ሓዚኑ ኣይእዘዝን ኢሉ ። ብዘይምእዛዙ ናብ ካልእ ኃጥያት ኣትዩ ኔሩ። እግዚአብሔር ግና ሕጂ’ውን ይፈተዎ እዩ ። ናብታ ዓባይ ከተማ ሕጂ’ውን ካልእ ነብዩ ክሰድድ ኣይበለንን፣ ንዮናስ ኣየድልን እዩ ኣይበለን። እግዚአብሔር ንዮናስ ብቃሉ እንኳን ኣይገሰጾን። ትእዛዘይ ጢሒስካ ንምንታይ ሃዲምካ ኣይበሎን። ብተግባር ዝበጽሖ ኩሉ ኣኻሊ ስለዝኾነ ተወሳኺ ቃለ ተግሳጽ ኣየድልዮን። ዳግማይ ብቃሉ እንተገሲጽዎ ማዕረ ክንደይ ስምዒቱ ከምዝጉዳእ መፍቅሬ ሰብእ እግዚአብሔር ስለዝፈልጥ።

እግዚአብሔር ንስምዒትና እንታይ ከምዝጎድኣና ኣድቂቁ ስለዝፈልጥ ስለዝኾነ ይጥንቀቅልና እዩ። ጌጋና እንታይ ከምዝነበረ ተረዲእና ንኽንምለስ ኩነታት የጠዓዕመልና እዩ እምበር ከም ሰብ እንዳደጋመ ኣይወቅሰናን  እዩ ፣ ናይ ናጽነት ኣምላኽ ስለዝኾነ።

ስሙ ዝተመስገነ ይኹን ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መጀመርታ ከምዝተገልጸ፣ ከተማ ነነዌ ድኻ ዝብደለላን ጣኦት ዝምለኸላ ናይ ሞት ከተማ ነበረት። እከይ ተግባራ በዚሑ ኑኃ ሰማይ በጺሑ ነበረ። እግዚአብሔር ግና ሕጂ’ውን ይፈተዎም እዩ ። ድኅነት ብፍጥረቱ ስለዝግደሶ  ጥፍኣቶም ኣይደልን እዩ ። “እግዚአብሔር ንፍጥረቱ የፍቅሮም እምበር ኣይጸልኦም እዩ። አባ ሕርያቆስ ኣብ ቅዳሴ ማርያም ከምዝበሎ እግዚአብሔር ንኹሉ ከምዘፍቕር ይነግረና።

እግዚአብሔር ስለዘፍቅረና ትሕት ኢሉ ከም ሰብ የዛርበና ፣ ንሕና ንዑኡ ዝበቅዕ ተግባር ኣልዩና ወይ ኣብ ቅድሚ ገጹ ዘቅርብ ጽቡቅ ተግባር ኣልዮና ኮይኑ ኣይኮነን። መፍቅረ ሰብእን ባሕርዩ ፍቕሪ ስለዝኾነ እዩ። ብፍቅሪ ዓይኒ ዝርእየናን ዝቀርበናን።

እግዚአብሔር ንድኹማትን ኃጥያተኛታት ይደልዮም እዩ። እሱ ዝጸልእ ንኃጥያት እምበር ንኃጥያተኛታት ኣይኮነን። እግዚአብሔር ዝተጸየፈ ናይ ነነዌ ኃጥያት እምበር ንሰብአ ነነዌ ኣይኮነን። እግዚአብሔር ንዓና ኣይኮነንን ዝጽየፍ ንኃጥያትና እዩ እምበር። ኣቦ ከመይ ጌሩ ንወዱ ይጸልኦ።

ዮናስ ኣብ ዓቢ ቤት ትምህርቲ ኣትዩ ስለ ዝወጸ ሕራይ ኢሉ ትእዛዝ እግዚአብሔር  ኣኽቢሩ ተቀቢሉ። ብንፋስ ማዕበልን ዓሳ ነባሪ ዓቢ ምህሮ ተማሂሩ ። እዚ ስለ ዝዀነ ኣሜን ኢሉ ተኣዚዙ። ናብታ ዓባይ ከተማ ካብ ጫፍ ስጋብ ጫፍ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። “ ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ነነዌ ክትጠፍእ እያ ።” ብምባል ሰበኸ። ተወሳኺ ዘይብላ ሓጻር ቃል።  ኣብ ውሽጢ ሠለስተ መዓልቲ ነነዌ ክትጠፍእ እያ ። በዚኣ ቃል ጥራሕ ሰብአ ነነዌ ንንስሓ ዝዀነው ዘደንቅ ፍረ ኣፍርዮም። እግዚአብሔር ዝተዛረቦም ኣሚኖም ። ካብ ዓቢ ክሳብ ንእሽቶ ለሊቅ እስከ ደቂቅ ማቕ ለቢሶም ፣ ልቦም ተሰሩ፣ ልብሶም ገዲፎም ክሻ ለቢሶም ሓመድ ኣብ ርእሶም ነስኒሶም ንስሓ ኣተዉ።

ንጉሥ ነነዌ ስልምናሶን ካብ ዝፋኑ ወሪዱ ልብሰ ንግሥነቱ ኣውጺኡ ፣ ክሻ ተኸድነ ፣ ሓመድ ነስኒሱ ፣ ኣብ ሓመኹሽቲ ተቐሚጡ ንስሓ ኣትዩ።  

ሰብን እንስሳን ፣ መጓሰ ኸብቲ ወይስ መጓሰ ኣበጊዕን ላሕምን መግቢ ከይበልዑ ተኸልኪሎም። ሓንቲ እኳ ኣይጥዓማ፣ ኣይውፈራ ማይውን ኣይስተያ። ሰብን እንስሳን ክሻ ተኸዲኖም ዓው ኢሎም ድማ ብሓደ ልቢ፣ ብጾምን ጸሎትን  ናብ እግዚአብሔር ኣእዌዩ ተማህለሉ።

ኩሎም ክፋእ ሥርሖም ገደፉ ። ካብ እከይ መገዶም ካብቲ ኣብ ኢድ ዘሎ ዓመጻን ተመልሱ፣  እእዳዎም ጣኦት ካብ ምስራሕ ደው በላ። እግዚአብሔር እንተተመልሰን እንተተጣዕሰን መን ይፈልጥ፧  ንሕና ንኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጉሁር ቁጥዓኡ እንተተመልሰ መን ይፈልጥ ፧ ካብ ሞት ንድኅን ንኸውን መን ይፈልጥ ፧ በሉ።

እቲ ዝገርም ነገር ግና ዮናስ “ ንስሓ እንተኣቲኹም እግዚአብሔር ይቕረ ክብለልኩም እዩ እኳ ኣይበሎምን። ብዛዕባ ምሕረትን ይቕሬታን ናይ እግዚአብሔር ሓንቲ ቃል እኳ ኣየምሃሮምን። ብዛዕባ ጥቅሚ ንስሓ’ውን ዋላ ሓንቲ ስበከት ኣሰበኾምን።  

“ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ነነዌ ክትጠፍእ እያ ኢልዎም እምበር ተወሳኺ ትምህርቲ ኣይሃቦምን። ንሶም ግና ተግባራዊ መልሲ ሂበሞ።

ሕዝቢ እታ ከተማ ኩሎም ናብ ኣምላኽ ኣእዌዩ። ናብቲ መሓሪ ዝኾነ እግዚአብሔር ኣምላኽ ንብዓቶም እንዳፍሰሱ በኸዩ ። ኩሉ ስለ ኃጥያቱ ክሻ ተኸዲኑ። ንጉሥ ከየተረፍ ክብረ ንግሥነቱ ባርነሱ ቐንጢጡ። “ ካብ ማህጸን ኣደይ ጥራየይ ወጻእኩ። “ በለ። ባዶነቱ ገለጸ። ንጉሥ ዋላ እንተዀነ ኣብ ኣብ ሓሙኹሽቲ ኮፍ በለ ። እግዚአብሔር ካብ እከይ መገዶም ከምዝተመልሱ ግበሮም ረኣየ። ሓዘኖም ረኣየ። “ ጾሞንን ጸሎቶም ኣይኮነን።  ከምዝተመልሱ እምበር ፣ ምእማኖም ጸሎቶም ጾሞም ናይ ምምላሶም ፍረ እዩ ።

ኣምላኽ ከኣ ካብ እኩይ መገዶም ከም እተመልሱ ግብሮም ረኣየ፣ ኣምላኽውን ነቲ ኸውርደሎም ኢሉ ዝተዛረብ መዓት ተጣዕሰሉ። ኣይገበሮን ከኣ።

ቅዱስ ዮሓንስ አፈወርቅ ናይ ቅዱስቲ ቤተ ክርስትያና ኣቦ ከምዚ ይብል። “ ሰብ ነነዌ ጾሙ ፣ ምሕረት ካብ እግዚአብሔር ረኸቡ። ሰብአ ኣይሁድ ጾሙ ግና ምሕረት ኣይረኸቡን። ሓሊፉ’ውን ተወቂሶም እምበር። ኢሳ.58፣3። ስለዚ ንሓናውን ከመይ ክንጸውምን ንስሓ ክንኣቱን ከምዝግበኣና ካብ ሰብአ ነነዌ ንመሃር። እግዚአብሔር ይምሕረና እዩ፣  ኣብ ልዕልሌና እተዛረቦ ክፋእ መዓት ተጣዒሱ ይምለስ ። ”  Conc. Stat. 3:8 ፡፡

እግዚአብሔር ደጋጊሙ ነዛ ከተማ “ ዓባይ ከተማ “ ብምባል ጸዊዕዋ እዩ። ዓባይ ምባሉ ሚእትን ዕስራን ሰባት ብምሓዛ ኣይኮነን። ዓባይ ዘበላ ካብ ጫፍ ስጋብ ጫፍ ናይ መገዲ ሠለስተ መዓልቲ  እያ። ዓቢይነታ ንስሓ እዩ። ዓቢይነታ ቀሊጥፋ ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ንስሓ ምምላሳ እዩ። ሎጥ ናይ ሰዶም ከተማ ብዲነ እሳት ከምትጠፍእ ንሰብኡቱ ኣዋልድ ደቁ ምስተዛረቦም ፣ ይዋዘ ከም ዘሎ መሲሉ ተራእዮም። ዘፍ.19፣14 ።

ሰብአ ነነዌ ግና ንዘይፈልጥዎ ዮናስ ሰሚዖሞ ። ኣሚኖሞ’ውን። 

ከም እስራኤላውያን እልፍ ወእልፍ ነብያት ከምዝተዛረብዎም ኣይኮነን፣ ሓደ ነብይ፣ ብሓንቲ ቃለ ስብከቱ ሰሚዖሞ ተመሊሶም። እግዚአብሔር ከኣ ራኅርኂሎም ፣ ኢደ መዓቱ ሲሒቡ ኢደ ምሕረቱ ዘርጊሕሎም።

ምሥጢር ምምላሶም ናይ ሰብአ ነነዌ  እንታይ እዩ ኢልና ንሓትት ንኸውን። ልባኖም ንንስሓ ድልዋት  እዮም ኔሮም።  በዚ ከኣ ፍረ  እምነት፣ ንስሓ ፣ ትሕትና ከፍርዩ ንርኢ።

ፍረ ሰብአ ነነዌ ብመጀመርታ እምነት እዩ። ሰብአ ነነዌ ነቲ ዘይረኣይዎን ተሰቢኽሎም ዘይፈልጥ እግዚ አብሔር ብቅጽበት እዩ ኣሚኖሞ ናብ ፍረ ዝበጽሑ። “ ሰበአ ነነዌ ድማ ን ኣምላኽ ኣመኑ። ጾም  ድማ ኣወጁ። ” ዮና.2፣5።

ካልኣይ ልባዊ ዝኾነ ትሕትና ኔርዎም። እዚ ከኣ  “ ሰብን እንስሳን ክሻ ተኸዲኖም ዓው ኢሎም ድማ ብሓደ ልቢ፣ ብጾምን ጸሎትን  ናብ እግዚአብሔር ኣእዌዩ ተማህለሉ። “ ፍትወት ዓለም ሥጋዊ ነገራት ተጸይፎም ብጸሎትን ጾምን ብትሕትና ናብ እግዚ አብሔር ኣምላኽ ተመሊሶም።

ንጉሥ’ውን ከይተረፈ ክብረ ንግሥነቱ ባርነሱ ቐንጢጡ። ክሻ ተኸዲኑ ኣብ ሓሙኹሽቲ ኮፍ በለ ።  “ መስዋእቲ ኣምላኽ ስቡር መንፈስ እዩ። ዎ እግዚአብሔር ንስቡርን ቅጥቁጥን ልቢ ኣይትንዕቆን ኢኻ ። “ መዝ. 51፣17። ብሓቂ ዘደንቅ እዩ ብሙሉኦም ሰብአ ነነዌ ብስቡር ልቢ ብትሕትና ሰብን እንስሳን ናብ እግዚአብሔር ክምህለሉ ንርኢ።  ሙሉእ ኣተክሮኡን ኣብ ጸሎትን ጾምን ምህለላን ምእንቲ ኪኸውን መጓሰ ኸብቲ ኣየውፈሩን፣ ጊዚኦም በኣግባብ ተጠቒሞሉ።

ሳልሳይ እቲ ዝዓበየ ፍረ ልባዊ ንስሓ እዩ። ነፍሲ ወከፍ እታ ሓጻር ቃል ናብ ፍጹም ንንስሓ መሪሓቶም፣ ተጠቂሞምላ ከኣ ።

ዘደንቅ እዩ ! ኣብዚ ከነስተውዕል ከለና ዮናስ እንታይ ኢሊ ሰስለዝሰበኸሎም እዩ ዝተመልሱ፧

“ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ። “ ዮና. 2፣4። ዮናስ ንሚእትን ዕስራን ሰባት ብዙሕ ትንታነ ትሕዝቶ ዝለዎ ነዊሕ ስብከት ኣይኮነን ሰቢኹ ። ግና እታ ሓጻር ዝበላ ቃል ነዚ ኩሉ ሰብ ክትልውጥ ከመይ ፧ ብኸመይ ናብ ንስሓ ክመጽኡ ኪኢሎም፧

ኣቀዲምና ከም ዝረኣናዮ ኣብ ዘፍ. 19፣14። ሰዶምን ጎመራን “ እግዚ አብሔር ነዛ ከተማ ኸጥፍ ኣ እዩ እሞ ተንሥኡ ።” ዋላ ሓደ ኣይሰምዖን።

ማይ ኣይሂ መጺኡ ከጥፍኣኩም ምዃኑ እዩ፣ ተባሂሉ እንዳተነግሮም። ኖህኣብ ቅድሚ ዓይኖም መርከብ  ክሰርሕ እንዳረኣዮ  ኣይተንስሑን።

ብዝሕ ግዜ ብመጠንቀቅታ ክጥቀሙ ኣይንርእይን። ኣቦና ኣዳም ክትመውት ኢኻ ካብዚ እንተበሊዕኻ ተባሂሉ ምስ ኩሉ  ትሕዝቶኡ ዝሰኣኖ ዘይብሉ ትእዛዝ ክሕሉ ኣይንርእይን። ኣብ ኃጥያት ወዲቑ።

 ልቦም ንንስሓ ዝተዳለወ ስለዝነበረ ከየማትኡ ንድሕሪት ከይበሉ ብምኣት ናይ እግዚብሔር ቃል ተቐቢሎም ኣብ ተግባር ስለዘውዓሎዎ እዩ። 

ልባኖም ንንስሓ ድልዋት እዮም ኔሮም። ናይ ልቦም ምድላዋት ነብዩ ክለኣኸሎም ኪኢሉ። ናይ ልቢ ምድላው ኣብ ውሽጢ ንስሓ ዓቢ ተራ ኣለዎ። ናይ ሰብ ነነዌ ንስሓ ንረኣዩለይ ኣይኮነን ኔሩ። ካብ ውሽጢ ካብ ልቢ ዝመንጨወ እዩ እምበር። ከሙኡ ስለ ዝኾነ መድኃኒ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመስጊንዎም እዩ። “ ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኪትንሥኡን ኪኹንንዎን እዮም። “ ማቴ፣12፣41።

ፈሪሐ እግዚአብሔር ኣብ ዘለዉ ፍርሓት የብልን። ፈሪሐ እግዚአብሔር እንተዘይብልና ሚእቲ ዓመት ቆይምና ዋላ እንተጸለና ትርጉም የብሉን ። እቲ ዝዓበየ ነገር ናይ ልቢ ምምላስ እዩ።

ኣምላኽ ንጹሕ ልቢ ንንስሓ ዝተዳለወ ኣእዳዉ ዘርጊሑ እዩ ዝቅበሎ። ኣብ ማቴ.19፣ 16-22። ናይ እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ዝነብሮ ሃብታም ልቢ ንንስሓ ዝተዳለወ ስለዘይነበረ “ ፍጹም ክትከውን እንተደሊኻ ኩሉ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ’ሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ። እቲ ጐበዝ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ ዘረባኡ ምስ ሰምዔ እንጎሃየ ከደ። “ ይብለና።

ናይቲ  ጐበዝ ቅዱስ እንጦንዮስ ልቢ ክንርኢ ከለና ከኣ “ፍጹም ክትከውን እንተደሊኻ ኩሉ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ክትረክብ ኢኻ’ሞ ንዓ ስዓበኒ በሎ። “ ትብል ቃል እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ክርስትያን ምስ ሰምዐ ዓለም ፍትወታን ገዲፉ ንኣምላኽ ሲዒብዎ። ልቡ ዝተዳለወ ስለዝነበረ እዩ።

ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ናይ ንስሓ ዝመጹ ይንዋሕ ይሕጸር ካብ  እግዚአብሔር ዝመጸ ቃል ንኽሰምዑን ሰሚዖም ድማ ኣብ ተግባር ክትግብርዎ ድልዋት ስለ ዝነብሩ እዮም።

ስለዚ ከኣ ንስሓኦም ኃያል ኔሩ ። ነዚ’ዩ ከኣ ኣምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመስገኖም። ማቴ፣12፣41።

ሕዝበ ክርስትያን ብልቦና ከነስተውዕሎ ከለና ምምላስ ሰብአ ነነዌ ብጣዕሚ ዘደንቅ እዩ። ብአሐቲ ቃለ ስብከት ተመሊሶም። በዚ ልባዊ ዝኾነ ንስሓ ኩሎም ተነሲሖም፣ ኩሎም ናብ ኣምላኽ ተመሊሶም፣ ኩሎም ኣሚኖም።

እግዚአብሔር ከኣ ንስሓኦም ተቐቢሉ ። ሚእትን ዕስራ ነፍሳት ኩሎም ዲኂኖም ናይ ደምቤኦም ብሰላም ኣትዮም።

ኣብ ሰማይ ብሓደ ኃጥእ ሰብ  ናብ ንስሓ ምምላሱ ዓቢ ሓጎስ ዝኸውን ካብ ኮነ ናይ ሚእትን ዕስራን ሰባት ንስሓ ምእታው ኣብ ሰማይ ከመይ ዝበለ ደስታን ሓጎስን ይኸውን ፧

ብጥበበ እግዚአብሔር መጀመርታ ባሕረኛታት፣ ሕጂ ከኣ ሰብ ነነዌ ዲኂኖም። ዝቅጽል ናይ ዮናስ ተራ እዩ።

ሰብአ ነነዌ ስለ ዝደኃኑ ኣብ ሰማይ ዓቢ ሓጎስ ኮነ።

ሓሙሻይ ክፍሊ

 ይቅጽል…….

ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ጾምና ይባርኸልና።ኣብ ኩሉ ድኻምና ይደግፈና በረከት ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣይፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር::

Comments are closed.