ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፥

 ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ቀብሪ ሥነ-ሥርዓት ዝተፈጸመሉ ዕለት ካብቶም ዓሰርተ ክልተ (12) ሓዋርያት ሓደ ዝኾነ ቅዱስ ቶማስ ሓዋርያት ምስኦም ኣይነበረን። ብተልእኾ ካብቲ ዝነበረሉ ሃገረ ስብከቱ ኣብ ደመና ተጻዒኑ ናብቲ ኣኅዋቱ ዝነበሩሉ ናብ ኢዮሩሳሌም ክመጽእ ከሎ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከኣ ካብ ዝተቐበረትሉ ዕለት ብሳልሳይ መዓልቲ ከም ወዳ፡ ዕለት ዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ነሓሴ ተንሢኣስ ክትዓርግ ከላ ረኸባ። በዚ እዋን ሓዋርያ ቶማስ ቅድሚ ሕጂ ናይ ወዳ ትንሣኤ ሕጂ ከኣ ናታ ናይ ኣዲኡ ትንሣኤ ከይረኣኹ ተሪፈ  ኢሉ ስለ ዝሓሰበ ተበሳጨወ። ኣዝዩውን ሓዘን ተሰምዖ። ካብ ምሕዛኑ ዝተላዕለ ካብቲ ተወጢሕዎ ዝነበረ ደመና ክወድቕ ደለየ። እዚ ከኣ እቶም ካልኦት ኣሕዋቱ ሓዋርያት ርእዮም፡ ንሱ ጥራይ ከይረኣየ ዝተረፈ ስለ ዝመሰሎ እዩ። ይኹን እምበር ካብቶም ካልኦት ሓዋርያትውን ንትንሣኤኣን ዕርገታን ዝረኣየ ኣይነበረን። ስለዝኾነ ከኣ ኣዴና ፡ ብጀካኡ ካልእ ንትንሣኤኣ ኮነ ንዕርገታ ዝረኣየ ከምዘይነበረ፡ ካሎኦት ንትንሣኤይ ኮነ ንዕርገተይ ኣይርኣዩን፡ ንስኻ ግን ትርኢ ኣለኻ ኢላ ብምንጋር ኣረጋግኣቶን ኣጸናንዓቶን። እቲ ዝኾነን ዝረኣዮን ነገር ከይዱ ንኣሕዋቱ ሓዋርያት ክነግሮም ከኣ ኣዘዘቶ። ንምልክት፡ ምስክር ምእንቲ ክኾኖውን ነቲ መግነዚኣ ዝነበረ ሂባቶ ብኽብርን ስብሐትን ናብ ሰማይ ዓረገት።

 ቅዱስ ሓዋርያ ቶማስ ውን ኣብ ኢዮሩሳሌም በጽሐ። ሽዑ እቶም ካልኦት ኣኅዋቱ ተቐቢሎም፡ “ንናይ ኣዴና ኣስከሬን ተዋሂቡናስ ብኽብሪ ቀቢርናዮ፡ ሓመድ ኣዳም ኣልቢስናዮ” ኢሎም ነገርዎ። ንሱ ከኣ ነገሩ እናፈለጠ ነቲ ምሥጢር ሓቢኡ፥ “ሞት ብጥሪ ቀብሪ ከኣ ብነሓሰ፡ እዚኸ ከመይ ጌሩ ይኸውን፥” ጐይታስ ንክቡር ሥጋ ወላዲቱ ክሳዕ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ክጸንሕ ከመይ ተዓገሰ፥ ስለዚ ነዚ ዝበልኩምኒ ክቕበሎን ክኣምኖን እንተድኣ ኮይነ ናብቲ መቓብራ ወሲድኩም ንክቡር ሥጋ ኣርእዩኒ በሎም። ሽዑ ሓዋርያት፥ “ቶማስ ንስኻ ቀደሙ ኣብ ናይ ጐይታ ትንሣኤ እንዶ ግዳ ተጠራጢርካ ኣይነበረካን፡ ሕጂ እንተኾነ ውን ኣይትኣምንን ኢኻ” ንዓ ሰዓበና ኢሎም እናመርሑ ናብ መካነ መቓብራ ወሰድዎ። ርእዩ ክኣምን ከኣ ነቲ መቓብራ ከፈትዎ። እንተኾነ እቲ መቓብር ባዶ ጸኒሕዎም ንኣስከሬና ክረኽብዎ ስለ ዘይከኣሉ ሰንበዱ። ኣይሁድ ዝወሰድዎ ውን መሰሎም። ብዛዕባ’ዚ ነገር ከውርዱ ክዳይቡ፡ ሓዋርያ ቶማስ ኣኅዋት፡ ኣይትኣምንኑን ኢኹም ኢለ እምበር ኣዴናስ ተንሢኣ ዓሪጋ እያ፡ ኢሉ ንኹሉ እቲ ዝኾነ ነገርን ዝረኣዮን ነገሮም። ንመረጋገጺ ከኣ ነቲ ባዕላቶም ዝገነዙላ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ዝሃበቶ መግነዝ ኣርእዮም። ነዚ ንበረኸት ምእንቲ ክኾኖም ቆራሪጾም ተማቐልዎ። እዚ ነገር እዚ ሎሚ ኣብቶም እግሪ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቦታትና ተኪም ዘለዉ ካህናት ወለድና ተሪፉ ኣሎ። እቲ ኣብ ናይ ኢዶም መስቀል ዘሎ ጨርቂ እዩ።

ድሕሪ’ዚ ኹሉ ሓዋርያት ነናብ ኣህጉረ ስብከቶም ከዱን ተመልሱን። እንተኾነ ቶማስ ንዕርገታ ርእዩ ንዓና ከመይ ኢሉ ይተርፈና ስለ ዝበሉ፡ መንፈሳዊ ቅንኣትን ድሌትን እዩ። ብዓመቱ ሓደ ነሓሰ ከምቲ ዝቐደመ ንዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልታት ሱባኤ ኣተዉ። ጐይታ ከኣ ንዝለመንዎ ልመና ተቐቢሉ ብዓሰርተ ሽዱሽተ (16) ዕርገታ ንምርኣይ ኣብቂዕዎም እዩ። እወ በዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ተገሊጹ ጐይታ ንዓኣ መንበር ንባዕሉ ሰራዒ ካህን ንቅዱስ ጴጥሮስ ተሓጋጋዚ ክህን (ንፍቀ ካህን) ንቅዱስ እስጢፋኖስ ድማ ድያቆን ጌሩ ብምቕዳስ ኣቑሪቡ ንናይ ዕርገታ ነገር ብግልጺ ኣርእይዎም እዩ። ድሕሪ’ዚ ሓዋርያት በዚ ወርሒ ክልተ ሱባእ እናሓዙ ዓመታዊ ዘኽብርዎ ዓቢ በዓል ኮነ።

እዛ ሓዋርያዊትን ኣጽናፋዊትን ዝኾነት ቅድስቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያና ነዚ ካብ ቅዱሳን ሓዋርያት ኣቦው ጀሚሩ ክተሓሓዝ ዝመጸ ቅዱስ ትውፊታዊ ታሪኽ ተቐቢላ፡ ብግቡእ ዓቂባ፡ ሥርዓት ሰሪዓ፡ ቅዱሳን ኣበው ሓዋርያት ጾይሞም ዓቢይ በረኸትን ዓቢይ ምግላጽ ምሥጢርን ከም ዝኾነሎም፡ ከምኡ ሎሚ ድማ ምእመናታ ኣኺሉ ዝተርፍ ጸጋን በረኸትን እግዚአብሔር ንምርካብን ቅዱሳን ሓዋርያት ዝረኣይዎ ዘደንቕ ምሥጢር ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ንምርኣይን፡ ካብ በረኸታ ንምስታፍን፡ ከምኡ ካብ ኣቦታትና ሓዋርያት እውን ጸጋ ክረኽቡ ካብቶም ሸውዓተ (7) ናይ ኣዋጅ ጾም ከም ሓደ መዲባ ዓመታዊ ብኣዋጅ ትጾሞ። በዚ እዋን ዓቢይ ምስ ንእሽቶ ካብ ወዲ/ጓል 7 ዓመት ንላዕሊ ጀሚሩ ዓመታዊ ብናፍቖት እናተጸበዩ ይጸምዎ። ዝያዳ ትግሃት ብምውሳኽውን በዚ ሳምንታት ብዙሕ ዝኾነ መንፈሳዊ ንጥፈታት ይፍጽሙ። እዚ ነቲ ኣብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘለና ፍቕሪ ዘነጽር ዓቢይ መርኣያ እዩ።

ሎሚ ኣብዚ ዘለናሉ ዘመን፥ “ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተንሢኣ፡ ዓሪጋ እያ” ክትብሎም ከለኻ ሕማም ርእሲ ዝኾኖም ኣእዛኖምውን ዘሳሕዮም ኣብ ዘይምእዛዝ ዝጸንዑ ውሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ትምህርቲ ፈጺሙ ካብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ወጻኢን "ብሃሳሰ ለባም" ከም ዝብሉ ብኸምኡ ዝመጸ ተርትን ውን ይመስሎም። እዚ ግን ኢኣፍልጠኦም ዘነጽር ቃል እዩ። ብቕኑዕ መንፈስ ንዝርእን ዘስተውዕልን  ስለ ትንሣኤን ዕርገትን ድንግል ማርያም ዘረድእ ጥቕሲ ይትረፍ ኣብ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ተጻሒፉ (ጽሑፍ እንከሎ) ዘይተጻሕፈ እንተዝኸውን እኳ፡ እኒ ሄኖክ፡ ኤልያስ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ባረቱ ዓሪጎም፡ እኒ ኣልኣዛር ውን ተንሢኦም እናበለ ቅዱስ መጽሓፍ ናይ ድንግል ማርያምዶ ግዳ ኣዲኡ፡ ዙፋኑ፡ ማሕደሩ ዝኾነት ከመይ ዘይክውን ኢሎም ብእምነት ከገናዝቡ ምተገብኦም። ኮይኑ ግን ኣብቲ ዳሕራይ ዘመን “ኣእዛኖም ሓቂ ከይሰምዕ ዓጽዮም ናብ ጽውጽዋያት ከድህቡ እዮም” ከም ዝተባህለ (2ይ ጢም 4:4) ሓሳብ ገዛእ ርእሶም ከሰላስሉ ንቅዱሳት መጽሓፍቲ ጎስዮም ናብ ዝኸፈእ ጥፍኣት ኣምሪሖም ይርከቡ። እዚ ሓሳቦም ጥራይ ውን ኣይኮነን፡ ድያብሎስ ነቲ ኣብኣ ዘለዎ ጸላእትነት ብእኦም ጌሩ እናሰርሐ ምዃኑ ንጹር እዩ።

ናይዚኦም መወዳእታ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት፥ “ንጽዮን (ንድንግል ማርያም ዝጸልኡ ኩላቶም ይሕፈሩ፡ ተሳዒሮም ውን ንድሕሪት ይምለሱ” ዝበሎ እዩ (መዝ 129:5)። “ደቂ እቶም ዝጭቁኑኺ ዝነበሩ እናደነኑ ናባኺ ክመጹ፡ እቶም ዝነዓቑኺ ኩሎም ድማ ናብ ትሕቲ ኣእጋርኪ ፍግም ኢሎም ኪሰግዱልኪ እዮም እሞ፡ ከተማ እግዚአብሔር “ጽዮን” ከተማ እቲ ቅዱስ ኣምላኽ እስራኤል ኢሎም ኪሰምዩኺ እዮም (መዝ.60:14) ከም ዝተባህለ ግን ገለ ካብዚኣቶም ንናይ ወዳ ናይ ባህሪ ኣምላክነትን ንናታ ክብርን ኣደ ኣምላክነት ተረዲኦም ዚምለሱ ክህልዉ ሠናይ ትምኒትና እዩ። ንሕና ግን “ህየንተ ኣብውኪ ተወልዱ ለኪ ደቂቀ” ከም ዝበሎ ልብ ኣምላኽ ዳዊት (መዝ 45:16) ካብ ኣቦታት ክተሓሓዝ ዝመጸ እምነት ተቀቢልና፡ ንሳቶም ንዝመሃሩና ኣጽኒዕና ንመጽሓፍ ቅዱስን ትውፊትን መሠረት ጌርና ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንኣምን። ትውፊት ኣብ ላዕሊ ከም ዝረኣናዮ እዩ። ካብ ትውፊት ከይንወጽእ ብእኡ አጽኒዕና ክነብር ከም ዘሎና ድማ ተነጊሩናን ተኣዚዝናን ኢና። ንምሳሌ፥ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ “እምበኣር ኣቱም ኣኅዋትና ጸኒዕኹም ቁሙ፡ ነቲ ብቃል ኮነ ብመልእኽትና ዝመሃርናኩም ከኣ ሓዝዎ” ብማለት ብቃል ኮነ ብመልእኽቲ ብዝተቐበልናዮ ክንጸንዕን ክንሕልዎን የረድእ (2ይ ተስ 2:15)። ደጊሙ ውን፥ “ሕጂ ከኣ ኣቱም ኣሕዋትና ካብቲ በቲ ኻባና ዝተቐበልኩዎም ትውፊት ምኻድ ገዲፉ፡ ብትህኪት ዚነብር ሓው ኩሉ ክትርሕቁ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንእዝዘኩም ኣሎና” ኢሉ ካብቶም ንትውፊት ዘይእዘዙ ሰባት ክንርሕቕ ብትሪ ይእዝዝ (2ይ ተስ 3:6) ንእዝዘኩም ኣለና ማለቱ እዚ ትእዛዝ ናይ ኩሎም ሓዋርያት ቃል ምዃኑ ዘነጽር እዩ። ንትእዛዝ ሓዋርያት ዘይቅበልን ዝነቅፍን ድማ ባዕልኻ ንርእስኻ መዓት ምውራድ እዩ። ከመይሲ ንሳቶም ከም ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝመሃሩን ዝነበሩን። ብቃል ኮነ ብመልእክቲ (ብጽሑፍ) ንሳቶም ብዘጽንሑልካ ጸኒዕኻ ብእኡ ምምልላስን ንዕኡ ምሕላውን ግን የንእደካን የመስግነካን እምበር ኣየንቅፈካን። ብዛዕባ’ዚ ብርሃን ዓለም ቅዱስ ጳውሎስ፥ “ብኹሉ ስለ እትዝክሩንን፥ ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም ነቲ “ትውፊት ስለ ዘጽናዕክምዎን እመስግነኩም ኣለኹ” ኢሉ ኣሎ (1ይ ቆሮ 11:2)። ስለዚ ነዚ ትውፊት ናይ ኣቦታትና መሠረት ጌርና ንሳቶም ከም ዝመሃሩና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ትንሣኤን ዕርገትን ንኣምን ። ብምሥጢር ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ እውን ብዛዕባ ዕረፍትን ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ተዛሪቡ እዩ።

ከም ልበይ ኢሉ ባዕሉ እግዚአብሔር ዝመስከረሉ ቅዱስ ዳዊት፡ ብዝተዋህቦ ናይ ትንቢት ጸጋ፡ መንፈስ ተምሪሑ ገና ርሑቕ እንከሎ ኣቕሪቡ፥ “ ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት ኃይልኻን ተንሥእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ” ኢሉ ተነቢዩ እዩ (ምዝ 132:8)። እዚ ምሥጢራዊ ዝኾነ ቃል ትንቢት ብናይ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ሊቃውንት ትርጉም ብዛዕባ ትንሣኤን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተነግረ ምዃኑ ይረድኡ። መንፈሳዊ ትርጉሙ ከኣ፥ “ ኦ እግዚአብሔር ንስኻን” ኢሉ ከም ዘለዎ ንኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልከት ክኸውን እንከሎ፥ “ታቦት ኃይልኻን” ኢሉ ድማ ንድግል ማርያም የምጽእ። ታቦት ተባሂላ ዘላ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ናይ ታቦት ትርጉም መሕደሪ ማለት ከም ከም ዝኾነ፡ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ንመለኮታዊ እሳት ዝኾነ እግዚአብሔር  ንትሽዓተ ወርሕን ሓሙሽተ (5) መዓልትን ኣብ ማህጸና ብምጻር ኣማናዊት ምሕደሪኡ ኮይና ተረኺባ እያ። ተንሥእ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ ዝበሎ ከኣ ንትንሣኤኣን ዕርገታን የመልክት። ከም ትንሣኤ ወዳ ተንሲኣ ንምባል እዚ ዓቢ መረዳእታ እዩ። ካልእ፡ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ ዝበሎ፡ ኣብዛ እንነብረላ ዘሎና ናይ ድኻም ናይ መከራን ናይ ፈተና ዝኾነት ዓለም ዕረፍቲ ስለ ዘሎ ዘይኮነ፡ ኦ እግዚአብሔር ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ዝኾነት ድንግል ማርያምን ሒዝካ ምእመናንካ ናብ እትዕርፈሉ፡ ፍጹም ዕረፍቲ ናብ መንግሥተ ሰማያት ንዓ ተንሥእ ማለቱ እዩ።

ተወሳኺ፥ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት፥ “እታ ንግስቲ ጽሩይ ወርቂ (ብወርቂ ኦፊር) ተሰሊማ ኣብ የማንካ ትቐውም” ዝበሎ ውን ንትንሳኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ኣማላድነታ ከምኡ’ውን ንልዕልናኣን ክብራን ዘመልክት እዩ (መዝ 45:9)። ንግስቲ ተባሂላ ዘላ ናይ ሰማይን ምድርን ንጉስ ዝኾነ ኣምላኽ ዝወለደት ድንግል ማርያም እያ። ጽሩይ ወርቂ ወይ ውን ብወርቂ ኦፊር ተሰሊማ ማለቱ ድማ፡ንሳ ርስሓት ኣበር ዘይብላ ብሥጋኣ ኮነ ብነፍሳ ኃጢኣት ዘይተረኽባ፡ ካብ ቃላ’ውን ስሕተት ዝበሃል ዘይወጸ ፍጹም ንጽህቲ ስለ ዝኾነት፡ ንምፍጹም ንጽንናኣ ዘመልክት እዩ። ኣብ የማንካ ትቐውም ኢሉዎ ዘሎ ከኣ “ምቛማ” ስቕ ኢልካ ምቛም ዘይኮነ ስለ ኹሉ ዘርኢ ኣዳም እትልምን ምዃና፡ ንኣማላድነታ ዝገልጽ ቃል እዩ (መዝ 106:23)። “ኣብ የማንካ” ኢሉ ድማ ድንግል ማርያም ድሕሪ ትንሣኤኣን ዕርገታን ብክብሪ ብልዕልና ኣብ የማን ፍቁር ወዳ ምህላዋ ዝነግር መረዳእታ እዩ። ስለ’ዚ እዚ ቅዱስ ኣቦ ፥ ንጽሐ ሥጋን ንጽሐ ነፍስን፡ ንጽሐ ልቦናን ሓደ ጌራ ዝሓዘት ድንግል ማርያም ድሕሪ ትንሣኤኣን ዕርገታን ንጉሥ ሰማይን ምድርን ዝኾነ ወዳ ክርስቶስ ኣብ ዝሃባ ኣደ ኣምላኽነት ናይ ምዃን ክብሪ ጸኒዓ ኣብ የማንካ፡ ብልዕልና ኣብ መንግሥተ ሰማያት ስለ ደቃ ንልማኖ ትቐውም ይብል ኣሎ ማለት እዩ።

ሃብታም ብሥጋውን ብመንፈሳውን ጥበብ  ንጉሥ ሰሎሞን ብዛዕባ ትንሣኤን ዕርገትን ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን። ከምዚ ዝስዕብ ከኣ ይብል፥ “ ኣቲ ፍትውተይ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ ንዕናይ ምሳይ። እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ዛርዩ ተወዲኡ፡ ዕንባባታት ኣብ ምድሪ ተራእዩ፡ ግዜ መዝሙር በጺሑ፡ ድምጺ ባሪቶ ከኣ ኣብ ምድሪ ይስማዕ ኣሎ። ፍረ ኦም በለስ ጐጒቡ ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዝኡ የውጽእ ኣሎ። ኣቲ ፍትውተየ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ ምሳይ ንዕናይ” መኃ.2:10-13. ናይዚ መንፈሳዊ ቃል ምሥጢራዊ ትርጉም ቀዳሞት ኣበው ከም ዘጽንሑልናን ዝመሃሩናን።

እቲ ፈታዊ ነታ ፈታዊቱ፥ “ኣቲ ፍትውተየ ተንሥኢ፡ ጽብቕተየ ንዕናይ ምሳይ” እና በለ ዝጽውዕ ዘሎ (ዝጸውዐ) ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። እታ ዝጽውዓ ዘሎ ፈታዊት ከኣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ከመይ ቅድስት ድንግል ማርያም ኩልንትናኣ ብንህጽናን ቅድስናን ዘግየጸት ተፈታዊ መልክዕ ዘለዋ፡ ንሳ ጥራይ ንበይና ብኹሉ ኣደ ኣምላክ ምዃን ዝተገብኣ ዓለም ንምድኃን እግዚአብሔር ዝመረጻን ክወሃሃዳ ዝፈተወን ውን ንሳ ስለ ዝኾነት፡ ፍትውተየ፡ ጽብቕተየ ይብላ። ቅዱስ ዳዊት፡ ብዓይኒ መንፈስ ርእዩን ተመልኪቱን ኣቐዲሙ፥ “ንጉሥ ንውብነትኪ (ንመልክዕኪ) ይብህጎ” ዝበሎ ብግልጺ ነዚ ዘነጽር ቃል እዩ (መዝ 45:11)። “እንሆ ክረምቲ ሓሊፉ፡ ዝናም ተወዲኡ” ማለት፥ ስምዖን ኣረጋዊ ኣቐዲሙ ንድንግል ማርያም፥ “ንዓኺ ከኣ ሓሳባት ልቢ ብዙሓት ምእንቲ ኪግለጽ፡ ሓዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንጥቖ እዩ” ኢሉ ኣብ ቤተ መቕደስ ተዛሪቡዋ ነበረ እሞ፡ ጠቢበ ሰሎሞን ድማ ንኹሉ ሓዘናታን መከራኣን ብክረምቲ መሲሉ፥ “እንሆ ብስደት፡ ብጽልኢ ኣይሁድ፡ ብመከራን ሥቕለትን ወድኺ ዝበጸሓኪ ሓዘን፡ ናይ ክርስቶስ ሕማሙ፡ ምቱ፡ በጃነቱ ተፈጺሙስ ሓሊፉ እዩ፡ እንሆ እኳ ትንሣኤ ኣብ ምድሪ ተግሊጹን ተሰቢኹን ግዜ መዝሙር በጺሑ” ይብል። ቀጺሉ፡ “ድምጺ ባሪቶ ከኣ ኣብ ምድርና ይስማዕ ኣሎ” ኢሉ፥ “ድምጾም ናብ ኩላ ምድሪ፡ ቃላቶም ድማ ክሳዕ ኩላ ምድሪ በጽሐ” ከም ዝተባህለ (መዝ 19:4, ሮሜ 10:18, ማር 16:15, ማቴ 28:19) ድምጺ ሓዋርያትን ቃል ሰብከቶምን ኣብ ኩላ ምድርን ጫፋት ዓለምን በጺሑ ምስምዑ ይገልጽ። ካብ ክረምቲ ቀጺኡ ዝመጽእ ወርሓት ቀውዒ እዩ። በዚ ወርሓት እዚ ሓረስታይ ዝዘርኦ ዘርኢ ዝተኸሎ ተኽሊ ሸዊቱ፡ ኣፍርዩ ዝርእየሉ፡ ብዘላ ምድሪ ከኣ ብለምዒ (ልምላሜ) እትጉልበበሉን ሩባታትን ኣፍላትን ክሳዕ ወሰኖም ማያት መሊኦም፡ እንስስታት ድማ ደስ ኢልወን ካብ ለምለም ሳዕሩን ኣቑጽልቱን እናተመገባ፡ ጽሩይ ማይ ውን እና ሰተያ ኣዝየን መልኪዐን ዝረኣየሉ ናይ ልምለሜን ናይ ፍሬን ናይ ጣዕሚ ግዜን ወርሓትን እዩ። ኩሉ ክትርእዮ ደስ የብለካ።( መዝ 65:19-13) ዘሎ ተመልከት።

ምእንቲ’ዚ፥ “ክረምቲ ሓሊፉ ዝናብ ውን ዛሪዩ ትወዲኡ ፍረ ኦም በለስ ጐጒቡ” ዝበሎ እምበኣር ሰናይ ተግባርን ጽቡቕ ፍረን ዘይነበሮ ወዲ ሰብ ግዜ ክርስትና ምስ ኮነ ጸጋ ረኺቡን ተማሂሩን ሰናይ ተግባር ክሰርሕን ጽቡቕ ፍረ ከፍርን ምጅማሩ ዘርኢ እዩ። “ተኽሊ ወይኒ ዓምቢቡስ መዓዝኡ ይውጽእ ኣሎ” ዝበሎ ድማ፥ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ብሃይማኖት ክዕምብባን ምዑዝ ዝኾነ ምግባረ ጽድቂ ከቕርባ ምጅማረን ዘርኢ እዩ።

ብሓፈሻ ጥርኑፍ መልእኽቲ ናይ ምሥጢራዊ ምሳሌ ክርአ እንከሎ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ልዕሊኣን ኣብ ልዕሊ ወዳን ዝተገብረ ናይ ስደት ሕሰምን፡ ጽልኣት ኣይሁድን ብምኽንያት መከራን ስቕለትን ፍቑር ወዳ ዝበጽሓ መሪርን ጽኑዕን ሓዘን ሓሊፉስ፡ ኣብ ምድሪ ትንሣኤ ተኣዊጁ፡ ክርስትና ሰፊሑ ኣብ ኩሉ መኣዝናት ዓለም ተዘርጊሑ፡ ሃይማኖትን ምግባርን ዘይነበሮም ደቂ ሰባት ክርስትና ተሰቢኾም ብሃይማኖት ክዕምብቡን ምዑዝ ዝኾነ ምግባረ ጽድቂ ክሰርሑ ድሕሪ ምጅማሮም ምዕራፋን ከም ወዳ ተንሢኣ ድማ ምዕራጋን ዝገልጽ እዩ።

ኃይሉን ረዲኤቱን ዝሃበ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር  ይመስገን።

  • †  ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሀለየ

እንዘ ትትአጸፊ ጸጋ ወትለብሲ ዕበየ

ማርያም ሥጋኪ ዘተመሰለ ባሕርየ

ተኃፍረ ሞት አኮኑ ሶበ ነጸረ ወርእየ

እንዘ በደመና ብሩህ የዐርግ ሰማየ።

  • †  ሰላም ለፍልሰተ ሥጋኪ እግዚአብሔር ዘባረካ

ወአልዓለ ክብራ እምፍልሰተ ሄኖክ ወልደ ባረካ

 ማርያም ፍሥሕት ወብርህት እምነ ዋካ

  በእንቲአኪ ይገብሩ ወስተ ሰማያት ታዕካ

   ነገደ መላእክት ኣእላፍ ሱባዔ ፋሲካ።

       መልክአ ፍልሰታ ለማርያም

ኣማላድነትን ፀጋን በረኸትን ናይ ወላዲተ ኣምላክ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩልና ውሉደ ጥምቀት ይኹን።

ኣሜን::

ዲያቆን ዓንደማርያም

Comments are closed.