ትንሣኤ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን

በዐቢይ ኃይል ወሥልጣን

አሠሮ ለሰይጣን

አግአዞ ለአዳም

ሰላም

እምይእዜሰ

ኮነ 
ፍሥሐ ወሰላም።”

ተምሳል

ቀደም ዘመን እስራኤላውያን አብ ትሕቲ ኣርዑት ግብጻውያን (ፈርኦን) ይግዝኡ አብ ዝነበሩሉ እዋን፡ እቲ ስቅያቶምን ጸበባኦምን ብሰሪ መጨነቕቶም ዘእውይዎ ኣውያትን እግዚአብሔር አምላኽ ሰምዐ'ሞ እቲ ዝኣተዎ ቃል ኪዳን ዘይርስዕ አምላኽ ነኣቦታትና አብርሃም፡ ይስሐቅ፡ ያዕቆብ ዝኣተወሎም ኪዳን ዘከረ። ስለዚ ካብ ኢድ ግብጻውያን ከድኅኖም ናብታ ጽብቕትን ርሕብትን ጸባን መዓርን እተውሕዝ (ከንኣን) ክእትዎም ፈቐደ። እግዚአብሔር ድማ ንነቢይ ሙሴን ካህን አሮንን ንእስራኤላውያን ካብ ግብጺ ከውጽእዎም አተንሥኣሎም። ነቢይ ሙሴን ካህን አሮንን አብ ቅድሚ ፈርኦን ቀሪቦም እግዚአብሔር ንሕዝቢ እስራኤል ኅደጎም ይብለካ አሎ እናበሉ ዝተፈላለየ ተኣምራት ገበሩ፡ እንተኾነ ግና ፈርኦን ልቡ ስለ ዘትረረ እስራኤላውያን ንእግዚአብሔር ከገልግሉ አይኃደጎምን።

እግዚአብሔር አብ ልዕሊ ፈርኦንን አብ ልዕሊ ግብጽን ገና ሓደ ዐቢይ መዓት ከምጽእ ምዃኑን ፈርኦን ንእስራኤላውያን ኽወጹ ክኃድጎምን ብሙሴ ጌሩ ተዛረበ። እዚ መዓት እዚ ድማ እግዚአብሔር ኵሉ በዂሪ ሃገረ ግብጺ ካብ በዂሪ እቲ አብ ዝፋን ዚቕመጥ ዘሎ ፈርኦን ክሳዕ በዂሪ እንስሳ ድማ ክመውት ምዃኑ ተዛረበ። እቶም ሕዝብ እግዚአብሔር ዝተባህሉ እስራኤላውያን ግና ናይ ሓደ ዓመት ተባዕታይ ገንሸል ክሓርዱ እሞ ደም እቲ ገንሸል ድማ ንልዳት ቤቶም ለኽዮም ሥግኡ ድማ በሊዖም ካብ መዓት ናጻ ክወጹ እግዚአብሔር ሓበሮም። እስራኤላውያን ከምዝተኣዘዝዎ ገበሩ። እቲ መቕዘፍቲ ድማ አብ ግብጻውያን ተኣዘዘ፡ መልኣክ ሞት ናብ ግብጺ ወሪዱ ደም ገንሸል ዘለዎ ናይ እስራኤላውያን ቤት እናኅለፈ በዂሪ ግብጻውያን ቀተለ። በዚ ዝረዓደ ፈርኦን ንእስራኤላውያን ክኃድጎም ተገደደ። እስራኤላውያን ድማ ግዜ ከይወሰዱ ቀልጢፎም ካብ ግብጺ ወጽኡ። ዘፀ. 3-12 (ዘፀ. 11፤1-2/ 12፤7-29)።

ትርጓሜ፦ ፋሲካ ብሉይ ኪዳን ንናይ ሓዲሽ ኪዳን ኣማናዊ ፋሲካ ምሳሌ እዩ። እታ ብመሪር መግዛእቲ ፈርኦን ዝሳቐዩላ ዝነበሩ ሃገር ግብጺ ብሲዖል ትምሰል፡ ከመይ ክሳዕ እቲ ጐይታ ዓለም ክርስቶስ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲዖል ወሪዱ ነፍሳት ዘውጽኣላ ግዜ ኵሎም ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ዝገበሩ ሲዖል ይሳቐዩ ብምንባሮም።

እታ ዳሕራይ ዝወረሱዋ ከነኣን ድማ ብገነት ትምሰል ምኽንያቱ እስራኤላውያን ካብቲ ናይ መግረፍትን መግዛእትን ቦታ ወጺኦም ሰላምን ጽጋብን ከም ዝረኸቡ እግዚአብሔር አምላኽ ድማ ነተን ኣብ ሲዖል ዝነበራ ነፍሳት ናብ ገነት ናብ ናይ ጥንቲ ርስቲ ኣቦና አዳም መለሰን።

እስራኤላውያን ካብቲ መቕዘፍቲ በዂሪ መዓት ናጻ ክወጹ ዝኸኣሉ ብደም ናይ እቲ ተባዕታይ ገንሸል ከም ዝኾነ ንሕና'ውን በቲ ኣማናዊ ደም ገንሸል መድኃኒናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ባርነት ነጻ ወጺእና። እቲ ገንሸል ብዘይ ሓንቲ በደል ተሓሪዱ ንእስራኤል ዘሥጋ መድኃኒት ከም ዝኾኖም ጐይታናን ፈጣሪናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከይበደለ ምእንቲ በደልና ከጥፍእ ንሞትና ወሲዱ ሕይወት ሂቡና፡ ኣብ ቀራንዩ ቅዱስ ሥጋኡ ብምቊራስ ክቡር ደሙ ብምፍሳስ ካብ ኃጢኣት አድኃነና ካብ ማእሰርቲ ሲዖል'ውን ፈትሓና።

ትንሣኤ

ከምቲ ዮሐንስ መጥመቕ ዝመስከሮ "እነሆ ኃጢአት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል አምላኽ” (ዩሐ. 1፤29) እቲ ናይ ኦሪት ገንሸል ናብ ኣማናዊ ዝኾነ ሓላል ገንሸል ተቐይሩ፡ እቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ አምላኽና አብ ክንዳና ሞተ። አብ ክንድ እቲ ፈራስን በስባስን ዝኾነ ሥጋ ገንሸል፡ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ሃበና ከምዚ'ውን በለና "ሥጋይ ዝበልዐ ደመይ'ውን ዝሰተየ ናይ ዘለዓለም ሕይወት አላቶ፤ አነ'ውን በታ ዳኅረወይቲ መዓልቲ ከተሥኦ እየ” (ዩሐ. 6፣54) ነቲ ብብልዒ ዘጥፋእናዮ ክብሪ ድማ ሥጋኡን ደሙን በሊዕና መንግሥቱ ክንወርስ ፍቓድ እቲ ርኅሩኅ አምላኽ ኮነልና። ካብቲ ዝነበርናዮ ኩነኔ፡ ንሞት ብሞቱ ስዒሩ ካብ ግዝኣት ዲያብሎስ ሓራ አውጸኣና፡ እቲ ሓቀኛ ፍቕሩ ድማ ብወርቅን ብሩርን ዘይኮነስ ብቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን አብ ክንዳና በጃ ብምሕላፍ አድኃነና። (1ጴጥ. 1፤18-19) ብዕለት ዓርቢ ከኣ ብዐፀደ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቶም ካብ ኣዳም ጀሚሩ ክሳዕ እታ ዕለት ኣብ ሲዖል ዝሳቐዩ ዝነበሩ ነፍሳት ገፊፉ ናብ ገነት ኣእተዎም። "ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ኩላቶም ድማ ብክርስቶስ ሕያዋን ክኾኑ እዮም” (1ይ ቆሮ. 15፤22) ብድኅሪ እዚ ሠለስተ ለይትን መዓልትን አብ ከርሢ መቓብር ድኅሪ ምኅዳር ከምቲ ዝበሎ ብዓቢይ ኅይልን ሥልጣንን ካብ ኅቱም መቓብር ተንሥአ።

ካብ አዳም አትኂዙ ሞት አብ ደቂ ሰባት ነጊሡ ነበረ፡ ሕጂ ግና ብዕለት ሰንበት ፍርቂ ለይቲ ንሞትን መቃብርን ስዒሩ መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ተንሥአ። በዚ ድማ ካብ ባርነት ኃጢኣት ናብ ዘለዓለማዊት ሕይወት መንግሥቲ አምላኽ ኣእትዩና፡ ካብ ሕጂ ንድኃር ግና ሞት ዕዳ ኣይኮነናን እዩ።

ትንሣኤ ክርስቶስ ነዓና በዂሪ ምዃኑን ክርስቶስ ከም ዝተንሥአን ደቂ አዳም ኩሎም ከም ዝትንሥኡን እቶም ብዓይኖም ትንሣኤኡ ዝረኣዩ ሓዋርያት መሃሩ። ብርሃነ ዓለም አቦና ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ አብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ ከምዚ ይብል"ክርስቶስ ምእንቲ ኃጢኣትና ሞተ፡ ተቐብረ ኸኣ፡ ከምቲ እቶም ጽሑፋት ዝብልዎ፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ'ውን ተንሥኤ፡ ንኬፋ፡ ድኃር'ውን ነቶም ዓሠርተው ሓደ ተራእየ፡ ድኅሪኡ ዝበዝኁ ካባታቶም ክሳዕ ሎሚ ዘለው፡ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም ዘለው፡ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዚበዝኁ ኣኅዋት ብሓንሳእ ተራእየ። … ሕጂ ግና ክርስቶስ ቦኹሪ እቶም ዝደቀሱ ኮይኑ ካብ ምውታን ተንሥአ። ስለዚ ከምቲ ሞት ብሓደ ሰብ ዝመጽአ፡ ከምኡ ከኣ ትንሳኤ ምውታን ብሓደ ሰብ ኢዩ ዝመጽአ። ከምቲ ኩላቶም ብኣዳም ዝሞቱ፡ ከምኡ ድማ ኹላቶም ብክርስቶስ ሕያዋን ኪኾኑ እዮም። …” (1ይ ቆሮ. 15፤1-22) አብ ዘመነ ሊቃውንት ካብ ዝነበሩ ናይ አንጾክያ ሊቀ ጳጳስ ቅዱስ ሳዊሮስ "ናይ ጐይታናን አምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ንጽሕት ቅድስት ድንግል ማርያም ምውላዱ፡ ምማቱን ትንሣኤኡን ሥርዓት ንዓና ንምድኃንን፡ ንዓና ካብ ኃጢኣት ንምምላስ ተገብረ። ...”ሃይማኖት ኣበው ክፍሊ ሽዱሽተ። መሊሱ'ውን ከምዚ ይብል "ንነፍሱ አብ ሲዖል ኣይሓደጋን። ሥጋኡ አይፈረሰን አይበስበሰን፡ ነፍሱ ካብ ሥጋኡ አብ ዝተፈለየትሉ ግዜ እግዚአብሔር ቃል ብፍቓዱ ነዚ ሠርሖ። ካብ ዝተፈላለዩ ማለት ካብ ክልቲኦም ካብ ነፍስን ሥጋን መለኮታዊ ባህሪይኡ አይተፈለየን። ሓደ ኣካል፡ ሓደ ባህርይ ብምዃን ምስ ነፍስን ሥጋን ተዋሓሒዱ ይነብር። ንሱ እግዚአብሔር፡ አብ ኩሉ ዝመልአ እዩ። አብ ሓደ ውሱን ቦታ ዝውሰን አይኮነን እሞ፡ ምስ ሥጋ ተዋሓሒዱ ምፍራስን ምብስባስን አጥፍአ። ኣብ መቓብር ዘለዉ ዓፅመ ሥጋ ፈሪሶም በስቢሶም ካብ ምትራፍ አድኃኖም። ካብ ዝሞቱ ናይ ጻድቃን ሬሳ ብዙኃት አተንሥአ።” ሃይማኖት አበው ክ.3፤29-30።

እግዚአብሔር ወልድ ብፍቕሩ ከድኅነና ምእንቲ ብሥጋ ሞይቱ ንፈተውቱ ጻድቃን ብኽብሪ ትንሣኤ ከተንሥኦምን ከጽድቖምን ምእንቲ፡ ናይ ሞት ሞት (ካልኣይ ሞት) ስዒሩ ተንሠአ። (1ይ ቆሮ. 15፤54-55) “ምእንቲ በደልና ተሰቕለ፡ ምእንቲ ከጽድቐና ተንሥአ። ከምኡ'ውን ክርስቶስ ብጐይትነት አቦኡ ከም ዝተንሥአ ንሕና ተንሢእና ብሓድሽ ሕይወት ምስኡ ክንነብር ኢና” ዝብል ቃል ቅዱስ እግዚአብሔር እዩ።

ምስ ብርሃነ ትንሣኤ አምላኽና ትንሣኤ ልቦና ንተንሥእ። ብትንሣኤ ልቡና ተንሢእና ናብ ሰማያዊ መንግሥቲ እግዚአብሔር ወረስቲ፡ ናይቲ ቅዱስ ስሙ አመስገንቲ ክንከውን ቕዱስ ፍቃዱ ይኹን።

ንሕናኸ ሕጂ

ካብ ናይ ጐይታ ትንሣኤ ንደሓር ምሟትን ዘይምሟትን አብ ኢድና እዩ። እቲ ጐይታና ዝደምሰሰልና ኃጢኣት ባዕልና እንተዘይዓዲምናዮ ኣባና ሥልጣን የብሉን። ከምቲ ሓዋርያ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ ዝበለና "ዓስቢ ኃጢኣት ሞት እዩ” (ያዕ. 1፤15) ንዝተሳዕረ ዲያብሎስ ባዕልና ፈቲና እንተፈቒድናሉ ኣብ ልዕሌና ግዝኣቱ ክምሥርትን ብመቑሑ ክኣስረናን እዩ። ስለዚ ንሕና ብደም ክርስቶስ ከም ዝተዓደግና ፈሊጥና በታ ጸባብ መገዲ ተመላሊስና ነታ ዘይትኃልፍ ዘለዓለማዊት ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ወረስቲ ንኹን።

ብኸመይ ነብዕሎ

ብዙኅ ግዜ ትንሣኤ ኮነ ካልእ ናይ ቤተክርስቲያንና በዓላት ትርጉሙ ብዘይ ምርዳእ ናይ ብልዕን መስተን ሽሻይን እኽለ ማይ ዝፈሰሉ መዓልቲ ጌርና ንወስዶ ንኸውን። ግን በዓለ ትንሣኤ ብብልዕን ብመስተን ክንጸግብን ክንሰክርን ዘይኮንና ካብታ ዘላትና ንዝተጸገሙ ሽጉራት ኣኅዋት እንረድኣሉን እንዕንግለሉን መዓልቲ እዩ። ንሕና'ውን ካብ ወልፊ ዝሙት፡ ክፉእ አመል፡ አምልኾ ጣዖት (ጥንቆላ) … ካብ ባርነት ኃጢኣት ወጺእና ናጻ ኮይንና ብሓጐስን ፍሥሐን ብምትሕግጋዝን ከነብዕሎ ይግባእ። ከምኡ ድማ ንእግዚአብሔር አምላኽና እናኣመስገንና ስለቲ ዝገበረልና ሠናይ ነገር ውዕለት ጐይታ እናዘከርና ኃጢኣትና ክንናዘዝ እቲ ግዜ ሕጂ እዩ። መዓልቲ ጐይታ ከየርከበትና ብማየ ንስሓ ተሓጺብና ናብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንቕረብ።

በረኸት ትንሣኤ ይዓድለና፡ ኣሜን!

“ይትባረክ አምላክ ኣበዊነ”

ምንጪ፡ ጦማረ ማዕዶት

Comments are closed.