ትስፉዋት ንኹን።

ተስፋ ማለት ነቲ ዘይርአ ከም ዝርአ። ነቲ ዘየሎ ከምዘሎ። ነቲ ዘይከውን ድማ ከምዝኸውን ጌርካ ብእምነት ንእግዚኣብሔር ምጽባይ እዩ። ተስፋ ሓንቲ ካብተን ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ጽሒፍሎም ዘሎ መሰረት እምነት እያ (፩ይ ቆሮ. ፩፫።፩፫)፣ እምነት ኣብ እግዚኣብሔር ተስፋ የሕድር። ተስፋ ድማ ፍቕሪ ኣምላኽ የንግስ እዩ እሞ ንሕና’ውን ትስፍዋት ክንከውን ይግባኣና እዩ። ከመይሲ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ሰብ ኣብ ዝተሳእነሉ ጊዜ ሰባት ኮይንኩም ተረኸቡ ከምዝብለና ንሕናውን ኣብ ጊዜና ተስፉዋት ክንከውን ይግባኣና። ተስፋ ካብ ቀደም ኣትሒዛ ከም ዝነበረት መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና፣ ነዚ ሓሳብ ንምርዳእ ክሕግዘና ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመሃር ክንፍትን ኢና፣ ተስፋ ኣብ ምፍጣር ዓለም። እግዚአብሔር ሰማይን ምድርን ምስ ፈጠረ፡ ንምድሪ ምስ ጠመታ ብጸልማትን ብማይን ዝተኸበት (ዝተዋሕጠት) ነበረት። እግዚኣብሔር ንምድሪ ተስፋ ብርሃን ኣንበረላ በለ ድማ “ብርሃን ይኹን በለ” ፣ ከምኡ ድማ ኮነ፣ ምድሪ ብብርሃን ከምኡ’ውን ብዕንባባታት ብኣታኽልቲ ብሳዕሪ ብኣዕዋፍን እንስሳታትን ወቂባ ተረኽበት። ምድሪ ድማ ተስፋ’ኣ ብሰናይ ነገር ተፈጸመላ። ለምሊማ ንምርኣያ ባህ እተብል ድማ ኮነት (ዘፍ ፩።፩-፫፩)፣ ተስፋ ኣብ ጊዜ ኣዳምን ሔዋንን፦ እዚ ዓይነት ተስፋ ነቶም ብሰንኪ በደሎም ካብ ገነት ወጺኦም ምሉእ ሕይወቶም ብቀቢጸ ተስፋ ዝነበሩ ኣዳምን ሔዋንን ዝተዋህበ እዩ። ንሱ ድማ ንኹሉ ንብዓትኩምን ጣዕሳኹምን ርእየ እየ እሞ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቃን (፭፭00 ዓመት) ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ከድሕነካ እየ ዝብል ዓቢይ ናይ ተስፋን ምጽንናዕን ቃል ነበረ። በዚ ድማ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገሩ (ዘፍ ፫።፩፭፣ ቀሌ. ገጽ ፩፫)፣ ስለዚ እዚ ተስፋ እዚ ንኣሽሓት ዓመታት ኣብ ልቦም ዓቚሮም ክሳብ ጎይታ ምእንትኦም ዝብጆ ብማዕዶ እናረኣይዎ ብሞት ካብዚ ዓለም ሓለፉ፣ ነዚ ከረድኣና ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ይብል “እዚኦም ኩላቶም ነተን ተስፋታት ኣይረኸብወንን ግናኸ ካብ ርሑቕ ርእዮም ብሓጎስ ተቐበልወን እሞ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ኣጋይሽን ስደተኛታትን ምዃኖም እናተኣመኑ ብእምነት ሓለፉ (ሞቱ)” (ዕብ ፩፩።፩፫)። ተስፋ ኣብ ሕይወት እታ ዝበለጸት ነገር እያ፣ ተስፋ ዘየብሉ ሰብ ኩሉ ጊዜ ሕይወቱ ኣብ ጭንቀትን ሓዘንን ጓህን ዝጠሓለን መንፈስ ኣምላኽ ዘይብሉን እዩ ዝኸውን፣ ከም’ዚ ዓይነት ሰብ ድማ ግዙእ ናይ ዲያብሎስ ይኸውን፣ እቶም ደቂ እግዚኣብሔር ዝኾኑ ግና ዘይትሓልፍን ዘይትነጽፍን ተስፋ መንግስተ ሰማያት ኣላቶም፣ ነዛ ተስፋ ንኸብርሃልና መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ዘዐይን ኢርእየ ወዕዝን ኢሰምዐ። ውስተ ልበ ሰብእ ዘኢተሀለየ ዘአስተዳለወ እግዚኣብሔር ለእለ ያፈቅርዎ። ዓይኒ ዘይረኣየቶ እዝኒ ዘይሰምዓቶ ብልቢ ደቂ ሰባት ዘይተሓስበ እግዚኣብሔር ነቶም ዘፍቅርዎ ኣዳልዩሎም ኣሎ …” (፩ይ ቆሮ. ፪:፱)፣ መንግሥቲ ኣምላኽ ክንወርስ ብናይ ዓለም መከራን ሽግርን ክንሰናበድ ኣይግባእን። እቲ ምታይሲ እቲ ተስፋና ብዝተዓጻጸፈ ኣሃዝ ካብቲ ዝጎንፈና ሽግራት ስለዝዓቢ፣ ነዚ ከረድእ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንቶስ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ከምዚ ይብለና፦ “ኣብዛ ሕይወት እዚኣ ጥራይ ብክርስቶስ ተስፋ እንተ ገበርናስ ካብ ኩሉ ሰብ እነደንግጽ ምኾንና ኔርና” (፩ይ ቆሮ. ፩፭።፩፱)፣ ተስፋና ኣብዛ መሬት ጥራይ ዝውሰን ከምዘይኮነ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ የረድኣና፣ እሞ’ኸ ሕዝበ ክርስትያን ሰለምንታይ ኢና ደኣ ተስፋ ከምዘይብልና ኮይና ኣብ ጭንቀትን ሓዘንን ኩሉ ጊዜ ክንነብር እንርአ? ኣብ ዘመንና ብዙሓት ሰባት ተስፋ ዘየብሉ ህይወት ክነብሩ ነስተብህል፣ እዚ ስለዝኾነ ድማ ኣደዳ ጭንቀትን ዘይተደላይዪ ልምድታትን ክኾኑ ንዕዘብ። ንኣብነት ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተኸስተ ፋይናንሲያዊ ቅልውላው ዘንቀሎ ምንቁልቃል ስነ- ምጣነ ዓለምና (ረሰሽን) ንብዙሓት ሰባት ኣደዳ ሽቕለት ኣልቦነት ኣጋሊጽዎም ይርከብ። እቲ ገና ታተ ዝብል ዘሎ ስነ-ምጣነ ዓለም ናይ ብዙሓት ሰባት ሽቕለት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣቕሂምዎ ይርከብ። መራሕቲ ሃገራት እዘን ግዳይ ናይዚ ቅልውላው ዝኾና ሃገራት ድማ ንህዝቦም ተስፋ ናይ ራህዋን ብሩህ መጻኢን ከስንቑ ሃንደለቕ ክብሉ ንርኢ። እዚ ዘብርሃልና ነገር አንተሎ ኣገዳስነት ተስፋ ኣብ መዓልታዊ ጉዕዞ ሂወትና እዩ። ስለዚ ድማ እቶም ብወልድ ውሉዳት ህዝበ ክርስቲያን ብግዜያዊ ሽግራት ከይተሰናበድና ክምህ ዘይብል እምነትና ሒዝና ብተስፋ ክንጉዓዝ ይግባእ። 20 ሓምለ ፪0፩፩ ሓምለ ፪0፩፩ ኩሉ ጊዜ ዋላ’ውን ሽግር ኣብ ዝበዝሓና ጊዜ ተስፋ ከምዘለና እግዚአብሔር’ውን ጸዋሪ መከራና ምዃኑን ከምዘናግፈና ምርዳእን ምስትብሃልን ይግበኣና ኢዩ። ከመይሲ ንሕና ክርስትያን ብተስፋ ስለ እንነብር (ሮሜ ፩፪ ፡፩፪)፣ “ኣይክገድፈኩምን እየ ከቶ’ውን ሸለል ኣይብለኩምን ከሳብ መወዳእታ ጊዜ ምሳኻትኩም እየ” (ማቴ ፪፰።፪0) አሞ’ኸ ደኣ ንሕና ነዚ ቃል እናሰማዕናን እናረኣናን ስለምንታይ ኢና ብቐቢጸ ተስፋ እንጓዓዝ? እዚ ክኸውን ኣይግባእን እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣምላኽ ስለዘለና። “እግዚኣብሔር ካብ ሕጂ ኩሉ ጊዜ ብለይትን መዓልትን ንዘለዓለም ምውጻእካን ምእታውካን ኪሕሉ እዩ” (መዝ. ፩፪፩፡ ፰)፣ ነቶም ተስፋ ዝቖረጹ ሓጥኣን እኳ ተስፋ ከምዘለዎም ቃል መድሕን ዓለም ክርስቶስ የረድኣና፣ እታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ሓዲሮማ ብጭንቀት ትነብር ዝነበረት ማርያም መግደላዊት ደሓር ግና ቅድሚ ፩፩ ሓዋርያት ናይ ጐይታ ትንሳኤ ረኣየት፣ እቲ ምሉእ ሕይወቱ ኣብ ሽፍትነት ዝሕለፎ ኣብ የማን ጐይታ ተሰቒሉ ዝነበረ ቀዳማይ ኮይኑ ንገነት ኣተወ። እቲ ዓማጽን ተቐባሊ ቀረጽን ዝነበረ ዘኬዎስ ጐይታ ኣብ ቤቱ ከይዱ ባረኾ፣ እቲ መጻጉዕ ኮይኑ ኣብ ዓራት ንሣላሳን ሸሞንተን ዓመት ተደኒሱ ዝነበረ ዓራትካ ኣልዒልካ ኪድ በሎ፣ እዚኦም ኵሎም ንጐይታ ብተስፋ ስለ ዝተጸበይዎ ጐይታ ድማ ተስፍኦም ብምርኣይ ካብ ኩሉ ሽግሮም ኣናገፎም። እሞ’ኸ ደኣ ነዚኦም እኳ ካብቲ ኩሉ ሽግሮም ኣውጺኡ ተስፋ ዝሃቦም ንዓና ደኣ እሞ ክንደይ ዝኣክል ተስፋ ዘይህበና?። ኣምላኽ ነቶም ብዙሕ ዝተሸገሩን ሕይወት ትርጉም ዘይብሉ ኮይኑ ዝስምዖም ሰባት ተስፋ ይህቦም እዩ። ንኣብነት፦ “ካብ ደቂ እታ ምርዕውትስ ደቂ እታ በይና ዘላ ኺበዝሑ እዮም ኣቲ ዘይወለድኪ መኻን ዕልል በሊ …” (ኢሳ. ፭፬።፩-፫) ይብለና፣ እቲ ዘይሓዊ ኾይኑ ዝስማዓና ሕማም’ውን መድሓኒት ከም ዘለዎ ብእግዚኣብሔር ተስፋ ክንገብር ይግባእ፣ ከመይ ድኣ! ነቲ ዕውር ዘሕወየ። ነታ ንዓሰርተው ሸሞንተ ዓመት መንፈስ ድኻም መንደዓት ዝሓዛ ዘሕወያ፡ (ሉቃ. ፩፫።፩0)። ነታ መበለት ወዳ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ዝሃባ፡ (ሉቃ ፯።፩፬-፩፮)። ነታ ብዙሕ ደም ዝፈስሳ ዝነበረ ዘንጽሓ። ዝሰኣኖ የለን፣ እዚ ኩሉ በቲ ኣብ እግዚአብሔር ዝገበርዎ ተስፋ ዝረኸብዎ ምሕረት እዩ። ቃል እግዚኣብሔር ከምዚ ይብለና’ሎ። “ወተሰፈዎ ለእግዚኣብሔር ተዐገስ ወአጽንዕ ልበከ ወተሰፈዎ ለእግዚኣብሔር’’ ብእግዚኣብሔር ተተስፎ። በርትዕ ልብኻ ቀጥ ይበል ኣጆኻ እወ ብእግዚኣብሔር ተስፋ ግበር” ።(መዝ ፪፯።፩፬)፣ እግዚአብሔር ኵሉ ግዜ ክሓልየልና ዝነብር ሕያው ኣምላኽ እዩ፣ ነዚ ከረድኣና ዘማራይ ዳዊት ከምዚ ይብል፦ “ሰራዊት እኳ ክቃወሙኒ እንተ ዝኸቡኒ ኣነ ኣይፈርህን እየ፣ ጸላእተይ ኪቃወሙኒ ኢሎም እንተ ዝለዓሉኒ’ውን ኣብ ኣምላኽ እምነት ኣሎኒ” (መዝ. ፪፯።፫) ከምኡ’ውን ኣብ (፪ይ ነገ. ፮።፩፮) “ንሱ ኸኣ በለ ካብቶም ምስኦም ዘለውስ ምሳና ዘለው ይበዝሑ እዮም እሞ ኣይትፍራህ በሎ።” ተስፋ ፡ ዘየቋርጽን ዘይነጽፍን ዛራ ማይ እዩ። ስለዚ ድማ ኩሉ ጊዜ ኣብ እግዚአብሔር ተስፋ ገይርና ክንጽበ ይግባእ። ነዚ ከረድኣና ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ዘማራይ ዳዊት ነቶም እስራኤል ዘስጋ ከምዚ በሎም “ኣታ እስራኤል ካብ ሕጂ ንዘለዓለም ብእግዚኣብሔር ተስፋ ግበር” (መዝ ፩፫፩።፫) እዚ ቃል እዚ ነዞም ኣብዚ ጊዜ ዘለና ክርስቲያን (እስራኤል ዘነፍስ) ውን ከምዝኾነ ክንርድኦን ክንግንዘቦን ይግባእ፣ እዚ ተስፋ ምሉእ ዝኸውን ግን ብእምነትን ትውክልትን ኣብ እግዚኣብሔር ምስ እንውከል እዩ። ብኣንጻሩ ድማ ንተስፋና ዘራኽስ ኣተሓሳስባ ካባና ብፍጹም ክነልግሶ ይግባኣና፣ ኣብ መንጎ ጕዕዞ ህይወትና ስለምንታይ እዩ እግዚኣብሔር ክሳብ ሕጂ ዘይሰምዓና፤ ኣበይ ኣሎ ፍቕሩ፤ ኣበይ ኣሎ ስርሑ፤ዝብል ናይ ዓሻ ሕቶ። እግዚኣብሔር ዘይፈትዎን ዘይደልዮን ስራሕ ስለ ዝኾነ ካብ ኣፍና ኣይነውጽኣዮ፣ ከም ፍቓድካ ንበል! ሽዑ እቲ ንዓና ሰናይ ዝኾነ ነገር ባዕሉ ክፍጽመልና እዩ፣ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ቆሮንቶስ ከምዚ ብምባል ዝጸሓፈሎም “ብኹሉ ወገን ንጽቀጥ ግናኸ ኣይጸበበናን። እንገብሮ ይጠፍኣና ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና” (፪ይ ቆሮ. ፬።፰)፣ ንሕና’ውን ዋላ እንተ ተሸገርና ፈተና ‘ውን እንተበዝሓና ተስፋ ክንቆርጽ ኣይግባኣናን። እምበኣር ኣሕዋትን ኣሓትን ኵሉ ጊዜ ኣብ ዓለም ከለኻ ሽግርን ጸገምን ፈተናን ራህዋን ሰላምን ተሓዋዊሱ ክጨንቐካ ይኽእል ይኸውን። እቲ ንኹሉ ዝፈትሕን ሰላም ድማ ዝህብን ግና እግዚኣብሔር እዩ እሞ ኣብ እግዚኣብሔር ንወከል። ከምቲ ናብ ዕብራውያን ዝተጻሕፈ “እምበኣርከስ ነቲ ብዙሕ ዓስቢ ዘለዎ ትብዓትኩም ኣይትደርብይዎ ፍቓድ ኣምላኽ እናገበርኩም ነታ ተስፋ ምእንቲ ኽትወርስዋ ትዕግስቲ የድልየኩም እዩ”(ዕብ ፩0።፫፭-፫፮)፣ ነዚ ንምፍጻም እግዚአብሔር ኣምላኽ ብቅዱስ መንፈሱ ይደግፈና!።

 ስብሓት ለእግዚኣብሔር:

ወለወላዲቱ ድንግል:

 ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!!

ምንጪ። መጽሔት ቃለ ጽድቅ

Comments are closed.