ታቦት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ታቦት ብፍቃድ እግዚአብሔር ንክርስቲያን ናይ ኣምላኾቱ ምስክር ኮይኑ ንኽነብር ዝተፈቀደ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ካብ ዝነብሩ ንዋያተ ቅዱሳን ላዕላዋይ ደረጃ ኂዙ ዝርከብ ዝተፈልየ ክብርን ታሪኽን ዘለዎ ናይ ኣምልኾተ እግዚአብሔር ምልክት ኢዩ። እዚ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ማለት ካብ ነቢይ ሙሴ ተተሓሒዙ ዝመጸ እምበር ብፍልስፍና ሰብ ዝመጸ ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዘዳ. 10፥1-5/ ፲፥፭-፩-፭ “ከምተን ቀዳሞት ዝበላ ኽልተ ጽላት እምነð ጽረብ እሞ ናባይ ናብዚ እምባ ደይብ፡ ብዕንጨይቲ ጌርካ ድማ ታቦት ሥራሕ። ነቲ ኣብተን ዝሰበርካየን ቀዳሞት ጽላት ዝነበረ ቃላት ከኣ ኣብዘን ጽላት እዚአን ዝጽሕፎ እየ፡ ናብቲ ታቦት ድማ ኸተንብረን ኢኻ” ብምባል ከም ዝነግረና ታቦት ብእግዚአብሔር ተኣዚዙ ዝተሠርሐ ኮይኑ ናይ ጽላት መኅደሪ እዩ። ጽላት ዓሠርተ ትእዛዛት ዝተጻሕፎ እምነ ኮይኑ ካብ እግዚአብሔር ንሙሴ ኣብ እምባ ሲና ዝተዋህቦ እዩ። (ዘፀ. 24፥12/ ፳፬፥፲፪) ስለዚ ታቦት ማለት እግዚአብሔር ኣብ ደብረ ሲና ነተን ዓሠርተ ቃላት ኣብ ልዕሊኡ ጽሒፉ ንሙሴ ዝሃቦ ጽላት መኅደሪኡ እዩ።

 ኣብ ቤተ ክርስቲያን እቲ ጽላት ታቦት እናተበሃለ ይጽዋዕ እዩ። እዚ ውን እቲ ዝኃድር በቲ ዝኃድረሉ መጽውዒ ልማድ ስለዝኾነ እዩ። ታቦት ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ኮይኑ ኣብ ቅድስተ ቅዱሳን ከኣ ይቅመጥ። ታቦት ዘይብሉ ቤተ ክርስቲያን ከም ቤተ ክርስቲያን ወይ ቤት መቅደስ ክቍጸር ኣይከኣልን እዩ። ስለዚ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስቲያን ክንሳለም፡ ክንሰግድ፡ ከነቀድስ፡ ብሓፈሻኡ ሥርዓተ ኣምልኾና ክንፍጽም ንኽእል፡ ታቦት ምስ ዝህልዎ ጥራይ ኢዩ። እምበኣር ቤተ ክርስቲያን ዝቅደስ ብታቦት እዩ።

ታቦት ካብ ቅዱስነቱ ዝተላዕለ ዝተፈላለየ ኃይልን ተኣምራትን ገይሩ እዩ። ኣብ 1ይሳሙ. 4፥3/፬፥፫ “. . .ኣብ ማእከልና ኮይኑ ካብ ኢድ ጸላእትና ምእንቲ ከድኅነና፡ ንታቦት ኪዳን እግዚአብሔር ካብ ሺሎ ናባና ነምጽኣዮ።” ከምዝብል ነገሥታት እሥራኤል ናብ ኵናት ኽከዱ ከለዉ ታቦት ኂዞም ምኻዶም ከረድኣና፡ ካብ ጸላኢ የድኅነና፡ ኢሎም እዮም እምበር ንከንቱ ኣይኮነን። ታቦት'ውን መዓት ከምዘምጽእ ተኣምራት ከምዝገብር ኣሕዛብ ከይተረፉ ዝመስከሩላ እዮም። “ንኣናን ንሕዝብናን መታን ኪቀትሉናስ ታቦት ኣምላኽ እሥራኤል ኣምጺኦምል ና” (1ይሳሙ. 5፥10/፭፥፲)። ኣብነት ክኾነና ፍልስጤማውያን ነቲ ታቦት ኣምላኽ ወሲዶም ናብ ቤት ዳጐን ኣእተውዎ፡ ኣብ ጥቃ ዳጎን ከኣ ኣቐመጥዎ፡ ኣለቀሎናውያን ድማ ንጽባሒቱ ኣንጊሆም ምስ ተንሥኡ እንሆ ዳጎን ኣብ ቅድሚ ታቦት እግዚአብሔር ብግንባሩ ናብ ምድሪ ወዲቁ ነበረ። ርእሲ ዳጎንን ክልቴአን ኣእዳውን ከኣ ተቘሪጸን ኣብ ልዳት ወዲቀን ነበራ። ዳጎን ግና እቲ ማእከሉ ጥራይ ተሪፍዎ ነበረ ይብል። ስለዚ ንታቦት ኣብቲ ዝግብኦን ንጹሕን ሥፍራ ቤተ ክርስቲያን ምቅማጥን ምኽባርን ይግባእ እምበር ኣብ ዘይግብኦ ቦታ ምቅማጥ ግቡእ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ቤተ መቅደስ ክቘርቡን ክዓጥኑን፡ ንታቦት ክሕዝዎ ዝግብኦም ካህናት ጥራይ እዮም። ካብዚ ወጻኢ ብድፍረት ኣብ ልዕሊ ታቦት ዘየድሊ ዘረባን፡ ተግባርን ምስ እንፍጽም ካብ እግዚአብሔር መዓትን መቅሰፍትን ክወርደና እዩ። ስለዚ ካብ መቅሠፍትን መዓትን ንምድኃን ንታቦት እቲ ዝግባእ ክብርን ስግደትን ክንህብ ይግበኣና። (ኢሳ. 7፥6/፯፥፮, 2ይሳሙ. 12፥20/ ፲፪፥፳, መዝ. 5፥7/፭፥፯)

ኣገልግሎታት ታቦት ኣብ ብሉይ ኪዳን ተጀሚሩ ዝተረፈ ኣይኮነን። ጐይታ ውን ኣብ ወንጌል “ንሕጊ ሙሴ ኾነ ንነቢያት ክፍጽሞም ደኣ እምበር፡ክስዕሮምዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም” (ማቴ. 5፥7 /፭፥፯) ኢሉ ብዝመሃሮ መሠረት ቤተ ክርስቲያን ካብ ብሉይ ኪዳን ወሲዳ ካብ እትግልገለሎም ሓደ ስም እግዚአብሔር ዝተጻሕፎ ጽላተ ኪዳን (ታቦት) እዩ። ታቦት ኣብ መንጐ ሰባትን እግዚአብሔርን ጸኒዑ ንዝነብር ቃል ኪዳን ሕያው ቃሉ ዝተጻሕፈሉ ናይ ኪዳን ምስክር እዩ። ቤተ ክርስቲያን ሥርዓተ ኦሪት ምስ ሥርዓተ ወንጌል ኣጣሚራ ዝኃዘት ስለ ዝኾነት ኣብ ጊዜ ክርስትና ካብ ብሉይ ኪዳን ንዝረኸበቶም ብክርስቲያናዊ መንፈስ እናተርጐመት ትግልገለሎም። ስለዚ ታቦት ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ኣምልኾተ እግዚአብሔር ኣብ ቤተ ክርስቲያንና ይፍጸመሉ እዩ።

ታቦት ነቲ ሓቀኛ መግቢ ሕይወት ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ዝዳለወሉን ዝፍተተሉን መሠውዒ እዩ። ዝከብርን፡ ዝስገደሉን ከኣ ምእንቲ እዚ እዩ። ከምኡ ውን ታቦት ይትረፍ ኣብዚ ምድሪ፡ ኣብ ሰማይ ውን ከምዘሎ ኣብ (ራእ.ዮሓ. 11፥19/፲፩፥፱) “እታ ኣብ ሰማይ ዘላ መቅደስ ኣምላኽ ከኣ ተኸፍተት፡ ኣብታ መቅደስ ኣምላኽ እውን ታቦት ኪዳኑ ተራእየ” ብምባል ይነግረና። ስለዚ ታቦት ኣብ ሐድሽ ኪዳን ኣየድልን እዩ ኢልና ርእስና ካብ ነተዓሻሹ፡ ኣብቲ ታቦት ዝርከበሉ ቤት መቅደስ ተረኺብና ክንጽልን ክንጸውምን፡ ክንሰግድን . . . ብሓፈሻ ሥርዓተ ኣምልኾና ክንፍጽም ይግብኣና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል ።

ወለመስቀሉ ክቡር።

Comments are closed.