ብዛዕባ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ።

በስም አብ ወወልድ ወንንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ አሜን።

ኦ ቅድስቲ ድንግል ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ ካብ ርሑቕ ጠሚቱ ፍሉይ ዝኾነ ክብርኺ ከኣ ፈሊጡ «ጽድቃ ከም ድሙቕ ብርሃን፥ ምድኃና ከኣ ከም ሃልሃልታ ፋና ማሕ ክሳዕ ዚብል ብዛዕባ እምባ ጽዮን ስቕ ኣይክብልን እየ።»ኢሉ ብልዑል  ቃል ከም ዝተናገረልኪ ኢሳ.62፥1። ሕና’ውን እንሆ ዓቕምና  ዝፈቕዶ፥ ኣምላኽ ዝሃበና ነዚ መበገሲ ገይርና፣ ብሓቂ ጠንቂቑ ይገልጸኪ እዩ ብማለት ዘይኮነስ ካብ ሠናያትክን በረኸት ጸጋኽን ተሳታፍቲ ንምዃን ኣብ ርኅራኄ ኣድነትኪ ዘሎና ተስፋን እምነትን ከምዚ ንገልጽ። ክብርኺውን ንምስክር።

ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ኣዳምን ሔዋንን ከኣ ገና ኅላዌ  ከይረኸቡ ከለው ኣብ ሕልና ሥላሴ ነበርኪ። እዚስ ኩላትና ነይርና ኢና  ንስኺ ግን ከምቲ ነቢይ ኤርምያስ ካብ ማኅጸን ወላዲቱ ንነብይነት ንዓኺ ድማ ብፍሉይ ንምኽንያት ድኅነት ደቂ ሰባትን ንኣደ ኣምላኽነትን ዝመደበኪ ኢኺ። ኤፌ1፥4-5 1ይጴጥ1፥19-20። ዘይልወጥ ዘለዓለማዊ ድንግልና ኣለኪ ሕዝ44፥1-2። ጥበበኛ ሰሎሞን ከም ዝበሎ  ዕምባባ ጽጌሬዳ (ሱፍ) ዝተመሰልኪ ንስኺ ኢኺ። ከመይሲ ዕምባባ ጽጌሬዳ ዙርያኣ ኩሉ እሾኽ እናሃለወ ካብ እሾኽ ነጻ ኮይና ከም እትርከብን ከም እትዕምብብን፥ ካብ ባህሪ እቲ ተኽላውን ባዕዲ ከም ዘይኮነት ንስኺ’ውን ዋላ እኳ ካብ ዘርኢ ኣዳም እምበር ዝተፈልየ ባዕዲ ዝኾነ ባህርን ተፈጥሮን ኣይሃልኺ እሾኽ ኃጢኣት ኣዳም ግን ፈጺሙ ኣይበጽሓክን። ኣብ ማእከል'ቶም ኃጢኣት ከም እሾኽ ዝኸበቦም ኣይሁድ፥ (ወገንኪ ኩሎም)
በይንኺ ካብ ኩሉ ኃጢኣትን በደልን ርሒቕኪ ፍጹም ኣማናዊት ንጹህ ዕምባባ ኮይንኪ ንክርስቶስ ፈሪኽልና ኢኺ። መኃ2፥1-2። ኣባ ጊዮርጊስ ዘጋስጫ’ውን ምእንትዚ እንዚራ ስብሐት ብዝብል መጽሓፎም ብናይ ዕለተ ሠሉስ ዕፅዋት"
«ኦ እግዚእትየ ማርያም ዕፅ ቡሩክት እምነ ዕፅዋት ዘትዔድሚ፥
በኲሉ ኣውራኅ ዘትትቀሠሚ 
ዘዘልፈ ታኅመለምሊ ወዘልፈ ትለመልሚ
እምዓውሎ ኅጢኣት ዘኢትትሀወኪ፥ ወበጒድበ ዘኢትትገዘሚ» በሉ። ፍጹም ንጽህናኺ ካብ መርገም ኩሉውን ነጻ ምዃንኪ መስከሩ

ትርጉም÷ "ኦ እመቤተይ ማርያም ብናይ በደል ምሳር (ማሕጸ) ዘይትቑረጺ፥ ካብ ኣውሎ ነፋስ ኃጢኣት ዝተላዕለ ዘይትናውጺ፥ ዘውትር እትልምልሚ፥ ብዂሉ ዘመን እትፈርዪ፥ ኣብ ኩሉ ወርኃት’ውን ልምልምቲ፥ ልዕሊ ዕፅዋት እትፈርዪ ዝተባረኽኪ ዕፅ ኢኺ" ማለት እዩ።
ኦ ድንግል እዚ እፁብ ነገር እዩ እሞ ብሓቂ በዚ ንስኺ ከምቲ ናይ ዕለተ ሠሉስ ዕፅዋት ፀሓየ ኃጢኣት ዘይወቕዓ ኩሉ ግዜ ልምላሜ ገንዘባ ዝገበረት ማኅጸ በደል ዘይረኸባ ብናይ ኣውሎ ነፋስ ኃጢኣት ዘይትናወጽ፥ ካብ መርገም ነጻ ዝኾነት፥ በሊዕናዮ ዘውትር ድኅነት ዝኾነካ ዘለዓለማዊን ኣማናዊን ፍረ ሕይወት (ክርስቶስ) ዝተረኽባ ዝተባረኸት ዕፅ ኢኺ። ዘፍ1፥11-12።

ንስኺ ኣታኽልቲ ከም እተስቲ ዓይኒ ማይ ኢኺ። ማየ ሕይወት ዘለዋ ዒላ’ውን ንስኺ ኢኺ። መኃ.4፥15። ስለዚ መሠረተ ሕይወት ምባል ንዓኺ ይግባእ። ምንጪ ኹሉ በረኸትና ካባኺ ኮነ። መዝ.87፥7። በዚ’ውን ምንጪ ናይ በረኸትና ምባል ይግብኣኪ። ኦ ድንግል ፍጥረት (ሕይወት ዘለዎ) ኩሉ ዳግም ከየጥፍእ፥ ምድሪ’ውን ብሰንኪ ክፍኣት ወዲ ሰብ መሊሱ ከይረግማ ብመገዲ ኖኅ ንዓለም ኩሉ ዝተዋሃብኪ ናይ ምድኃን ምልክት ቀስተ ደመና ንስኺ ኢኺ። ዘፍ.9፥8-17። ቀስተ ደመና ኣርባዕተ ሕብርታት ኣለዋ፥ ኪዳንኪ ድማ ሰባት ብኣርባዕተ ባህርያተ ሥጋኦም ተደፋፊኦም ንዝፈጸምዎ በደል ይሕሉ ውሕስነት ይኸውንን። ኣርባዕተ ባሕርያተ ሥጋ ዝበሃሉ፣ ማይ፥ መሬት፥ ነፋስ፥ እሳት እዮም። ቀስተ ደመና ባሕርያዊ ምልክት እዩ። ስለ ዝኾነ ከኣ ኣይልወጥን። እቲ ንዓኺ ዝተዋህበ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን’ውን ጽኑዕ ዘይቅየር እዩ። መዝ.89፥34።

ያዕቆብ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ተተኺላ ዝረኣያ ኣማናዊት ናይ ሕይወት መሳልል፥ ዘርኢ ኣዳም ኩሎም ካብ ሞት ናብ ሕይወት እተሰጋገሩላ መደያይቦ፥ ሰማያውያንን ምድራውያንን ዘራኸብክን ዕርቅና ዝተፈጸመልኪ ናይ ሰላም ምልክት ናይ ዕርቂ ዓውደ ምሕረትን ንስኺ ኢኺ። ዘፍ.28፥10-13። ሉቃ2፥7-20። ምእንት’ዚ ሊቅ ኣባ ሕርያቆስ" እዚ ነገር እዚ ክንደይ ዕጹብ ድንቂ እዩ፣ ኦ መሳገሪት፥ ቀዳሞት ኣቦታት ካብ ሞት ናብ ሕይወት ብኣኺ ተሳገሩ፥ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ መደያይቦ ዝኾንኪ መሳልል መጀመርታ ኹሉ ፍጥረት ብኣኺ ተሓደሰ በለ። ብርግጽ ኦ ድንግል ብዘይ ብኣኺ ድኅነትና ኩሉ ፈጺሙ ኣይተረኽበን። ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ ደጊሙ ነቢይ እግዚአብሔር ቅዱስ ኢሳይያስ "እግዚአብሔር ጐይታ ሠራዊት ገለ ሒደት ትርፊ  እንተ ዘይኃድገልናስ፥ ከም ሰዶም ምኾንና፥ ንጎሞራ ምመሰልና ነይርና።»ኢሉ ኣሎ። ኢሳ1፥9። ከተማታት ሰዶምን ጎሞራን ምስ ኩሎም ኣብኡ ዝነበሩ መሊአን ጠፊኤን ዝተረፋ እየን። ንሕና ግና ጨሪሽና ከምአን ጠፊእና ንዘይምትራፍና ንጽህቲ ዘርኢ ንዓኺ ኣትሪፉልና። ትርፊ ንጽህቲ ዘርኢ ንስኺ ኢኺ። ሮሜ.9፥29። ካብ ኩሉ ነገር ሓልዩን ፈልዩን ብንጽህና ንድኅነት ደቂ ሰባት ንዓኺ ከም ዝሓደገልና ከኣ የመልክት። ሰዓቱ ምስ በጽሐ ምልኣት ዘመን ምስ ኮነ ድማ ከም ቃሉን መደቡን መጺኡ ካባኺ ተወሊዱ ኣድኃነና። ስለ ዝኾነ ከኣ ወላዲተ ኣምላኽ ኢኺ። ኢሳ7፥14 ኢሳ9፥6። ሉቃ.1፥35። ኦ ድንግል ካብ እሳታውያን ዝኾኑ ኪሩቤልን ሱራፌልን ዝበልጽ ግርማ መልክዕ ኣለኪ። (ውዳ.ማርያም ዘእሑድ)።
ኦ ድንግል እሳታውያን መላእኽቲ ዘይደፍርዎ ኣብ ዘይቅረብ ብርሃን ዝነብር ፍጹም መለኮታዊ እሳት ንስኺ ኣብ ንጹህ ማህጸንኪ ጸይርክዮ ኢኺ እሞ፥ መትሕተ ፈጣሪ መልዕልተ ፍጡራን ምባል ይግብኣኪ እዩ። ኢሳ.6፥1-3። ብኽብሪ’ውን ካብ ፍጡር ወገን ንዓኺ ዝተኻኸል የልቦን። ከመይሲ ንስኺ ወላዲተ ኣምላኽ ኢኺ። ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ነገር ኣሎ፥ ንሱ ከኣ ሰባት ብሔዋን ምኽንያት ኃጢእና ናይ ክብሪ ሥፍራና ገነት ተዓጽዩና፥ ኢሎም ኣሚኖም ከብቅዑ፥ ብድንግል ማርያም ምኽንያት ድኂና ሕይወት ረኺብና ኣፍ ደገ ገነትውን ተኸፍቱልናስ ናብ ዝቐደመ ክብርና ተመሊስና ንዝብል ከይቅበሉ ዑጭ ምባሎም እዩ። ንሕና ግን ንጹህ ዝኾነ ትምህርትን እምነትን ኣቦታትና ንሕሉ፥ ንዕኡ ከኣ ንኽተል፣ ምስ ኣቦታትና ኮይና ድማ "ብሔዋን ምኽንያት ኣብ ወገና (ባህሪና) መርገም መጸ፥ ብድንግል ማርያም ምኽንያት ከኣ ተሳዕረ፥ ብሔዋን ጠንቂ ገነት ተዓጽወ፥ ብድንግል ማርያም ምኽንያት ድማ ካልኣይ ተኸፍተልና። " ንብል። ውዳ.ማርያም ዘኃሙስ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ’ውን "ኦ ማርያም እግዚአብሔር ኣብ ሲኦል ደርቢይዎ ዝነበረ ናይ ሔዋን ጽኑዕ መእሰሪ ብኣኺ ዝተበትከ ደስ ይበልኪ።» ኢሉዋ ኣሎ። (ሃይ.ኣበው68፥36)።

ኅብስተ ሕይወት ዘለኪ ንጹህ መሶበ ወርቅ ንስኺ  ኢኺ፥ ካብ ፍልፍል ዓይኒ ማይኪ ከኣ ዘለዓለም ንሕይወትና ዘጥልል ስቴ መድኃኒት ወጸልና ። ውዳ.ማርያም ዘዓርብ መኃ4፥15።" ኦ ማርያም፥ ኣማናዊ ብልዒ ሓቅን ኣማናዊ መስተ ሕይወትን ዝኾነ ስለ ዝወለድክልና፥ ምእንትዚ ኢና ነፍቅረክን ነዕብየክን ኣሜን። ቅዳ.ማርያም። ኦ ትምክሕትና፥ ሞጎስ ዶኪማስ ዝኾንኪ ቅድስቲ ድንግል ናብ ፍቑር ወድኺ ክርስቶስ ምእንታና ክትልምንልና እሞ ምሕረት ረኺምና ናብኡ ምቕራብ ምእንቲ ክንክእል ዘውትር ንዓኺ ንምሕጸን። ንስኺ ንእንስሳ እኳ ከይተረፈ ዝራኅራህኪ ኣዚኺ ለዋህ ኣደ ኢኺ። ምሳ.12፥10። ተስፋ ድኅነት ኣዳም ዝኾንኪ ቅድስት ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንሕና’ውን ሎሚ ረዲኤት ኣማላድነትኪ ተስፋ ንገብር። አሜን 

ስብሐት ለእግዚአብሔር። ወለወላዲቱ ድንግል። ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።

ክልኤቱ አዕሩግ እመ በከዩ ብካየ ፣

ረከቡ ወለተ ዘታሥተሰሪ ጌጋየ፣

ለወንጌላውያን ኵልነ ዘኮነተነ ምጉያየ፣

ኢያቄም ወሐና ወለዱ ሰማየ

ሰማዩሙኒ አሥረቀት ፀሐየ

ምሥራቀ ምሥራቃት ሙፃእ ፀሐይ

እግዝእትየ ዘመና ሙዳይ

ተወልደት ዮም ዳግሚት ሰማይ።

      መጽሓፈ ዚቅ ወመዝሙር

ዓንዶም

Comments are closed.