ብውሑድ ምእማን

ጦማረ ዘብጹእ ወቅዱስ አቡነ ሲኖዳ ሳልሳይ

 

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና። “ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ ኣብ ብዙሕ ክሾመካየ ።”

እዚ ማለት ኣብ ምድራዊ ዓለም ብነገራት ኩሉ እሙን እንተኾንካ ኣብ ሰማያት ክሸመካ እየ ማለት እዩ። ኣብዚ ዓለም እሙን ኮንካ ምርካብ ማለት ሽልማት ኣብ ዘልዓለምዊ ሕይወት ክሸመካ እየ። ማለት እዩ።

እዚ መምርሒ ብብዙሕ ባእታት ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ꗺ ኣዝማድካ ብምፍታው እሙን ኮንካ እንተተረኺብካ እግዚአብሔር ኣብ ልዕሊ ጸላእትኻ ፍትው ጌረ ክሸመካ እየ። ኣብ ቅድሚ ጸላእትኻ ትፍተወሉ ሞገስ ትረኽበሉ ጸጋ ክህበካ እየ ማለት እዩ ።

ꗺ ኣብ ትርፊ ግዜኻ ንእግዚአብሔር ተገልግል እንተኾንካ ኣብ ኩሉ ግዕዞ ሕይወትካ ንዖኡ ብዕምቆት ትርእየሉ ፍቕሪ ይህበካ ።

ꗺ ፈቃድ ኃጥያት ካባኻ ብምእላይ እሙን ኮንካ እንተተረኺብካ እግዚአብሔር ብዘይ ፍቓድ ካብ ዝመጹ ኃጢያት ነጻ የውጽእኻ።

ꗺ ንቁሕ ኅልናኻ ካብ ክፋእ ሓሳባት እትሕልዎም እንተኾንካ እግዚአብሔር ንቁሕ ዝኾነ ሕልናን ንጽሕናን ይህበካ። ብተወሳኺ ናይ ሕልና ንጽህና ይህበካ።

ꗺ ብቁልዕነትካ ከለኻ እሙን እንተኾንካ እግዚአብሔር ኩናት ኣብ ዝበዝሓሉ ንእስነት ዕድሜኻ ተኣማንነት ኣብ ውሽጥኻ ይዕድለካ ።

ꗺ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት በመሠረት ቃላት ጥራሕ ዘይትፈርዶም እንተኾንካ ነዚ ብምግባር እሙን እንተኾንካ ኣብቲ ኣሸጋርን ሕልኽልኽን ዝኾነ እዋን ብሓንሳብ ንኸይትፈርድ የኽእለኣክ።

ꗺ ካብቲ ደጋዊ ቁጥዓ ንነፍስኻ ምሕላው ኪኢልካ እሙን እንተኾንካ እግዚአብሔር ካብ ውሽጣዊ ቁጥዓን ሕርቃንን ቅንኣትን ነጻ ይገብረካ።    

ꗺ ብዝተለምደ ፍረ መንፈሳዊ እሙን እንተኾንካ ተረኺብካ እግዚአብሔር ናይ መንፈስ ጸጋ ይህበካ። ኣብ ናይ መጀመርታ እሙን ኮንካ እንተዘይተረኺብካ ነቲ ካልኣይ ንኽትረክብ ዘይከኣል እዩ። 

ኣባ ሙሴ

ገብርኄር ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ብብዙሕ ክሸመካ እየ። ወንጌል ማቴ ፳፭፡፲፬-፴፩/25፡14-31 ። 

 አባ ሙሴ እታ ኣብ ቤተክርስትያን ዝተነበት ወንጌል ብዛዕባ  ኣብ ምስ’ዚኣ ጽሑፍ ሓደ መልእክቲ ዘለዋ መስለኒ ኢለ  ሕቶይ ብምቅራብ ኣንብበለይ ክብሉኒ ዓይኒ ዓይኖም እንዳረኣኹ ንመልሶም ተጸበኹ፣ እሶም ግና ናብታ ኣብታ ፊት ንፊት ኣጎዛ ዝተንጸፋ ሓጻር ንእዶም ዘላ ስእለ ኣድኅኖ ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም ብውሽጣው ስምዒት ትኩር ኢሎም እንዳረኣዩ ናይ በይኖም ዕላል ኢሎም ዘዕልሉ ዝነበሩ። ነመኑ እነግር ኃዘን ልብየ ፣ እንዳበሉ ናይ ልቦም ዝርግፍ ኣቢሎም ንጥምዕተ ስም ወላዲተ ኣምላክ የዕልልዋ ከምዝነብሩ ኩለንቶም ይምስክር።  ኣበይ ይርከብ ምስ ቅዱሳን እግዚአብሔር ብተምስጦ ሓሳብ ተወሲድካ ምዕላል። እንተ በዓል ኣነ እሞ ሓንካስ ልቢ ሒዝና ፍትወት ዓለም ዘስጠመና ሸኽሚ ኃጥያትና ዝኸበደና ከመይ ክንበጽሖ፣ ብምሕረቱ ይረኣየና ኣምላከ ቅዱሳን ኣብ ድኻምና ይደግፈና።

  ዘማርያም ወደይ ኣበይ እሞ ኢለዮ ።ዝተቀብረ መኽሊት ሒዘ ። ብምባል ኣባ ሙሴ ካብ ዝጠሓልክዎ ሓሳብ መለሱኒ። ፣ ሪኢኻ ዝወደይ፣ ሰብ ኣብዛ ምድሪ ክነብር ከሎ ንኽብሪ ኣምላኽ ኢሉ ኩሉ ክገብሮ ከሎ ክንደይ ምስ ማዕረገ ኔሩ። እታ ጥበብ ኣብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሰፈረት ኔራ ። ጥበብ ማለት ፈሪኃ እግዚአብሔር እዩ ዝብላ ቅዱስ ሰሎሞን ። ፍርኃት እግዚአብሔር ጥበብ ካብ ኮነ ካብ ኃጥያት ምርሓቅ ከኣ ጥበብ እዩ። ኣብ ኃጥያት እንተሊና ግና ለባማት ዘይኮና ዓያሹ ኢና ዘለና።

መን እዩ በዚ ሕጂ እዋን ዘማርያም ወደይ ብሒደት ዝተኣመነ። መን እሞ ኣሎ ካብ ዓቢ ስጋብ ንእሱ ካብ ጳጳሱ ካህኑ  ዲያቆኑ ስጋብ ምእመኑ ። መን ኣሎ እሞ ፧ ንነብሰይ ይጥዓመኒ ዝብል እንተበዚሒ መኽሊት ዘርብሕ ዘይኮነ ዘጉድል እዩ ዝበዝሕ።

ሓንቲ ታሪኽ ከዕልለካ ዘማርያም ወደይ ፣ ሓደ ካብ አበው ብብሕትውና ገጽ ሰብ ከይረኣዩ ንነዊሕ ዓመታት   ይነብሩ ነበሩ።  ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ሓደ መፍቅረ እግዚአብሔር ዝኾነ ለዋህ ምእመን ናብ መካነ ቅድስት ኢዮርሳሌም ክበጽሕ ፣ ኪደተ እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ በጺሑ ክባረኽ እንዳኸደ ከሎ ፣ ከምቲ ትፈልጦ ናይ ቀደም ጉዕዞ ኢዮርሳሌን ብእግሪ እዩ ኔሩ።

በቲ እሶም ዘለዎ መገዲ ይሓልፍ ጸሓይ ኣብ ንዕራባ ስለዝነበረት ኣብቲ ኣፍደገ በዓቶም የዕርፍ። አባ    ከኣ ድምጺ ሰሚዖም ኣማዒቲቦም እንተወጹ ይረኽብዎ ፣ ብምግራም ጸላኢ ፤ ሠናያት ከይከውን ደጊሞም ደጋጊሞም ኣብ ቅድሚኡ በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኢሎም ኣማዕተቡ፣ አባ ይፊቲ ብምባል ከኣ ኣብ እግሮም ወደቀ። ተንሥእ ዝወደይ እግዚአብሔር ይፍታህ እማእሰረ ኃጥያት ብምባል ኣቅንዕዎ።

ናብ በዓቶም ብምእታው ከኣ ኩነታቱ ሓተትዎ ኩሉ ከኣ የዕለሎም።

እቶም ኣቦ እግዚአብሔር እዩ ዝምግቦም ኔሪ ብመዓልቲ ሓንቲ ሕብስቲ እንዳለኣኸ። ኣብታ መዓልቲ ግና ክልተ ሕብስቲ ሰደደሎም። እቶም ኣቦ ግና ነታ ፍርቒ ኣቀሚጦም ነታ ፍርቂ ምስቲ ጋሻ ተማቀልዋ እታ ጋሻ ንዕዓ በሊዑ ሓዲሩ ኣመስጊኑ ። አባ ኣብ ጸሎትኩም ዘኩሩኒ  በሎም።

ጸሎት ቅዱሳን ኣይፈለየኻ ወላዲት ኣምላኽ ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ምሳኻ ትኹን። ሓንቲ መልእኽቲ ናብ እግዚ አብሔር ከብጽሓሎም ሓተትዎ። ከም ፍቃድኩ ኣባ ኣነ ድኣ ከምዝበልኩሙኒ ይነግረኩም ካባይ ግና ንዓኹም ይቀርብ ብምባል ብትሕትና መለሰሎም። በሉዎ ከኣ ለዋህ ንጽሕና ልቢ ምስ ሙሉእ እምነት ዝሓዝካ ኢካ ዝወደይ ኣምላከ ቅዱሳን ምሳኻ ኣሎ ስለዚ ሓደራ እዛ መልእክቲ ኣብጽሓለይ ። ኣነ ኣብዚ በረኻ ብብሕትውና ሰብ ከይረኣኹ ከባቢ 16 ዓመት ጌረ እየ። ንፈለማ ግዜ ንዓኻ እየ ዝርኢ ዘለኹ። ዕረፍቲ ሥጋ ከሕጽረለይ ንእግዚአብሔር ንገረለይ።

ኢሎም መልእኽቲ ለኣኽዎ። ። ሕራይ ኢሊ ተባሪኹ ኣንጊሁ ጉዕዛኡ  ጀመረ።

 ድሕሪ ነዊሕ ጉዕዞ ኣምላከ ቅዱሳን ረዲኢዎ ብሰላም ኢዮርሳሌም በጽሐ። ትምኒቱ ሰሚሩሉ ተመስገን ኣምላኸይ በለ፣  ኣብ ኩለን መካነ ቅዱሳን በጽሐ።

ኣብ ምምላሱ ከኣ ኣብቶም አባ ኣዕሪፉ ክምልስ ተኣለየ። እቶም ኣባ ከኣ መጺኻ ዝወደይ ኢሉም ፍግም ኢሎም ኣብ እግሩ ብምውዳቅ ሰገድሉ። ይቕሬታ በዲለ ምስ ኣምላኸይ ዕረቀኒ በዲለካ በልዎ።

ሪኢኻ ዝወደይ ኣምላኽ መግቦቱ ኣጉዲሊለይ ኣይፈልጥን እዩ፥ ኣነ ግና እምነተይ ኣጉዲለ።

ጸላኢ ሠናያት ቦታ ሂበዮ። ሕብስቲ መዓልታዊ ሓንቲ ሰዲዱ ይምግበኒ ኔሩ ጋሻ ምምጻእካ ፈሊጡ ከኣ ክልተ ሕብስቲ ሰዲዱለይ ፣ ኣነ ግና ሓንቲ ኣቀሚጠ ሓንቲ ምሳኻ ተማቂለያ ዕላል ምሳኻ ኣዛናጊዑኒ ፣ ከይተረደኣኒ ተመስገነይ ኣጥፊያ። በልዎ።

ኣነ ድኣ በረከትኩም ክቅበል እንድየ መጺአ ኣምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ኣብ መካነ ቅዱሳን ክሳለም ከለኹ ናብቶም ኣቦ ከድካ ተባረኽ እሞ ዕረፍትኻ ግና ገና እዩ ኢልካ ንገሮም ኢሉኒ፣ በሎም።

 ኣምላኽ ኣቦታትና ምሕረቱ ሙሉእ ስለ ዝኾነ እዩ  እምበር ኣነ ድኣ ውዱቅ ኃጥእ ኢሎም ዝርዛዕ ነብዑ። ብውሕድ ዘይተኣመንኩ ከመይ ብብዙሕ ክእመን ደኣ ኢሎም ንነብሶም ወቀሱ።

ሪኢኻ ዘማርያም ወደይ ጸላኢ ሠናያት ኣየዕርፈን እዩ ብኹሉ ዝከኣሎ ንኸውድቀና ኩሉ ግዜ ለይትን መዓልትን እዩ ዝተግህ፣ ንሕና ከኣ መኽሊትና ብጉቡእ ክንጥቀም ይግባእ። ሠናይ ዝኾነ እንዳሓሰብና ብፍቕሪ ንንበር ነዛ ሓጻር ዕድሜና ኣብዛ ዓለም ። ዓለም ከይሓለፈት ከላ ዘይሓልፍ ሥራሕ ጽድቂ ንሥርሓላ።

እግዚአብሔር መጀመርታ ዝፍትነካ ብውሑድ እዩ። በቲ ንእሽቶ ነገር እሙን ምኻንካ ምስ ኣረጋገጸ ከኣ ብዝበለጸ ነገር ይሾመካ። ውድቀትካን ዘይምእማንካን ብውሑድ ነገር እንድሕር ገሊጽካ ግና እግዚአብሔር ንዝሓሸ ነገር ኣይሸመካን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና።  ኤር. 12፣5። “ ምስ ኣጋር ተቐዳዲምካ ካብ ዜድክሙኻ ከመይ ኢልካ ደኣ ምስ ኣፍራስ ክትቃዳደም ኢኻ፧ ”

ብዙሓት ሰባት ታሕተዋይ ደረጃ ሓላፍነቶም ብግቡእ ከየተግበሩ ነቲ ላዕለዋይ ደረጃ ንምቅባል ምሕሳባም ብጣዕሚ ዘደንቅ ነገር እዩ። እዚኣቶም ዝተዋህቦም ሓላፍነት ጸጋ ከየተጠቀሙ ተወሳኺ ጸጋ ክወሃቦም ዝሓቱ ሰባት እዮም። ነዚ ክገብሩ ከለዉ ከኣ ነቲ “ ብውሕድ ተኣሚንካ ኢኻ’ሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ” ዝብል ቃለ እግዚአብሔር ስለዝረስዕዎ እዩ። እዚ ቃል ንዖኦም ከም ኩነታቱ ዚውሰን እዩ ዝኸውን። ኢሎም ኣባታዊ ምኽሮም ለገሱለይ።

ዓለም ከይሓለፈት ከላ ዘይሓልፍ ሥራሕ ጽድቂ ንሥርሓላ ። ዝበሉኒ ቃል መላሊሳ ኣብ እዝነይ ትቃልሕ እሞ፣ ደወል ንስሓ ኮይና ተንቅሓኒ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡

 ወለወላዲቱ ድንግል፡

 ወለመስቀሉ ክቡር።

ሓጎስ (ደስታ)   

ይቕጽል ………….

ዘማርያም

Comments are closed.