ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ፡

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።

ወርኃ ጽጌ

«ብክዩ ኅዙናን ሐልየክሙ ስደታ፡ ወላህው ፍሡሐን ተዘኪረክሙ ብዝኅ ሠናይታ፡ ማርያም ተዓዩል ከመ ዖፍ ውስተ አድባረ ግብጽ ባሕቲታ፡ ተአወዩ በኃጢኦታ ሀገረ አቡሃ ኤፍራታ፡ ወደመ ሕፃናት ይውኅዝ በኵሉ ፍኖታ። (ሰቆቃወ ድንግል)

እንቋዕ ናብ ዘመን ጽጌ ኣብጽሕና።

ካብ መስከረም (26 ) ፳፮ ክሳብ ኅዳር (6) ፮ ዘሎ ጊዜ ወርኃ ጽጌ (ዘመነ ጽጌ) ተባሂሉ ይጽዋዕ:: እዚ ወቕቲ'ዚ ተፈጥሮ ብዕምባባ ዘጊጸሉ ብምዃኑ ናይ ዕምባባን ፍረን ወርኃት ተባሂሉ ይጽዋዕ::

ዘመን (ወርኅ) ንወቅቲ ጊዜ ዘመልክት ኮይኑ: ጽጌ ማለት ድማ ካብ 'ጸገየ' ዝብል ግሢ ዝተወስደ ኪኸውን ከሎ 'ዕምባባ' ማለት እዩ:: ዕምባባ ናይ ፍረ ኣደ እያ፣ ዕምባባ ዝርኣየ ሕይወቱ ብተስፋ ትመልእ።

ድንግል ማርያም ድማ ዝተባረኸ ፍረ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ኣማናዊት ዕምባባ እያ። ናይ ኣዳም ተስፋ ምፍጻሙ ናይ ነብያት ትንቢት ከም ዝበጸሐ፡ ዘበሠረትና ናይ ድኅነት ምልክት ንሳ እያ። «ጐይታ ምልክት ክህበኩም ኢየ» ከምዝበለ ነቢየ ልዑል ኢሳይያስ [ኢሳ ፯፡፲፬፡ 7፡14] ።

ናይ ዕምባባ ምዕንባብ ናይ ጽጋብ ዘመን ከምዝበጸሐ ዘበሥር ምልክት ኢዩ። ወርኃ ክረምቲ ዘርኢ ገና ኣብ ምድሪ ዝኾኖሉ ዘመን ስለዝኾነ ቆፎ ዝዉድኣሉ ሞሶብ ጥርሑ ዝተርፈሉ ጊዜ ኢዩ። [መኃ ፪፡፲፩-፲፫፡ 2፡11-14]

ናይ ድኅነት መግብን ናይ ጽድቂ ማይ ስኢኖም ኣብ ምድረ በዳ ብኃጢኣት ከርተት ይብሉ ንዝነበሩ ንዘርኢ ኣዳም፡ ብምሕረት እግዚኣብሔር ብኽቡር ደሙን ሥግኡን ዝጸግበሉ ዘመን ከምዝበጽሐ ዘበሠረት ቅድስት ድንግል ማርያም እያ። ሎሚ'ውን እንተኾነ ብተስፋ ምቑራጽ ንደዌ ሥጋን ደዌ ነፍስን ንዝወደቑ ድንግል ማርያም ናይ ምድኃን ተስፍኦም እያ። በዚ ምኽንያት ድማ ቅዱሳን ኣበዉ ንድንግል ማርያም ብዕምባባ መሲሎምን ኣሰማሚዖምን ነቲ መሪር ስደት ኣደ ጎይታ ኣብ ወርኃ ጽጌ ይዝክርዎ።

እዚ ወርኃት እዚ ቅድስት ቤተክርስቲያን ድንግልማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ዝተቀበለቶ መሪር ስደት ንዅሎም ውሉደ ቤተክርስቲያን ካብ ሕልንኦም ከየጥፍኡ ከምዝዝክርዎ ትገብረሉ ወርኃት እዩ።

ኣቐዲሙ ተዋሂቡ ዝነበረ ተስፋ ኣብ ዝተፈጸመሉ ጊዜ ጌይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድሪ እስራኤል ከተማ ዳዊት ካብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወልደ።

* ጓሶት ርኣይዎ፡

ናይ ጥበብ ሰባት ካብ ርሑቕ ምብራቕ መጺኦም ገጸ በረኸት ኣቕረብሉ። ሠራዊት ሰማይ መላእኽቲ «ስብሐት ለእግዚአብሔር በሰማያት ወሰላም በምድር ሥምረቱ ለሰብእ »እንዳበሉ ዝዘመርሉ ጐይታ ተሰደደ ።

ነገረ ልደቱ ኣቀዲሞም ትንቢት ዝተነበዩ ነብያት ካብ ንጹሕ ደመ ኣቤል ምፍሳስ ጀሚሩ ክሳብ ካህን ዘካርያስ ኣብ ቤተ መቕደስ ደም ምፍሳስ፡ ዘሳድድን፡ ዝቀትልን ዝነበረ ድያብሎስ ናይ ጥንቲ ጸላኢ ደቂ ሰባት ዝኾነ ተመን፡ ንድንግል ማርያም ፀሓየ ጽድቅ ክርስቶስ ብምውላዳ ኣሳደዳ።

ዳግማዊት ሔዋን ዝተባህላት ድንግል ማርያም፡ንዳግማዊ ኣዳም ክርስቶስ፡ ብእምነት ብምውላዳን ፡ፈጣሪኣ ብምዃኑ ድማ ስለ ዘምለኸቶ ኣብ ልቢ ሄሮድስ ኃዲሩ ኣሳደዳ። ሄሮድስ'ውን ሰንበደ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል

«ንሱ ድማ ንኵሎም ሊቃነ ኻህናት ናይ ሕዝቢ መምህራን ሕግን ኣኪቡ፡ ክርስቶስ ኣበይ እዩ ዝውለድ ኢሉ ሓተቶም»።.......[ማቴ ፪፡፬-፲፰፡ 2፡4-18]

ድንግል ማርያም ንዅሎም ኣሕዛብ ብበትሪ ሓጺን ዝጓስዮም ወዲ ብምዉላዳ፡ ስደትን መከራን ተቀበለት። ድንግል ማርያም ወዳ ብምዃኑ ምእንቲ ድኅነት ወዳ ክትብል ዘርኣዮቶ ርኅራኄን ሓላፍነትን ዝተቐበለቶ ስደት ጥራሕ ኣይኮነን። ወዳ ናይ ዓለም መድኃኒት ንጉሥ ነገሥታት፡ ኣምላኽ ኣማልኽቲ፡ ጐይታ ጐይቶት ናይ ዓለም ብርሃን ምዃኑ ብምእማንን ነዚ ተረዲኣ ብእምነት ዝተቀበለቶ ናይ ኵሎም ስደተኛታትን ሰማእታትን ኣደ እያ።

ድንግል ማርያም ንጐይታ ብምውላዳ ምስኣ ስደት ዝጠዓሙ ዮሴፍን ሰሎሜን፡ ኣብ ቤተ-ልሔም ዝተቀትሉ ሕፃናትን ናይቲ ኣቐዲሙ ናይ ብዙኃት ውሉደ እግዚኣብሔር ስቅያትን ሞትን ስደት ንተሓታቲ ዝኾነ ድያብሎስ ቝጥዓ መግለጺኡ እዩ። ጎይታ ዝተሰደ ትንቢት ንምፍጻም ንሰማእታት ንዘጋጥሞም መሪር ስቅያት ንምብራኽ ድኣ እምበር ንጽድቂ ኢሉ ዝገበሮ ኣይነበረን። ንሱብ ዝባሮኾ ንዅልና ጽድቅን ቕድስናን ክዕድለና ዝተገልጸ ቅድስንኡ ናይ ባሕሪኡ ዝኾነ ጐይታ እዩ።

ድንግል ማርያም ሄሮድስ ወዳ ከይቀትለላ ናብ ምድሪ ኣፍሪቃ ግብጺ ተሰደደት። እዚ ስደት እዚ ኣደናቂ ስደት እዩ፡ ምኽንያቱ ፈጣሪ ብፍጡር፡ ኃያል ብድኹም እቲ ዘይመውት ብመዋቲ፡ ዘልዓለማዊ ንጉሥ፡ብጊዝያዊ ንጉሥ ዝተፈጸመ ስደት ብምዃኑ። ቃላት ክገልጽዎ ዘይኽእሉ ልዕሊ ኣእምሮ ዝኾነ ትሕትና ካብ ምስትንታን ሓሊፍና ካልእ ንብሎ ነገር የሎን፡፡

1. እዚ ዅሉ ግን ንምንታይ፧

* ገለ ካብቲ ቀንዲ ሃይማኖታዊ ትርጕሙን ዕላማን ቀጺልና ክንርኢ፡

ሀ. ኣቐዲሙ ዝተነግረ ትንቢት ንምፍጻም

ነቢይ ኢሳይያስ ክርስቶስ ናብ ግብጺ ምውራዱ ክገልጽ ከሎ፡ « እንሆ እግዚኣብሔር ኣብ ቅልጡፍ ደመና ተወጢሑ ናብ ግብጺ ይመጽእ ኣሎ፡ ጣዖታት ግብጺ ኣብ ቅድሚኡ ራዕራዕ ይብሉ ኣለው፡ ግብጻውያን ከኣ ብፍርሂ ይመኩ ኣለው» [ኢሳ ፲፱፡፩፣ 19፡1] ብምባል ከምዝተነበየ ንቃሉ ኣማናዊ ንምግባር ናብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝባን ድንግል ማርያም ኮይኑ ወረደ። ብነቢይ ሆሴዕ'ውን «ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕኽዎ» [ሆሴ. ፲፩፡፩፡11፡1] ተባሂሉ ዝተነግረ ፍጻሜኡ ከምዝኣኸለ ኣበሠረና።

ለ. ምሳሌ ንምፍጻም!

* ግብጺ ቀዳሞት ኣበው ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተሰደዱላ ሃገር እያ። ኣቦ ብዙኃን ኣብርሃም ኣብ ሃገሩ ጥሜት ምስ ኮነ ናብ ምድረ ግብጺ ከምዝተሰደ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ይገልጾ [ዘፍ. ፲፪፡፩-፲፣ 12፡1-10]

* ዮሴፍ ወዲ ያዕቆ ብየኅዋቱ ባርያ ኮይኑ ተሸይጡ ዝኣተወላ [ዘፍ. ፳፯፡፴፮፡ 27፡36]

* እስራኤላውያን ብባርንነት ኣርባዕተ ሚእትን ሣላሳን ዓመታት ዝተገዝኡላ ሃገር እያ። [ግብ. ሓዋ. ፯፡፮፡ 7፡6]

* ቀዳሞት ኣቦታትና ናብ ምድሪ ግብጺ ዝተሰደድሉ ምሳሌ ከምዝነበረ ንኸረድኣና ነቲ ምሳሌ ንምፍጻም ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ናብ ምድሪ ግብጺ ተሰደደ። [ማቴ ፭፡፲፯፡ 5፡17]

ሐ. ኣምልኾ ጣኦት ንምጥፋእ

* ግብጺ ኣምልኾ ጣዖት ዝነበረላ ሃገር ብምንባራ ብምኽንያት እዚ ድማ ብዙኅ ሕዝቢ ከም ዝተቀዝፈ ነብየ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሙሴ [ዘፀ. ፴፪፡፩-፴፭፡ 32፡1-35]።

* ብነቢይ ኢሳይያስ ውን «ናይ ግብጺ ጣዖታት ክንቅጥቀጡ እዮም» ተባሂሉ ዝተነግረ ንክፍጽምን፡ጣኦታት ግብጺ ንምጥፋእን ናብ ግብጺ ተሰዲዱ። [ኢሳ ፲፱፡፪፡ 19፡2]።

* ናይ ጐይታ ስደት ድማ ድኂሩ ናብ ግብጺ ዝወረደ ማርቆስ ዘኣንበሳ ሓጊዝዎ እዩ። ካብ ኣምልኾተ እግዚኣብሔር ርሒቆም ዝነብሩ ግብጻውያን "ቀዳሚሁ ለወንጌል እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ!" ኢሉ ኣብ ዝመሃረሉ ምእመናን ተገሢፆም ኣጋንንቲ መናፍቃን ሰንቢዶም ካብ ግብጺ ከምዝርሕቑ ገይርዎም እዩ።

ብተወሳኺ ውን ብዙኃት ቅዱሳን ዝፈረይሉ ናይ ቅድስና ቦታታት ከም በዓል ገዳም ኣስቄጥስ ደብረ ኤፍሬም/ሶርያን፡ ደብረ እንጦንስ....ዝተባህለ ቅዱሳት መካናት ንምብራኽ ናብ ግብጺ ወሪዱ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዘ'ውን ናብ ሃገርና በጺሑ ብኪደተ እግሩ ብዙኃት ቦታታት ከምዝባረኸ ገለ ካብኣቶም ደብረ ሲና፡ ማርያም ዓይላ...ዝኣመሰሉ ምዃኖም ይንገረሎም።

መ. ብስሙን ዝትንሥኡ ክርስቲያን ስደት ባሪኹ ንምሃብ!

ክርስትና በዚ ናይ መከራን ስደትን ሕይወት ብምሕላፍ ዝርከብ ኽብሪ እዩ። ጐይታ «ኣብ ዓለም ከለኹም መከራ ኣለኩም» ከምዝበለ ኣብ ዓለም ክሳዕ ዘለና ናይ እግዚኣብሔር ፍቓድ ብምፍጻም ጸኒዕና ንምንባር ኣብ ንገብሮ ጕዕዞ ንስደት ዘብጽሕ ኵነታት ክህልወና ግዴታ እዩ። ክርስቲያን ምስዳድ ዘይደሊ እንተኮይኑ ምስ ዓለም ንምስምማዕን ከም ፍቓድ ሥግኡ ንምንባር ክሓስብ ከሎ ጥራሕ እዩ። ሰብ ብሥጋዊ ናብራ ክነብር ከሎ ካብ ጐይታ ይስደድ። ምስ ጐይታ ክነብር ከሎ ድማ ካብ ሥጋዊ ትምኒታት ኵሉ ይስደድ።

ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ስም ምስዳድ ክንብል ከለና ብእኡ ብምእማና፡ ዝበጽሓና መከራ ስደት እዩ። ስሙ ንምምስካር ትእዛዙ ንምፍጻም ኣብ ንገብሮ ቅልስ ብሰባትን መናፍስትን ዝበጽሓና መከራ ማለት እዩ። ካብ ናይ ጐይታ ትእዛን ፍቓድን ወጻኢ ዝጐዓዙ ሰባት ብምግሣፅናን ጌግኦም ብምንጋርና ዝበጽሓና መከራ እዩ። ነቲ ሠናይ ሓሳብ ኣጽኒዕና ኣብ ዝሓዝና እዋን ንእግዚኣብሔር ደስ ስለዘበልናዮ። ሰይጣን በዚ ደስ ስለዘይብሎ ናቱ መሳርሒ ብዝጥቀመሎም ካብ ቤተ ሰብና ጀሚሩ በብደረጅኡ ስጋብ ነገሥታት ዘለዉ ዘውሩድልና መከራ ስደት እዩ። ግቡእን ንኽብርን ዘብቅዕ መከራ ድማ እዚ እዩ።

«ቅድሚ እዚ ዅሉ ኸኣ ኪኅዙኹምን ከሰጕኹምን እዮም፡ ሰለ ስመይ ኸኣ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁድን ናብ ቤት ማእሰርትን ኪወስድኹም ናብ ነገሥታትን ሹማምንትን ከብጽሑኹም እዮም» [ሉቃ ፳፩፡፲፪፣ 21፡12]። በዚ ምኽንያት ድማ ሓዋርያት ተሰዲዶም ሰማእታት ተቐቲሎም ።

ሠ. ካሕሳ ንምኽፋል

ኣጽራረ ኵሉ ትውልድ ዝኾነ ሳጥናኤል ንኣዳም ኣታሊሉ ካብታ ተድላን ሰላምን ዝሰፈና ርስቱ ገነት ከም ዝስደድን ናብታ ጕስቁልና ዝመልኣ ዓለም ከም ዝስደድ ገይርዎ ስለዝነበረ፡ ንኣዳምን ደቁን ናብ ዝቀደመ ክብሪ ንምምላስን ንድያብሎስ ካብ ደቂ ሰባት ከም ዝርሕቅ ንምግባር ናብቲ መሪር ፅሓይን ቁሪ ለይትን ተጻዊሩ በረኻ ግብጺ ተሰደ፣ በዚ ድማ ናይ ኣዳም ስደት ብስደቱ ኽሓሶ።

ኣብዘን መዓልታት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ ክርስቲያናት ዝንበቡ ንባባት ዝዝመሩ መዝሙራት ዝቀርቡ ስብከታት ዝቅወም ማኅሌት ብሓፈሻ ኵሉ ዝንገር ስብሐተ እግዚኣብሔር ሰማይ ብከዋኽብቲ ምድሪ ብጽግያት ጸቢቑ ዝርኣየሉ ምዃኑ ዝገልጽ አስተምህሮ እዩ።

ወርኃ ጽጌ ንምዝካር ቀንዲ መበገሲኡ ስደት ድንግል ማርያም ምስ ፍቁር ወዳ ምኽንያት ብምግባር እዩ። ኣብ መበል ፲፬ (14ተው) ክፍለ ዘመን ካብ ዝነበሩ ቤተክርስቲያን ዘፍረየቶም ሊቃውንቲ ኣባ ጽጌ ብርሃን ንወርኃ ጽጌ ብኸምዚ ይገልጽዎ፡ ካብ ዕምባባ ዕምባባ ከምዝርከብ፡ ንቅድስቲ ድንግል ማርያምን ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ብዕምባባን ፍረን እንዳመሰሉ ምሥጢር ብምምስጣር ብኸምዚ ይገልጽዎ፡ «አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፡ እስከ ተጸምሓየየበጾም ዘመልክእኪ ልምላሜ, ተአምረብክይ ወስደት ወበጽሓኪ ጊዜ ድክታሜ፡ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እህትኪ ሰሎሜ ወፍስሐኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ……… ትርጕም 'ናይ ሮማን ጨና ናይ ቀናንሞ ዕንባባ ዝኾንኪ ማርያም ብምኽንያት ጥሜት ዕንባባ ዝመስልመልክዕኪ ስጋብ ዝጽምሉ ስደትን ሽግርን፡ ድኻምን ንብዓትን መከራን ከም ሓፍትኪ ሰሎምየ ምሳኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ትምንተይ እዩ ነይሩ። በዚ ድማ ፍጻሜ ንዘይብሉ ሓጐስኪ ምተሳተፍኩ።"

ከምኡ'ውን ኣባ አርከ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘንን ንብዓትን ኣብ ሰቆቃወ ድንግል ዝብል ድርሰቶም "እፎ ቆቁዐ በሐዊረ ፍኖት መከየደ እግርኪ ወርኀ ዘይሤዓን፡ ለባሲተ ፀሐይ ማርያም ወለተ ብርሃን፡ አመ አጉየይኪ ወልደኪ በጎጉዓ እምገጸ ሄሮድስ ተመን፡ ዘበጽሐኪ ምንዳቤያት ሶበ ይሰምዕ በእዝን ሰብእ አኮ እምበከየ እብን።"
ትርጕም.. "ፀሓይ ዝተኸደንኪ ጓል ብርሃን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ካብ ክፉእ ሄሮድስ ንወድኺ ኣብ ዝሃደምክዮ ጊዜ ዝበጽሓኪ ሽግርን ሓዘንን፡ ንወርኂ ዝወደዩ ኣእጋርኪ ብንውሓት መንገድን፡ ብዋዒ ናይቲ ሑፃ ከም ዝተመልጡ ምስ ሰምዐ፡ ሰብ ጥራይ ዘይኮነ እምኒውን ምበኸየ ነይሩ።'

2. ናይ ማኅሌት ጽጌን ጾም ጽጌን ኣጀማምራ፡

ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ስደታ ብዓቢ ክብሪ ብማኅሌት ቅዳሴ ኵሉ ሳዕ ዓመት መጸ ቤተክርስቲያን ከይዘከረቶ ኣይትሓልፍን እያ። ኣብ ውርኃ ጽጌ ዘለው ሰሙናት ካብ ቀዳም ምሸት ስጋብ ሰንበት ንግሆ ኣበው ካህናት ዘቅርብዎ ዝማሬ ካብ ናይ ቅዱስ ያሬድ መጽሓፍ ድጓ፡ ካብ ማኅሌተ ጽጌ፡ ሰቆቃወ ድንግል ዝተዋጽኡ ሠለስተ ወገን ዘለዎ እዩ። ብተወሳኺ'ውን እዚ ቅንያት ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ብዘይ ዝክር ዘይትሓልፈሉ ብዙኃት ጥሙያት ዝዕንገልሉ ወርኃት እዩ።

ናይ ጻድቅ ኣብነ ዜና ማርቆስ ገድሎም ብዛዕባ ጾመ ጽጌ ኣመልኪቱ ክገልጽ ከሎ «ኣብነ ዜና ማርቆስ ድኅሪ ብዙኅ ሓዋርያዊ ተልእኾ ምፍጻሞም፡ ሓደ ኣይሁዳዊ ብሕጊ ኦሪት ንወንጌል ክቃወሞ ዝተላዕለ ከም ዘሎ ሰምዑ፡ ክርስቶስ ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ድንግል ሥጋ ተወሓሒዱ ተወሊዱ ብሓጺር ቁመት ብጸቢብ ደረት ድኅሪ ምዕባዩ ምእንቲ ኃጢኣትና ተሰቂሉ ሞተ፡ ኣብ መበል ሣልሳይ መዓልቲ ተንሥአ ንዝብል ኣስተምህሮ ንምቅዋም ዝተላዕለ ኣይሁዳዊ እዩ ነይሩ።

ንሶም ግን ናይ መጻሕፍተ ብሉይን ሓዲስን ፈላጥ ስለዝነበሩ ከምዚ ኢሎም ከረደእዎ ጀመሩ። «ትወጽእ በትር እምሥርወ እሰይ ወየዓርግ ጽጌ እምጕንዱ……በትሪ ድንግል ማርያም ክትከውን ከላ፡ ጽጌ ድማ ካብኣ ዝተወልደ ጐይታናን መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ (ኢሳ ፲፩፡፩፣ 11፡1)፡ ክብሉ ምሥጢሩ ተርጕሞም ምስ ኣረድእዎ ብትምህርቶም ኣሚኑ ተቐበሎም። ብግቡእ ሓድሽ ኪዳን ምሂሮም ኣጠሚቆም ልብሰ ምንኵስና ኣልበስዎ። ስሙ ድማ ኣባ ጽጌ ብርሃን ኢሎም ሰመይዎ፡ ብድኅርዚ ምስኦም እንዳዞረ ወንጌል ክምህር ጀመረ። ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍቕሪ ድንግል ማርያም ስለ ዝኃደሮም ልክዕ ከም መዝሙር ዳዊት ብሚእትን ኃሙሳን ገይሮም ማኅሌተ ጽጌ ደረሱ።

እዚ ማኅሌተ ጽጌ ብስምን ወርቅን ዝተደርሰ ኮይኑ፡ ንዕምባባ ስም ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስን ድንግል ማርያምን ወርቅ እንዳገበሩ ስለዝደረስዎ ንዘንበቦን ንጸሎት ዝጥቀመሉ ንልቢዝምስጥ ምሥጢር እዩ። ኣባ ጽጌ ብርሃንን ኣባ ገብረማርያምን ማኅሌተ ጽጌ ምቋም ብፍቓዶም ኣብዚ ወርኃት ይጾሙ ምንባሮም መጽሓፍ ገድሎም ይገልጽ። ዘመኑ ኣብ መበል ፲፬ (14ተው) ክፍለ ዘመን መጀመርያ ከምዝኾነ ቤተክርስቲያን ትሰብኽ። ብድኅሪ እዚ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት ማኅሌት ጽጌ ክቖምኦ ጀመራ። ብተወሳኺ'ውን ብዙኃት መነኰሳት ምእመናን ብፍቓዶም ነዚ ወርኃት ብጾም የኅልፍዎ። ናይ ድንግል ማርያም ስደት ብምዝካር ንትሩፋት ዝጸምዎ ስለዝኾነ ኵሎም ምእመናን ክጸምዎ ግዴታ የብሎምን። ስለዚ እቲ ዝጾመ ነቲ ዘይጾመ፡ እቲ ዘይጾመ ነቲ ዝጾመጾም እየ ዘለኹ ኢሉ ክዛረብ'ውን ኣይግባእን ። በዚ ድማ ናይ ፍቓድ ጾም ከምዝኾነ ንፈልጦ።

እቲ ዝጸውምን ዘይጸውምን ንስደታ፡ ሓዘና፡ ጥምየታን ጽምኣን እንዳዘከሩ ብዘይ ምፍልላይ የኅልፍዎ በረኸታን ረድኤታን የካፍለና ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።
ዲን. ማቲያስ
ምንጪ- ኣቅሌስያ ዘተዋሕዶ ድኅረ ገጽ!

Comments are closed.