ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒

ብመጽሓፍ ቅዱስ መሠረት ኃጢያትና ንመን ክንንሳሕ ይእዝዘና ᎒

ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያና ከም ትምህርና ኃጢያትና በሠለስተ ዓይነት መንገዲ ክንናሳሕ ትእዝዘና። ቀዳማይ ምስ ነብስና ብምዝርራብ ፡ ካልእ ኣብ ቅድሚ ካህን ብዝርዝር ንንሳሕ ፡ ሳልሳይ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣምላክ ብጸሎትን ብስግዳንን እና ኣሰነና ንንሳሕ።

ቀዳማይ ምስ ነብስና ምንሳሕ ከም ዝግብኣና ዝምህረና እቲ ናይ ጥፉእ ወዲ ታሪኽ ንመልከት። እቲ ናይ ኣቡኡ ንብረት ሒዙ ርሑቅ ዓዲ ጠፍአ ድሕሪ ናብ ልቡ ምምላሱ ከምዚ በለ ;- “ናብ ኣቦይ ክኸይድ እሞ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ኃጢኣት ገበርኩ ደጊም ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ ከም ሓደ ኻብ ግዙኣትካ ግበረኒ ክብሎ ኢየ ”( ሉቃ 15 ፡17) ተንሢኡ ከኣ ናብ ኣብኡ ከደ ሕድገት ከኣ ተገብረሉ። ኣብ ዘይቦትኡ ግን ንነብስኻ ይኹን ንኻልእ ኃጢአትካ ምንሳሕ እኹል ኣይኮነን ፡ እኹል ተዝኸውን ኔይሩ ይሁዳ እስቆርታዊ “ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ” ብምባሉ ምድኃነ ነይሩ ( ማቴ 27፡4)።

ካልኣይ ዓይነት ንስሓ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣበ ነፍሲ (ካህናት) ቀሪብካ ንንስሖ ንስሓ ኢዩ።

ሣልሳይ ዓይነት ንስሓ ከኣ ኣብ ቅድሚ ካህናት ቆይምና ምስ ተናሳሕና ዝግባእ ተግሳጽን ቀኖናን ምስ ተዋሓብና ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብጾምን ብስግደትን ነብጽሖ ናይ ንስሓ ጸሎት ኢዩ።ንኣብነት ንጉስ ዳዊት ንናይ እግዚአብሔር ነቢይ ናታን (ንእግዚአብሔር በደልኩ) ኢሉ ኃጢአቱ ድሕሪ ምእማን (ኦ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርኅራኄኻ ኣበሳይ ደምስስ ; ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ኃጢኣተይውን ኣጽርየኒ።) ብምባል ኢዩ ንጉሥ ዳዊት እናነብዐ ዝለመነ ( 2ይ ሳሙ 12፡13 መዝ 51፡ 1)

ካብዘን ሠለስተ ዓይነታት ንስሓ እቲ ኣብ ቅድሚ ካህን ዝግበር ንስሓ ብብዙሓት ሕቶ ይለዓል ኢዩ። ብዛዕባ ኣብ ቅድሚ ካህናት ቆይምካ ኃጢአት ምንሳሕ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብለና ᎒

ካብ መጀመርያ ክንጅምር ኣብ ብሉይ ኪዳን ሓደ ሰብ ብእግዚአብሔር ንዝተሠርሐ ሕጊ ኣፍሪሱ በደል እንተደኣ ተረኺብዎ ኣብ ቅድሚ ካህን ከይዱ ኃጢአቱ ክንሳሕ እቲ ካህን ከኣ ኃጢኣቱ ይድምሰሰሉ ነበረ። (ዘኁ.5፡5-6) ኣካን ዝተበሃለ ሰብ ኃጢአት ኣብ ዝሠርሓሉ ጊዜ ኣብቲ እዋን ናብ ናይ እግዚአብሔር ኣገልጋሊ ዝነበረ ካህን ኢያሱ ተናስሐ።ኢያሱ ንኣካን ኃጢአቱ ንኽናሳሕ ክሓቶ ኮሎ “ ወደይ፡ በጃካ፡ ንእግዚአብሄር ኣምላኽ እስራኤል ኣኽብሮ ተናዘዘሉውን፡ እንታይ ከም ዝገበርካ ንገረኒ፡

ኣይትሕብኣለይ፡ በሎ” ብምባል ኃጢአትና ንካህን ምንሳሕ ንእግዚአብሔር ክብሪ ምሃብን ምንሳሕን ምዃኑ የረድኣና። (ኢያ 7 ፡ 19)

ነዚ ክነለዕል ኮለና ሓደ ሓደ ሰባት “ እዚ ደኣ ኣብ ብሉይ ኪዳን ኢዩ ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ” ክብሉ ይስምዑ። ናብ ኣርእስትና ጥልቅ ኢልና ቅድሚ ምርኣይና ንካህናት ኃጢአት ምንጋር ንእግዚአብሔር ክብሪ ዝህብ እንተደኣ ኮይኑ ብብሉይ ኪዳን ዝነበረ ኣምላኽ እግዚአብሔር ኣይኮነን’ ዶ ᎒ ንምንታይ’ከ ኣን ቅድሚ ካህናት ክንስሑ ፈቀደ᎒ ከምዚ ኢልና ምሕታት ናይ ግድን ኢዩ።

ኣብ መጻሕፍቲ ሓዲሽ ኪዳን ናይ ኣዋጅ ቃላ ፈላሚ ዝነበረ መጥምቀ መለኮት ዮሐንስ ኣብ ዮርዳኖስ ከጥምቅ ከሎ ብዙሓት ናብኡ እናመጹ (ኃጢአቶም እናተነስሑ) ይጥመቁ ነይሮም (ማቴ. 3፡6) ። ንስሓ ምስማዕ ናይ ጐይታ ክብሪ ዝቅንሰሉ እንተዝኸዉን ነይሩ ናይ ኣዋጅ ነጋሪ ፡መንገዲ ጸራጊ ቅዱስ ዮሐንስ ኣብ ቅድመይ ኣይተናስሕ ኢሉ ከም ልማዱ ብዘይ ፍርኃት ምገሰጾ ነይሩ።

ብግልጺ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶርስ ንሓዋርያቱ “ ኣብ ምድሪ ዝኣሰርክሞ ዅሉ ኣብ ሰማይ እሱር ኪኸውን እዩ። ኣብ ምድሪ ዝፈታሕክሞ ኵሉ ድማ ኣብ ሰማይ ፍቱሕ ኪኸውን እዩ። ” ብምባል ስልጣን ሂብዎም ኢዩ። እዚ ሓዋርያት ዝፈትሑልና ማእስርቲ “ ማእሰረ ኃጢአት ” (ናይ ኃጢአት ማእሰርቲ) ከም ዝኾነ ኣብ ዮሐንስ ወንጌል ብዝሰፍሐ ተገሊጹ ኣሎ “ኃጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም እዩ። ” ማቴ.16:19 ዮሐ. 20:23

 

  ሰብ ባዕሉ ንሓዋርያት እንተ-ዘይተናስሐ ኃጢአቱ ይቅረ ክብሉሉ ኮነ ክሕዙሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ብዝተወሃቦም ፀጋ ናይ ሰብ ኃጢአት ብዘይንስሓ ይቅረ እንተበሉ ግና ናይ ሰብ ውልቃዊ ምስጢሩ (privacy) ዝትንክፍ “ ክትሓዊዶ ትደልይ ኢኻ᎒ ” ከይበሉ ምድኃን ይኸውን ኣሎ ማለት ኢዩ። በዚ ምኽንያት ሰብ ብናይ ሓዋርያት ስብከት ናብ ክርስትና ክመጹ ከዝኣበስዎ ዝበደልዎን ኃጥያት ይንስሑ ነይሮም። (ግ.ሓዋ. 19፡18)። ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእክቱ ዝሓመመ ሰብ ካህናት ይጸውዕ ምስ በለ ኣብኡ ከሎ “ንሓድሕድኩም ኃጢኣትኩም ተአመኑ” ብምባል ከማና ሥጋ ለበስ ከም ምኳኖም ክንሓምም ኮለና ዝጽልዩልና ካህናት ኃጢኣትና ክንሳሕ ኣዚዙና ኢዩ። ያዕ. 5፡16-17።

ኃ ጢኣትና ንካህናት ንናዛዝ ክህናት ክመኽሩናን ክግስጹናን ጥራሕ ኣይኮነን፡ “ኃሓጢኣቶም ንዝሐደግኩምሎም ይሕደገሎም፡ ንዝሐዝኩምሎም ከኣ ይተሐዘሎም” ብዝብል ናይ ሓዋርያዊ ሥልጣን ሰለዝሐዙን ይቅሬታ ንምውሃብ ሥልጣን ሰለዘለዎም ኢዩ። ስለምንታይ ንሓዋርያት ዝተወሃቦም ሥልጣን እናተወራረሰ (Apostolic succession) ኣብ ኣቦታትና ካህናት ከም ዝበጽሐ ንኣም። ሥልጣነ ክህነት ምኽሪ ምሃብ ጥራይ ሥርሑ እንተዝኸዉን ናብ ኣቦታት ክህናት ርእስኻ ምድናን ኣይመድለየን፡ ናብ ፈቐዶ ቦታ ቤት ጽሕፈት ከፊቶም ዘለዎ ናይ ሥነ ልቦና ሰብ ሞያ ምዉካስ ዝያዳ ምስ ተመርጸ።

ንካህናት ኃጢአት ምንጋር ምስ ናይ ክርስቶስ ሊቀ ካህናትነትን ይቅረ በሃሊነትን ዝገራጨው ዝመስሎምን ብሐዲስ ኪዳን እንትርፎ ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ካልኦት ካህናትን ኣገልገልቲን ኣይድልዪን ኢዮም ዝብሉ ኣለው። ነዚ ብዙሕ ከይደኸምና ካብቲ ሕቶ መልሲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሊቐ ካህናት ዝብል ስም ካልኦት ካህናት ከም ዘለዉ ይነግር። ሊቐ ካህናት ማለት ናይ ሓለቓ ካህናት (ሓላፊ) ማለት ክኸዉን ከሎ ካልኦት ካህናት ዘይብሉ ናይ ሓለቓ ካህናት ዝብል ሽመት ክኅልው ክዘይከኣለ ይሕበርና ። ነዚ ኢዩ ክርስቶስ ናይ ካህናት ሓለቃ  ናይ ጓሶት ሓለቓ ክኸውን ከሎ ቀሳውስት ከኣ ካህናት ጓሶት ይበሃሉ።(ራእ. 5፡9 ፤ 1ጴጥ. 5፡4)

ኣብ ኦሪት ሠለስተ ዓይነት ሽመት ነይሩ፡ ሊቐ ካህናት (ናይ አሮን ቤት በኹሪ ዉላድ)፡ ካህናት (በኹሪ ዘይኮኑ ደቂ ኣሮን)፡ ሌዋውያን (ካብ አሮን ዘይውለዱ ነገደ ሌዊ ዝኮኑ ዉላድ) ነይሮም። ሊቀ ካህናት ብዓመት ሓንሳእ ናብ ቅድስት ብምእታው ኢዱ ዘርጊሑ ናይ እንስሳ መሥዋዕቲ ዘቅርብ ነበረ። ካህናት ዝበሃሉ ከኣ መሥዋዕቱ ኣብ መሰውኢ ብምቅራብ ዕጣን ብምዕጣን ብዝኣመሰሉ ኣገልግሎት ዝሕግዙ ኢዮም። ሌዋውያን ከኣ ንካህናት ብትሕትና ዝእዘዙን ዘገልግሉን ዘንበሩ ኢዮም። ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣእዳዉ ኣብ መስቀል ዘርጊሑ ንነብሱ መሥዋእት ዝሃበ ሊቀ ካህናት መድኃኔዓለም ክርስቶስ ኢዩ። ነዚ “ብልዑ ስተዩ” ኢሉ ዝሃበና መሥዋእት (ሥጋን ደሙን) ኣብ መሠውኢ (ኣብ ታቦት መሠውኢ) ዘቅርቡና ዘገልግሉን ናይ ሕጂ ካህናት ከኣ ቀሳዉስት ኢዮም። ኣምሳለ ናይ ሌዋውያን ን ካህናትን ቀሳውስትን እንዳሓገዙ ንተልእኾ ዝጎዩ ከኣ ዲያቆናት ኢዮም። ሊቀ ካህናት ክርስቶስ ሕጂ’ውን እንተ ዀነ ምስ ካህናት ኣብ ቤተመቅደስ ኣሎ፡ ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስትያና ቅዱስ ጳዉሎስ ከም ዝበሎ “ ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ( ናይ ኦሪት ካህናት) ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሥውኢ (ታቦት መሰውኢ (Christian Altar) አሎና።

ዝተረፈና ናይ መወዳእታ ሕቶ ካህናት ኣብ ንስሓ ኃጠአት ይቅረ ምባሎም ምስ ናይ እግዚአብሔር ይቅረ በሃልነት ሥልጣን ዝትንክፍ ዘይምዃኑ ኢዩ። ይቅረ በሃሊ ልዑል እግዚኣብሔር ኢዩ፡ ካህናት ዝጽልዩልና ናይ ንስሓ ጸሎትን ፍትሓት ዘወልድ መልእኽቱ እዚ ናይ እግዚአብሔር ይቅረ በሃልነት ኢዩ።

ናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ቀሳውስት ኃጢአትና ኣብ ቅድሚኦም ምስ ተናዘዝና ምሉእ ሥልጣን ከም ተዋህቦም “ኩኑ ፍቱሐነ (ፍቱሓት ኩኑ) እናበሉ ጸሎቶም ከይዕርጉ ግን ብትሕትና “ እግዚአብሔር ይፍታሕካ ካብ ማእሰርቲ ኃጢአት” ዝብል ቃል እምበር “ ፈቲሐካ ኣለኹ፡ ነጻ ኢለካ ኣለኹ” ዝብል ቃል ካብ ኣፎም ኣይወጾምን ኢዩ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ጸሓፊ ፥ ዲያቆን ሄኖክ ኃይሌ

ትርጉም ፥ ዲ. ያባል ዘመካነ ገነት

Comments are closed.