ብሂል ኣበው

"እታ ድንግል ሄዋን ናይ ተመን ቃል ሰሚዓ ዘይምእዛዝ ሞት ጸነሰት፣ ቀታሊ ሓዉ ዝኾነ ንቃኤል ወለደት። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ናይቲ ብርሃናዊ መልአክ ቅዱስ ገብርኤል ብሥራትዊ ቃል ሰሚዓ ተኣዚዛ ንህይወት ኢየሱስ ክርስቶስ ጸነሰት ምእንቲ ሕዝቡ ንዝመውት  መድኃኒና ወለደት።"

ሰማዕት ቅዱስ ዮስጢኖስ
"ንዘመናት ተስፋ ስኢንና ክነብር ከለና ኣብ መወዳእታ ዘመን ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ህይወትና መሊሱልና ሰለዚ ከነመስግኖ ኢና።"

ኣባ ሄርማን
"ካብ ሕሊና ኩሉ ንዝርሐቀ(ንዝረቀቀ) ነዚ  ድንቂ ምሥጢር አንክሮ ይግባእ ድንግል ንፈጣሪኣ ወሊዳቶ።"

ሃይማኖተ አበው
"ካብ ድንግል ማርያም ብተዋህዶ ሰብ ዝኾነ መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀኛ ምንጪ ህይወት ፈልፋሊ በረከተ ሥጋ ወነፍስ እዩ።"

ቅዱስ ያሬድ
"ጸሎት እንታይ ማለት ምዃና ምስ ተሓተ ማር ይስሓቅ፡ “ጸሎት፡ ንሓንጐልና ካብ ኩሉ ዓለማዊ ሓሳብ ተውጽኦ፡ ናብቲ ተዳሊዩልና ዘሎ ተስፋ ሰማያት ድማ ከም ዝጥምት ትገብሮ።” ከምኡ’ውን፡ ብዛዕባ በረኸት ጸሎት፡ “ጥንቁቅ፡ ዓቓል፡ ተጻዋሪ፡ ጽኑዕ፡ ኅዱእ ትገብረካ። ልብኻ ብብርሃን ኣምላኽ ምእንቲ ክመልእ፡ ኩሉ ሳዕ ንጸሎት ኣፍቕራ። ሕስረተይ ብጸሎት ይቕንጠጥ፡ ካልእ በሪ ናይ ንስሓ ከምዘሎ ድማ ይነግረኒ፡ ካብ ፈተና ሰይጣን ከኣ የናግፈኒ። ጸሎት ዘይየዘውትር ሰብ፡ ካብቲ ዕውር ብርሃን ክርኢ ዘይክእል፡ ኣይፍለን እዩ።"

ማር ይስሐቅ
"ንርእስኻ ብሓሶት ኣይትውቀሳ ንርእስኻ ምኽሳስ ትሕትና  ኣይኮነን እቲ ዓብይ ትሕትና ሰባት ክወቕሱኻ ከለው ምዕጋስ እዩ።"

ቅዱስ ስራፕዮን
"ጸጋ  እንተ ተዋሂቡኻ  በቲ ዘተወሃብኻ ጸጋ አመስግን ዘይተወሃበካ ጸጋ ክትደሊ ኢልኻ  ነቲ ዝተዋሃበካ  ከይትስእን ።"

ማር ይስሐቅ
"ንፍጡራን መርሚርኻ ከተበጽሆም ዘይካኣልኻ  ከመይ ጌርኻ ንኩሉ ዝፈጠረ  ኣምላኽ ብምርምር ክትበጽሆ ኣይከኣልን ። "

ቅዱስ አትናቴዎስ
"ወርቂ ኩሉ ብሓዊ ከምዝፍተን ናይ ክርስቶስ ጸጋን ክብርን ክይተፈተኑ ምርኻብ ኣይከኣልን ናይ ዓለም ፈተናን እሳትን ቀልጢፉ ይሓልፍ ሓጢያተኛታት ዝኣትውዋ ገሃነም እሳት ግን ንዘለዓለም እንዳነደደ ይነብር።"

ቅዱስ ሚናስ

ኣዳላዊ - ዘኬዎስ

Comments are closed.