ቤዛዊት 9ይ ክፋል

ቤዛ ካብ ገዛ ካብ ዘይትወጽእ ካልኣይ መዓልቲ ኮይኑ፡ ሳሚውን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ መዓልቲ ገዝኦም ኣይተቐልቀለን ። ቤዛ ናይ ሳሚ ነገር ከሰክፋ ጀመረ። እታ ቀጻሊ “ኣብ ሕይወት ተበዳሊ እምበር በዳሊ ኣይትኹን። ኣብ ክርስትና ሕይወት ንሰባት ዕንቅፋት ከይትኸዉን ቀጻሊ ነብስኻ ሕኸኽ ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወትካ ደጋጊምካ ምዘን“ ዝብላ ዘነብረ ቃላት እናሻዕ ኣናተመላለሰ ንኣእምርኣ ቃጨሎ። ንመን በዲለ ደየⵗ ንመን ዕንቅፋት ኮይነዮ ⵗ እናበለት ክትዝክር ፈተነት ግና ወይ ከኣ ንሓደ ሰብ እኳ ከይፈለጠት ዝጎድኣቶ ሰኣነት። ኣነ ብዘይካ ምስ ሳሚ ኣብዚ ዓዲ ምስ መንዶ ይፋለጠየ። ዲ.መርሃዊ ዘቅረበለይ ናይ መውስቦ ሕቶ ዘይምቅባለይ ከም ሓጥያት ተቆጺሩ ሳሚ ካብይ ክርሕቕ ይግብኦ ድዩⵗ ኣብ ታሪኽ ቅዱሳን መርዓ ሰለ ዝኣበያ ከም ሓጥያት ዝተቆጽረለን ከምዚ ኸማይ መን ኣላⵗ ተመርዓዊ ተባሂለ ድሌተይ ኣይኮነ ሰለ ዝበለት እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተቖጠዓ መን ኣላⵗ መላሊሳ ኣብ ዓሚቕ ሓሳብ ኣትያ ክትምርምር ፈተነት። ኣብ መንጎ ድማ ነቲ ካብ ኣፍ ደረት ልባ ሓሊፉ ኣብ ከብዳ ዝዉ ኢሉ ዝነብረ ጸጉሪ ርእሳን ፡ ነተን ጸባ ዝመስላ ከም ዓተር ዝተሰርዓ ኣስናን ፡ ነቲ ለምባእ ለምባእ ዝብል ምዕጉርታ እናረኣየት ከተማርር ጀመረት። መልክዐኛ ምዃን ጹብቅ’ዩ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ክፉእ እዩ ። ዝረኣየኒ ሰብ ንመልክዐይን ጸጉረይን ጥራይ ክንእድ ፍጹም ኣይተዋሕጠለይን። ኣሌክስ ቅምዲ ሕጂ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ ዉዳሴ ብምሃብ ዝተጻወተለይ ይኣክል ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ኵሉ ብመልኵዑ ዝፈጠሮ ሰብ ኵሉ ምልኩዕ ክንሱ ሰለምንታዮ’ም ሰባት ንሓደ ሰብ ካብ ካልእ ሰብ ንምፍላይ ጽቡቅን ኩፉእን እናበሉ ዝፈላልይዎⵗ
ናይ ሕይወት መራሒ ናይ ዓይነይ ብርሃን መድኃኔ ዓለም ኣነ ኣብ ጌጋ ርድኢት እንተ ኣለኹ ባዕልኻ ኣርመኒ በለት ዓዉ ኢላ። ሳሚ ትጋገ ኣለኻ ምሳይ ሰለ ዝቀረብካ ንሰባት ክትዕንቅፍ ኣይትኽእል ኢኻ በለት ደጊማ ። ኣብ ዓራት ኮይና ናይ መዝሙር መጽሓፍ ኣናንበበት ከተስተንትን ጀመረት። መዓጾ ናይ መደቀሲ ገዛ ሰለ ዘይተዓጸወ ኣብ መደቀሲ ዓራት ዝግበር ድምጺ ኣብ ክሸነ ኮንኳ ብቀሊሉ ክትሰምዖ ትኽእል። ማማ ኣብርሃት ኣብ ኽሽነ ኮይነን ጓልን ትዛረቦ ይሰምዓ ኔይረን።
ካብ ኣቦኻን ኣዲኻን ዘይተወልደ ሰብ ብመንፈሳዉን ስጋውን ዝሓልየለካን ትሓልየሉን ሓዊ ኣበይ ይረከብ። ብፍላይ ከኣ ንክርስቶስ ብፉጹም ልቡ ዝፍቅር ሰብ፡ መማኽርቲ ሕይወት ሰብ ክትረክብ ዝብለጸ ስምዒት ይፈጥረልካ። ናይ ሕይወት መሓዛኻ ካብ ካልኦት ሰባት ዝያዳ ቐልጢፉ ይርደኣካ፡ ካብ ካልኦት ሰባት ኣዝዮ የፍቅረካ፡ዝመጸ ይምጻእ በዘየገድስ ካብ ጎንኻ ኣይፍለን። ኣብ ግዜ ሓጎስ ምስኻ ይሕጎስ ኣብ ግዜ መከራ ምሳኻ መከራ ይጸግብ። ካብ ምሳኻ ዘለዎ ርክብ ምስ ክርስቶስ ክህልወካ ዘለዎ ርክብ ብቀዳምነት ክትሰርዖ ይጽዕር፡ ሓጎስካ ካብ እግዚአብሔር እምበር ካብ ሰባት ክይትደልዮ እናበለ ይምሕጸነካ። ምስ ሳሚ ካብ ዘተላለናላ መዓልቲ ክሳብ ሎሚ እንተርፎ ቃል ኣምላኽ ኣብ ልበይ ክሰኩዕ ብዘዓባ ጽባቀ ኣካለትይ ወይ ደም ግብኣተይ ክድንቅ ሰሚዓዮ ኣይፈልጥን። ብዓቢኡ ከኣ ይኣምነኒ ። “ሳሚ ሓወይ በጃኻ እባ ዘረባ ሰብ ሰሚዕካ ኣይትርሓቀኒ በለት ዓዉ ኢላ።
ናይ ጓለን ኩነታት ብቀረባ ጸን ኢለን ዝከታተላ ዝነበራ ማማ ኣብርሃት ናብ ጓለን ቅርብ ኢላን ቤዛ ጓለይ ዉሽጣዊ ድሌታትካ ሓቢእካ ዘይንስኻ መሲልካ ንሕይወትካ ምምራሕ ከይጉድኣኪ። ሓቂ እስኪ ተዛረቢ፡ ከም ኣዴኺ ዘይኮንኩስ ከም መሓዛኺ ኣቅሪብኪ ሓብርኒ ምስ ሳሚ ወደይ ርክብኩም ከመይ’ዩⵗ ቤዛ ኣንቲ ማሚቲ’የ ሳሚ ደኣ ሓወይ፡ ሓቂ ተዛረቢ ቅድሚ ሕጂ ሰኣን ምሳይ ምልዛብኪ ኣብ ምህሮኺ ጸገም ፈጢርኪ ኔርኪ ሕጂ’ወን ደጊምኪ ኣብ ፈተና ክትኣትዉኒ ኣይደለን ዛጓለይ። ኣንቲ ማሚ ንሳሚስ ምስቲ ተበላጺ ሰብ ከተዋዳድርዮ። ክንዲ ምስ ሳሚ ወደይ ደኣ ከምይ ጌይረ ከነጻጽሮ ክንዲ ሕጻቡ እኳ ኣይመጽእ። እዚ ብሩኽ ወደይ ደኣ ፍሉይ ውላድ’ዩ መወሰኽታ የብሉን። ማማ ኣብርሃት በልስኪ እንታይ ኮይዩ ጠፊኡ ለንቅነ ⵗ ተባኢስኩም ዲኹምⵗ ዘባእስ ነገር የብልናን ሳሚ ደኣ ወሪድዎ ዋላ ክትበኣሶ እንተ ደለኻ ከማን ንባእሲ ዝዕድም ምኽንያት ኣይትረኽበሉን። ካምፓላ ካብ ዘመጽእ ክሳብ ሎሚ እንተርፎ ክንስሕቅ፡ በቃል ኣምላኽ ክንዛረብ ዋላ እኳ ኢና ተዃሪና ዘይንፈልጥ ማሚተይ። እዘን ክልተ መዓልቲ ግና ጋሻ ጓል ገዛዉቱ ሰለ ዝረኸብ ይሕግዛ ሰለ ዘሎ ኢዩ ጠፊኡ።
ሓቁ ደኣ፡ ኵሉ ክትዛረብዮ ዝጸናሕኪ ክሰምዓኪ ጸንሐ’የ። ሳሚ እንታይ በዲለ’የ ትርሕቀኒ ክትብሊ’ዶ ኣይጸናሕክን። ቤዛ ክትሕሱ ኣይደለየትን ዲ.መርሃዊ ንመርዓ ከም ዝሓተታ ንሳ ግና ፍቃደኛ ከም ዘይኮትነ ከም ዝሓብረቶ። ዲ.በረኸትን ዲ.መርሃዉን ንሳሚ ካብኣ ክርሕቅ ከም ዝደልይዎ ዘርዚራ ንማማ ኣብርሃት ሓበረት። ንሳ ግና ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ሳሚ ክፍለያ ከምዘይትደሊ ተዛረበት። ማማ ኣብርሀት ዝረባ ጓለን ጽን ኢለን ድሕሪ ምስማዕ ኣንቲ ቤዛ ዲ.መርሃዊ ሰለምንታይ ዓጺኽዮ’ሞ። ግዜ ዓዲገ ኣጸቢቀ ክሓስብሉ’የ ኢልኪ ዘይትምልስሉ እናበላ ርእሳ ኣብ ሕቁፈን ብምእታዉ ሰዓምኣ። ኣንቲ ማሚተይ ልበይ ንዶ.መርሃዊ ከም ምምህረይ እምበር ፍርቂ ጎነይ ክኸዉን ብሂጋቶ ኣይትፈልጥን። ንሳሚኸ እንታይ ምበልኪⵗ ቤዛ ሰሓቀት ንሱ ደኣ ሓወይ እንደዩ ኢላ ናብ ደገ ገዛ ገጻ ክትሕጸብ ወጸት።

ሳሚ ካብ ኵሉ ሕሜታን ትሒም ትሒምን ንምእላይ ዕንቅፋት ንደቂ ማኅበር ከይከዉን ብምባል ርክቡ ምስ ቤዛ ከዛሕትሎ ወሰነ። ርክቦም ኣብ እንዳ ጉባኤን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ጥራይ ዝተኸለለ ክኸዉን ደጊሙ ንነብሶ ተማሕጸና። ንዝወጠኖ ዕላማ ንምትግባር ድማ ንሓደ መዓልቲ ዝኣክል ከይደወለላ ወሰነ። ዉሳኔኡ ኣብ ስሚዒት ኣት’ዩ ዘወስኖ ከይከዉን ኣጠራጠሮ ። ሙሉእ መዓልቲ ደሃይ ምስ ኣጥፈአ ናይ ምሸት ቤዛ መልእኽቲ ብሞባይል ለኣኸት።
ቤዛ፡ ሳሚ ሓወይ ናይ ደሓን ዲኻ ? ጠፊእካ ማማ ብጣዕሚ ነፊቃትካ ኣበይ ጠፊኡ እዚ ወደይ ቡን ከሳትይኒ ጽዉዕዮ ትብለኒ ኣላ።
ሳሚ ፡ ቤዛ ሓፍተይ ሎምን ጽባሕን ቆጸራታት ኣብዚሐ ኣለኹ። እንተ ኽኢለ ጽባሕ ናይ ምሸት ክቅልቀል ክፍትንየ። እንተዘይ ኮይኑ ግና ድሕሪ ጽባሕ ኣብ እንዳ ጉባኤ የራኽበና።”
ቤዛ፡ “ሳሚ ብስመ አብ በል በጃኻ ሎሚ ደሓን መስዩ’ዩ ጽባሕ ግና ድሕሪ ናይ ንግሆ ጸሎት በሓንሳብ ኢና ገዛና ንቆርስ።
ሳሚ፡ ጽባሕ እኳ ክንደየናይ ከይመጽእ፡ ናይ ንግሆ ጸሎት ኣይመጽእን እየ፥ ናይ ምሸት ግና ክመጽእ’የ ናብ ቤተ-ክርስቲያን። ቤዛ ፡ ጸሊኣከ ኣለኹ ከይትዛረበኒ ድሕሪ ሕጂ
ሳሚ፡ ተረድእኒ እባ ቤዛ ሓንቲ ጓል ገዛዉትና ጋሻ መጺያ ሰለ ዘላ ቁሩብ ቦታታት ክርእያ
ቤዛ ፡ ደሓን ሰሚዓዮ ኣለኹ ዘይጠቅም ምኽንያትካ ጽባሕ ካብ ገዛኻ መጽየ ክወስደካ’የ
ሳሚ ፡ ሃሃ ሕራይ ዓቅሚ ይሃብኪ
ቤዛ፡ ሕጂ ሞባይለይ ገንዘብ ትዉድእ ሰለ ዘላ ጽባሕ የራኽበና ። ኣብ ጸሎትካ ዝክረኒ
ሳሚ፡ ቤዛ በቃቅ ሰልዲ ከይዉደኣኪ ዲኺ ልዋም ለይቲ ቤዛ ሓፍተይ ኣብ ጸሎትኪ ዘክርኒ
ቤዛ ፡ ኣነስ በቃቅ እንተ በቂቀ ከኣ ናትካ ወሲደ ደይንስኻ ኢኻ ኣጠቃቅማ ገንዘብ ክትጥንቀቂ ኣለኪ ትብለኒ፡ቻው ሰላም ምሸት “
ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቅም ኣብ ረጀንሲ ምስ ሰማሃር ይራኸባ። ስምሃርን ቤዛን ኣብ ኣስመራ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርት ንኣስታት 6 ዓመት ተማሂረን። ሰማሃር ኣንቲ ቤዛ እምበር ኣስመራ ኣላ እንዳ በልናክስ ናብ ዩጋንዳ ሃዲምኪ።
ቤዛ ፡ ስደት ኣረኻኼብልና ዋላ ናዕና። እዋይ ሰማሃር ሓፍተይ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ምስ ተፈላለና እኳ ፈጺምና ኣይተረኣኣናን። ይገርመኪ’ዩ ዘይሞተስ ይራኸብ ደኣ ።
ሰምሃር፡ ክንደይ ጌርኪ ካብ ትመጺ።
ቤዛ፡ ሕጂ ደኣ ዓመት ቀሪበ በለት ። መዓስ ደኣ መጺኺ ንስኺⵗ
ሰምሃር፡ሕጂ ደኣ 4 መዓልቲ ኮይኑ ።
ቤዛ፡ በሓቂ! ድሮ ከተማ ኣብ ዉሽጢ ኣርባዓተ መዓልቲ ፈሊጥክዮስ በይንኺ ትዛወሪ ጀሚርኪ።
ሰምሃር፡ ወሪድኒ ምስ ሓደ ወዲ ገዛዉትና’የ መጽየ እንበር እዚ ዓዲ ጉዶንኡ ኣይፈልጥ፡ ሽሙ ናይ ገዛዉቲ ከኣ ከመ ገለ ዓይነትዩ። እቲ ኣብ ድሕሪት ዘሎ ወዲ ትርእዮዶ ኣለኺ ። እሱ’ዩ ሒዝኒ መጽ’ዩ።
ቤዛ ፡ቁሊሕ ምስ በለት ሳሚ ኮይኑ ጸንሓ። እዚ ደኣ ሳሚ እንድዩ ሓቀይⵗ
ሰምሃር፡ ትፈልጢዮ ዲኺⵗ
ቤዛ፡ ሳሚ ዘይፈለጥ ሰብ ኣብ ኡጋንዳ የለን።ኣበይ ደኣ ትፈልጥዮ ንሳሚⵗ
ሰምሃር፡ወዲ ገዛዉተይ’ዩ ደሓር ከኣ ምስ ኣሜርካ ትርከብ ዘመደይ ክምርዖ’ዩ። ኣቡኣን ኣቡኡን እታ ዘመደይ ካብ ንኣሽትኦም ከለዉ መብጽዓ ተኣታትዮም። ኣታ ጓል ከማን ካብ ኣሜርካ መጽያ ክትፍርሙሉ ሓሲባ ኔይራ ነገር ግና ሓደ ቤተ-ሰቡ ናብ ካናዳ ቀልጡፍ ቬዛ ክረኽበሉ’የ ሰለ ዝበለ ናብ ካናዳ ክኸይድ እሞ ደሓር ናብ ኣሜርካ ከሰጋግርዎ ኢዮም መስለኒ።
ቤዛ ዘይሓሰብቶ ነገር ካብ ሰማሃር ሰለ ዝሰመዓት በጣዕሚ ተገረመት። ኣብ ሙውቅ ዕላል ናይ ትዝታ ኣቲየን ከለዋ ሳሚ ኤንተርነት ምጥቃም ወዲኡ ተጸንበረን። ቤዛ ኣታ ሽፍታ ጓል ገዛዉትኻ ረኺብካ ጠፊኢካ ኢላ ሰዓመቶ። ኣበይ ትፋለጣ ደኣ ምስ ሰምሃር። ደቂ ትምህርቲ እንዲና ኔርና ። ኣብ መባእታን ማእከላይ ደረጃን ብሓደ ተማሂሪና ። እዞም ትምህርቲ ንፉዓት ዝኾንኩምሲ ትሻተቱ ደኣ። መንከ ይነፍዕ ኔሩⵗ ቤዛ እንታይ ገደሸካ በለትⵗ ሰምሃር፡ ቤዛ ደኣ እሞ መን ክቅድማ ኢልካዮ ኣነ እኳ ናይ ካላስይ ጥራየ ብልጫ ዝወስድ ኔይረⵗ ቤዛ ግና ናይ ዩኒትን ክላስንያ ብልጫ ትወስድ ኔይራ። እንታይ ደኣ ወድይ ከሙ ዘይትመስል፡ ቤዛ መሕረር ኣብዚ ደኣ ተኸኽ እንዲያ ኣቢላትና በለ። በዚ ብሓንሰብ ንደረር ተባሃሂሎም ኣብ እንዳ ኣሮን ቁርሲ ቤተ ከዱ። ሰማሃር በዛዓባ ናይ ኣስመራ ኵነታት ኵሉ ሓደ ብሓደ ዝርዚራ ኣዕለለቶም ።
ዓስራይ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን
ሰብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ቤዛናቱ

Comments are closed.