ቤዛዊት 3ይ ክፋል

ቤዛዊት ኣንግህ ኣቤላ ትድዉለለይ እሞ በሓባር ክንከይድ ኣበይ ክንራኸብ በለትኒ። ክሳብ ገዛዉትና ምኒባስ ጌይራ እሞ ክትመጽእ እሞ ድሕሪኡ ተታሓሒዝና ንኸየድ ። ከም ስምምዕና መሰረት ሰዓት 1፡00 ድ.ቀ ኣብ ገዛዉትና ተራኺብና ናብቲ ናይ ቆጸራ ቦታ ኣምራሕና። ኣነ ግና ኣብ ክልተ ሓሳባት  ተዋጢረ ነበርኩ። ቤዛ ድያቆን መርሃዊ ሰለምንታይ ከም ዝዓደመና  ኣይትፈልጥን እያ። ሰለምንታይ ከም ዘተዓደመት እንተ ነጊረያ ምሳይ ከም ትበኣስ ረግጸኛ እየ ? ሰለምንታይ ትማሊ ዘይሓበርካኒ ኢላ ከም ከም ትሓርቅ ርዱእ ነገር እዩ። ኵሉ ናይ መጻኢ መደባታ  ሓደ መዓልቲ ሰለ ዝዕለለትኒ ናይ መጻኢ መደባታ ኣንዳዕዲዐ እየ ዝፈልጥ፡ ኣብዚ ሰዓት ብዘዓባ መርዓ ዝበሃል ነገር ከተዕልል ከም  ዘይትደሊ ደጋጊማ ገሊጻትለይ እያ። ኣብዛ ሰዓት እዚኣ መርዓኣ ሕጹነታ ዝይዳ ምስ ኣምላኽ ዘለዋ ርክብ ምዕባይን ምድልዳልን ምዃኑ ደጋጊማ ሓቢርትኒ እያ። ንዲያቆን መርሃዊ ብዛዓባ መደባት መጻኢኣ ከይሕበሮ ፡ ምናልባት ንኽሓታ ተስፋ ዘቅርጾ ዘለኹ ከይመስሎ ወይ ንዓይ ዘሓዛእክዋ ጉርዞ ጓል ከይመስሎ ንጣባ እኳ እንታይነት ናይ ቤዛ ኣይኣፍኣምኵሉን። በቃ ኣብ ክልተ ሓስባት ተቀርቂረ እንከለኹ ፡ሳሚ ሳሚ ኣለኻ’ዶ ምሳይ ፡ እንታይ ደኣ እናየዕለልኩኻ ኣብ ካልእ ጌሽካ፧ ይሰምዓኪ ኣለኹ እዋእ... ኢለ ሓሰኹ ። ትማሊ ኣብ ገዛና ፊልም ክርኢ ሰለ ዘምሰኹ እዩ መስለኒ ስልችዉችዉ ዝብለኒ ዘሎ በልክዋ።

 ኣብ ካምፓላ መብዛሕትኦም መንእሰያት ኣብ ስራሕ ዘተጸምዱ ሰለ ዘይኮኑ፡ በተን ወርሓዊ ካብ ደገ ዝለኣኸሎም ናይ ገንዘብ ሓገዝ ተደጊፎም ዝበሕዘ ሰዓታቶም ኣብ ገዝኦም  መስኮት ቲቪ ከፊቶም ድርፊ፡ፊልም፡ መዝሙር፡ ድራማ... ወዘተ ክዕዝቡ እዮም ዝሕልፍዎ። ካባቢ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ መስኮት ናይ ቲቪ ይኸፍቱ እሞ ክሳብ ወጋሕታ ቡን እናሰተዩ ወጋሕ የብልዎ። ድቅስ ዉዒሎም  ምሳሕን ቁርስን  በሓባር ኣላጊቦም ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተ ይምስሑ ። ኣጋ ጸሓይ ዓራርቦ ሰዓት 6 ናብ እንዳ ኤንተርነት ኣምሲዮም ጽልመት ምስ በለ  ናብ ገዝኦም ይምለሱ። ቤዛ ብኩነታተይ ተግሪማ ምሽ ፊልሚ ምርኣይ ኣይፈቱን ኢኻ ትብለኒ ካብ መዓስ ፊሊም ኪትርኢ  ጀሚርካ በለትኒ ። ብመልሰይ ከም ዘይዓገበት ካብ ዘረባኣን ገጻን ኣንበብከዎ ።ሕጂዉን ደጊመ ሓሰኹ ኣጋይሽ ሰለ ዝመጽኡ፡ ነቶም ኣጋይሽ ከየጋይሾም ምስኦም ክዕልል ኣማሳኹ እምበር ሓቅኺ ኣለኺ ምርኣይ ፊልም ኣይፈቱን እየ በልክዋ። ዘቕረብኩላ መልሲ ኣየዕገባን ግና ኣርእስቲ ንምቅያር  እታ ዝህብካኒ ናይ ኣዕማደ ሚስጢር መጽሓፍ ወዲአያ ኣለኹ ፡ ጽባሕ ኣብ ጉባኤ ሒዘልካ ከመጽእ  እየ ሳሚ ሓወይ በለትኒ ። ደሓን ጸገም የለን ተጠቀምላ ኣነ ኣላኒ ካልእ መጽሓፍ በልክዋ።

 ዲያቆን መርሃዊ ቀዲምና ኣብ ቤት መግቢ ኦክላ ጸንሐ። ዲያቆን መርሃዊ ኣብ ግዜ ዘለዎ ኣርኣእያ ፍሉይ እዩ። ኣብ ቆጸራ፡ መዝሙር ምልማድ፡ ይኹን ኣብ መደብ ትምህርቲ ሰንበት ቅድሚ ኵሉና እዩ ዝርከብ። ቀጻሊ ኣብ ስብከቱ ዝጠቅሳ ትጥሲ ኣላ "መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ"፡ ምስ እግዚአብሔር ኣምላኽ  ዘለና ርክብ ብግዜ ዘተተመነ ሰለ ዝኾነ ኣብ ኣጠቃቅማ ክንጥንቀቀ ኣለና ።  ንፈጣሪ ግዜ ኣቀዲማና ግዜ ክንሰልዓሉ ኣለና፡ ብፍላይ ምስ እግዚአብሔር ቆጸራ ምስ ንገብር ኣብ ግዜና ክንርከብ ይግባእ። እግዚአብሔር ኣምላኽና ቆጸራ ዘይጠልም ኣብ ሰዓቱ ዘመጽእ ሰለ ዝኾነ፡ዝኾነ ምኽንያት ኣሞንጊና  ከንደናጎ የብልናን ብምባል እዩ ስብከቱ ዝጅምር።

ድያቆን መቸም ኣይትቅደምን ኢኻ ኢልና ሰለምታና ከይወዳእና ተሊፎን ተደወለለይ ። ፈቨን እያ፡  ሳሚ ሓወይ ግደነት ደልየካ ሰለ ዘለኹ ሒጂ መጻኒ በለትኒ ። ፈቨን ደልያትኒ ሰለ ዘላ ኣነ ክሓድገኩም እየ  ኢለ ተሳናበትኩዎ። ናተይ መኻድ ዘይተዋሕጠላ ቤዛ  እሞ ምስ ወዳእካ ዋላ ምጻና በለትኒ  ። ሕራይ ቀልጢፉ እንተ ሰሊጡና   ሕራይ እንተዘይኮይኑ ክድዉለልኩም’ዩ ኢለ ተሰናበትክዎም። ንፈቨን ጓል ኣኮይ  ኣመስገንክዋ ካብዚ ኵሉ መዋጥር እባ ኣድሒንክኒ ደሓን እተዊ በልኩ። ሞተር ሳይክል ተወጢሐ  ናብ ፊቨን ኣምራሕኩ።

ቤዛን ድያቆን ተጠማሚቶም እንታይ ከም ዝዕሉሉ ሓርበቶም። የቀንየለይ ድያቆን ሓወይ ተገዲስካ ነዚ ቅዱስ ምሳሕ ዝዓድምካኒ ኢለ ኣምስገነት ነቲ ዘነብረ ስቅታ መኽፈቲ በሪ ዝኸዉን ዘረባ ክኸዉን እናተመነየት። እዚ ደኣ ኣየናይ ኮይኑ እዩ  መጀምርታ ምስ መጻኺ ክገብሮ’ዩ ዝግበኒ  ነይሩ። ጋሻ ከለኺ ዓዲ ከነርእየኪ፡ ክነዛዉረኪ እንድዩ ዝግበኣና ነይሩ ነገር ግና ብሎሚ ጽባሕ  ኣራኽቦ ስኢነ ። ንስኺ ከኣ ኣይሓመቅክን ሳላ መንፍዓትኪ ዳርጋ ንኹላ ከተማ ኣዋሊድክያ ኢኺ። ድሕሬና መጺኺ ዉሽጣን ዉሻጠኣን ፈልጢክያ ። ኣነ ደኣ ወሪድኒ ግና ሳላ ሳሚ ዳሓን ይእቶ፡ ብዓቅመይ እንተ ዘገድሳኒ ቦታታት ፈሊጠየን ኣለኹ።ሳሚ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ዓድና ዘኪረ ከይነብዕ ፡ከየሰተማሰል ብናፍቆት ከይሳቀ ኣባዲ ኮይኑኒ’ዩ። ስም ናይ ሳሚ ምስ ተጠቅሰ ዲያቆን ገጹ ከም ገለ ተቀየረ። ሳሚ ቤተ ሰብኩም ድዩ? ኣበይ ኢኹም ትፋለጡ ? ምቅርራብኩም እኳ ቅድሚ ሕጂ ከም ትፋላጡ እዩ ዘመስል ኢሉ ብኣድራጋ  ሓተተ። ናይ ሰሚ ርክብ ምስ ቤዛ ንምርግጋጽ እዩ።እቲ ዝገርመካ ኵሉ ሰብ እዩ ከሙኡ ዝብለና  ንሳሚ ግና ኣብዚ’የ ዝፈልጦ ፡እግዜአብሔር ኣምላኽ ኣብ ኡጋንዳ ይሕሊፉ ዝጽንሓለይ ብሶላ ሓዉይ እዩ ። ኣሕጽር ኣቢላ ከኣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኤርትራ ኣይንፋለጥን ኢና በለት ቤዛ።

  ጽቡቕ እምበር፡ግና ርክባ ምስ ሳሚ ብዝይዳ ክበርሃሉ፡ዕሙቅ ዘበለ መልሲ ንምርካብ ሳሚ ጋሻ ንምቅባል ትጉህ፡ ምስ ሰባት ቅልጢፍካ ናይ ምልላይ ጸጋ ኣለዎ። እወ ሳሚ በጣዕሚ ንፉዕ’ዩ ብፍላይ ንዓይ ብዙሕ ነገርት ሓጊዙኒ እዩ ። ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ንኽብርትዕ፡ንክርስቶስ መድኃኔ ዓለም  ኣብ ሕይወት ዓንዲ  መርሆ ሕይወት ጌይረዮ ንኽከይድ ሓጊዙኒ እዩ። ጽቡቅ እምበር  በለ ዲያቆን መርሃዊ፡ ናብ ቅንዲ ኣርእስቱ ክኣቱ  ሰለ ዘደለየ ነቲ ዝበልዖ ዘነብረ እንጀራ ናብ ከስዕኡ  ከወርዶ ካብታ ኣብ ጥቅኡ ዘነብረ ጹማቅ ኣራንሺ ክለተ ሳዕ መዓጕ። ቤዛ  ምስ ኣዲኺ ናበየናይ ሃገር  ኢኽን ከትከዳ ትሓስባ ዘለኽን፧ መደባት ናይ ሕይወትኪ ንመጻኢ ከምይ ኢዩ ኢሉ ሓተታ።

ኣምላኽ እንተ ፈቂድዎስ ናብ ካናዳ ኢና ነሳልጥን ዘለና ። መደብ ናይ ሕይወተይ ከኣ ተማሂረ ዶክተር ናይ ሰነ-ኣእምሮ ክኸውን፡ ድሕሪኡ ከኣ ኣምላኽ ዝፈቐዶ ይኸዉን ። ዓቢ መደብ እዩ ዘለኪ ኣምላኽ የሓግዝኪ። ሓደ ሓቂ ኣሎ  ደቂ ሰባት ንዝንግዖ ኣብ  ግዕዞ ሕይወት ኣቀዲምካ ሓሲብካሉ እንተዘይ ጸኒሕካ ከኣ ዳሕራይ የጣዕሰካ። ንሱ ንዓኻ ዝመስል ሰብ ምርካብ እዩ ። እእእእእ ድሕሪ መባል ክሓታ ሰለ ዝወሰነ ግና  ነታ ሕቶ ንምንጻር .. ቤዛ  ናብ ኣሜርካ ዝኸደሉ መዓልቲ ተቃሪቡ ኣሎ ..ዘረብኡ ከይወደኣ ከሎ .. እንቋዕ ሓጎሰካ ድያቆን በለቶ..ሓጎስ ኵላትና ድያቆን መለሰ.. ..ቤዛ ኣብዚ ቤተ ትምህርቲ ሰንበት ካብ ዝርእየኪ ዉሕድ ኣይኮነን ዝምስገን መንፈሳዊ ጉዕዞ ከኣ ኣለኪ.. ቤዛ ወሪድኒ በለት ..ድያቆን  እንታይ ክብል ከም ዘደለየ ሰለ ዘተሓዋወሳ ግና ጽን ኢላ ከትሰምዖ ኣእዛና ጸለወት.. መርሃዊ፡ ቤዛ እሞ ፍቃደኛ እንተ ደኣ ኮንኪ ናተይ ሳራ ክትኮኒ ብሂገኪ ኣለኹ፡ ነዛ ሓጻር ናይ ዕድሚና ብሓብር ኮይንና ክንሕልፎ መሪጸኪ ኣለኹ።

 ቤዛ ርእሳ ኣድነነትት ግና ከትምልስ ሰለ ዘለዋ ርእሳ ቅንዕ ኣበለት። ድያቆን ኣነ ንዓኻ ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን ደሓር ከኣ ከምቲ ኣቀዲመ ዝሓበርኩኻ እዩ ክመሃር ተመሂረ ከኣ ንስድራይ ክሕግዝ’ዩ መደበይ። ናይ ትምህርቲ ነገር ዘጸገም ኣይኮነን ዋላ ኣነ  ክማህር እዩ መደብ ዘለኒ። ትምህርቲ ተማሂርኪ ኣብ ዝለዓለ ደርጃ ንኽትበጽሒ ከተሓጋገዘኪ እየ ንስኺ ጥራይ ፍቃደኛ ኩኒ። ድያቆን ሓወይ ንዓኻ ዘበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን ንስኻ ኣብ ቤት መቅድስ እተገልግል ቁብእ ናይ እግዚአብሔር ሰብ ኢኻ  ምሳይ ክትቋረን ፍጹም ዘይሕሰብ እዩ ። ደሓር ከኣ ከምዚ ዝበልኩኻ ንድያቆን ዝበቅዕ ሰብ ኣይኮንኩን። ኣብ መንጎ ተሊፎን ጭር በለት ሳሚ ምዃኑ እዩ ቤዛ ክድንጉይ ሰለ ዝኾንኩ ኣይትጸበይኒ በለ። ዘረባኣ ምስ ሳሚ ምስ ወደእት። ዘይተጸበየቶ ሕቶ ናይ ድያቆን መልሲ ንምሃብ። ኣብ ሕይወተይ ሙሉእ ዝኾነ ነገር ቅድሚ ሙዉሳነይ  ምስ ሳሚ ከይተላዘብኩ .. ….ምስ ማሚተይ ዘብል መልሓስ ኢዩ ..ዉሲነ ሰለ ዘይፈልጥ ምስ ማማ ክዘራረብ ኣለኒ። እቲ ዘነበረ ኣርእቲ ንምልዋጥ እዩ እምበር ድያቆን ክምርዖ ፈጹም ኣይደልን እየ።

ራብዓይ ክፋል  ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.