ቤዛዊት 16 ክፋል

ቤዛዊት 16 ክፋል

ቤዛ ኣብ ገዛ ኮይና መዝሙር ክትላምድ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ እንታይ ዓይነት መዝሙር ንድራማ ከም ትመርጽ ስለ ዝጸገማ ኣብ መዝሙር ምምራጽ  ክሕግዛ ናብ ሳሚ   ደወለት እሞ ሳሚ ትቅብል ኣቢሉ ቤዛ ሥራሕ ጽዒቅኒ ስለ ዘሎ ናይ ምሽት ወይ ከኣ ጽባሕ ክድውል’የ ብምባል ይዓጽዋ።ቤዛ መልሲ ናይ ሳሚ ባህ ኣይበላን ።ሳሚ ዋላ’ኳ መዓልታዊ   ኣይድዉለላ  እቲ ዘልመዳ ማዕዳን ጸወታን ፡ ብቃል ኣምልኽ ምዝርራብን ክቅንሶ ከም ዝጀመረ ዝተዓዘብ ቤዛ ንመጻኢ እንታይ ዓይነት ርክብ ክህልዎም ከም ዝኽእል  ክትስእል ኣይከኣለትን። ኣብቲ ወረቀት ሒዛቶ ዘነበረት ከምዚ ኢላ ክትጽሕፍ ተበገሰት።

ኣይትርሓቀኒ

እንታይ ኮን በዲለ ትርሕቀኒ

ጽቡቅ ኣልሚድካ ካባይ ትግለል

ስምካ ጸዊዓ መልሲ ኣይረኸብኩን

ኣካላተይ ተረቢሹ ቃላትካ ናፊቁ

ኣልቦ ምልኣት ታሕጓሰይ  ተጸንናቂቁ

ዓይነይ ጽቡቅን ሕማቅን ሰለዘየለሊ

ዓይነይ  ደፊነ ብዓይኻ’የ ዝምራሕ

ሃየ ደኣ ሰኸኽ በለኒ ጎቦታት ፈናቂልካ

ስማካ  የድሂ’ለኹ ክትመጸኒ በሪርካ

ሱሩዕ መዓልታዊ ሕይወተይ ክኹላዕ

ጭቡጥ ሕሊሚ  ዓቲረ ክረትዕ

ተስፋ ሰኒቀ  ክዉንነት ክጫጭሕ

ቀልጢፋካ  ምምጻእ ኣይትረስዕ

እምነትካ  ሓቌፈ ንጽባሕ ጠሚተ

ኵሉ ትሑዝ ወሲደዩ መደባት መጢነ

ተመኒየካ ንቁሰሊ ልበይ ክትደብስ

ብምብራቅ ብረቅ ጽሓየይ ክትበርቅ

ዒላ ማይ-ፍቅሪ ኣንቃዕሪረ  ክሙዑግ

ቤዛ..............

ጸሎት ሠርክ ክጅመር 20 ደቂቅ ከም ዝተረፎ መሓዝኣ  ሰማሃር ምስ ደወለትላ’ያ ፈሊጣ። ሰምሃርን ቤዛን ከምኡ ድማ   ዲ.መርሃዉን ዲ.በረኸትን ካብታ ኣብ እንዳ ሰምሃር ዝተራኸብሉ መዓልቲ ጀሚሮም ብሓባር ኣብ መንፈሳዊ ዕቤቶም ከተክሮ  ተረዳዲኦም’ዮም። ኣብ መንጎ  መዘምራን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ዝምድና ክመሓየሽ፡ ኣብ ማኅበር ዝርከብ ጸገማት ተዛትዮም ኣብ ምፍታሑ ክጽዕሩ እንተ ኾይኖም ቅድሚ ዝኾነ ነገር  መንፈሳዊ ሕይወቶም ክዕርዮ፡ ብጸሎት ነፍሶም ክንጽሁ  ኣብ ሓደ ሓሳብ ረዓሙ። ከም መርኣያ ስምምዖም ድማ ኣብ ጸሎት ሠርክ ቀጻሊ ክሳተፉ ጀመሩ። ድሕሪ ጸሎት ሠርክ ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ዝጋጥሞም ማሕንቆታትን ገድላትን እናዕልዓሉ ይዝትይሎም። ባዕሎም ክምልስዎ ዘይኽእሉ ኣርእስቲ እንተ ተላዒሉ ንኣቦይ ቀሺ ይውከስዎም። ንኣስታት 30 ደቃይቅ ትርጓሜ ጳዉሎስ ምስ መጋቤ ኣእላፍ ይመሃሩ።

ኣብ ቤተ ክርስቲያን ብሓብር ክጽልዮ  ካብ ዝተበገስሉ ሰዓት ጀሚሩ   ኣብ መንጎኦም ዝነበረ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ጸቢቡ። ዲ.መርሃዊ ኣብ ልዕሊ ቤዛዊት ዘነበሮ ኣጠማምታ ተቀይሩ። ንቤዛዊት ንኽትምርዓዎ ቀጻሊ ዝገብረላ ዘነበረ  ጽቕጢ ድሕሪ ሱባኤ ካብ ልቡ ከም ትኪ በኒኑ ተኣለየ። ንቤዛዊት ከኣ ስለቲ ኵሉ ትዕግስታን ተጻዋርነታን  ይቅሬታ ሓተታ። ከም ሓፍቱን ተራ ደቂ ማኃበር ክፍቅራን ብሓባር ምሳኣ ኮይኑ ኣብ መንፈሳዊ ዕዮ ክዓይይ ምዃኑ ኣረጋገጸላ።  ዲ.በረኸት ብወገኑ ኣብ ደቂ ኣንስቲዮ ዘነበሮ ጉጉይ  ጠመተ  ድሕሪ ሱባኤ ምእታዎም ከም ዝተቀየረ ሓበረ። ንቤዛ  ንዲ.መርሃዊ ክትመርዓዎ ዝደፈፍኣ ቀንዲ ምኽንያት  ኣብ መንፈሳዊ ሕይወታ ዲ.መርሃዊ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ፡ ቤዛ ትህቦ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ክቅጽል እንተ ኾይኑ ምስ ድያቆን ምስ ትምርዖ ስለ ዝኣመን’ዩ።  ንኣዋልድ ደቂ ማኅበር ካብ ደገ መጺኦም ስለ ዝዉስድዉን ብፍላይ ንቤዛ ጠማቲኣ ብዙኅ ስለ ዝኾነ ገሊኦም ብደገ  መጺዮም ከይጠልፍዋ ስለ ዝሰገአ ካብ ሓልዮት ዝተበገሰ  ምዃኑ ኣብርሃላ ።ማለትሲ ሓደ ሓደ መንእሰያት  ንቤተ ክርስቲያን ዝመላለሱ ጥዑያት ንሓዳራ ዝኾና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ይርከባ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ ካብዞም ናይ ደገ ተዃሉ ጥንቂቅ ደኣ በላ በለን። (ኵሎም ሰሓቁ) ሓቀ’የ እቲ ዝኸፈኣ ከኣ ብቁዱስ ቁርባን ዝጀምርኦ ሕይወት ኣብ ሓዳር ምስ ኣተዋ ስለ ዘቋርጽኦ ብጣዕሚ’የ ዝሓዝነለን ነዘን ቡሩኻት ኣሕዋትና።

ይገርም’ዩ መቸም እዚ ኵሉ ሓሊፉ ዲ.መርሃዊ ዝምርዓውሉ መዓልቲ ደሮ ኣቲና ከማን። እዛ ሱባኤ ቀዳዊትና ኮይና ። ሰማሃርሲ እንቋዓነይ ደኣ  መጻኺ ንካምፓላ። እግዚአብሔር ኣምላኽ ዝተመስገን ይኹን ናይ ዲ.መርሃዊ መርዓ ጽቡቅ ጌርና ክንሕልፈሉ ኢና። ቤዛ ከመይ ኣሎ ምድላዋት መዝሙር ናይ መርዓ ትላመዱ’ዶ ኣለኹም መዘምራን። እወ ጀሚርና ኣለና ሰምሃር ከኣ ብዓቢኡ ናይ መዝሙር ጥራዝ ስለ ዘለዋ ካብ ናታ እናወስኽና ናይ መርዓ መዝሙር ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ንመዘምራን ክንዕድሎም ኢና። ናይ መሓዙትን መርዓትን ክዳዉንቲ ከኣ ኣዚዝና ኣለና። እቶም ኣዕሩኽ ምስ ናትና ዝኸይድ ክዳን ክትእዝዙ ምእንታን ቀልጢፍኩም ሓቡርና መዓስ ከም ትእዝዙ ። ጽቡቅ ናይ ሳሚ ዓቀን’ዩ ተሪፉና ዘሎ ምስዚ ዘለና ሓጺር ግዜ ዋላ ብናይ ዲ.መርሃዊ ዓቀን ከነስፍየሉ ኢና። ቤዛ ሳሚ ክመጽእ ድዩ ንዓይ ደኣ ኣቅቢጽኒ እንድዩ ጻዕቂ ሥራሕ ኣለኒ እናበለ። ሰምሃር ሳሚ ደኣ ግድነት  ክመጽእ ኣለዎ እሞበር ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንዑኡ ይብጽሖ ኣብ ናይ ሓፍቱ መርዓ ከይወዓለ ክተርፍ !! ዘይከዉን ነገር’ዩ። ዲ.መርሃዊ ብወገኑ  ደጊመ ክድዉለሎ’የ ሳሚ ደኣ እቲ ቀንዲ ዓርከይ ክኸዉን ኣለዎ በለ።

ከምዚ ኢሎም ኣብቲ ኣጸደ ቤተ ክርስቲያን ዝርከብ ኣስካላ ኣስካላ እናየዕለሉ  ሓደ ገሻ ክሳለም መጸ እሞ እቲ ሒዞሞ ዝጸንሑ ኣርእስቲ ንግዜኡ ኣቆምዎ። እቲ ጋሻ ሠለስተ ግዜ ሰጊዱ ድሕሪ ምስላሙ ነቲ መዓጾ እናሰዓመ ጸሎቱ ኣዕረገ ፡ ጸሎቱ ምስ ወደኣ ሰላም በሎም። ሰላምታ ምስ ተላዋወጡ ካብ ጁባ ከም ዝመጸ ሓበሮም። ቤዛ  ንዲ.ሳሚ ዝፈልጦ እንተ ኮይኑ ሓተተቶ። ንሳሚ ኣጸቢቁ ከም ዝፈልጦ ድሕሪ ምንጋሩ ሳሚ ኣብ ጁባ ዓርቢ ዓርቢ ጉባኤ ምስ ሮቤል ዝበሃል ወዲ ከም ዝኣዉጁ እቲ ጉባኤ ከኣ ሰለይ እናበለ ይዓቢ ኣሎ በሎም። ክገርመኩም ሳሚ ኢዩ  ካምፓላ ምስ ኣተኹ ኣቀዲመ ንቤተ ክርስቲያን ክሰላም  ዝተላበወኒ፡ ከም ለበዋይ መሠረት  ገዛይ  ከይኣተኹ ንቤተ ክርስቲይን ደበኽ በልኩ። ዲ.መርሃዊ፡ ሳሚ ሓወይ ናፊቅናዮ ብሓቂ መቀረት  ክቡር ሰብ ምሳኻ ኣይተስተማቅሮን ኢኻ  ካባኻ ምስ ተፈለየ ኢኻ መቀረቱ ተለልዮ  ። ቤዛ ፡ብወገና ከመይ ኣሎ እሞ ጥዕንኡ ደሓን ደዩ ነዛ ደዊሊልናሉ ሰላም ንኽብለልና እኳ’ዩ ግዜ ዘይብሉ እዚ ጁባ ዝበሃል ቦታ እንታይ ዓይነይ ዓዲ’ዩ በጃኻ ። ንምዃኑ ሳሚ እንታይ’ዩ ዝሠርሕ ዘሎ ። ሳሚ እዚ ቅዱስ ሰብ ኢንታ ዝዉጻሉ የለን፡ ዋላ ኢንታ ከተዉጻሉ እንተ ደለኻ ከኣ ኣይትረኽበሉን ፡ ንዝኾነ ሰብ ቅድሚ ነብሱ’ዩ ዝሰርዕ ክገርመኩም  ኵሉ ሰብ’ዩ  ፈታዊኡ ። ብተሌፎን ኣይኮነን ብኣካል ከማን ክትረኽቦ  ብጣዕሚ ግዜ ዝበሃል  የብሉን።

ኣብ መንጎ ዕላልኩም ደኣ ኮይኑ እምበር ኣብዚ ሓጺር ግዜ ዝፈጸሞ ታሪኽ ኵላ ጁባ ስለ ቅድስቲ ተዋሕዶ እምነት ከም ትዛረብ  ጌርዎ ኣሎ ። ዲ.በረኸት እንታይ ታሪኽ ኮነ ደኣ ጌሩ ምስ በለ። ሰምሃርን ቤዛ ተሓቃቂፈን ናብቲ ወዲ ሸነኽ ገጸን ቀረባ  ታሪኽ ሳሚ  ክሰምዓ ከኣ  እዝነን ጸለዋ። ዲ.መርሃዊ ካብ ጠጠው ኢላክ ተዕልለና  ኮፍ  ኢልካ እንተ ተዕልለና ይሓይሽ ብምባል ሰዲያ ሃቦ ። ደሓን ካልእ መዓልቲ ዘይዕልለኩም ኣብ መንጎ  ሥራሕኵም ከየቋርጸኩም በሎም። ቤዛ ዋላ ሓደ ሥራሕ የብልናን ጸሎት ሠርክ ጸኒሑ ፡ድሕሪ ሠርክ  ብዘዓባ እቲ ኣቦና ዝመሃሩና ትምህርቲ ኢና ክንዘራረብ ጸኒሕና ፡ ድኻምካ ኣይትጸብጸብ እምበር ዋላ ሓሙሽተ ደቂቅ ዘይትዕልለና በለት ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን ምህላዉኩም ዕደለኛታት ኢኹም  ብሓቂ ። ኣብ ጁባ ኩላ ሰብ ብስስዓ ገንዘብ ሰኺራ ኣብ ንሓድሕዳ ትባላላዕ’ያ ዘላ ። ምትእምማን ዝብሃል ጠፊኡ ፡ ናይ ገዛእ ርእስኻ ረብሓ ጥራይ ኢኻ ትሓስብ። እቶም ዓበይቲ ነገዶ ነቶም ነኣሽቱ ነጋዶ  ከጥፍኡ ዋጋታት የሕስርዎ እሞ እቶም  ሓደሽቲ ሕጂ ዝብገሱ ዘለዎ  ኣብ ክሳራ ምስ ወደቁ ኣብ ትሕቲ ትካል ዓበይቲ ርእሰማል ዘለዎም ሰባት  ተቆጺሮም ንኽሠርሑ ይግደዱ።

ይቅሬታ ናብ ካልእ ኣርእስቲ  ወሲደኩም። ናብቲ ናይ ሳሚ ክንምለስ። ኣብ ጁባ ሓንቲ ኣድያም ሽማ ጴንጠ ኔይራ ። ኣቡኣ በላይ ወናኒ ዓቢ ሆቴል፡ ከምኡውን መከፋፈሊ ናይ ኣልኮላዊ መስተ ይዉንን። ንሳ እቲ ቀንዲ ኣካያዲት ገባሪትን ሓዳጊትን  ናይቲ ሥራሕ’ያ ። ኣዝያ መልክዓኛ ፡ ሰሓቂት ፡ነዋሕ ፡ ጣባያ ከኣ ምቅልልቲ ኮታስ  ሕዉስቲ ምስ ሰብ’ያ ። ናብ ትካሎም ዝመጹ ዓማዊል ብፍላይ መንእሰያት ዳርጋ ንኹሎም ናብ ጴንጠ ለዊጣቶም’ያ። ናይ ገሊኦም እካ ሕሉፍ’ዩ ፍሽኽ ፍሽኽ  ኢላ ምስ ትዛረበቶም  ዝፈተወቶም መሲልዎም ምሳኣ ድሌቶም ክፍጹም ይቀርብዎ እሞ ንሳ ከኣ ቀላል ሰብ ድያ መሲልኩም እናሰሓቀት ሥርሓ’ያ ትፍጸም። ነቶም መንእሰያት ወኖም ዝስሕብ ክዳን እናለበሰት ደድሕሪኣ ከም ዝኾዱ ትገብሮም እሞ ድሕሪ ቅሩብ ግዜ እምነቶም ኪሒዶም ከም ዝጵንጥጡ ትገብሮም  ቃላት እንድዩ ጠፊኡኒ እንታይ ኢኹም እሞ ትብልዎም ። ዲ.መርሃዊ መናፍቃን ማለት’ካ ድዩ ፣ ሽማካ ትረኸብ ኣብ ደንቢ መናፍቃን ትሸኽሎም።

ዲ.ሳሚ ምስ ኣቦይ በላይ ኣብ ሓደ ቤተ መግቢ ይራኸቡ እሞ  ካብ ትካሎም ንብረት ወሲዱ ከከፋፍል ይሓቶም ።ኣቦይ በላይ ሳሚ ጹቡቅ ሽም ከም ዘለዎ ስለ ዝፈለጡ ንብረቶም ክሸጠሎም ዓይኖም ከይሓሰዩ ተሰማምዕዎ።  ናብ ኣድያም ጓልም ደዊሎም ሳሚ ዝበሃል ሰብ  ክመጻ ምዃኑ ነገርዋ። ኣቦይ በላይ ሳሚ ድያቆን ምዃኑ ስለ ዝፈለጡ  ሳሚ ወደይ ነዛ ጓለይ ናብ ልባ እንተ መሊስካለይ ዝገብረልካ ኣለኒ ሓደራ ዝገበርካ ጌርካ ናብዚ ዘይናይ ኣቦታት እምነት ኣዉጻያ በልዎ። ሳሚ ፡ ኣቦይ በላይ  ከም ፍቃድ ኣምላኽ ዓቅመይ ዝፈቅዶ ክጽዕር’የ ንሱኹም ከኣ ጸሎት ካብ ምግባር ኣይተቋርጹ በሎም።

ናብ ኣድያም ከይዱ ከኣ ሳለም በላ። ሰላም ከመይ ኣለኻ ሳሚ ዲኻ ትበሃል ሓቀይ ኣቦይ ሓቢሩኒ ኔይሩ ከም ትመጸኒ በለቶ ። ሓቕኺ ሳሚ’የ ዝበሃል ፣ ሥራሕ ደሓን’ዩ እግዚአብሔር ኣምላኽ ይመስገን ከም ፍቃድ ኣምላኽ ሓርኮትኮት ንብል ኣለና  ምስ በላ ኣድያም ብምላሱ ተገረመት። ክገርመካ ኣብዚ ትካልና ካብ ዝመጹ  ሰባት ንኣምላኽ ዘመስገን ሰሚዓ ኣይፈልጠ’የ ንስኻ ናይ መጀመርታ ሰብ ኢኻ ትብሎ። ኣማኒ ኢኻ እንተዘይ ተጋግየ ምሽ በለቶ ። እወ እግዚአብሔር ኣምላኽ የመስግን ንክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ጐይታ ኵሉ ፍጥረት መዃኑ ይኣምኖ’የ በላ። መዓስ ደኣ ጐይታ ተቀቢልካ ሓተተት ኣድያም ። ወዲ 40 መዓልት ከለኹ ካብ ማይ ዮርዳኖስ ካብ ኣብራኽ መንፈስ ቅዱስ ተወሊደ ፡ ኣብ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ከኣ ብኣፍ ኣባልጋይ  ንሰይጣን ኪሒደ፡ ንክርስቶስ ኣምላኽይ  ምዃኑ ምሒለ። ይቅሬታ ግና እዛ ሓፍተይ  ካልእ መዓልቲ ነዕልል ሕጂ ተሃዊኸ ኣለኹ እተን ንብረት’ዶ ክትህብኒ በላ።  እዛ ኣርእስቲ ንወድኣያ እባ በለት እናኣኽመስመሰት  ፡  እቲ ዝኣመነን ዝተጠምቀን’ዩ ክድሕን’ዩ  ዝበል መጽሓፍ ቅዱስ ትብሎ ስለዚ ቆልዓ ከለኻ ልቢ ከይዕበኻ ከመይ ጌርካ ትጥመቀ በለቶ ። ይቅሬታ ኣድያም እተን ንብረት ሃቢ እሞ እዚ ድዉ ኢልና ንዘራረበሉ ኣርእስቲ ኣይኮነን በላ ደጊሙ ። ደሓር ከኣ ዓማዊለይ  ይጽበዩ ኣለዉ  ምስ በላ ቁጽሪ  ተሌፎኑ ወሲዳ ኣፋነውቶ።

ሳሚ ምስ ኣድያም ተራኺቦም ንኣስታት 4 ሰዓት  ተዘራረቡ ። ዝቅረበቶም ሕቶታት  ትሕትና ብዝሰፈኖ መንፈስ  እቲ ዝግባእ መልሲ ብምሃብ ኵሉ ሕቶታት መለሰላ። ይብለኩም  ጓለያት ንሳሚ በቲ ዘለዎ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዘይኮነስ በቲ ዘርእያ ዘነበረ መንፈሳዊ ሓልዮትን ፍቅርን  ተመሰጠት። ንመጀመርታ ግዜ ምስ  ደቂ ቤተ ክርስቲያና ኢና ዝብሉ  ተዘራሪበ እቲ እንኮ  ብጸርፊ  ወይ ከኣ ዓዉ ዓው ብምባል ክድህለኒ  ዘይፈተነ ወዲ ኦርቶዶክስ ንዓኻ ረኺበ በለቶ። ደሓን ክሓስበሉ’ዩ ኵሉ ነገር ብምባል ድሕሪ  ክልተ ሰሙና ኣብ ጌጋ መንገዲ ከም ዘላ  ንሳሚ ሓበረቶ ። ሳሚ ካብ ካርቱም መጽሐፍቲ ጠሊቡ ስለ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ  ብዙሕ ፍልጠት ከም ትድልብ ገበራ ።  ምስ ኣቦይ ቀሺ ፡ ኣብዚ ኣብ ካምፓላ ዘለዎ ኣቦ  ብተሌፍን ኣራኻባ ። ኣቦይ ቕሺ ብቴሌፍን ዝድልያ ትምህርቲ ድኅነት  ድሕሪ ምሃብ ናብ ንስሓ ከም ትበቅዕ ገበርዋ ። ምስ ሳሚ ከኣ ከመይ ዝበለ ሕዉነት መሲርቶም መስለኩም። ብምልእታ ጁባ ኣሰኪሓ ዝነበረት ጓል ናብ ሓቀኛ እምነታ መለሳ።

ኣቦይ በላይ ኣድያም ጓሎም ናብ ልባ ስለ ዝተመልሰት ታሕጓሶም መግለጺ ይብሉን ። ንሳሚ ኣብ ትካሎም ክሠርሕ  ቀንዲ ኣካያዲ ሥራሕ ክኸዉን ለመንዎ። ሳሚ ግና ኣቅበጾም ፡ ብወልቁ ክሠርሕ ከም ዝደሊ ደጋጊሙ ነገሮም ። ወረ ንጓልም ክምርዓዋ ኣብ ብርኩ ተደፊኦም  ለሚኖሞ’ዩ ዝበሃል። ንሱ ግና ምስ ኣድያም ብሕዉነት እምበር ካብኡ ሓሊፉ ዝኾነ ርክብ ክህልዎም ከም ዘይደሊ’ዩ ዝዛረብ። ኣቦይ በላይ ክሳብ ሎሚ ንጓሎም ንኽምርዓዋ ካብ ምልማን ኣየዕረፉን ዘለዎ ። ናይ ሳሚ መርገጺ ግና ዝቅየር ኣይመስልን። ክገርመኪ ኣድያም ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ንሳሚ ተፍቅሮን ትፈትዎን። ሳሚ ክምሳሕ ክድረር ኣብቲ ሆቴልም’ዩ ዝኸየድ ምስ ኣድያም ከኣ ብሓባር’ዮም ዝበልዑ ፡ ሳሚ ከም ገለ ኢሉ  እንተዘይ መጺዩ ግና  ክትበልዕ ኣይትደልን ወይ ከኣ ብቴሌፎን ደዊላ ባርኽለይ ትብሎ ።  ኣብ ቀረባ ግዜ  ንኣድያም  ሒዝዋ ናብ ካምፓላ  ከመጽእ’ዩ ምዃኑ ሓቢርኒ ኣሎ ። ማለትሲ ምስ ኣቦይ ቀሺ ንኣድያም  ከራኽባ ነዚ አሐዱ ኢላ ጀሚራቶ  ዘላ መንፈሳዊ ጉዕዞ ማሕተሚ ቅዱስ ቁርባን ብውሳድ ክትገብረሉ ተራዳዲኦም ኣለዎ። እሞ እዞም የሕዋተይ ናይ ሳሚ ነገር  ካብ ብዙኅ ብዉሑዱ ነዚ ይመስል።

ቤዛዊት ሽማ ተፈልጥዋ’ዶ ትኾኑ ። እዚኣ ናይ መጽሐፍ ጸሎት ሳሚ  ሰዲድላ ኣሎ እሞ ሰንበት መጽየ ክህባ ወይ ከኣ ትፈልጥዋ እንተ ኾንኩም ክትህቡለይ ። ሰምሃር ትቅብል ኣቢላ ቤዛ እዚኣ ‘ያ በለቶ ። ጽቡቅ ኣጋጣሚ እምበር ካብ ድዃም ኣገላጊልክኒ። ቤዛ ትቅብል ኣቢላ  ደሓን ሰንበት ትህበኒ በለት፡ ምእታን ሰንበት  ቤተ ክርስቲያን ከምጽእ ስለ ዝደልየት’ያ። ተራኺብና  ከለናስ ጹብቅ ኣጋጣሚ’ዩ ሃየ  እንኪ  ጥራይ ተቀበልኒ በላ ኢዱ ናብኣ ገጹ እናሰደደ ። ሰንበት ትመጽእ እንተ ኮንካ ሕራይ እንተዘይ ኮይኑ ግና  ሰንበት ተምጻለይ በለቶ ። ሰንበት ደኣ ግድነት እምበር ናብ ኣዴኻ ዝበጽሕ መልእኽት’ዉን ኣለኒ ሰንበት ገዛኹም ምምጽኣይ ኣይተርፍን’ዩ በላ ። ጹቡቅ ኣጋጣሚ’ዩ ጸበል ናይ ሥላሴ ስለ ዘለና ምሳና ከማን ትዉዕል  ብምባል ነታ መጽሐፍ ተቀበለቶ።

ቤዛ ናይ መዉዳእታ ክፋል ኣብ ዝመጽእ ግዜ

ሰብሐት ለእግዚአብሔር።

ወለወላዲቱ ድንግል።

ወለመስቀሉ ክቡር።

ቤዛ ናቱ

Comments are closed.