ቤዛዊት 15 ክፋል

ቤዛ ኤንተርነት ክትጥቀም ናብ ናኩላቢ ዝርከብ እንዳ ኢንተርነት ከደት። ፈይስቡክ ምስ ከፈተት 8 መልእኽትታት ጸንሐ። ነቲ መልእኽቲ ሓደ ብሓደ ከተንብብ ምስ ጸንሐት ናይ ሳሚ ስፍሕ ዘበለ መልእኽቲ ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ተረዲኣ ኣብ መወዳእታ ከተንብቦ ናብቲ ካልእ መልእኽትታት ሰገረት። ነቶም መልእኽታት ዝሰደዱላ ሰባት መልሲ ድሕሪ ምሃባ ኣብ መዋዳእታ ናብ ናይ ሳሚ መልእኽቲ ተመልሰት።

“ሰላም ቤዛ ሓፍተይ። ብዛዓባ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ዝገጥም ኣከዳድና ወይ ጸጉርኻ ምሽፋን ትማሊ ክንዘዛረብ ከለና ተነናኺፍናዮ ኔርና። ብፍላይ መዘምራን ዝኽደንኦ/ዎ ክዳዉንቲ ኣብ ማኃበርና ካብ ቀደም ኣትሒዙ ኣካታዒ ጉዳይ ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ዲገመ ክሕብረኪ እፈቱ። ትዝክሪ እንተ ኾንኪ ቅድሚ ሸሞንተ ወርሒ ኣቢሉ ይኸዉን እዚ ኣርእስቲ ተላዒሉ ኔይሩ። ብሰንክ’ቲ ሕጸረት ኣፍልጦን ንኣካዳድና ዝመልከት ማኃበርና እንታይ ይመልከቶ ብምባል ገለ ኣሕዋት ተዓንቂፈን ኔይረን። ኣብቲ እዋን ኣብ ክፍሊ መዝሙር ዝፈጠሮ ጸገምን ሽግራትን በቀሊሉ ከም ዘይተፈትሐ ትስሕትዮ ኣይመስለን። ኣርባዕተ መዘምራን መዝሙር ምዝማር ድዉ ክብልኦ ከም ዝሓሰባ ኣይትርስዕዮን ትኾኒ። ብሰንኪ ህድእ ኢላካ ነቲ ዘጋጠመ ኵነታት ዘይምዝርራብ ዕንቅፋት ኣጋጢሙና። ንኣከዳድናና ዝምልከት ብሰፊሑ ኣድቂቅና ዘቲናሉ፡ ንዑ ዝገልጽ ትምህርቲዉን ተዋሂቡ።

እዚ ዓይነት ኣርእስትን ጸገምን ደጋጊሙ ዝለዓል መዘምራን ኣብ እንዳ መርዓ ወይ ካልእ ካብ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ ዝግበረ ጽንብልንን በዓላት ኣብ ዝሳተፍሉ ግዜ’ዩ። ብፍላይ መርዓ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፡ መዝምራን ካብ ቀጻሊ ዝኽደንኦ ፍልይ ዝበለ ክዳዉንቲ ተኸዲነን ኣብቲ መርዓ ዝካየድ ጓይላን ሳዕሲዒትን ስለ ዝረኣያ ፡ብሓቂ መዝመራን ከምዚ ዓይነት ገጸ ባህርያት ከንጸባርቃ ጉቡእ ድዩ ዘብል ሕቶታት ይለዓል። ሓደ ሓደ ኣባላት ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ጥቅስታት ብምዉጻእ ”ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ሥሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።”1ጴጥ3፡3-4፣ እናበሉ ስለምንታይ’ዩ መዘመራን ተባሂለን ዘይንቡር ኣከዳድና ዝኽደና እናበሉ ሕቶታት የልዕሉ። እተን ደቂ ማኅበር ብወገነን ስለምንታይ ይፈርዱና ከምዚ እናበሉ ካብ ዘናሽዉና መዝሙር ምግዳፍ ይሓይሽ እናበላ ካብ ክፍሊ መዝሙር ከዝልቃ የረኣያ።

ይዝከረኒ እዚ ኵነታት ምስ ኣጋጠመ ኣቦይ ቐሺ ዝተሳተፍዎ ንክልተ መዓልቲ ኣኼባታት ኣካይድና ኔይርና። ንመጻኢ ከምኡ ዓይነት ዕንቅፋት ከየጋጥም ተባሂሉ መምርሒ ሕጊ ኣባላት መዘምራን ትምህርቲ ሰንበት ምትዕርራይ ተጌይሩሉ ኔሩ። ዝኾነ ሓድሽ ኣባል ኣብ ክፍሊ መዝሙር ምጽንባሩ ዝግባእ ትምህርቲ ተዋሂብዎ ኣብ ኣገልግሎት ክሳተፍ ተወሲኒ ኔይሩ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊሰ እቲ ዝተኻየድ ኣኼባታት ክትንትን ኣይኮንኩን፡ ነገር ግን ንስኺ ብዝሓተትክኒ መሠረት ዓቅመይ ዝፈቅዶ ንሕቶኺ ዝኸዉን መልሲ ከካፍለኪ ክፍትን’የ።

 እቲ እንታይ ዓይነት ክዳዉንቲ ክወድይ ኣለኒ ትብል ሕቶኺ እዚ ዓይነት ክዳን ኣይትከደኒ ወይ ኣይፋልክን እዚባ ተኸደኒ ክብለኪ ኣይፈቱን። የግዳስ ኣዴታትና ቅዱሳን ካብ ቀደም ኣቲሒዘን ጸጉረን፡ ከምኡ ድማ ምሉእ ኣካላተን ዝሽፍን ዝኸደን ኣከዳድና የዘዉትራ ከም ዝነበራ ከዘኻኽረኪ እፈቱ። ኣስዒበ ኣብ ግዜ ዘመነ ኦሪትን ዘመነ ሓዲስን ዝዝውተሩ ልምድታት ክድህስስ ክፍትን’የ። ስለምንታይ ምንጪ ኵሉ ሥርዓት ባህልና ካብ መጽሐፍ ቅዱስ ስለ ዝኾነ።

ን2000 ዓመታት ዝኣክል ኣዴታትና ቅዱሳን ከሙኡዉን ኣሕዋትና ኣዋልድ ኣብ ግዜ ጸሎት፡ ግዜ ቅዳሴ ንሙሉእ ኣካላተን ዝሽፍን ክዳዉንቲ ከዘዉትራ ጸኒሐንን ይለብሳን ኣለዋ። ብፍላይ ኣብ ሃገርና ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከይተሓጽራ ዋላ ኣብ መዓልታዊ መነባብርኦን ዘዘዉትሩኦ ክዳዉንቲ ኵሉ ኣካላተን ዝሽፈን ክትርኢ ልሙድ’ዩ። እዚ ቅዱስ ሥርዓት ኣከዳድና ካብ ጥንቲ ከም ዘጸንሐ ካብ ወልዶ ናብ ወለዶ ተማሓላሊፉ ኣባና ከም ዘበጽሐ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ደቂ ኣንስትዮ ቤተ-ክርስትያን ክሳለማ ከለዋ እዚ ዓይነት ክዳን ግበራ ኢሉ ዘገድደን ኣካል ክሳብ ሕጂ ሰሚዐ ኣይፈልጥን። እዚ ቅዱስ ልምዲ ካብ ቅዱሳን ኣዴታተን ከም ዝወረስኦ ብነጻ ድሌትን ይስዕብኦ ኣለዋ።

ቅድሚ ልደት ክርስቶስ ህዝቢ ኣምላክ ዝተሰመዩ ደቂቀ እስራኤል ሙሉእ ኣካላተን ዝሽፍኑ ክዳን ከዘዉትራ ንዕዘብ። ብፍላይ እተን ንመንገዲ ንእግዚአብሔር ሒዘን ዝጓዓዛ ፡ብፍኖተ ቅድስና ዝተመላለሳ ደቂ ኣንስትዪ ካብ ጽፍረን ክሳብ ጸጉሪ ርእሰን ዝሽፍን ክዳዉንቲ የዘዉትራ ከም ዘነበራ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ይመስክሩ። ኣብ ገዝአን ኮነ ካብ ገዝአን ወጻኢ መብዛሕትኡ እዋናት ጸጉረን ብጨርቂ ሸፊነን መዓልታዊ ንጥፈታተን የካይዳ ኔይረን።

ነቢይ ሙሴ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ነተን ሓሙሽተ ኦሪታት ክጽሕፍ ከሎ ርእስኻ ምኽዳን ወይ ንኵሉ ኣካላትካ ዝሽፍን ክዳዉቲ ምዝዉታር ከም ባህሊ ተታሒዙ ስለ ዝነበረ ብዛዕባ ኣከዳድና ዝምልከት ስፍሕ ዝበል መልእኽቲ ኣይጸሓፈን። ኣብ ኦሪት ዘኁልቅ እንተ ተመልኪትና ደቂ ኣንስትዩ ኣብ ፉሉይ በዓል ዝግበር ሥነ- ሥርዓት መጎልበቢ ርእሰን ክቅንጥጥኦ ይእዝዝ። ”እቲ ካህን ነታ ሰበይቲ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ኣቢሉ ድማ ርእሲ እታ ሰበይቲ ይቕላዕ፡ ነቲ መሥዋእቲ ብልዒ ምዝካር፡ ንሱ ኸኣ ናይ ቅንኣት መሥዋእቲ ብልዒ፡ ኣብ ኢዳ የንብሮ። እቲ ካህን ከኣ ነቲ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣብ ኢዱ ይሐዝ።” ዘኃ.5፡18። እዚ ጥቅሲ ዘብርሆ ነገር እንተ ሃልዩ ደቂኣንስትዮ ብዘይካ ኣብ ግዜ ቤተ መቅደስ ዝፍጸም ኣገልግሎት ኣብ ካልእ እዋን ጸጉረን ሽፉናት ከም ዘነበራ’ዩ። ነቢይ ሙሴ ኣቀድም ኣቢሉ ኣብ ኦሪት ዘፍጥረት ብዛዕባ ርእስኻ ምሽፋን ተንኪፍዎ ኔይሩ’ዩ። ርብቃ ኣብ ጥቃ ይስሓቅ ምስ ቀረበት ከምዚ ኢላ ”ነቲ ግዙእ ድማ፡ እቲ ኣብ መሮር ኪቕበለና ዚመጽእ ዘሎ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ በለቶ። እቲ ግዙእ ከኣ፡ ንሱ ጐይታይ እዩ፡ በለ። ሽዑ መጐልበቢኣ ወሲዳ ተጐልበበት።“ ዘፍ.24:65። ርብቃ ከምዚ ናይ ዘመና ኣዋላድ ኣካላታ ብምቅላዕ ንይስሓቅ ክትማርኾ ኣይፈተነትን በኣንጻሩ‘ኳ ደኣ ክብረታ ምሽፋን ምዃኑ ተረዲኣ ቀልጢፋ ዝተጎልበበቶ።

ኣብ ዘመና ክንደይ ኣዋልድ ብመልክዐን ንደቂ ተባዕትዩ ክስሕብኦም ዘይፍትና።”ኣንስቲ’ውን ከምኡ ብሥሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርኃት እግዚአብሔር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሠናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ” 1ጢሞ2፡9-10። ክንደየን ካብ ደቂኣንስትዮ ጽባቀ መልክዐን፡ ናይ ልበን ዕረፍቲ እግዚአብሔር ኣምላኽ ምዃኑ ጽቡቅ ጌይረን ዝፈልጣ። ቤዛ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለዩ ንግዳዊ ምዉዕዋዕ ዝግበር ስእልታት እንተ ተዓዚብኪ ሰባት ንደጋዊ ጸባቅ ደቂኣንስትዮ ክድኑቁን ብእኡ ተማሪኾም ኣብ ዝሙት ዝወድቁ ማእለያ የብሎምን። ናይ ሶስና ታሪኽ እንተ ዘኪርክዮ ሶስና ብሓሶት ተኸሲሳ ኣብ መጋባእያ ህዝቢ ቀሪባ ኔይራ። እግዚአብሔር ኣምላክ ጸሎት ቅዱሳን ስለ ዝሰምዕ፡ ንነቢዩ ዳንኤል ሊኢኹ ካብቲ ዝተጻወድላ ተንኮል ኣናጊፍዋ’ዩ ። እቶም ዲያብሎስ ዝሓደሮም ከሰስታ ነቲ ወትሩ ትለብሶ ክዳን ከተዉጽኦ፡ ጸጉራ ክትቀልዖ ኣካላታ ብምዕዛብ ሥጋዊ ታህኖም ክርዉዩ ኣዚዞማ ኔይሮም።” ሶስና ኣዝያ ጸጋ ዝመልኣን ጹቡቅ ዝመልክዓን ነበረት። ተጐልቢባ ስለ ዘነበረት ከኣ፡ እቶም ከልተ እኵያት ሰባት ጕልባባ ኽትቀልዕ ኣዘዝዋ። እዚ ድማ ጽባቔኣ ርእዮም ምእንቲ ክጸግቡ ነበረ። ስድራኣን ኣዝማዳን ኵሉም እቶም ዝረኣይዋን ግና በኸዩ። ”ሶስ.1፡31-33። ስለዚ ቅዱሳን ኣንስቲ ኵሉ ሥርሐን ንእግዚአብሔር ባህ ምባል ምዃኑ መሚየን ይፈልጣ ኔይረን። ዋላ’ኳ ክዳን ከመርጻ ከለዋ እንታይ ዓይነት ክዳዉንቲ ክኽደና ከም ዘለወን ኣጻርየን ይፈልጣ ኔይረን።

ኣብ ሓዲስ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ብዘይፍለ መንገዲ እቲ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ልደት ክርስቶስ ዝነበራ ኣገባብ ኣሰር ብምስዓብ እቲ ቅዱስ ሥርዓት ከም ባህሊ ተታሒዙ ክቅጽል ንርእዮ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳዉሎስ እቲ ካብ ጥንቲ ዝጸንሐ ቅዱስ ልምዲ ክቅጽል ከም ዘለዎ ንደቂ ቆሮንቶስ ሓቢርዎም እዩ ”ሕጂ ድማ ብዂሉ ስለ ዝዘከርኩምንን ከምቲ ዝመሃርኩኹም ጌርኩም፡ ነቲ ምህሮ ስለ ዝሐዝኩምዎን እንእደኩም ኣሎኹ። ”1ቆሮ11፡2። ምሉእ ኣካላትካ ዝሽፍን ክዳን ምኽዳን ከሙእ’ውን ጸጉርኻ ምኽዳን ሓደ ካብ ብትዉፊት ዝተቐበልናዮ ቅዱስ ልምዲ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ጸግሩኻ፣ ምጉሉባብ ወይ ምኽዳን ንደቂ ኣንስትዮ ክብረትን’ዩ። ኣብ ግዜ ጸሎት ደቂ ኣንስትዮ ጸጉረን ክኽዳና ደቂ ተባዕትዮ ድማ ቆቢዖም ኣዉጽዮም ክጽልዩ ቅዱስ ጳዉሎስ ተማሕጺኑ’ዩ ፣1ቆሮ.11፡4-5። ንዝያዳ ተወከሲ። ብፍላይ ኣብ 1ቆሮ.11፡10። “ ስለዚ ኸኣ ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ ኺህልዋ ይግባእ እዩ።” ኣብ ግዜ ጸሎት መልኣኽቲ ምሳና ስለ ዝቆሙ ሰበይቲ ርእሳ ክትሸፈን ግቡእ ምዃኑ ኣብሪሁ ገሊጽዎ ኣሎ። ስለዚ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከም ዝሕበርዎ መሠረት ኣብ ግዜ ጸሎት መላኣኽቲ ምሳና ስለ ዝሓብሩ ጸጉራ ምኽዳን፡ ከምኡ ደማ ትለብሶ ክዳን እንታይ ሙዃኑ ምስትዉዓል ኣለና።

ቤዛ ሓፍተይ ንኣከዳድና ዝምልክት ንኣቦና ሕተትዮም ንሶም ዝያዳ ከብርሁልኪ እዮም። ሕጂ ዝድቅሰሉ ሰዓት ስለ ዝኣኸለ ቅዱሳን ኣቦታት ካብ ዝተዛረብዎ ብምጥቃስ ክሳናበተኪ።

“ ኣብ ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን መልኣኽቲ መሊኦም ኣለዉ ስለዚ ናይ እምነት ኣዒንትኻ ኣንቁሕ፡ ከባቢኻ ተመልከት። ትጽልየሉ ቀጽሪ ብኣየር ከም ዝመልኣ፡ ቤተ ክርስትያን ድማ ብእልፊ ኣእላፋት መልኣኽቲ ተኸቢባ ከም ዘላ ዘክር። ቅዱሳን ሓዋርያ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ ንምስማዕ ኣዒንቲ ልቦናኻ ክፈት፡ ዘረብኦም ጽን ኢልካ ስመዓዮ፡ ንሶም ንኣንስቲ ተሸፈና ዝብሉ ኣብ ግዜ ጸሎት መልኣኽቲ ስለ ዘለዎ’ዩ።” ቅዱስ ዮሐንስ ኣፈወርቅ (406 ዓ.ም)።

“ኣንስቲ ርእሰን እንተዘይ ተሸፊነን፡ መልኣኽቲ ብዘይ ምእዛዘን ወትሩ ይግረሙ” ቅዱስ ቅሳርያ።

ጽሑፈይ ኣብዚ ወዲአ ኣለኹ እዛ ጽሑፍ ምስ ኣንበብክያ ብስልኪ ኣድህይኒ እሞ ክድዉለልኪ እየ። ሓደራ ግን ንኣቦና ተወከሰዮም ኢኺ ።

ስብሐት ለእግዚአብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

16 ክፋል ኣብ ዘመጽእ ሰሙን

ቤዛ-ናቱ

 

Comments are closed.