ቤዛዊት 14 ክፋል

ቤዛ ኣብ ገዝኣ ኮይና በይና መንፈሳዊ ድራማ ክትለማመድ ድሕሪ ምጽናሕ ክትዕርፍ ኣብ ዱካ ተኾርምያ ኮፍ በለት። ማዕረ ክንደይ ነቲ ዝተዋህባ ገጸ ባህራያት ከም ዝሸምደደቶ ንምርግጋጽ ነታ ናይ ድራማ ጥራዝ ገናጺላ ከትንብቦ ጀመረት። ነታ ድራማ ባዕላ ስለ ዝጸሓፈታ ነቶም ባዕላ ዝወቐሮቶም ቃላት ቀልጢፋ ኣብ ሓንጎላ ከተስፍሮም ግዜ ኣይወሰደላን። ኣብ ድሕሪት ናይቲ ጥራዛ ናይ ሳሚ ጽሕፈት ምስ ረኣየት፡ ኣብ ክፍሊ ድራማ ንኽትጽንበር ዝደፋፍኣ ሳሚ ቅጅል በላ። ሳሚ ካብ ዘይድውለላ ሠለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበረ፡ ደሃይ ምጥፍኡ ንዉሽጣ ፍርኃትን ስክፍታን ፈጠራላ። ባዕላ ከይትድዉል ብዝተፈላለዩ ቁጽሪ ጌይሩ ስለ ዝድዉለላ ናብ ኣየነንቲ ቁጽሪ ከም ትድዉል ኣይትፈልጥን። ነታ ተሌፎን ናብ ዓራታ ደርብያ፡ ነቲ ኣብቲ ቅድሚኣ ዝጸንሐ ኣጀንዳ ስሒባ ብርዓ ኣዋዲዳ ክትጽሕፍ ጀመረት።
“ሳሚ ሓወይ ኣብዚ ዓዲ ካብ ዝመጽእ ከባቢ 10 ወርሒ ጌረይ ኣለኹ። ኣብዘን 10 ኣዋርሕ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣብ ሕይወተይ ኣትዩ ዓቢ መቐይሮ ከም ዝሠርሐ ክብርሃልካ እፈቱ። እዚ ድማ መርኣያ መንፈሳዊ ጻዕርኻንን ድኻምካን’ዩ ። ኣነ ዋላኳ እታ ዝበለጸት ሓፍትኻ እንተዘይ ኮንኩ፤ ንስኻ ግን ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ዝሰርዖ እቲ ዝበለጸ ሓወይ ምዃንካ ክገልጸልካ እፈቱ። ንስኻ ኣብ ክርስቶስ ክጽጋዕ በትሪ ምርኩስ ኮንካኒ፡ ሓጊዝካኒ ጥራይ ዘይኮንካስ፡ ንመንፈሳዊ ሕይወት ብቐዳምነት እትሰርዕ ቃል ኣምላኽ ዕርድኻ ዝገብረካ፡ ንቃል ወንጌለ መከላኸሊ ድፋዕካ ዝገበርካ እሙን ሓወይ ኢኻ። ንስኻ ዓቢ መንፈሳዊ ሕልሚ ትሓልም፡ ንዝሓልምካዮ ሰማያዊ ሕልሚ ብተግባር ንኽትፍጽም ፋሕተርተር ትብል፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ምዕራፍ ጉዕዞኻ ንዝጻባኣካ ፈተነ ብሓጎስን ደስታን እትቕበል ወተሃደር ኣምላኽ ኢኻ። ንመስቀላዊ ፈተና ዓለም ኣብ ትገጥመሉ እዋን ፣ጸጋ ኣምላኽ ይፈስስ ምህላዉ ተረዲእካ፡ ንዝተኸስተ ናይ ጸላኢ ሠናይ ተኹስታት ብዋልታ ጸሎትን ጾምን እንተዓግት ህደኣት ዝናር ዕጥቅኻ፡ ጽድቂ እትሃድን ፍጡር ምዃንካ ከዘኻኽረካ ይደሊ።
ፋልመይቲ መዓልቲ ኣብ ስደት ንዓኻ ምልላየይ ንኣምላኸ ቅዱሳን ወትሩ የመስግኖ። ምስ ወላዲተይ ኮንካ ብመንፈሳዊ ጥበብ ክሰብሕ፡ንክርስቶስ መድኃኔ ዓለም መሪሕ ናይ ሕይወተይ፡ ልጓም ነፍሲ-ወከፍ ስጉሚ ጉዑዘይ ክገብሮ ሓጊዝካኒ። ንትማሊ ኣብ ሎሚ ኮይነ ብድሕሪኣ ክርእያ ከለኹ፡ ብፍቅሪ ጎበዝ ዝተታለለት ቤዛ፡ ንባሕርያዊ ኣንስታይ ጾትኣ ከም ጽሕዲ ሸሊማ ወትሩ ብመንእሰያት መዛኑኣ ክትነኣድ ለይትን ቀትርን ቅርጻ ከይበላሾ ኣብ ኣመጋግባ እትጥንቀቕ፡ ንእስነታ ብነጻ ዝሸጠት ብሃም ቤዛ ይዝክር። ብርሃን ቀንዲላ ኣጥፊኣ ጸልማት ዝሓረየት ሓጎሳ ካብ ሰባት፡ ክብራ ካብ መሓዙታ ክትምገብ እትብህግ ቤዛ ይዝክር። ሳሚ ሓወይ ነዛ ናይ ትማሊ ቤዛ ዝለበሰቶ ብላይ ላቄባ ዓለማዊ ቆርበት ዕፋፈታ ሓኺኻ፡ መንፈሳዊ ካባ ንኽትለብስ ኣትራኖስ ኮንካያ። ሓዳስ ቤዛዊት ንኽትሥራሕ መሠረታ ብዓንዲ ቅዱሳን፡ ኣብ ፍኖተ ጻድቃን ከም ትትከል ጌርካያ ። ነታ ናይ ትማሊ ቤዛ ሽንፍእ ነስኒሰ ፡ ጡፍ ኢለ ጽጉሪ ዓይና ኣንቢረ ገዛና እንዳ ማርያም ብምባል ርሒቀያ። ደበስ ፈትሓት ናይ ትማሊ ቤዛ፡ ኣብ ቅድሚ ካህና ቀሪባ ስለ ኃጥያታ እትንሳሕ ቤዛ ፈርያ። ኣንፈት መኣዝነይ ከይስሕት ጅፒአስ ሕይወት ዝኾነ ንስሓን ጸሎትን ኣጨቢጥካኒ። ብፍላጥ ኮነ ብዘይፍላጥ ካብ ከባቢ መንፈሳዉነት ራዳር መስ ዝወጽእ፡ ሥላሴ መኣዝነይ ክሕብሩኒ ኣብኦም ክጽጋዕ ብኣርመሞን ብኣንክሮን ንጸሎት ክነቅሕ ደጊፍካኒ። ስለዚ’የ ከኣ ዝናፍቀካ።
ኣብ ቅድመይ ቀይሕ ባሕሪ ተጊትሩ ኣብ ዝጸንሐሉ ግዜ ንበትሪ መሴ ብኩርናዕ ከም .........”
ኣብ መንጎ እናጸሓፍት ከላ ሰምሃር መሓዝኣ ትድዉል እሞ ቤዛ ገጻ ኣማዕቲባ ንሰምሃር ክትምልሰላ ተሌፎና ኣልዓለት። ሰምሃር መሓዝኣ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከም ዘላ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸበል ኣዳልያ ስለ ዘላ ብሓንሳብ ቡን ክሰትያ ሓተተታ፡ ቤዛ ቅድሚ ኣሉታዊ መልሲ ምሃባ ንማማ ኣብርሀት ማሚተይ ሰምሃር መሓዘይ ጸበል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣዳሊያ ኣላ እሞ ቅልጥፍ ኢለ በጺሐ ክመጽእ ፍቃድኪድ’ዩ ክኸይድ ብምባል ንወላዲታ ሓተተት። ማማ ኣብርሀት በሊ ቀልጢፍኪ ሸዓ ኢልኪ ተመለሲ በልኣ።
ሰምሃር ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ዲ.መርሃዉን ዲ.በረኸትን ጸንሓታ። ተተሓሒዞም ከኣ ናብ እንዳ ሰምሃር ከዱ። ጸሎት ጌሮም ነቲ ዝተቀረበ መአዲ ክበሉዑ ምስ ጀመሩ ሰምሃር ናዉቲ ቡን ቀራሪባ ቡን ክትቀሉ ጀመረት። ኣብቲ ገዛ ክልተ ሲድያ ነበራ ። እታ ሓንቲ ንኽልተ ሰብ ኮፍ እተበል ክትከዉን ከላ እታ ካልአይቲ ድማ ንሓደ ሰብ። ዲ.በረኸት ምስ ቤዛ ኣብ ሓደ ሰድያ ኮፍ ክብሉ ከለዉ ኣብቲ ጥቃ ቡን ዝፈልሕ ዘነበረ ወገን ድማ ዲ.መርሃዊ ኮፍ በላ ። ዲ.በረኸት ምስ ቤዛ ሓደ ኣርእስቲ ሒዞም ክዕልሉ ከለዉ ዲ.መርሃዊ ከኣ ምስ ሰምሃር ዕላል ከፈቱ።
ዲ.መርሃዊ፡ ቤዛን ሰምሃርን ኣብ ሚኒባስ ዲቅ ዝበለ ዕልላ ሒዘን ስለ ዝተዓዘበን ኣበይ ከም ዝፋለጣ ንሰምሃር ተወከሳ። ካብ ንእስነት ኣቲሒዘን ኣብ ሓደ ትምህርቲ ከም ዝተማህራ፡ ቤዛ ኣብ ኣካድያማዊ ትምህርቲ እታ ዝነፍዐት ተማሃሪት ኣብ ቤት ትምህርቶም ከም ዘነበረት ንዲ.መርሃዊ ነግረቶ። ኣብ ዓስራይ ክፍሊ ግና ብዘጓነፋ ሕማቅ ኣጋጣሚ ኣብ ትምህርቲ ከም ቀደማ ብልጫ ከም ዘይወሰደት፡ ኣብ ቤት-ትምህርትና እታ ዝተፈትወት ተማሃሪት ቤዛ ኔይራ ኵሉ ተመሃራይ ናይ ቤት ትምህርታና’ዩ ዝፈልጣ ኔይሩ። ቤዛ ኣብ ትምህርቲ ብመንፈዓታ ጥራይ ኣይኮነትን ትፈቶ ኔይራ፡ ብእትዉንኖ ሙቁሉል ጠባይን፡ ጽፉፍ ኣከዳድንኣን ምስቲ ፈጣሪ ዝዓደላ መልክዕ መን እሞ ዘይፈትዋ ዘነበረ። ዳሕራያ ግና ኣይጸበቀን ሓደ ኣብ ትምህርትና ኣብ ትምህርቲ መዋዳድርታ ዝነበረ ወዲ ብዕርክነት ኢሉ ምሳኣ ምስ ቀረበ ንሱ ተሓቢኡ ዉራይ ትምህርቱ እናገብረ ንቤዛ ሰንፈላል ገበራ። ንሳ ብግርህነታ ንሱ ድማ ብተንኮሉ ገንዘባ መጺ’ዩ ኣብ ትምህርቲ ከም ትሓምቅ ገበራ። ሓቂዲ’ዩ ሓሶት ኣይፈልጥን እምበር ሓደ መዓልቲ ክብረ ንጽህንኣ ምስ ወሰደ ካብኣ ተፈልዩ ይበሃል። ገሊኦም ሰባት ከኣ ክድፍራ ምስ ደለየ ካብኡ ከም ዝረሐቅት ይዛረቡ ምስ በለቶ ዲ.መርሃዊ ክኣመን ኣይከኣለን። ብዛዓባ እዛ! ምሳና ዘላ ቤዛ ዲኺ ትዛረቢ ዘለኺ ብሓቂ ብምባል ተገሪሙ ሓተታ።
በሊ ኣብዝስ ቤዛ ካብተን ብእምነተን ተረርቲ ዝኾና መንፈሳዉያ ኣሕዋትና ‘ያ፣ ኣብነታዊት መዝመራን ከኣ እምበር። ይገርመካ’ዩ ኣብዚ ዓዲ ካብ ዚአቱ ኣትሒዘ እታ ዝፈልጣ ቤዛ ኣይኮንኩን ዝርኢ ዘለኹ። ኵሉ ነገራታ ተለዊጣ ጸኒሓትኒ። ኣብ ኣስመራ ከለና ሓደ ሓደ ግዜ ቤተ-ክርስትያን ትኸይድ እኳ እንተ ነበረት ሕጂ ምስዚ ዘላቶ ደረጃ ከተወዳድሮ ከለኻ ግና ሰማይን ምድርን’ዩ ፍልልዩ። ዲ.መርሃዊ ሰምሃር ብዛዓባ ቤዛ ዝነገረቶ ታሪኽ ንልቡ ጨዉ ነግሖ፡ ብፍላይ እታ ብወዲ ተደፊራ መስለኒ ትብል ቃላ ፈጺማ ኣይተዋሕጠትሉን። ቤዛ ንዲያቆን ክትምርዖ ከም ዘይትኽእል ምፍላጡ ብጣዕሚ ሓዘነ። ለካን’ዶ ኣቦይ ቐሺ ቤዛ ንዓኻ ኣይትኸዉንን’ያ ዝወደይ ዝበሉኒ፡ ቤዛ ባዕላዉን ኣነ ንዓኻ ዝኸዉን ጓል ኣይኮንኩን ምባላ ዘኪሩ ድሕሪ ደጊም ቤዛ ክቀብጻ ከይፈተወ ዕረ እናጠዓሞ ተቀበሎ። ለካን’ዶ ዲ.ሳሚ ቀጻሊ ባዕልኻ ተዛረባ ዝበለንስ እዚ ዝዕንቅፉኒ፡ ዝዓግተኒ ተጻብኦ ከም ዘሎ ከነግረኒ ስለ ዘይደለየ’ዩ። ብጓሂ ሓዚኑ ኣንቃዕሪሩ ንላዕሊ ገጹ ጠመተ፡ ሰምሃር ዲያቆን እንታይ ደኣ እናኣዕለልኩኻ ናብ ካልእ ትሓስብ ኣለኻ፡ ናይ ቤዛ ነገር ኣሕዚንካድ’ዩ በለቶ። ያእ ኣይፋለየን ዝኾነ ሥራሕ ንሰብ ዝሃብክዎ ኔሩስ ሰሊጡዎ’ዶ ይኸዉን እናበልኩ እምበር ይሓሰብ ኣለኹ።
ዲያቆን በረኸት ኣብ መንጎ ዕላሎም ተፈላልኻ ምዕላል ጸቡቅ ኣይኮነ እሞ ናይ ሓባር ንግበሮ ወይ ከኣ ዲያቆን መርሃዊ መሃረና በለ ። ዲ.መርሃዊ ትቅብል ኣቢሉ ካብ ትምህርቲ ምመሃርሲ ሓደ ኣርእስቲ ኣምጺና እንተ ንመያየጠሉ ይሓይሽ መስለኒ በለ። እንታይ ይሓይሽ ሰምሃር፡ ቤዛ ምረጻ በለ ዲ.በረኸት። ንስኹም ዝሓረኹሞ ኢለን መልሳ ክልቲኣን ብሓባር። እሞ ደሓን ኣብዚኣ ምስ ቤዛ ዝጀመርናያ ኣርእስቲ ኣላ እሞ ብእኣ እንተ ተዛረብና እንታይ ይመስለኩም ሐተተ ዲያቆን በረኸት። እቲ ኣርእስቲ ንኵላትና ተሳትፍ መስለኒ “ መንእሰያት ደቂ ኦርቶዶክስ ስለምንታዮም ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተጸሚዶም ዘይነብሩ ከምኡውን ኣብ ቤተ-ክርስትያን ከገልግሉ ዝጸንሑ ኣሕዋት ካብ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ስለምንታይ ይርሕቁ “ ጹቡቅ ኣርእስቲ ብሓቂ እሞ ሃየ ብኣኹም ጀምሩ ደሓር ናባና ገጹ ይቅጽል በለ ዲ.መርሃዊ። ሰምሃር ብድያቆናት ይጀምር እምበር ንሕና ደኣ ተማሃሮ እንዲና በለት። ቤዛ ሓቓ’ላ ሳሙ ሓፍተይ፡ ዝያዳ ንስኹም ኢኹም ትፈልጥዎ እሞ እናተሓጋገዝኩም መሃሩና በለት። ዲ.በረኸት ብዲያቆናት ክጅመር ጹብቅ ሓሳብ’ዩ፡ እንተኾነ እቲ ኣርእስቲ ንኵላትና ስለዝምልከት፡ ነፍሲወከፍ ሰብ ሓሳባቱ ክፍስስ ኣለዉ ብምባል ተሳማምዑ።

ርኢቶ ምሃብ ብዲ.መርሃዊ ተጀመረ ።
ኣነ ከምዝ መስለኒ መንእሰናያት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘይመጹ ቀንዲ ምኽንያት ሰኣን ኣፍልጦ እየ ዝብል ። ከምቲ ነህምያ ዝበሎ ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ ስለዚ ሰኣን ኣፍልጦ ዝጠፍእ ሰብ ብዙሕ’ዩ ዘሎ። ከምቲ ዝድለ ጹሩይ ቃል ወንጌል ንመንእሰያት ኣይበጽሖም ዘሎ ። ንኣብነት ኣብዚ ቤተ-ክርስትያና ዘለዉ ሰበኻ ጉባኤ ቃላ ኣምላኽ ምስ በጽሖም ፍቅሪ ኣምላኽ ማሪኽዎም ስለ ቤተ-ክርስትያን ላዕልን ታሕትን ክብሉ ንዕዘብ ። ናተይ ርኢቶ እዚ ይመስል። ዲ.በረኸት ንዲ.መርሃዊ እታ ካልአይቲ ሕቶ ምሰኣ ለክማ ስለምንታይ “ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተጸጊዖም ዘገልግሉ ዘነበሩ ኣሕዋት ካብ ቤተ-ክርስትያን ክርሕቁ ዝርአ ስለምንታይ ይመስለካ “ ዲ.መርሃዊ እታ ቃዳመይቲ ርኢቶይ ሂበላ ኣለኹ እሞ ሃየ ከኣ ንስኹም ተሳተፉ እባ ፡ ነታ ካልአይቲ ሕቶ መልሲ ምሃብ ዋላ ብኣኻ ይጀመር ዲ.በረኸት በለ ዲ.መርሃዊ።
ዲ.በረኸት ኣነ እዞም ቤተ-ክርስትያን ጽግዕ ጽግዕ ዝበሉ ዝነበሩ ካብ ቤተ-ክርስትያን ዝእለዩ ዘለዉ ቀንዲ ምኽንያት ብስምዒት ስለ ዝኸዱ ይመስለኒ። መንፈሳዊ ሕይወት ብርድኢት እምበር ብስሚዒት እንተ ሒዝካዮ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሑጻ ዝተሠረተ ቤተ’ዩ ፡ ብቀሊሉ ብማይ ወይ ብምንፋስ ይፈርስ ፡ ብስምዒት ዝተሓዝ መንፈሳዊ ጉዕዞ ከኣ ብዝኾነ ፈተነ ቀልጢፉ ይዕሎ። ቃለ ሕይወት የስምዓልና ዲ.በረኸት በለ ዲ.መርሃዊ እሞ ሕጂ ናበኽን እዩ ደቂቀ ሔዋን በለ። ቤዛ፡ ንሰምሃር ቅድሚኣ ርኢቶኣ ክትሀብ ለመነታ ።
ሰምሃር አነ መንእሰያት ናብ ቤተ-ክርስትያን ዘይመጹ ቀንዲ ምኽንያት ዝዕንቅፎም እንተሎ ኣብ ኣእምርኦም ቤተ-ክርስትያን ናይ ጻድቃን ጥራይ ኢሎም ስለ ዝግምቱ ይመስለኒ። ቤተ-ክርስትያን እንተ ኸይድካ ካብ ኵሉ ንጥፈታት ትእለ ኮይኑ ይስምዖም። ንኣብነት ኵዕሶ ዘይትጻወት፡ ምስ መሓዙትካ ዘይትስሕቅ፡ ኮታስ ካብ ማሕበራዊ ናብራ ተኣሊኻ ለይትን መዓልትን ኣብ ጸሎት ተኣሊኽካ ትዉዕል ይመስሎም። ክሳብ ሕጂ ጽቡቅ ነጥብታት ይጥቀስ ኣሎ በለ ዲ.በረኸት እሞ ቤዛ ታራኺ’ዩ መድረኽ ናባኺ’ዩ።
እንታይ እሞ ክብለኩም’የ ኵሉ ወዲኩእሞ እንዲኹም በለት ቤዛ ። ዝዘርዘርኩሞ ነጥብታት ክደገም እንተዘይ ኮይነ ዝብሎ የብለይን በለት። ያእ ኣይፋልክን ግደንት ሓሳብኪ ሃቢ ስለ ዝተበሃለት ግና ተገዲዳ ርእይቶኣ ክትህበብ ከናፍራ ብመልሓሳ ብምጥልቃይ እእእ ኢላ ሓሳባታ ብምእካብ ከምዚ ክትብል ጀመረት። መንእሰያት ካብ ቤተ-ክርስቲያን ዝኣልዮም ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ። እቲ ቀንዲ ከምዚ ክጠቅስዎ ዝጸናሕኩም ኮይኑ ኣነ ብወገነይ ኣብ ትምህርቲ ሰንበት ከማልኦ ዘለዎ ነገራት ክጠቅስ ክፍትን’የ። ትምህርቲ ሰንበት ኣብ ኣመሃህራና ጥበብ ንጥቀም ኮይኑ ኣይሰመዓን። ብፍላይ ነቶም ቤተ-ክርስትያን ብዙሕ ግዜ ዝተመላለሱን ነቶም ከምዚ ከማይ ሓደሽቲ ዝኾና ሰባት ሓደ ዝዓቐኑ ትምህርቲ ይወሃበና ኣሎ። ተሪርን ልስሉስን ትምህርቲ ብሓደ ክወሃብና ከሎ ነቲ ልስሉስ ትምህርቲ ሓይኽና ንዉሕጦ እሞ እቲ ዓጺቅ ትምህርቲ ግን ከም ጭዋዳ ስለ ዝተረና ሓይኽና ምቁርጣሙ ምስ ከበደና ጥፎ ነብሎ።
ካልኣይ ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብ መድረኽ ዝተሓጸረ ጥራይ’ዩ እናኾነ ድሕሪ መደብ ምዉድኡ ንሓደሽቲ ኣባላት ትረፉ ኢልና ምሳና ምሕዝነት ክምስርቱ ዕድል ኣይንኸፍትን ዘለና ። ክርስትና ሕይወት ኣብ ቤተ-እግዚአብሔር ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይኮነን፡ ዝበዝሕ ግዜና ካብ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኢና ንሕልፎ ስለዚ ክርስትና ኣብ ማሕበራዊ ናብራ ብኸመይ ንጥቀመሉ ትምህርቲ ክዛይድ ኣለዎ ይብል።
ሣልሳይ ከኣ እቶም ኣብ መንፈሳዊ ሕይወት ተጸሚድና መንፈሳዊ ኣገልግሎት እንህብ ኣባላት ትምህርቲ ሰንበት፡ ሓደ እግርና ኣብ ዓለም እቲ ካልኣይ እግርና ድማ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ተንጠልጢሉ ስለ ዝርከብ መንእሰያትና ናዓና ክርእዩ ከለው ክላእ በዓል እክለ እኳ ንባዕሉም ብክርስትና ሕይወት ዘይደልደሉ ከመይ ጌሮም ንዓና አብነት ክኾኑ ይኽእሉ ብምባል ንድሕሪት ይምለሱ። መርከብ ኣብ ባሕሪ ጸንበለል ክትብል ሠናይ’ዩ፡ ነገር ግን ባሕሪ ኣብ መርከብ ከንሳፍፍ እንተ ጀሚሩ ጸገም ይፍጠር ፡እታ መርከብ ኣብ መወዳእቱኡ ከም ትጥሕል እቶም ተሳፈርታ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣትዉ ርጉጽ’ዩ። ስለዚ ንሕናዉን ንዓለም እንተዘይ ሲዒርናያ ዓለም ኣብ ልዕሌና እንተ ዘንቢያ መንእሰያት ክመጹ ኣይክእሉን ዝይዳ’ኳ ደኣ መንእሰይትና ካብ ቤተ-ክርስትያን ክርሕቁ ክንዕዘብ ኢና እሞ፣ ርእቶይ ወዲአ ኣለኹ እንተተጋጊየ መምሃራነይ ትእርሙኒ በለት። ዲ.በረኸትን ዲ.መርሃዉን ቤዛ ዘቅረበቶ ሓሳብ ኣብ ርእሶም ኳሕ ኣበሎም እሞ ተሰቀቁ ። ዲ.በረኸት ሓቅኺ ኣለኺ ቤዛ ዋላ ጌጋ ዝበሃል የብልክን በለ። ዲ.መርሃዊ ብሓቂ ሎሚ ዝተቀደሰት መዓልቲ’ያ ብዙሕ ተኸዊልኒ ዘሎ ነገራት ይግለጸለይ ኣሎ እሞ ሃየ ቀጽሉ ነብሳላ እዛ ኣርእስቲ፣ ርኢቶኹም ኣዉሕዙ ምስ ተበሃሉ ክሳብ እታ ቡን ትወዲኣ ትወረድ ካብ ሕድሕዳዊ ተመክሮ ብዝሕ ትምህርቲ ተለዋወጡ።

15 ክፋል ኣብ ዝመጽእ ሰሙን

 

ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር።

ቤዛ ናቱ

 

Comments are closed.